ውግእ ብውግእ ዘይኮነ፡ ብሕጋዊ ብይን’ዩ ዝዛዘም

2018-06-18 19:18:19 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2150 times

ውግእ ሰላም ከምዘየምጽእ ብተግባርን ብተመኩሮን ዝተረጋገጸ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውግእ ናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ውጽኢት ስለ ዝምዝገብ። ውግእ ኣብ መወዳእታ ብሰላም እንተዘይተሰንዩ ውዒሉ ሓዲሩ ጐነጽ ክወልድ ምዃኑ ድማ ክሰሓት ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ተሳዒሩ ዝጸንሐ ዕድል ረኺቡ ምስ ሓየለ ተመሊሱ ናብ ናይ ሕነ ምፍዳይ ውግእ እዩ ዝኣቱ። በዚ ምኽንያት እየን ድማ ክልቲአን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ መሪር ውግእ ናብ ናይ ፍታሕ መገባእያ ከይደን ብሕጋዊ መስርሕ ንዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስ ከቲመናሉ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ውግእ ጠንቁ ብዘየገድስ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንሓያለይ ዓመታት ሰላም ዝተሓረሞ ህዝብታት ቀሲኑ ክነብርን ናብ ምዕባሌ ገጹ ከድህብን እንተኾይኑ ንዝኾነ ይኹን ፍልልያት ብትርጉም ሓይሊ ዘይኮነ ብዘተ ወይ ድማ ኣብ ሕጋዊ ቦታ ብብይን ክፍታሕ እዩ ይግበኦ።

እቲ ጠንቂ ጉዳይ ዶብን ባድመን ኣይኮነን ይባህል እዩ። እሞ ከምኡ እንተተባሂሉ ደኣ፥ ስለምንታይ ክልቲኡ መንግስታት ናብ ክንድዚ ዝኣክል ደማዊ ውግኣት ኣትዩ ዝብል ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ዘልዕል እዩ። እንተኾነ እቲ ዝተኻየደ ውግእ ጌና ክሳብ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ይኹን ጉዳይ ባድመ ኣይኮነን እናተባህለ እዩ ዝዝረብ። እሞ እንታይ ደኣ እዩ እቲ ጠንቂ ኢልካ ምስ እትሓትት ድማ መልሲ ኣይትረኽበሉን። እንተደኣ ጉዳይ ዶብን ባድመን እንተዘይኮይኑ በቲ ውዕል ናይ ኣልጀርስ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መሬት ብዘይቅድመ ኩነት ክትለቅቕ ኢዩ ዝግበኣ ነይሩ። ብዝኾነ ግን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ገለ ዝተሓብአ ወይ ድማ ግዜ ተጺብዩ ቦሎኽ ዝብል ሓቀኛ ምኽንያት ይስዕብ ይኸውን ዝብል ምናልባት ኣሎ።

መንእሰይ ኤርትራ ንሃገሩ ገዲፍዋ ምስ ወጸ፥ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ደምበ ተቓውሞ ምትእምማን ስኢኑ በበይኑ ምኻዱ፥ ሕጂ እቲ ምኽንያት ዝቕልቀል ዘሎ ይመስል። ንሱ ድማ ኪኖ ምሕንጻጽ ዶብ ዝኸይድ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ። ናብዚ ኩሉ መዓት ክንኣቱ ዝገበሩ ከም በዓል ኣሜሪካ ዝኣመሰሉ ሓያላን መንግስታት ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ምእንቲ ጽጥታዊ ረብሓኦም ክብሉ “ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ተዓጽያ ንኸይትተርፍ ንኤርትራ ብዘይድሌት ህዝባ ምስኣ ቆሪነምዋ ነይሮም እዮም።”
ኢትዮጵያ ከምተን ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ዶባት እዩ ዶባት እዩ ዘለዋ። ኤርትራ’ውን ከምኡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከም ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ተፈሊጣ ዶባታ እውን ብወግዒ ተፈሊጡ። ኢትይጵያ ካብተን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። እዘን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘይብለን ካብ ጎረባብተን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ይጥቀማ ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፉ መግዛእታዊ ግዝያት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምጥቃም ዝግበር ልዝብን ስምምዕን ዘይኮነስ እንታይ ደኣ “ዓሰብ ናትና’ያ” ብምባል እዮም ክብገሱ ጸኒሖም። ልክዕ እዩ ኢትዮጵያ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ። ኡጋንዳ እውን ሓንቲ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡ ኣስታት ኣርበዓን ሓሙሽተን ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ። ኡጋንዳ ግን ብዝሒ ህዝቢ ኣሎኒ ኢላ ንኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ዝኾነት ጐረቤታ ሃገር ካብ ስምምዕን ልዝብን ወጻኢ ኣይከደትን።

ኡጋንዳ ኣብ ከኒያ ዝርከብ ወደብ ሞምባሳ እያ ትጥቀም። ካብኡ እትጓዓዞ ርሕቀት 1,238 ኪሎሜተር እዩ። ኢትዮጵያ ንወደብ ጅቡቲ እንተተጠቒማ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ እትጎዓዞ ርሕቀት 770 ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ንዓሰብ ክትጥቀም እንተኮይና ድማ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ 951 ኪሎሜተር እዩ። ምስዚ ኩሉ እዮም ኣምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ገለ ኢትዮጵያውያን ምሁራት ንወደብ ዓሰብ ምእንቲ ብናጻ ክንግልገለሉ ዋንነቱ ስለዝድልየና ዓሰብ ብፍሉይ መንገዲ ንኢትዮጵያ ክወሃብ ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ። ኢትዮጵያ እዚ ብዝሒ ህዝቢ ሒዛ ከመይ ኢላ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ትኽእል ዝብል መጎተ ክቐርብ ኣይግባእን። ብስምምዕ ምጥቃም ግና ንኽልቲኡ ሃገራት ዘርብሕ እምበር ንሓደ ዝጠቅም ነቲ ካልእ ከኣ ዝህሲ ኣይኮነን።

ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብሓይሊ ተቖጻጺራ ናይ ውረድ ደይብ ኣገባብ ክትጥቀም ትፍትን፥ ንሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክትዕድም እዩ ዝምረጽ። ከምቲ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣርእይዎ ዘሎ ቅሩብነት ናብ ምትእምማን ደረጃ ንምብጻሕ፥ ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ቅልጡፍን ቀጥታውን መልሲ ዘይምሃብ ክኹለፍ ኣይግበኦን። መንግስቲ ኤርትራ ክንዲ ቀጥታ መልሲ ዝህብ ኣነ “ቅድሚ 16 ዓመታት መርገጸይ ንጹር እዩ” ዝብል መልሲ እዩ ዝህብ ዘሎ። ምናልባት እውን ኣብቲ ክመጽእ ዝድለ ዘሎ ሰላምን ድሕሪኡ ዝስዕብን ስለ ዘይርባሕ ይሃድም ይኸውን። ብግብሪ ግና እቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝረጋገጽ ሰላም ንረብሓ ክልቲኡ ወገናት እዩ።

Last modified on Monday, 18 June 2018 21:24