ህግደፍ ዘዝዘመሮ ምድጋም ክሳብ መዓስ!

2018-12-20 20:20:26 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1739 times

ጉጅለ ህግደፍ ዕላማ ዘለዎ ኣካል እዩ። ናይ ዕላምኡ ማእከላይ ነጥቢ ከኣ ንኹሉ መሰል ህዝቢ ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምንባር እዩ። እዚ ዕላማኡ ብመሰረቱ ካብ ናይ ፍሉይ ጉጅለ ምናልባት እውን ዲክታቶር ውልቀሰብ ድሌትን ባህግን ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ ጸረ ህዝቢ ብዛዕባ ምዃኑ ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ብክለሰ-ሓሳብ ዝበሃል ጥራይ ዘይኮነ ብናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕሱም መነባብሮ ዝተመስከረ እዩ።

ዝምድና ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ናይ መሰል ዝሓትትን መሰል ዝነፍግን፡ ፍትሒ ዝሓትትን ፍትሒ ዝነፍግን፡ ኮታ ኣብ መንጎ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሓትትን ብዘይሕጊ ጨፍሊቑ ናይ ዝገዝእን፡ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ዝምድና እዩ ኢልካ ዝድምደም እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ይግዛእ ኣሎ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውጹዓት ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉ ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ።  ጉጅለ ህግደፍ ግና ንገዛእ ርእሱ ከጸባብቕ ነቲ ናይ ህዝቢ ስቕታ ከም ንመግዛእታዊ ስርዓቱ  ምቕባል ክወስዶ ከም ዝፍትን ንዕዘብ ኢና። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከኣ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ስለቲ ስቕ ኢሉ ዝተገዝኣሉ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክንእዶ ንሰምዕ ኢና። እንተኾነ እዚ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስጋና ንባህሪ እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ።

ኩልና ከም እንረዳደኣሉ ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ዕድመ ረኺብሉ ዘሎ ብሳላ ብቕዓቱ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ናይቶም ኣብ ምውጋዱ ረብሓን ሓላፍነትን ዘለና ወገናት ድኽመት ዝተመስረተ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዞም ከሎ ጋና ንህግደፍ ከነወግዶ ዝግበኣና ዝነበረ ኣካላት ድኽመት ብዙሕ መግለጽታት ኣለዎ። ኣብዚ እቲ በሪኽ ቦታ ዝሕዝ ድኽመት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምስ ዝነፈሰ እንዳነፈሰ መዕሸዊ መብጸዓታትን መግለጽታትን ክዝርግሕ እንከሎ ተቐቢልካ ምድጋምን ምቅላሕን እዩ። ዶብና ተነጺሩ ልኡላውነትና ከይተረጋገጸ ኣይንዛተን ኢና ክብል እንከሎ ከምዘለዎ ወስዲና ነቃለሓሉ፡ ደሓር ተጠውዩ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘይተራእየሉ፡ “ደጊም ጉዳይ ምምልካት ዶባትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ዘልዕሉ ናይ ሰላም ሰመምቲ እዮም” ክብል እንከሎ ነዚ እውን ተቐቢልና ነጸባብቐሉ፡ ኣብዘይጉዳዩ ኣትዩ ናቱ ናይ ጸወታ ሕጊ ዘይረኣየ “ደጊም ናይ እገለ ጸወታ ተወዲኡ እዩ” ኢሉ ኣብዘይጉዳዩ ኣትዩ ጸላኢ ክዕድም እንከሎ ኣብዚ እውን ንምርቐሉ፡ “ሕገመንግስቲ ከይተሰርሓሉ በርዒኑ” ክብል እንከሎ እውን፡ ኣብ ክንዲ ስለምንታይ? መተካእትኡኸ? ክሳብ መዓስ? ንብል ናትና መራጐዲ ወሲኽና ከነሻህርቶ እንከለና ህግደፍ ብኹርምቱ እንዳሰሓቐ፡ እንዳዋቐዐ ንክነብር ኩነታት ነጣጥሓሉ ኣለና ማለት እዩ።

