ሃገራውን ሰውራውን ተዘኩሮታተይ ምስ ጅግና ስውእ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር

2018-03-05 10:12:40 Written by  ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2149 times

Berhan Belata Article 05.03.2018 MUSSA 26

ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታርኹ እዩ ዝነብር

ኩቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ነታ ኣብ ሰምየን ከተማ ኣስምራ ዝተደኮነት ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣኽርያ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተላዕለ ዘይፍትሓዊ ጠለብ ብኹሉ መዐቀኒታት ቁቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ዘማእክላ ንቤት ትምህርቲ ድያእ እተካይድ ኮሚተ፡ እቲ ጠለብ ብስርዓት ህግደፍ ምስ ቀረበ፡ ንመሰል እታ ቤት ትምህርትን መሰል ተመሃሮን ብኡ ኣቢሉ ንህዝቢ ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ከም ዘይትቕበሎ ብትብዓት ኣብ መርገጻ ጸኒዓ ምስ ነጸገቶ፡ ንሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ከም እመሎም ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝውንኑወን ኣብያትምህርታት ይኹና፡ ንሃይማኖት ጠቐስ ዝነበረ ንጥፌታት ደው ከብሉዎን ክዓጽዉዎን ንገለ መራሕተን ክኣስሩን ዝጽንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ውን ተረኣ በጺሑዋ ከይተማትኡ ንሓጅ ሙሳን ምስ ኩሉም ኣባላት ኮሜተ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ ምግባሮም ካብ'ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ንኽትገልጾ ዘጸግም ማእላያ ዘይብሎም ግብፍዕታ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

 

ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንእስታት ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ግዝያዊት ዓለምና እቲ ዘይተርፍ መጓዕዝቲ ወዲ ሰብ ዝኾነ ብሞት ተፈልዩና እንሆ ብዕለት 3- 3- 2018 ብኣሻሓት ዝግምት ህዝቢ ዝተሳተፉዎ ናይ ስነስርዓት ቀብሪ እታ ናይ መወዳእታ ሓመድ ኣዳም ኣብ መቓብር ሼኽ ኣልኣሚን ከም ዝለበሰ ክረጋገጽ ከሎ ህዝቢ ኣሰርካ ክንክተል ኢና ታሪኽካ ነባሪ እዩ ቅሰን ቅሰስን እንዳበሉ ከፋንውዎ ክሎዉ ሓዘን ዘይኮነስ ኩርዓትን ሓበንን እንዳተሰመዖም ብኡ ኣቢሎም ውን ቀጻልነንት ቃልሶም ከረጋግጽዎ ከሎዉ ንኹሉ ኤርትራ ወኪሎም ዘርኣይዎ ሃገራዊ ንሕን ትብዓትን፡ ንዓና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዓቢ ኩርዓትን ሓበንን ጥራሕ ዘይኮነስ ቃልስና ከነሕይል ሓድነትና ከነደልድል ብኡ ኣቢልና ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላዩ ክንቃላጠፍ ናይ ምብርባርን ሞራልን ከምዝሃበና ኣየጠራጥርን።

 

መን እዩ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር? ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተረኡ እንታይ ነይሩ ብኸመይ ነለልዮን ንገልጾን ዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ እንተ ኾይነ፡ ሓጅ መሳ መሓመድኑር ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣትሒዙ ኣብቲ ሃገራውን ሰውራውን ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ብትብዓት ዝተሳተፈ ምኩሕ ኢርትራዊ ዜጋ ኮይኑ፡ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ኣብቲ ኤትራ ትሃሉ ዶ ኣይትሃሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ነዊሕ ናይ ዝተፋላለዩ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ስርዓታት ተላቒቓ ህዝቢ ባዕሉ ዝውንና ሃገር ሃልያ ከቢሩ ምሉእ መሰሉ ተሓልዩሉ ክነብር፡ ኣብ ኩሎም ንሃገር ዝምልከቱ ናይ ምውሳን መሰል ሃልዩዎ ብኡ ኣቢሉ ኣብቶም ቀንዲ ናይ ሃገር ምዕባሌ ዝኾኑ ቀንድን መሰረታዊያን ረቛሒታት ኣብ ዕብየት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሓላፍነት ወሲዱ ጉዕዞ ምዕባሌኡ ክቕጽል ዝብሉ ሃገራዊ ጠለብ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ምትግባሮም ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ደረኽቲ ሓይልታት ከም ዝነበረ መዛግብቲ ሃገርና ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።

 

ካብዚ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም መስረቲ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትርታ (ብማሕበር ሸውዓተ) ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ ንህዝቢብሓፈሽኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንመንእሰይ ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ኣብ ኩሎም ዝካየዱ ንጥፌታት ቀንዲ ተዋሳኣይ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።

