መግለጺ ሓዘን

2017-11-23 13:22:08 Written by  ጨንፈር ኣውስትራልያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2605 times

ተጋዳሊት ወይዘሮ ጽገ ገረዝገሄር ተስፉይ ብዕለት 17/11/2017 ካብዛ ዓለም ብሞት ብምፍላያ እተሰመዓና ሓዘንን ጓህን እናገልጽና ብስም ሰዲህኤ ጨንፈር ኣወስትራልያ ንስድራቤታን ፈተውታን ጽንዓት ይህብኩም ይሃበና ንብል። ወይዘሮ ጽገ ገረዝግሄር ተስፋይ ካብተን ተሰሪዐን ንሃገራዊ ናጽነት ብትብዓት እተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃና ሎሚ ብኣካል ካባና ትፈለ እምበር ብመንፈስ ኩሉ ግዜ ምሳና ህልውቲ እያ፡ ታሪኻን  ጽቡቕ ተግባራን ኩሉ  ግዜ ክንዝክሮ ክነብር ኢና።

ወይዘሮ ጽገ ካብ ወላዲኣ አቶ ገረዝጊሄር ተስፋይን ካብ ወላዲታ /ሮ በለጸት አብ ደቂ-ለፋይ (ሃዳድም ጨዓሎ) ኣውራጃ አከለጉዛይ ተወሊዳ። ብንእስነታ ካብ ዓዲ ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ከተማ ሑመራ  ምስ ኣቶ ግርማይ ኣርኣያ ቃል ኪዳን ኣሲራ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኮይና እያ። ብሓዳራን ብደቃን ከይተዓንቀፈት ሃገራዊ ጉቡኣ ኣብ ሑማራ ዳሓር ከኣ ኣብ ሱዳን ትፍጽም ነበረት። ኣብ ዝኸደቶ ዘሰንያ እቲ ንህዝባን ንሃገራን ትፈቱ ምዃናን ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕርን ርህራሀንዩ ነይሩ።

ኣብ ኣውስትራልያ እንርከብ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋቲት መንግስተ ሰማያት የዋርሳ ንፈተውታን ስድራ ቤታን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኣውስትራልያ።

Last modified on Thursday, 23 November 2017 21:07