ደምበ ተቓውሞ ሽግርና ንፍታሕ

2018-06-22 19:00:56 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2093 times

“ጨው ንርእስኻ ኢልካ እንተዘይመቀርካ፥ እምኒ ኢሎም ይድርብዩኻ” እዩ ዝበሃል። ፖለቲካዊ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ዝምስረታ ኣትሒዘን ክሳብ ሎሚ ነቲ ስርዓት ኣብ ምብዳህ ከምቲ ክኾነኦ ዝግበአን ኣይኮናን ዘለዋ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዙሕ በዓለቤታውን ወድዓውን ሽግራት ኣለውዎ። ደንበ ተቓውሞ ክፈትሖ ዝግበኦ ዝነበረ በዓል ቤታዊ ሽግራት ንሱ ባዕሉ ክፈትሖ ዝግበኦ ክፈትሖ ኣይከኣለን። እቲ ወድዓዊ ሽግራት ግና እቲ ጨቋኒ ስርዓት ንናይ ተቓውሞ መሰል ስለ ዘየፍቅድ ዝፈጥሮ ሽግር እዩ።

ሎሚ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከመይ ኣሎ? እንታይ ግደኸ ክጻወት ይኽእል? ዝብል ሕቶታት ክቕልቀል ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ደምበ ተቓውሞ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ እዩ ዘሎ። ፋሕ ኢሉ ከሎ ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ ዋላ ሓንቲ ክህሉ ኣይኽእልን። ደምበ ተቓውሞ ብፖለቲካዊ ድኽነት ተጠቒዑ ኣብ ድኽመት ተሸሚሙ ኣሎ። ነቲ ሽግራቱ ክኣሊ ይኹን ክፈትሕ ሕጽረት ገንዘብን፥ ሕጽረት ብቕዓታትን ተሳቕዩ እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ውሽጣዊ ቁርቁሳትን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝመናጨትን ኮይኑ ዲሞክራሲያዊ ኣምርን ሕግን ዘይክተል ኮይኑ ብምፍንጫላት ተላቢዱ እዩ ዘሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ብዘይዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ውሽጣዊ ዲሲፕሊንን ንሓደ ጨቋኒ ስርዓት ኣውሪዱ ብምንታይ ከምዝትከኦ ሓርቢትዎ ዘሎ እዩ ዝመስል። ደምበ ተቓውሞ ናይ ህልኽ ዝዓይነቱ ኣገባብ ዝሓዘ ብምህላዉ ተበግሶታት ኣብ ውሳድ ዓቐበት ኮይንዎ ኣሎ።። ምኽንያቱ ብጽልእን ቅርሕንትን ዝተላዕጠጠ ውደባ እምበር ንሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ከኻዕብት ዝደሊ ኣይመስልን። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተ ርኣና ኩሎም’ም ብፍንው ውደባ ተወዲቦም ኣብ ስልጣን ምስ ዝመጹ ክኣስሩን፥ ክሕይሩን፥ ክዕዝቡን ክቐትሉን እዮም ዝለዓሉ።

ዕድል ደምበ ተቓውሞና እውን በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣተሓሕዛ ምቅዋም መወዳእትኡ ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ድኽመቱ ከኣ ነዚ ኣለልዩ ውህደቱን ጥምረቱን ኣብክንዲ ዘደልድል ተኸፋፊሉ ክቃወም ከሎ ንመስርሕ ዲሞክራሲያ ዝዕንቅጽ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። በዚ ከኣ እዩ ደምበ ተቓውሞ ዝሳቐን ዝዳኸምን ዘሎ። ደምበ ተቓውሞ ብኽመይ ዝበለ እዩ ቆይሙ ዘሎ ወይ ካብ እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ ኩነት እዩ ዝምስረት ምጽጻይን ምጽናዕን ኣድላዪነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ማሕበራዊ ቅርጻ ምስ ብዙሕነት ዝተፈላለዩ ባህሪያት ዝተፈላለየ ተቓውሞ ወይ ውደባ እናዛየደ እዩ ዝኸይድ። እዚ ብወገኑ ኣብ ናይ ምስምማዕን ምርድዳእን ከምኡ እውን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን ዓቢ ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ምትእምማን ስለ ዘየለ መመሊሱ ክህሰን ክዳኸምን እምበር ሓቢረ ንረብሓ ኩሉ ክዋሳእ ዝብል ኣምር ወይ ሓሳብ ኣየሕድርን እዩ። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ልፍንቲ ምግባር ዝያዳ ዝጥለበሉ ግዜ እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ’ሞ ሃየ ነድህበሉ።

Last modified on Friday, 22 June 2018 21:04