መራሕቲ ደምበ ተቋውሞ !!! ???

2018-06-22 06:31:19 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2031 times

ናትናስ ኮይኑ ንዓለም ገርሞ !!! ???

ኩልና ከም ዝነበርናዮን እንፈልጦን ዘሎናዮን ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመት ዘካየዶ ሓያል ተጋድሎ ማለት ብንጹር ሓቂ ፡ ጀማሪቱ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ወዳኢቱ ህ.ግ.ሓ.ኤ. (ሻዕብያ) ኮይኑ ንኣብ ጉዕዞ ዝተጋጠሙ ኩሎም ዝተፋላለዩ ጽንኩራት መረርቲ መድረኻት ኣዎንታውን ኣሉታውን ፡ ኣሽሓት ስንኩላትን ስዉኣትን ከፊሉ ፡ ብዉግእ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ሲዒሩ መሬቱ ነጻ ኣውጺኡ 1991 ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣረጋጊጹ። ህልዊ ስርዓት ኣብ ኣስመራ ዘሎን ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘን ሚስጢራዊ ስሩዕ መደብ ( ኣትላንታ፡ ሎንደን ፡ ሽምግልና ኮሄን ) ኣሊሞም ስምምዕ ጌሮም ረፈረንዱም ክግበር ኣወጁ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍን መሓዙቱን ከኣ ንወዮ ረፈረንዱም ከም ድላዮም ጌሮም 99.2% ንእወ ኣድሚጹ ህዝብና ኢሎም ነጻ ሃገረ ኤርትራ ኣሎና በሉ። ካብ ተቋወምቲ ኣባላት ሰፋሕ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ በጀካ ( ገለ ትሕቲ ፍርቂ ሳግም ገለ ካብ ስሙር ዉድብ ) ዘድመጹ እንተዘይኮይኑ እቲ 98% ኣባላት ተቋወምቲ ዉድባት ግና ብመንነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣይነድምጽን ብምባል ነጺጎሞ። እቲ መደብ ረፈረንዱም ብሚስጢራዊ ዉዲት ዝተሃንደሰ ስለ ዝኾነ መጀመርታ እቲ መሻርኽቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን ዝሓዘ ቅድሚ ኩሉ ነጻነት ኤርትራ ይኣምነሉ እየ በለ። ኤርትራውያን ግና ንመግዛእቲ ጸላኢ ብዉግእ ሲዒርና መሬት ሃገርና ነጻ ዘውጻእና ከሎና ፡ ስለምታይ ረፈረንዱም ኣድለየ ዝበለ ግና ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ወይ ማንም ኤርትራዊ ስለምታይ ዝበለ ኣይትረኸበን ። ብሓቂ ሓቂ እዩ ዝገርምን ዘስደምምን። ሓያሎ ወጻእተኛታት ተኻታተልትን መሓዙት ሰውራናን ዝነበሩ ዉልቀ ስባት ግና ጸጸኒሖም ይሓቱኒ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ድሕሪ 5 ተ ዓመት ከኣ ወዮ ስቱር ዉዲታዊ ስምምዕን ተካሓሒዶም ንክልተ ዓመት ዝኣክል፡ ኣብ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ዘይተይረኽበ ብዝሒብ መስዋእቲ ብክቲኡ ወገን ዳርጋ 100.000 ስዉኣት ዝተኸፍሎ ዉግእ ኣካይዶም። ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መንጎኝነት ከኣ ስምምዕ ኩዒትካ ቅበር ኣልጀርስ ተኸተመ ። ን16 ዓመት ከኣ ተፋኒንካ ጠጠው ኣይሰላም ኣይውግእ ኮይኑ ዝነበረ ፡ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ፡ ኣብ መጋቢት 2018 ከኣ ሃንደበት ንውዕል ኣልጀርስ 100% ክንትግብር ድሉዋት ኢና ዝብል ኣዋጅ ተሰምዔ። በዘይካ ናይቲ ኣካራኻሪ ቦታ ተቀማጦ ህዝቢ ተቃውሞን ደጋፍን እንተዘኮይኑ፡ ካብዚ ግናይ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰምዔ ዕላዊ መግለጺ ኣይተሰምዔን ስለምታይ ??? እንታይ ዩ ሚስጢሩ ?>>> ???? ብወገነይ ካብ ናይ ሕሉፍ ተመክሮይን ኣስተብህሎይን ርኹስ ጸጥታዊ ዉዲቶም ኣይጭነቀሉን ፡ ኩሉ በብመዓልቱ እቲ ሓቂ ክመጽእ እዩ ዝብል እምንቶ ብምህላው ክሳብ ምስ ህግደፍ ተማኺሮም ዝኣወጅዎ ከይኸውን ዝብል ዉልቀ ጥርጣሬ ኣሎኒ።

