ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ኣብ ፍራንክፈርት

2018-08-12 11:42:00 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1959 times

ብምትሕብባር ኤርትራዊ ደሞክርያስያዊ ማሕበር ጀርመንን ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝግበር ፈስቲቫል ኣብዚ ዓመትዚውን ካብ ዕለት 3 ንሓሴ ክሳብ 5 ነሓሴ ኣብ ዝነበረ ግዜ ተኻይዱ። ኣቕድም ኣቢሉ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ በቶም ካብ ሜዳ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ብምትሕብባር ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ካብ መሬት ኤርትራ ተደፊኦም ናብ ምሉእ ዓለም ዝተበተኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ: ኣብ ካስል ሃገር ጀርመን ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘጋብእ ፈስቲቫል የካይዱ ነይሮም። እታ ብሓደ ተመክሮን ዕላማን ብፍላይ ንመንእሰያት ኤርትራ ተዋስእ ዝነበረት ጀማሪት ብረታዊ ቃልሲ ተሓኤ ድሕሪ ካብ ሜዳ ምውጻኣ ከምቲ ብዙሕ ጸለምቲ ታሪኻት ምፍንጫል ውድባት ኣብ ብዙሓት ጨናፍራት ተኻፋፊላ። እዚ ምክፍፋልትዚ ዋላውን ኣብ ህዝባዊ በዓላት ከም ፈስቲቫላት ብሓባር ካብ ምክያድ በበይንኻ ኮይኑ። እዚ ብምትሕብባር ማሕበርን ሰልፍን ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ውን ውጽኢት ምፍልላይዩ። ንምፍልላይ ወጊዱ ኣብ ሓባር መደብ ንምምጻእ ከመሓድር ዝኽእል ድልየትን ትብዓትን ብዘይምርካብ ዘሎ ዕንቅፋት ከኣዩ። ሳዕበኑ ድማ ዘየድማዒ ሃለዋት ውድባት ኣሎ።

ካብ መደብ ፈስቲቫል 2018 ኣብ ፍራንክፈርት መደረ ዝተፋላለያ ፖለትካውያን ውድባት ተቛወምቲ ስርዓተ ምልኪ ኣብ ኤርትራ ነይሩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ: ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ: መርበብ ኤርትራውያን ደቂ እንስትዮ: መድረኽ: ኤርትራዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስ: ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ: ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ: ስለፊ ኣልናህዳ: ማሕበር እሽቱትጋርድ: ደሞክርያስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ: ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ብወከልቶም መደረ ኣስሚዖም። ካብ ትሕዝቶ መደረኦም ሕመረቱ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዶ: ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ዝምራሕን ምስ ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝተገብረ ርክብን ”ስምምዕን” ካብቲ ካብ መልሓስ ዶር: ኣብይ ኣሕመድ ዝወጽእ ናይ ሰላምን ፍቕርን መልእኽትን ( ኩሉ ንርብሓ ኢትዮጵያን ህዝባን ቀዳምነት ዝሰርዐ): ”ኣነን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዓሰብ ክንማቐላ ኢና ዝብል መደረ ዶር ኣብይ” እሳያስ ድማ ኲሩምቲ ክሳብ ዝርአ ዝሰሓቐሉ። እቲ ዶብ ከይተተገብረ ምስ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኮፍ ኣይብልን ክብል ጸኒሑ: ከም ኣመሉ ብጥልመት ተመሪሑ ንኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ብምኻድ: ሃንደበት ” ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ኣይኮነን ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐዩ: ዶር፡ ኣብይ ምርሓና” ዝብሉን ቃላት ብምስናይ ንሰማዒዑ ብዝሰደምም ዳንኬራ ተሰኒዩ: ካትማትን ዲኖን ተሸሊሙ ኣፍ ልቡ ክሃርምን ከናፍር ኣፉ በእዳው ክስዕምን ኣብ መንጎ ዕብዳንን ምጥፋእ ሃሙን ዝተዋሕጠ መላኺ: ኣብ ነብሲ ወከፍ መልእኽቲ እዘን ውድባት ብዝተፋላለየ ቃልትን ሓረጋትን ተቓሊሑ።

ርክብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መላኽን: ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ኣንፈት ረብሓ ከምዘይብሉን: ነቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መበገስ ኲናት ዝገበሮ ጉዳይ ዶብ ከም ዘይነበረን፣ ሂወት ዓሰርተታ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ኣብ ርእሲ ምዃኑ መሰነይታ ፖለቲካዊ ዓፈንኡ ገይርዎ ጸኒሑ ከብቅዕ፣ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ እናረገጸ: ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ክዕንድር ዝረኣያ ውድባት ብጥልመት ክኸሰኦ ተሰሚዐን፡ ካብ ክሲ ንላዕሊ ዝኸደ ግን ኣይነበረን። ካብቲ ኣብ ፈስቲቫል ዝነበረ ህዝቢ ተኸዊለን ንበይነን ኣብ ዝዘተያሉ: ነቲ ህዝቢ ለይትን መዓልትን ዝጠልቦ ዘሎ ሓቢርካ ምስራሕ: ዋላውን ወውድበን ከም ዘለዎኦ ሒዘን ኣብ ዓለም ሓደ ኣፍ ኮይነን ንመከራን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ: ጥርዓነን ንመልእኽቲ ፍትሕን ሰላምን ከቕርባ ዘኽእል ኣጀንዳ ብሓባር ከውጽኣ ዘይከኣላ ውድባትየን ነይረን። ብሓደ ኣጀንዳ ክወጻሉ ዘየኽኣለን ምኽንያት ብርእቶይ ኣብ ሰለሰተ ዝኽፈልዩ ዝነበረ። ክሳብ ሕጂ ናይ ሓባር መደብ ዘየምውጽአን ምኽንያት ዝኸስስ ወይ ዝነቕፍ: ክሳብ ሕጂ ሓንቲ ኣይገብርናንሞ ናብ ህዝቢ ንውረድ: እቲ ሳልሳይ ድማ በዚ ዘሎ እማማታት ሓቢርካ ምስራሕ ንበገስ ዝብልን።