 

 

ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣበጊሱዎ ዝነበረ ኣብ ሓቀኛ ድልየቱ ዝተሞርኮሰ ሕጋውን ሰላማውን ሃገራዊ ቃልሱ፡ በቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ብደረጃ ዓለምና ላዕለዋይ ኢድ ዝነበሮም ገዛእቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ ስርዓት ንጉሰነገስት ሃይለስላሴ ንኤርትራ ምጉዕጻጽ ብዙሓት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ሽርሕታን ንዓበይቲ ፖሎቲካዊያን ኤርትራዊያን ምቕንጻልን ዝገብሮ ዝነበረ እከይ ተግባራቱ ዝሰሓት ኣይኮነን፡ ይኹን'በር ህዝቢ ኤርትራ ብተባዕ ቃልሱን መስዋእቱን ኣብ ድልየቱ ክበጽሕ ኣሎዎ ዝብሉ ቆራጽ ፖሎቲካዊ ውሳኔኡ ምስ ወሰደ ነዚ ታሪኻዊ ውሳኔኡ ንምትግባር እምበኣር ኣብ ስሳታት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስሪቱ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 1961 ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ጋሽ ባርካ ንህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት ናይ መፈለምታ ጥይት ዝተቶከሰት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ዕጥቁ ምስ ተበገሰ፡ እዚ ሓድሽ ተረኽቦ'ዚ ንስርዓት ሃይለ ስላሴ ኣሰንቢዱዎ ስለ ዘይተቐበሎን ዘይተዋሕጠሉን ስራዊቱ ኣዕጢቑ ብድርኡ ንኽድምስስ ወላ እንተ ፈተነ ጅግና ስራዊት ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ሓምድ ዓዋተ እቲ ኲናት ክጅመር ክሎ ኣብ ርእሲ ጸላኢ ውን ብዙሕ ዓወታት ዝለ ዝተመዝገቡ፡ ንህዝቢ ኤርትርታ ዓቢ ብስራት ኮይኑ መቓልሑ ናብ መላእ ኤርትራ ስለ ዝተዘርገሐ ህዝቢ በብኩርናዓቱ ከውደብን ደገፉ ክገልጽን ከም ዝጅመረ ውን ይፍለጥ።

 

ካብዚ ርኡይ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ካብቶም ቀዳሞት ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕ ኮይኑ ካብቶም ውሑዳት ሓለፍቲ ስለ ዝነበረ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዳርጋ ኣብትሕቲ ምቅጽጻሩ ስለ ዝነበረት ኩሉ እቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስን ንጥፌታትን ሓጅ ሙሳ መሕመድኑር ላዕለዋይ ሓላፊ ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ፡

 

እምበኣር ካብዚ ዝተገልጸ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ ኣነ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕን ንጡፍን ስለ ዝነበርኩ፡ ዓወታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን መቓልሑን ናብ መላእ ኤርትራ ክዝርጋሕ ምስ ጅመረ ጽልውኡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ምስ ተዘርገሐ ካብዚ ሓድሽ ስውራዊ ምዕባሌ ብምጋስ እምበኣር ከይወዓልካ ከይሓደርካ ክድ ተሰለፍ ኣርክቦ ነቲ ጅግና ዝብሉ ኣብ ኣእምሮም ሰፊሮም ብኽሎም ህዋሳተይ ክደፋፍኡኒ ስለ ዝጀመሩ ናብ እቲ ዝሰርዓኒ ያሲን ክለፋ ኣደም ከይደ ኣካፈልኩዎ እሞ ብሓደ ተታሓሒዝና ናብ ሙሳ መሓመድኑር ኬድና ኣቐዲመ ይፈልጦ ስለ ዝነበረኩ ዝኾነ ጸገም ኣይነበረን፡ እቲ ሰውራዊ ሓሳበይ ምስ እካፈልኩዎ እሞ ክትቅጽሎ ትኽእል ዲኻ ምስ'ቲ ወድ ከተማ ምዃነይ ኣጻምእ ባርካን ናይ ውግእ ሽግራቱን ክምቲ ብማዕዶ ትመዝኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ክትጸሮ ትኽእል ዲኻ ዝብሉ ርእይትኡ ኣቕረበለይ ፡ ብወገነይ ንኹሉ ተዳልየሉ ስለ ዘሎኹ ምእንቲ ሃገር ስለ ዝኾነ ውን ክጸሮ እየ ብዓቢ ፍናን ክቃለስ እየ ኣጆኻ ከም ኣያይ ኣየሕፈረካን እየ ዝብሉ መልሰይ ምስ ሃብኩዎ፡ ተቐቢለካ ኣሎኹ ተዳሎ ባዕለይ ከበግሰካ እየ ዝብሉ ዝሃበኒ መልሱ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኩወሉንን ኣብ ትጽቢት ካኣ ኣቶኹ ኣብ ተጠንቀቕ ስለ ዝኣቶኹ ለይትን መዓልትን ክሓስብ ኣብ ሃወኽ ኣቶኹ፡ እንታይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ይምለሶ እሞ በቲ ሕያዋይ ኣቀራርብኡ በቲ ለባም ኣዘራርብኡ ህድእ ኢሉ እዞም ንኣገዳሲ ስርሒት ክፍጽሙ ካብ ሜዳ ዝመጹ ደባይ ተዋጋእቲ ስውእ ስዒድ ሑሴንን ብጾቱን ኣብ ቀይዲ ዘሎዉ ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት ነጻ ክወጹ ዝብል ተስፋ ስለ ዘሎና ምሰኦም ክሰደካ እየ ዝብል መልሱ ምስ ሃበኒ ኣብ ቆጾሮ ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቱ ፈሊጠ ፍርዶም ክሰምዕ ኣንጊህ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከድኩ፡ ውጽኢቱ ግን ከምቲ ዝተጸበናዮ ወይ ከምቲ እቲ ጠበቐኦም ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ ኣይኮንን፡ ፍርዶም ንዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ኩሉና መብዛሕትና ስሩዓት ንኽንሰምዕ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዝነበርና ተጣማሚትና ምልክት ናይ ሕርቃን ኣብነፍሰ ወክፍና ይረአ ምንባሩ ናይ ኩሉና ሓባራዊ ስምዒት እዩ ነይሩ ክበሃል ይካኣል።

