ግደ ህዝቢ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ

2018-03-04 15:15:29 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1935 times

ውድባት: ማሕበራትን ሰልፍታትን ኩሉ ግዜ ምእንቲ ህዝብን ንረብሓ ህዝብን እየን ዝውደባን ዝቃለሳን። ልክዕ እዩ መላእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ማሕበራትን ከዐውትዎ ዝደልዩ መትከላትን ክስለፍ እንከሎ ዕላማኡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝውዕል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ክስዕቦ ይኹን ክድግፎ ኣይክእልን እዩ።

እወ! ዝኾነ ይኹን ዝተጠርነፈ ወይ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካዊ ጉጅለ ብዘይ ሓገዝ ህዝቢ ንቕድሚት ከም ዘይስጉም ርዱእ እዩ። ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ኩሎም ብማዕረ ክሳተፉ ወይ እውን ነቐፈታኦም ይኹን ደገፎም ከርእዩ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝንቀሳቕስ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል፥ ህዝቢ ክከታተሎን ክቆጻጸሮን ስለ ዘለዎ። ህዝቢ ተኸታቲሉ ከኣ እቲ ዝትለምን ኣብ ተግባር ዝረአን ኣወዳዲሩ እንተስ ክነጽጎ እንተስ ክስዕቦ ምርጭኡን ሓላፍነቱን ስለዝኾነ። ሓደ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ምእንቲ ህዝቢ ኢየ ዝቃለስ” ኢሉ ክንቀሳቐስ እንከሎ፥ ህዝቢ እውን “ናይ ብሓቂ ናተይ ዲዩ ኣይኮነን” ኢሉ ክመራመር ናይ ግድን እዩ። ሓደ ስርዓት ንህዝቢ ዘየርብሕ እንተኾይኑ ህዝቢ “ኣይፋልካን መንግስተይ እንተዀንካ ኣገልጋልየይ እምበር ጨፍላቕየይን ጨቛንየይን ክትከውን የብልካን” ኢሉ ኣይናተይን ክብሎ ይግባእ። ንኣብነት ስርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝዓጦ ኣይኮነን። ስልዝኾነ ከኣ ህዝቢ ፋሕ ክብልን ከይረዳዳእን እዩ ዝጽዕር።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እንተርኢናዮ፥ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝሰርሕን፥ ፍልልያቱ ዓቂቡን ሰላማዊ ዘተ ዘካይዱን ዝሰርሕ፡ ወገሐ-ጸበሐ ክፈናጨልን፥ ፍልልያቱ ኣብ ህዝቢ ክዝርግሕን ሓድነት የዳኽም። ወላ’ውን እቲ ዝኸዶ መንገዲ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይውዕል ብሩህእንተኾነ ከእርም ኣይረአን። ስርዓት ኢሳይያስ ከኣ ናቱ ክፋእ ኣቐሚጡ፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ “መሳርሕን ልኡኻትን ወያነ እዮም፥ ሽዩጣት እዮም፥ ከደምቲ ኮይኖም … ውዘተ” ብዝብላ ጽዩቓት መውጽኢ ኣፉ ቃላትዩ ዝደጋግም። ኣብ ደምበ ተቓውሞና ከኣ ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ብምስሓት፡ “ስርዓት ኤርትራ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወይ ወኪል ናይ ሓደ ሓደ ቋንቋ ተዛረብቲ እዩ፥ እገለ ኣውራጃ ኣንጻር ለውጢ እዩ፥ እገለ ዝበሃል ሰልፊ ህዝቢ ኣይውክልን እዩ፥ እገለ ኣንጻር ኢሰይያስ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ … ወዘተ ዝብል ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ወጽዓ ከይቃለስ ዝዕንቅፍ ወስታታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። እዚ ከኣ ንጉጅለ ኢሳይይያስ እምበር ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሕግዝ ኣይኮነን።

ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሸነኻት፥ እምበኣር ንሓድነት ህዝብን ዓወቱን ይቃለስ ኣለኹ ካብ ዝብል ወገን ክወጽእ ዝግበኦ ኣይኮነን። ስርዓት ኢሳይያስስ ሕራይ ኣቡኡ ዘፍለጠ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ክደቁስ፡ ክጭፍልቕ፡ ክኣስርን ክፈላልን ባህርያቱ እዩ። እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ደምበ ተቓውሞኸ ስለምንታይ እዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተናኾልን። ንካለኦት ኣግሊልካ “ኣነ ጥራሕ እየ ቅኑዕ እሞ ነዓይ ጥራይ ስምዑ” ምባልሲ ብሓቂ ቃልሲ ኣሰሲኑ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ዲዩ? እቲ ነዚ ዘቅርዑይ መንገዲ ዝመርጽ ንካለኦት እናተጸላለመ ስልጣን በቋራጽ ክጭብጥ’ሞ፡ ጽባሕ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከስትዮ ዲዩ ሕልሙ? እቲ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑኸ ደኣ በየን ኣቢሉ እዩ ከረጋገጽ? ስለዚ እንተደኣ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ኮይኑ’ሞ ነዚ ኩሉ ተቓዋማይ ዝኣምነሉ እንተ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ዘተ ምክያድን እንካን ሃባን ምብህሃል ተጸሊኡ ኣኣጉዶኻ ምሓዝዶ መድለየ? ህዝቢኸ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቶም ካብ መስመር ዝወጹ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ኢሉዶ ክውጥር ሓላፍነቱ ኣይኮነን እዩ? ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ክግስጥ፥ ኣይፋልን ክብል፡ ክተባብዕ፥ ካብ ብሕጂ መሰሉን ግቡኣቱን ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ዘይምድመደሉ። እነሆ እምበኣር ገሌና እቲ ቅኑዕ መንገዲ ክንሕዝ ዘይምኽኣልና፥ ንግጉይ ከም ቅኑዕ ጌርና ወግሐ ጸብሐ ክንነዝሕ እንከሎና ብሓቂዶ ንረብሓ ህዝቢዶ ንቃለስ ኣለና? ኢልና ነንነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ንህዝቢ ዘርሕቕ ሕድሕዳዊ ጸለምታትን ብምክያድከ ህዝቢ ነተን ሰልፍታት ኣለልዩ “እዚ ቅኑዕ እዚ ከኣ ግጉይ” ዝብል ብይን ከይብዶ ኣይዓግቶን?

Last modified on Sunday, 04 March 2018 16:19