ካልእስ ይትረፍ ባዕሉ ንባዕሉ ሓሳባቱ ከጋጩ እንከሎ’ኳ ዘይነቕልበሉ ብዙሓት ኢና። እስኪ ርሑቕ ከይከድና ትማሊ “ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ተነጺጉ፡ ልኡላውነትና ተደፊሩ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ መሬትና ሰፊሩ ህዝብና ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እንከሎ፡ ብዛዕባ ምንታይ ኢና ኣብ 5 ነጥብታት ክንዛተ” እንዳበለ ሓቂ ከምስል ብናህሪ ዝምድር ዝነበረ ኢሱ፡ ሎሚ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዓጢጥዎ ዘይኮነስ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ንምርካብን ናይዚ ከባቢ ጎይተቱ ፈቓድ ንምምላእን፡ “ኣብ ጉዳይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይከሰርናን። ጠንቂ ውግእ ዶብ ኣይነበረን። ምስ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ናብ ዘይምለስ ሰላም በጺሕና ኢና። ብዛዕባ ሚልዮን ህዝብታት እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮናን ክንግደስ ዝግበኣና። ከም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝኣመሰለ መራሒ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና፡ ዶክተር ኣብይ ክመርሕናን ብዘይናተይ ፈቓድ ናብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ ክኸይድን ፈቒደሉ እየ” እንዳበለ ክግዕር እንከሎ፡ ብዘይካቶም ብቕሉዕ ዝቃወምዎ፡ ብውሽጡ “እዋእ እንታ እዚ ሰብኣይ ትማሊ ደኣ እንታይ ድዩ ዝብል ነይሩ? እምበርከ ብጥዕነኡ ድዩ” ዘይብል ኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እንተኾነ እዚ ኣበሃህላ ኣብንዲ ቃልዕ ወጺኡ ብዓውታ ዝቃላሕ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ምትራፉ  ትርጉም ኣይህልዎን እዩ እሞ፡ ሳዕሪሩ ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ከይበጸሓ ንሕሰበሉ።

ብዓብይኡ ኣብቲ ካባና ካብቶም ግዳይ ጉጅለ ህግደፍ ኮይንና ዘለና ዝድለ፡ መራሒ ህግደፍ ይኹን ኣዝዮም ውሑዳት ደቀመዛምርቱ ንዝብልዎ ከም ዘለዎ ወሲድካ ምዝራዉ ክተርፍ ይግበኦ። እዚ ጉጅለ ኩሉ ዝብሎ ካብ ናቱ ጸቢብ ረብሓ  ዝወስዶ ናይ ወጽዓ ቋንቋ እዩ። ረብሓኡ ረብሓ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮነ ከኣ ኣንጻር ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ነቲ ዝበሃል ብመንጽር ረብሓኡን ለውጥን ማለት፡ ሰላም፡ መሰረታዊ መሰል፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሕን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን  እንዳመዘነ ዝቕበሎ ናይ ምቕባል ክነጽጎ ዝግበኦ ከኣ ናይ ምንጻግ ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ይግበኦ። ህግደፍ ዘዝዘርኦ መርዚ ብዕሙት ምቕባል፡ ኣይኮነንዶ ብቓልሲ ፈሊሑ ካብ ዝገረረ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ እውን እትጽበዮ ኣይኮነን። ንሓደ ኣካል ክንድግፍን ክንቃወምን ወይ ክንፈቱን ክንጸልእን እንከለና ነቲ ህግደፍ ዝነዝሖ ብጸቢብ መንፊት ክንነፍዮ ይግበኣና።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ናይ ህግደፍ ተሓቢኡ ግዜ ክጽበ ዝጸንሐ ተንኮላት እንዳነጸረ ምምጻኡ፡ እኹል’ኳ እንተዘይተባህለ ተንኮላት ህግደፍ ከምዘለዎ ወሲድካ ናይ ምርባሑ ግጉይ መንገዲ ይንኪ ኣሎ። ንኣብነት ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ኩነታት ምፍጣሩን ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዓበድበድ ዘይቅበሉ ግና ድማ በሪኾም ዘይተቃልሑ ምጉርምራማት ይውስኹ ኣለዉ። “መላምል ደቅና ከፊልናስ ኣብቲ ውግእ ኣይከሰርናን ማለት እንታይ ማለት እዩ?፡ ወዮ ደቅና ዝወደቕሉ ጉዳይ ልኡላውነት ስለምንታይ ግቡእ ቆላሕታ ኣይረኸበን?፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ዝምድና ስለምንታይ ንህዝቢ ነጺሩ ቀጥዒ ዘይሕዝ? ወዮም ንዛመዶም ዘለና ኢትዮጵያውያን 24 ሰዓታት ኣብ ባንክ ዘለዎም ግንዘብ ከም ድላዮም ከንቀሳቕሱ እንከለዉ፡ ንሕና ግና ብገዛእ ገንዘብና ኣብ ወርሒ ቁንጣሮ ናቕፋ ጥራይ እንዳተተኾብና ከመይ ጌርና ኢና ንግዳዊ ዝምድና ነካይድ?,,,, ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ኣብ እንዳኹሉ ኤርትራዊ ዝለዓሉ ዘለዉ እዮም። እዚ ከኣ ህግደፍ ዘዝዘመሮ ከምዘለዎ ተቐቢልካ ናይ ምድጋም ባህሊ የብቅዕ ከምዘሎ ዘርእን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ክቃላሕ ዝግበኦን እዩ።

Last modified on Thursday, 20 December 2018 21:24