 

ንጽቢሑቱ ምስ ሙሳ ምስ ተራኸብና ነቲ ኩነታት ብሓባር ርኢናዮ እሞ ጽባሕ ተዳሊኻ ኣብ ድንካን ናይ ኣሕመድ ሓሊ ኣብ ኩርናዕ ህንጻ ናይ እንዳ ፈረጅ ለማ ትርከብ ብዙሕ ግዜ ይመላለሶ ስለ ዝነበርኩ ኣየሕደሸንን፡ ንጽቢሕቱ ዓይነይ ሰለም ከየብልኩ ሓዲረ ደበኽ በልኩ፡ ሓጅ ሙሳ ክጽበየኒ ጸኒሑ ብሓደ ናብ ቤት ሸቐት ጅግና ስውእ መሓመድ ብርሃን ነጋሽ ንኹይድ እሞ ንሱ ንዓይ ዝወስደኒ ነባራይ ከተማ እቑርደት ኣዳልዮም ጽኒሖም ከበጉሱኒ ከሎዉ ሓጅ መሳ ምሓመድ ኑርን መሓመድ ብርሃን ነጋሽን ክልቲኦም በል ብርሃን ኣጆኻ ኣይትሕመቕ ብዙሕ ጸገማት ክህሉዉ ይኽእሉ እዮም ነዚ ፈሊጥካ ትብገስ ስለ ዘሎኻ ንኹሉ ከም ትጸሮ ንተኣማመን ኢና ኣጆኻ ንስኹም ብሜዳ ንሓና ብውሽጢ ብናይ ሓባር ቃልስና ንኤርትራና ነጻ ከነውጽኣ ኢና ደጋጊሞም ኣጆኻ ክብሉኒ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ሞራል ክህቡኒ ክሳብ ናብ ኣውቶቡስ ገጽና ኣርሒቕና ንኸይድ ናይተን ለዋሃት ኣዒንቶም ጠመተኦም ከየቋረጹለይ ዝህቡኒ ዝነበሩ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኵአሉንን፡ እቲ ዝመርሓና ዝነበረ ካብቶም ቀንዲ ስሩዓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ናብ ኩለን ክተማታት ማለት ካብ ተሰነይ ሃይኮታ ባረንቱ ኣቐርዳት ከረን ኣስመረ ብሰውራዊ ዕማም ተንቀሳቓሳይ ስለ ዝነበረ ዝኾነ ጸገም ከይተጓነፈና ናብ እቑርዳት ክንኣቱ ከሎና ናብ መንበሪ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ኣብጽሓኒ፡ ንሱ ውን ተሓቢሩ ስለ ዝጸንሐ ዝኾነ ጸገም ኣይተጓነፈናን።

 

