ኣገዳሲ ሓበሬታ

2018-08-12 11:44:33 Written by  ኣዕሩኽ ኣካለ ጽጉማት ኤርትራ ኣብ ሎንዶን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2120 times

ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰንከሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝጽበዩ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ብጾትናን ንምሕጋዝ ኣብ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ናይ ድራር ዕድመ ኣብ ሎንዶን ኣዳሊና ኔርና። ኣብዚ፡ ኣታዊኡ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዝውዕል ናይ ድራር ዕድመ፡ ብርክት ዝበሉ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ገለ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ገለ ድማ ወፈያኦም ብምስዳድ ዓቢ ኣበርክቶ ክም ዝገበሩልና ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብዚ መዓልቲዚን ቅድሚኡን ኣብ ዝነበረን ናይ ወፈያ ጐሽጓሽን ብጠቕላላ 1783.00 ፓውንድ (ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰማንያን ሰለስተን ፓውንድ) ተኣኪቡ ናብ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኢርትራ ተላኢኹ።

ንኹሉ ኣበርክቶኡ ዘወፈየ ሕልና ዘለዎ ዚጋ ኣጸቢቕና ነመስግን። እዞም ተጸበይቲ ሓገዝና ክሳብ ዘለዉ፡ ጻዋዒትና ዘየቋርጽ ስለዝኾነ ልግሲኹም ከይፍለየና ሓደራ ንብል።

ብፍላይ፡ ነዚ ሰናይ ናይ ምግባር መዓልቲ ዕዉት ንምግባር ንኹሉቲ ዝብላዕን ዝስተን ብኽሳረኤን ዘቕረባ፡ ከም ሰበን ድማ ገንዘባዊ ወፈያ ዝገበራ ተቐመጥቲ ከተማ ሎንዶን ኣደታትን ኣሓትን ወሰን ዘይብሉ ምስጋና ነቕርብ።

ብዚ ዝተገብረ ኣኼባ ኣባልምምሕዳርማሕበርኣካለጽጉማንኤርትራ፡ኣቶኣፈወርቂኣባይኣብመንጎናተረኺቡብዛዕባህሉው ነታ መደበር ከሰላንኣቋበርለ ጽጉማን ርትራን ብስፍሕ ዝበለ ገሊጹ ኣብርእኡ ድማ ከምተ ካልኦት ዓዲታት ዓዲ እንግሊዝውን ዕላዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ክትምስርት ለበዋኡ ሂቡ።

ንዘወፈኽሞ ሰናይ ኣስተዋጽኦኹም ነመስግን።

ኣዕሩኽ ኣካለ ጽጉማት ኤርትራ ኣብ ሎንዶን

Last modified on Sunday, 12 August 2018 13:49