ስለዚ እንሆ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ን27 ዓመታት ንህዝብና ኣብ መደበር ስቃይ ሕሰም ድኽነት ማእሰርቲ ግፍዕን፡ ንመንእሰያትናን ህዝብናን ኣብ ደረት ኣልቦ ዕስክርና ጂሆ ሒዙ፡ ኣደዳ ስደት ቅዝፈት ንግዲ ህዋሳት ሲናይ እስራኤል ፡ ሱዳን ሰሃራ ሊብያ ህልቀት ዉቅያኖስ ንግዲ ደቂ ሰባት ኮና ዓለም ብዓለሙ ብኣና ይበኪ ኣሎ።

እዋእ ወየን ኩለን ተቋወምቲ ዉድባት ሰልፍታት በርገሳውያን ማሕበራት ደለይቲ ለውጢ ወይ ፍትሒ እንስመ ን27 ዓመታት ( ናይ 57 ዓመት ተመክሮ ዝውንና ) እንታይ ይገብራ ነይረን ወይ እውን እንታይ ይገብራ ኣሎዋ ? ? ? ? .. ንታሪኽ ወይ ንምስኽር ዝድህሰስ ህዝቢ ዝጠቅመሉ ዝጭበጥ ዘይብሉ ኮይኑ ፡ ብዙሕ ፍረ ኣልቦ ወይ መግለጽታት ናኡ ምኽኑይ ሃልክታት መልስታት ኣይሰኣኑን። ማለት ቂሔጽልሚ ዉዳቤ፡ ጉራሙራ ስነሓሳባት፡ ሕሉፋት ትሕቲ ሃገራውነት ስሚዒታት ዝሓዘሉ እዋናውያን ዘይኾኑ መልስታት ክህልዉ እዮም ዝብል ግምት ስለ ዘሎኒ እትኽተል መዓዲት ሓጻር ግጥሚ ደርበስበስ ክብል እየ ... .. >>>>>                                                                                                                                                                                                                           

መራሕቲ ደምበ ተቋዉሞ ተረዳኡ ስምዑ ምኽሪ

ንቅኑዕ ሓርነታዊቃልሲ ዘሪእኩምሉ ፖሊቲካዊ ቁሪ፡

ዝመሓልኩምሉ ብስዉኣት ኣትጥለሙ ሕድሪ

ንነጻ ፖሊቲካዊዉሳኔ ዓቅብዎ ብክብሪ፡

ነጻ ልዕልቲ ሃገር ብማንም ከይትድፈር ነውሪ

ህዝባዊ ማዕበል እሙን መሳርያ ንህግደፍ ኣሕሳሪ ዕምሪ።

                             መራሕቲ ናይ ንግሆ ይኣኽለኩም ስልጣን ገባቲ ትሪ

                             ብሃይማኖት ብቢሄር ዉደባ ንህዝቢፈጢርኩምሉ ሰሪ፡

                             ሓድነት ህዝብን ሃገርን ተመርኮሱ ንሱ እዩ እንኮ ኣሳሪ

                             ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ እዩ ዉሑስ ብልጹግ መንበሪ።

ሙሉእ ህዝቢ ጠለቡ ሰላም ፍትሒ ብስኒት

ኣይለኣኸናን ዘይናቱ ክንልቃሕ ናይ ጎረበት፡

ብስነፍልጠት ሓቂ ተዛረቡ ከይወሰኽኩም ምኽኒት

ክሰምዓኩም መንእሰይ ኣረጊት ምስ ሰራዊት።

                           ኣቱም መራሕቲ ተቋውሞ መዓስ ኢኹም ትልብሙ

                           ካብ 1961 ክሳብ ሎሚ ዝነበረ ተምክሮ ጥዑዩ ሕሙሙ

                           ናጽነት ሃገር ወሊዱ ንባዕዲብዘየዳግም ስዕረት ሃሪሙ፡

                           27 ዓመታት ብህግደፍ ክድሃኽ ክስደድ መብጽዓኡ ተጠሊሙ

                           27 ዓመታት ናትኩምቃልሲ እንታይ ኣፍርዩ እንታይ ዩ ትርሩሙ ?

ነብስኹም ሓቲትኩም ንጹር መልሲ ሃቡ ዉዲት ኣይትእለሙ

ኣኺላ እያ እታ ጊዜ ኩሉ ፈሊጥዎ ተግባርኩም ዓለም ብዓለሙ

ይኣኽለኩም ደጊም ትሩፍ እዩ ንጽባሕ ስልጣን ክትሓልሙ .. ..>>>>

ጸሃየ ቀለታ

ዕለት 24 06 2018 መላኺ ኢሳያስ እንታይ ኢሉ ???

                 መስደምም ንዓለም ገረሞ !!!!

                                      

Last modified on Friday, 22 June 2018 21:19