ተዘክሮይ ብዛዕባ ባድመ

2018-06-17 19:42:06 Written by  ተኸለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4550 times

ባድመ መሬት ኤርትራኳ እንተኾነት፤ ኢትዮጵያውያን እውን ዝርከብዋ ዓዲ ኢያ፤ ሎሚ ኩሎም ተቐማጦ ባድመ ዜግነቶም ብዘየገድስ፥ ከም ቀደሞም ብሕውነትን ብሰላምን ሓቢሮም ምንባር ክቕጽሉ ይግባእ(ስዉእ መልኣከ ተኽለ፤)

ኣብ መጀመርያታት 1981ኢዩ ነይሩ፤ ድሕሪኡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይኸውን ውድበይ (ተሓኤ) ብወተሃደራዊ ሸነኹ ብህግን ወያነን ተደፊኣ ንሱዳን ኣተወት።

ውግኣት ኣብ ዝተባርዓሉ እዋናት፥ እቲ ውግኣት ኣብ ሳሕልን ደንከልን’ኳ እንተነበረ፤ ሓይልታት ወያነ ተቐዳዲሞም ንባድመ ካብ ጀብሃ ከምዝመንጠሉ ተሰምዐ፥ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልትታት ግን ሚሊሻ ባድመን ሰራዊት ተሓኤን ንባድመ ኣብ ኢዶም ኣእተዉዋ። ነዚ ንምብዓል ድማ ሃገርዊት ክፍሊ ሙዚቃን ባህልን ተሓኤ ንባድመ ክትከይድ ተወሰነ። ኣብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ይኹን ኣብቲ ሽዑ ብብጻይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝምራሕ ዝነበረ ጊዝያዊ መሪሕነት ኣብ ፖለቲካዊ ስራሓት ተመዲበ ስለዝነበርኩ ንባድመ ንክኸይድ ስለ እተመደበ ነታ ድሮ ጉዕዞኣ ጀሚራ ዝነበረት ሃገርዊት ክፍሊ ሙዚቃን ባህልን ኣርከብኩዋ። ስዉእ መልኣከ ተኽለ እውን በዚ ዝጠቐስኩዎ ምኽንያት፤ ናይታ ጊዝያዊት ናይ ውግእ ህጹጽ ኩነታት መሪሕነት ኣባል ብምንባሩ፤ ኣብ ባድመ ተረኺቡ ነበረ። ኣብ ባድመ ዝተባዕለ በዓል ፍጹም ካብ ሓንጎልካ ዘይድምሰስ ነይሩ። ስዉእ መልኣከ ተኽለ፤ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ብዝሒ ዝነበሮ ህዝቢ ባድመ፤ ኩሉ ጊዜ ዘዕልላን ቅንዕቲ ኮይና ዝተሰመዓቶን ዘረባ ተዛረበ፤ ባድመ መሬት ኤርትራኳ እንተኾነት፤ ኢትዮጵያውያን እውን ዝርከብዋ ዓዲ ኢያ፤ ሎሚ ኩሎም ተቐማጦ ባድመ ዜግነቶም ብዘየገድስ፥ ከም ቀደሞም ብሕውነትን ብሰላምን ሓቢሮም ምንባር ክቕጽሉ ይግባእዝትሕዝቶኡ ተዛረበ፤ ህዝቢ እውን ብሓጎስን ጥቕዒትን ተቐበሎ።

ኣብቲ እዋንቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ታሪኽ ባድመ ከምዚ ኢዩ። ቅድሚኡ ባድመ ዝፈልጣ፤ ከብቲ ናይ ስድራይን ካልኦት ሰብ ዓሊግድርን ክረምቲ ሓሊፉ ሳዕሪ ምንቃጽ ኣብ ዝጅምረሉ እዋናት፤ ተጓስየን ዝኸዳሉን ክሳብ ወርሒ 6 (ሰነ) ዝጸንሓሉ ቦታ ከምዝነበረ ኢዩ። ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፍኩ ግን፤ ተቓለስቲ ትግራይ ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋናት፤ ሽራሮን ባድመን ናትና ስለዝኾና ግደፉልና ከም ዝበሉ፤ ጀብሃ ድማ ነዘን ቦታታት እዚኣተን ካብ ጸላኢ ናጻ ኣውጺኣ ዝሓዘተን ከምዝኾና፤ ግን ሽራሮ ናይ ትግራይ ምዃናን:ክወስድዋ ከም ዝኽእሉ ግናኸ ብዙሓት ኤርትራውያን ስለ ዝነብርዋ ብኸመይ ምስ ሰውርኦም ከም ዝቕጽሉ ምዝርራብ ከምዘድሊ፤ ንባድመ ብዝምልከት ግን መሬት ኤርትራ ከምዝኾነትን ንዓኣቶም ከምዘይትምልከትን ከም ዝገለጸትሎም ኢየ ዝፈልጥ። ህዝባኣዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብቐጻልነት ምስ መሪሕነት ተሓኤ ብጉዳይ ባድመ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣኼባታት ተካይድ ምንባራ እፈልጥ። ካብቶም ናይቲ ኣኽIአባ ተሳተፍቲ ብወገን ተሓኤ ብህይወቶም ዘለዉ ብጻይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፤ ብጻይ ተስፋይ ወ/ሚካኤል (ደጊጋ) ከምኡ’ውን ኢብራሂም ቶቲል (ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝርከብ) ኢዮም። ብተንታን ካብቶም ክርከቡ ዝኽእሉ ክምለሽን ክግለጽን ዝከኣል ኢዩ። ኣብ 1979ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ይመስለኒ ርክብ ድማ፥ ተሓኤ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣቕሪባ ተሰማሚዖም ከኣ፡ ንባድመ ንሕና ናህና ንብላ ንስኻትኩም ድማ ናህና ትብልዋ ኣለኹም፥ ሎሚ ክልቴና ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ደርጊ ኢዩ ዘለና፥ ነዚ ጸላኢ ምስ ሰዓርና፤ ነዚ ብባዕዳውያን ዝተሓንጸጸ ዶባትና ብዓለምለኻዊ ሕጊ ደረጃ ብሓባር ሓቲትና ፍታሕ ንረኽበሉ።” ዝትሕዝቶኡ ነበረ። ኣብ 1981ሕወሓት ንባድመ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ከኣ ነዚ ውዕል ዝጠሓሰ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ግን እንታይከ ዘይተገብረ?

 

Last modified on Sunday, 17 June 2018 21:48