ዕዉት ናይ ድራር ምስዮት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

2018-12-20 20:24:11 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ 2010  ጨንፈር ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1614 times

ብዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝቕመጣ ግዱሳት ኣዴታትን ኣሓትን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማ  ኤርትራ ጨንፈር ጀርመንን  ዘዳለዉዎ፡  ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንራህዋን ሓርነትን ኣካላቶም ዘበጀዉን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ሃገረ ሱዳን ዝነብሩ ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ኣካለ ጽጉማ ኤርትራውያንን ንምሕጋዝ ኣብ  ኣዳራሽ SAALBAU GALLUS Frankenallee  111፡  60326 Frankfurt  ዕዉት ናይ ድራር ምስዮት ተኻይዱ።

ኣብ ጀርመን ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፎርት፣ በዘን ሕድረን ዘይጠለማ፡ ኣሕዋት ብስም ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ናይ ድራር ምስዮት ካብዝጅምርን ኣብ ዓመት እንተዋሓደ ክልተ ግዜ እንተዘይኮነውን ካብኡ ንላዕሊ እንዳተጸውዐ ካብዝካየድን ድሮ ዓስራይ ዓመቱ ሒዙ ምህላዉ ክዝከር ይግባእ። እዚ ናይ ድራር ምስዮታት‘ዚ፡ ብዜጋታቶምን ጽጉማቶምን ዝግደሱን፡ ክብሪ መውጋእትን ስንክልናን ዘለለዩን ኣሕዋትን ኣሓትን ሰማዒ ሕልና ስለዝረኸበ ድማዩ ክቅጽል ክኢሉ። 

ኣብዝተገብረ ናይ ድራር ምስዮት፡ ብርክት ዝበሉ እቲ መደብ ካብ ነዊሕ ዘገድሶምን ዕድመ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ብኣካልን ብትሕዝቶን ዘይተፈልይዎ ዕድመኛታት ተረኺቦም ዕዉት ዝዀነ ገንዘባዊ ውጽኢት ገይሮም። ኣብዚ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 22.00 ዝተኻየደ ምስዮትዚ፡ እቲ ቀንዲ መእከብን መራኸብን ዝኮነ ጉዳይ፡ ንዉጉኣት ሓርነት ንምሕጋዝ እዃ ይኹን እምበር፡ ካብኡ ዝለዓለ፡ ነቲ ርክብ ዘደልድልን ዘብህግን ከኣ፡ እቲ ብተሳተፍቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቐርበ መዘናግዒ ዋዛ ምስ ቁም-ነገርን ላዛን፣ ማሕበራዊ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳልን ፍቕርን ሕውነትን ኣብምርግጋጽን ኣገዳሲ ተራ ስለዘለዎ፡ እቲ ምስዮት ዝተደራረበ ውጻኢት ከምዝነበሮ ኣብ መንፍስ ተሳተፍቲ ዝረኤ ዝነበረ ደስታን ጸወታን ዝምስክሮ ብምንባሩ፡ ድርብ በዓል እዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል።

ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ግዱሳት ኣሓት ንዝገበርኦ ዘይሕለል ጻዕርን ንዘተዳለወ ሽሻይን ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፣ ናይቲ ምስዮት ዕላማ ንምዕዋት ወፈያታት ከበርክሩ ከለዉ፡ ኣብቲ ምስዮት ዘይተረኽቡ ግን ከኣ ድሒሮም ኣስተዋጽእኦም ንዝለገሱ ወሲኽካ ብድምር  ክሳብ 1.150.00-ኤውሮ ( ሓደ ሽሕን ሚኢትን ሓምሳን ኤውሮ) ከምዝለገሱ ክንሕብር ከለና፡ ኣዳለውቲ መደብ ብሸነኸን፣ ንዝተገብረ ወፈያን ልግስን ብምምስጋን፡ ቀጻልነቱ ኣብተሳትፎ ዜጋታት ምዃኑን፣ ኩልና ብእንገብሮ ኣበርክቶ ጽጉማትና ከፊእዎም ክሓድሩ ከምዘይክእሉን ፍናን ብዝመልኦ ቃል ኣመልኪተን ምስዮት ብሰላም ተዛዚሙ። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብዚ ምስዮት እዚ ክሳተፉ ዘይካኣሉ ድማ፡ ወፈያኦም ብባንክ ከበርክቱ ምዃኖም ትስፉዋት ኢና።

ኣብዚ ዓመት‘ዚ 2018፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፣ ፍራንክፎርት፡ ኮለን፡ ሽቱትጋርትን ካስልን ንመደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ንምሕጋዝ ሓያሎይ ናይ ድራር ምስዮታትን ኣኼባታትን ተኻይዱ፣ እቲ ዕላማ ንጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብምዃኑ ድማ ብዙሓት ነቲ ሽግር ዝተገንዘቡ፡ ቃንዛ ኣሕዋቶም ዝተሰምዖም ዜጋታት ተሳቲፈሞ። እዚ ሞራላውን ሕልናውን ተሳትፎን ኒሕን ልግስን ክሳብ ዘሎ ድማ፡ ጽጉማትን ውጉኣትን ሓርነት መደበር ከሰላ፣ ካልእስ ይትረፍ መነባብርኦም ውሑስን ዝተማሓየሸን ክኸውን ተስፋ ኣሎ። ስለዚ ድማ ንኩሎም‘ቶም፡ ነዚ መደብዚ ኣብምዕዋት ግዲኦም/ግዲኤን ንዘበርከቱ/ንዘበርከታን ኤርትራውያን፡ መደባት ማሕበር ኣብምቅላሕን ሓበሬታት ኣብ ምዝርጋሕን ዝተሓባበራ ዜናዊ ትካላት፡ ምምሕዳር ኣብ ካስል ዝርከብ  ክበብ ቶጎሩባ ብዝገበሮ እንግዶትን ምትሕግጋዝን፡ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን  ኮለንን፡ ሽቱትጋርትን ብስም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ 2010 ጨንፈር ጀርመን  ልባዊ ምስጋና ነቕርብ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ዜጋታትን ማሕበራትን ድማ ደገፎምን ጻዕርታቶምን ከዕዝዙ ንጽውዑ።

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ 2010  ጨንፈር ጀርመን

Last modified on Thursday, 20 December 2018 21:34