ገና ንሰላምን ፍትሕን ዝደልያን ንስርዓተ ምልኪ ዝፈንፈናን ውድባት ምዃነን ብሓሳብሲ ድሮ ዘሳማማዕ ነጥቢ ኣለወን። ነዚ ዘሎ መድረኽ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ሕጂውን ካብ ኢደን ከይመልቚ: ኣብየት! ኣብየት! ኢልካ ከተመልክተልን ድማ ዝግባእዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብተስፋይ ገብረእብ ዝተጻሕፈ የኑረነቢ ማህደር ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ። ኣብቲ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ታሪኽ ተገንዚበ። ”ንጉስ ኡምበርቶ ኤርትራ የኢጣልያ ግዛት መሆንዋን ከማወጁ በፊትም ሆነ ቡሁዋላ የአርትራውያን ተቃውሞዎች በያቅጣጫው ይታዩ ነበር። ተቃውምዋቸው ግን በተደራጀ የትጥቅ ትግል ደረጃ ኣልነበረም። ብተናጠል ነበር። ኢጣሊያኖች ዘለግ ብሎ የሚታየውን የኤርትራውያን ኣንገት ኣንድ ባንድ እየቀነጠሉ፣ ህዝብ ሊመራና ሊያንቀሳቀስ የሚችለውን ግለሰብ ከኣገር ለማጽዳት ሞከሩ። ጎን ለጎንም ለኢጣልያ ታማኝ ሊሆኑ የሚችሉ ኤርትርታራውያን ኮትኩተው ለማሳደግ ተጉ።” መግዛእቲ ጥልያን ነቲ ኣብ ማሕረስን ጒስነትን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ምዕባለ ተክንሎጂ ኣብ ዘይነበረሉ ሕጽረት መራኸቢ ዝሰፈነሉ: ዝተናጻጸለ ሕብረተሰብ ንቓልሱ ደርቁሶም ክገዝእዎ ኣኽኢልዎም። ነቲ ኣብ ኣርባዓታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ፍልልይ ፖለቲካውያን ውድባት ተጠቒሙውን ጎቦጣ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ተዓዊቱ። ነዚ እዚ ዘሎ ወለዶ ከም ሕሱምዩ ዝሓምዮ።

ኣብ ዘለናዮ ዘመን ማሕበራዊ መድያ: ፓልቶክ: ቫይበር: ወትስኣፕ: ስካይፕ: ትዊተር: ኢመይል: ወብሳይት: ፈይስቡክ: ረድዮን ተለቭጅንን ኣብ ዘለዎ: ብኹሉ ምዕቡል መራኸቢ መጎዓዝያን ከለና: ግዜን ገንዘብን እናጠፍአ: ምቅላስ ዘይተረፈ ክነሱ ኲሉ ኣብ ዕግሽግሽ ክጠፍእ እናተሞኮርና: ነዚ ጽዩን ሃገርን ህዝብን ዘባስን ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ምልካዊ ስርዓት ከንልግሶስ ይትረፍ: ገንዘብ ካብ ጅብኡ ከምዘውጽእ ነጋዳይ: ብሃገር ክጻወት ንህዝቢ ፋሕ ብትን ከእትወሉ እናተዓዘብና: ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ብምግባር ነዚ ኹሉ ውድባት ከም ሓደ ልሳን ኮይኑ ንጸበባን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ካብ ምስራሕን ምዝራብን ዘይምኽኣሉ: ወለዶና ዳግም ብሕሱም ብታሪኽ ከይክሰስ ዘፍርህዩ።

ሕጂውን ጸሓይና ኣይዓረበትን። እቶም ብሂወት ዘለና ብፍላይ ግን እቶም ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሜዳ ዝወጻእኩም: ክሳብ ሕጂ ድማ እተበጀኹምላ መሬትኩም ዳግም ከይረአኹም ኣበየ ቦታኡ ዘለኹም ኣብ ንእስነትኩም ሓርነት ንምርካብ ዝወፈርኩም ገናውን ንሰላምን ራህዋን ትደልዩ ዘለኹም: ንዝጠፍአ ንምምላስ: ንተሰወአ ንምድባስ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ንሓድሽ ወለዶ ኣብነት ንምዃን ሕጂውን መድረኽ ይጽበሎ።

ክብሪ ንሰማእትታትና።

ረዘነ ተስፋጽዮን