ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዝቐርብ መግለጺ።

2018-08-10 20:50:58 Written by  ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2297 times

ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ዝግበር ፈስቲቫል

ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዝቐርብ መግለጺ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኸበርኩም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኸበርኩም መራሕትን ወከልትን ፖለቲካዊ ውድባትን፣ሲቪክ ማሕበራትን
ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ፈስቲቫልን።

ካብ ኩሉ ኣቐዲምና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገበርኩምልና ዕድመ መሰረት ኣብዚ ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብቲ ንቡር ታሪኻዊ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ብምስታፍናን ምስ ኩሉኹም ኣብዚ ብዓል’ዚ ዝተረኸብኩም ብጾት ብኣካል ተረኣኢና ኣብ ስፍሕ ዝበለ ናይ ምትእኽኻብ መድረኽ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንምትሕልላፍ ዕድል ብምርካብናን ፍሉይ ሓጎስ ይስምዓና። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕውነት ሃዋህው ዝዓሰሎ ምቅርራብ ኣሕዋት ክንርኢ እንከለና ብሕልናና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንዝሓለፈ ተሞኩሮና እንተተመልከትና ነቲ ብኸንቱ ዘሕለፍናዮ ናይ ምፍልላይን ናይ ምፍንጫልን እዋናት ብትዝታ እናዘከርና ምስዚ ናይ ሎሚ ታሕጓስ ጣዕሳን ጓህን ክተሓዋወሰና ናይ ግድን ኢዩ። ካብኡ ተበጊስና ከኣ እዚ ጸጋ እዚስ ንምንታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተኸዊሉና ኔሩ ዝብል ሕቶ ብቐዳምነት ንነብስና፣ ቀጺልና ድማ ንኹሉኹም ኣብዚ እትርከቡ ሃገራውያን ኣሕዋት ከነቕርብ ንደፋፋእ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ብጾት!

ብጀካ ንሓርነት ሃገር ሓቢርካ ምቅላስ ዝብል ዓቢ ኣጀንዳ ካልእ ጓልነገር ኣብዘይተኸሰተሉ ዘመን ነዚ ፌስቲቫል እዚ ዘበገስናዮን መሰረት ዘንበርናሉን ኩልና ብሓባር ኴንና ኢና ኔርና። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ እናኣሓየለ ምስከደ ግና ኣብ ክንዲ ሓድነትና ምድልዳል ቃልስና ንፋስ ኣትዩዎ ኣብ ዕንክሊል ዓሰርተታት ዓመታት ኣሕሊፍና። ጸላኢ ተረሲዑ ኣብ ዘየድሊ ናይ ሕድሕድ ቁርቁስ ተጸሚድና ሞራል ህዝብናን ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ ብጾትናን ናብ ዝሃሲ ድንግርግር ኣቲና ብገዛእ ኢድና ጸላኢ ዕምሩ ከምዝናዋሕ ጌርና ኢና። ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ናይ ሕድሕድ ቁርቁስ ዘመን ብዙሕ ክንረብሓሉ ዝግባኣና ዕድላት ከምዘምለጠና ሎሚ ከም ሓድሽ መርድእ ኣብዚ መድረኽዚ ዝቐርብ ኣይኮነን። ስምብራቱ ግን ኩሉሳዕ ናይ ሕልና ኩርኳሕ ኮይኑና ከምዝነብር ፍሉጥ ኢዩ። ሕጂውን ሙሉእ ብሙሉእ ካብኡ ወጺእና ኢና ክብሃል ኣይክኣልን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጋ መወዳእታ ሓምለ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንዘዳለዎ ናይ ስቶክሆልም ፌስቲቫል ተሳቲፍና፡ ሎሚ ድማ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ፍራንክፈርት ዘዳለዎ ፈስቲቫል ኣኻኺቡና ኣሎ። ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሓደ ዝዕላምኡ ፈስቲቫል ብኽልተ ኣሓት ውድባት ኣብ ክልተ ቦታ ክቐርብ ርኢና ማለት’ዩ። ብዕላማ ዘይፈላለዩ ክልተ ውድባት ተሓጋጊዞም ብሓባር ኣዳልዮሞ እንተዝኾኑኸ ብዝበለጸ ኣይምደመቐዶ ትብሉ?

