“ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል”

2018-12-12 08:32:31 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2533 times

ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ኤርትራ ኣብ ዓለምና ብግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝልለያ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ክትጥቀስ ጸኒሓ እያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ “ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ኣሉታዊ ቅጽል ክወሃባ እውን ክንዕዘብ ጸኒሓ ኢና። ኣብዚ ሚዛንዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መምዘንታት እዩ ጸኒሕዎም። ንሕና ኤርትራውያን ንጉጅለ ህግደፍ ክንገልጾ እንከለና፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ሕጂ’ውን ዘይተቐየረ ገበናቱ ኢና እንብገስ። ካለኦት ወገናት ግና ሕማቕ ህይወት ህዝብና ዓጢጥዎም ዘይኮነ ካብ ክብሮምን ዞባዊ ረብሓኦምን ክብገሱ ከም ዝጸንሑ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብብሩህ ንዕዘቦ ኣለና። ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ኣብ ጎንደር ንሓንሳብ ድማ ኣብ ኣዋሳ ክምረቕን ጋብታት ክስለምን ዝውዕል ዘሎ፡ ነቶም ሰለምቲ ስለ ዘድለዮም እምበር ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሓኑ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ተዓቢጥሉ ዝጸንሐ ዕጽዊ ሳንዱቕ ወጺኡ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ሽፉን ምዕራፍ ኣትዩ። ነዚ ከምቲ ባዕሉ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ዝተኣመነሉ፡ ብናይ ርሑቕ ሓይልታት ዞባዊ ረብሓ ዝተወጠነ ለውጢ ተጠቒሙ እነሆ ኣብዚ ከባቢ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ኣሎ። ንሓንሳብስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀ ክነሱ፡ ናይ ሰላም ዘማሪ መሲሉ ክቐርብ ዝተደናደነሉ ኩነታት’ውን ተዓዚብና። ምስዚ ኩሉ ግና ብዘይካ ውሱናት ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ቤተሰብ ብቐሊሉ ምርኻብን፡ ጐዳኢኡ ድዩ ጠቓሚኡ ዘይተነጸረ ኣዝዩ ውሱን ዘይስሩዕ ንግዳዊ ንጥፈታት ምርኣይ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወዛሕዛሕ ዝረኸቦ መሰረታዊ ናይ መሰል ረብሓ የለን። ምኽንያቱ ናይዚ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ናይ ከባቢና ሃገራትን ዝውቃዕ ዘሎ ዳንኬራ ቀንዲ መንቀሊ፡ ዞባዊ ረብሓ ሓያላት እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ስለ ዘይነበረ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ተባዕ ኤርትራዊ ሃይማኖታዊ መራሒ “ቀንዲ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ስሚንቶን ጻዓዳ ፊኖን ኣይኮነን” ዝበልዎ ግቡእ ኣድህቦ ክንህቦ ዝግበና እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቶም ዞባውያን ተወዳደርቲ ጌና ንካልእ እስትራተጅካዊ ጉዳያት ስለ ዘድልዮም ከተባብዕዎ ከም ዝወጠኑ ብዙሓት ገበኑ ሸፊንካ ዘይምስሉ ናይ ምሃብ ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ኣብ ክንዲ መሕነቒኡ ገመድ፡ ዝእሰረሉ ዘሎ መማላኽዒ ወርቂ ማዕተባት ናይዚ ኣብነት እዩ። ጉጅለ ህገድፍ ዝመርሖ መንግስቲ ኣባል ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝኸውን ምግባሩ ከኣ ካልእ ኣንዳስሓቐ ዘስደምም ተግባር እዩ። እቶም ናብዚ ዘብጽሕዎ ወገናት ሕጂ’ውን ናቶም ሕሳብ ኣለዎም። እዚ ሕሳቦም ከኣ ካብ ናቶም ክብርን ዞባዊ ሕሳብን እምበር ካብ ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝምልከት ዝነቅል ኣይኮነን። ህግደፍ ከኣ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ንምርስሳዕ ዝተቐበሎ ህያብ እዩ። እዚ ተግባር ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስተናዕቖ ናይቲ ትካል ክብደት ዝንኪ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝሽፈን ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ዘለዎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ዳንኬራ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዝተነፍገ መሰላት ሕጂ’ውን ንፉግ እዩ ዘሎ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣዋፈርቱን’ኳ ክኾሓሕልዎን ግነዕት ክህብዎን እንተፈተኑ፡ ዝኾነ ዘቤታዊ ለውጢ የብሉን። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ለውጢ ከምጽእ ብዙሓት ግሩሃትን ጐረሓትን ኣንቢረምዎ ዝነበሩ ተስፋ ባዶ እዩ። እኳደኣ ካልእ ነቲ ዝተዋሕሰ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝህድድ መዘዝ ሒዙ ዝመጸ እዩ። እቶም ንጉጅለ ኢሳይያስ ምእንቲ ናቶም ረብሓ ከተዓባብይዎ ሓሓሊፎም ከልዕልዎ ዝፈተኑ ጉዳያት ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከልዕሉ እንከለዉ ብዛዕባቶም ኣብ ኣስመራ ኣብ ኢምባሲኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ’ሞ ብህግደፍ ዝተኣስሩ እምበር፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዝያዳ 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣይኮኑን። ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሓሳቦም ምግላጾም፡ ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰሎም ምሕታቶም፡ ናተይ ዝበልዎ እምነት ምስዓቦም፡ ግዱድ ዕስክርና ምቅዋሞም፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይማስኑ ምህላዎም ብዘይምፍላጥ ዘይኮነ፡ ስለ ዘይተገደስሉ እዮም። እዚ እዩ ከኣ ምእንቲ ክብሮም እምበር ምእንቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝርህርህ ሕልና የብሎምን ዘብለና።

እዚ ዘረደኣና እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ንውሽጣዊ ጉዳያት ብደጋዊ ገልታዕታዕ ሸፊንካ ካብ ናይ ምኻድ ባህሪኡ ዘይወጸን ዘይወጽእን ምዃኑ እዩ። ብዘይካዚ ናይ ግዳም ሓይልታት ዘገድሶም ጉዳዮምን ረብሓኦምን እምበር ኤርትራዊ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ዘነጽር እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበደለ እንተበደለ፡ ወዮም ብጉዳይ መሰል ወዲ ሰብ ንግደስ ኢና ዝብሉ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መግለጽታት ምውጻእ ሓሊፎም ዘሕምሞ ስጉምቲ ዘይወስዱ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ናይ ግዳም ኢድ እንተገደደ መመላእታ እምበር፡ ኣብቲ ጉዳይና ንኣበርክቶና ዘይትክእ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ከም ኩሉ ግዜ ሎሚ’ውን እታ ኣርዑት ኣብ ዝባና እያ ዘላ። ህግደፍ ምስ ከኣ ናይ ርሑቕን ቀረባን እንዳተመሓዘወን ኣብ ናይ ካለኦት ኢድ እንዳእተወን ኤርትራዊ ውሽጣዊ ኩነታት ንምሕባእ ይሕግዘኒ ዝብሎ ስጉምቲ ካብ ምውሳድን ዘይንጹር ስምምዓት ካብ ምኽታምን ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ።

Last modified on Wednesday, 12 December 2018 09:35