ኣብቲ ዝዓረፍኩሉ ናይ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ገዛ ዳርጋ ንዓሰርተ ማዓልታት ምስኡ ክጸንሕ ከሎኹ እቲ ቃልሲ ሓቀኛ ድልየተይን ብስምዒተይን ካብሽዑ ዝጀመርኩዎ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ ኣብ ክሊ ናይ ሰውራዊ መንፈስ ኣትየ ሞራለይ ናይ ብሓቂ መግለጺ ኣይረኽበሉን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን፡ ናብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣሃዱታት ዝርከበኦ ዝነበራ ብልክዕ ኣበይ ክም ዘለዋ ምስ ተሓበረ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ውን ስለ ዝጸናኩ በቲ ሩባ ባርካ ኣቢልና ናብ ሰሜየን ከተማ ኣቑርዳት ኣምራሕና እሞ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኾውን ጉዕዞና ኣብ ብጅግና ስውእ ኣደም ግንድፍል ትምራሕ ዝነበረት ኣሃዱ ክጽንበር ከሎኹ ግዝያቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናይ 1964 አቲ ናይ ጋሽ ባርካ ናይ መታሕት መሪር ጸሓይ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኣስተማቒረዮን ከም ልምምድ ኮይኑ ኸኣ ንኽጸሮ ብዙሕ ሓጊዙኒ ክብል ይኽይእል።

 

እምበኣር እቲ ናይ ፈለማ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሰይ ክጅምሮ ከሎኹ ናብ ሰራዊት ሓርነር ኤርትራ ተጸምቢረ ከም ጉቡእ በቶም ምኩራት ተጋደልቲ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሰደ ብረተይ ዓጢቐ እቲ ቃልሲ ክጅምሮ ከሎኹ ኣብ ኩሉ ጉዕዞታተይ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ስለ ዘይተኸወለኒ እቲ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣይቋረጸን ክብል ይኽእል።

 

ኣብቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትርታ ድሒሩ ዝመጸ ምዕባሌታት ኣነ ካልእ መደብ ተዋሂቡኒ ንስርርዕን ምውዳብን ነስመራ ክንኣቱ ከሎና እቲ ቀዳማይ ንረኽቦን ዝሕግዘናን ሙሳ መሓመድኑር ስለ ስነበረ ምስቲ ዝጸንሓኒ እቲ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ርኽክብና ኣዝዩ ከም ዝሕይል ምግባሩ ንዓይ ዓቢ ትምህርትን ተሞኩሮን እዩ ነይሩ ክብል ይኽእል።

 

ቃልሲ ቀጺሉ ጉዳይ ኤርትራና ብዓወት ምስ ተደምደመ ኣብ 1991 ንእስመራ ድሕሪ 27 ዓመት ምስ ተመለስኩዋ ካብቶም ቀዳሞት ዝረኸብኩዎም እቲ ዝተተምንናዮን ዝተቓለስናሉን ተዓዊቱ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረና እቲ ናይ ናጽነት ሃዋሁ ብሓደ ኮይና ከነስተማቕሮ ባህርያዊ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

 

እምበኣር ተዘኩሮታተይ ምስ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ክብል ከሎኹ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝወሰደ ሓባራዊ ቃልስና ንዘልዓለም ንውሉድ ወለዶ ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ንዓና ክብረትን ሓበንን ከምዝኾነ ውን ኣይሰሓትን ።

 

ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንስኻ ጅግና ንስኻ ያታ፡

ንስኻ ታሪኽ ንስኻ ሰነድ ንስኻ ኣብነት ናይ ሃገር ዋልታ፡

ቃልሲ ኣበጊስካዮ ብሓቦ ብኒሕ ካብ መፈለምታ፡

ተወዳዳሪ የብልካን ክዝረበሉ እዩ ናትካ ሓቀኛ ዛንታ፡

ብቃልስኻን ጻዕርኻን ክትህሉ እያ ኤርትራ ዘይብላ መሰታ፡

 

በዘን ውሑዳት ቃላተይ ክድምድም ክለኹ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ከምቶም ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና ኣብ ነፍሰወክፍ ኤርትራዊ ልብና ሰፊሮም ንውሉድ ወሎዶና ካብቶም ንዝክሮም ስለ ዝኾነ ወላ ብኣካል እንተ ተፈልየና ብስምዒት ብመንፈስ ኣይክፍለየናን እዩ እንዳበልኩ እዛ ሓጻር ተዘኩሮታተይ ይድምድም።

ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሙሉኣት ስድራቤቱ ጽንዓትን ሰብርን ንመዋቲ ኸኣ

ኣላህ ኣብቲ ሰፊሕ ዳሩ ምስቶም ዝሓለፉ ጻድቃናት ይጸንብሮ ራሕሲ ይግደፍ

እንዳበልኩ ንነፍሰይ ውን የጸናንዓ።

                                             ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

                                                 ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

 

Last modified on Monday, 05 March 2018 11:22