መጀመርያ ነገር ወጻኢታትን ግዜን ምቘጠቡ፣ ብኣውርኡ ድማ እቲ ፈስቲቫል ዝዓበየ መርኣያ ሓድነት ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ንሕልና ብዙሓት ዝማርኽ ኣጋጣሚ ምኾነ። መቸስ ንስለ ባህጊ ድኣ ነልዕሎ ኣለናምበር ጉዳይ ሓድነት ኣብ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ናይ ባዕሉ ሕልኽላኻት ከምዘለዉዎ ስሒትናዮ ኣይኮንናን። ግን ከኣ ኣብ ናይ ትማሊ ድኽመታትና መታን ከይንነብር ናይ ዓይነት ለውጢ ንምምጻእ ክንብገሰሉ ዝግባኣና ጉዳይ ኢዩ። ዕላማና ሓደ ጸላኢና ሓደ ክሳብ ዝኾነ፡ ተዋፋይነት ውሒዱና እንተዘይኮይኑ ካብ ልቢ እንተተሓሲቡሉስ ናብ ሓደ ምምጻእ’ውን ብዙሕ ዘሸግር ኮይኑ ኣይርኣየናን። ስለዚ ናይ ሎሚ ፈስቲቫል ዝዓበየ መልእኽቱ ኩላትና ተኣኻኺብና ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ብሓድሽ መንፈስ ንበገስ ዝብል መልእኽቲ ዘማሓላልፍ ክኸውን ናይ ብዙሓት ዜጋታት ትጽቢት ኢዩ።
ኣብዚ ሓደ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ንኹልና ተቓወምቲ ብማዕረ ከሳትፍ ዝኽእል ናይ ሓባራዊ ቃልሲ እማመ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ብምቕራብ ጥራይውን ኣይተሓጽረን ንብዙሓት ውድባት ንልዝብ ዓዲሙ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ሓጎጽጐጽ ወጺኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2018 ጉባኤኡ ኣብ ዝዛመሉ እዋን ንዘቕረቦ ናይ ሓድነት ጻውዒት ብዘይ ገለ ተጉላባነት ተቐቢሉ ብመገዲ ዕቱብ ዘተ ናብ ሓባራዊ ዕዮ ንምብጻሕ ዝኸኣለ እንኮ ውድብ’ውን ንሱ ሰ.ደ.ህ.ኤ ኢዩ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ካልኦት ሓያሎት ውድባት’ውን ነዚ ሰናይ ተበግሶዚ ተቐቢለን ይሰርሓሉ ምህላወን ኢዩ። ብርግጽ ድማ ሎሚ ብሓደ ተኣኻኺብካ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ዝረጋገጽ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክህሉ ኣይክእልን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ንኹሉ እዚ ዝሓለፍናዮ ኩነታት ኣብዚ ነልዕሎ ዘለና ነቲ ሕጂውን ዘይፈታሕናዮ ናይ ሓባር ጸገምና ንምጥቃስ ድኣምበር ማንም ልዕሊ ማንም ሓላፍነት ዝስከመሉ ወይከእ ማንም ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝኾነሉ ኮይኑ ኣይኮነን። ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ ኩላትና ናይቲ ድኽመት ኣካል ከምዝነበርና ክንክሕዶ ዘይክኣል’ዩ። ዝሓለፈ ብዘየገድስ ሕጂውን ኣብ ምዝዛም እዚ ፌስቲቫል’ዚ ህጹጽ ኣገዳስነት ናይ ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ርእዩ ንኹሉ ዜጋ ናይ ሓድነት ጻውዒት ብሓባር ዝቐርበሉ መድረኽ ኮይኑ እንተዝዛዘም ንናይዚ ቅንያት ውዕሎና ታሪኻውን ዝበለጸ ኣፍራይን ምገበሮ ኔሩ ዝብል ርእይቶ ኣለና።

ሕጂውን በዚ ኣጋጣሚዚ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ክንብል ብዘይ ተጉላባነት ተቐራሪብና ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓባራዊ ዕዮ ንጠርነፍ ዝብል ዳግማይ ጻውዒትና ንኹለን ውድባት ነቕርብ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ቀሪብና ሓሳብና ንኽንገልጽ ንዝሃብኩምና ዕድል ደጊምና እናኣመስገንና ዕላማታት ናይዚ ፌስቲቫል ሸቱኡ ክወቅዕ ዘለና ልባዊ ትምኒት ንገልጸልኩም።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!
ዝኽርን ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!!

ክፍልዝጊ ገብረመድህን
ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
ፍራንክፉርት, ዕለት 04. 08. 2018

Last modified on Friday, 10 August 2018 23:00