“ንሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ”

2017-11-28 18:04:30 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2636 times

“ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ሃገርና ነባር ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ። ፈልጽን ልሕጽን ልሙዳት ቃላት ትግርኛ ስለ ዝኾኑ፡ ትርጉም ዘድልዮም ኣይኮኑን። እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓቑፈምዎ ዘሎ ቁምነገር ግና ካብቲ ተራ ትርጉሞም ዝተፍልዩ እዮም። ፈልጽን ልሕጽን እቲ ሓደ ተጠርናፊ እቲ ካልእ ድማ ጠርናፊ እዮም። ሕመረት ናይቲ እኩብ ትርጉም ድማ ፈልጺ ንብዙሓት ዝተፈላለየ ድሌታት፡ ትጽቢታት፡ ኣተሓሳስባታትን ርኢቶታትን ዘለዎም፡ እሞ ድማ ናይ ሓባር ዕላማ ንከዕዉቱ ዝተሰለፉ ወገናት ዝውክል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ልሕጺ ድማ ነዚ ናይ ዝንባለን ኣተሓሳስባን ብዙሕነት ብሓባር ኣሳንዩ ናብ መዓላ ዘብጽሕ ረዚን ሓላፍነት ዝውክል እዩ።

እዚ፡ ኣብ ናይ ሃገራት ስርዓተ-ምሕደራ ንህዝብን ሕገመንግስታዊ ሓቛፍነትን ዝውክል እዩ። ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ብሕገመንግስቲ ናይ ምምሕዳር ዕድል ዘይረኸባ ግና እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ባይታ ኣይንጸባረቕን እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ንዝተፈላለየ ዕማም ዝውደባ መሕበራትን ከኣ እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ በቲ ኣብ መንጎ ኣባላተንን ዝምረሓሉ ቅዋምን ሕግን ዝምሰል እዩ። ናይ ሓፋሽ ናይ ሕጊ ምእዙዝነትን ናይ ሕጊ ጠማርነትን ብቐሊሉ ዝወሓስ ዘይኮነ፡ ዝትግበረሉ ዕላዊ መድረኽን ወግዓዊ መስርሕን ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ዓድታትና ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዕድመ፡ እምነታትን መሰል መዕቀንታትን ዝርከቡ ደቂ ዓዲ ኣብ ባይቶ ብሓባር የጽድቕዎ። ድሕሪኡ ከኣ “ከቢብና ነቢብና” ዘጽደቕናዮ ሕግን ስድብን ኢሎም ከም ናይ ዓይኖም ብሌን ይሕልዉዎን ይምእዘዝዎን። ናይ ሓደ ሃገር ሕገ-መንግስቲ ከኣ ከከም ኩነታቱ ንኹሉ ዕድሚኡ ነዚ ዕማም ዝምጥን ዜጋ ብቐጥታዊ ድዩ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ኣብ ዝሳተፍሉ ተነዲፉ ይጸድቕ። ድሕሪኡ ድማ ዜጋታት ከኽብርዎ፡ ክምእዘዝዎን ክሕልዉዎን ግድነት ኣለዎም። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ቅዋሞም ከከም ባህልን ተመኩሮን ናይቲ ውድብ ብዝጥዕም መስርሕ ሓሊፉ ኣብ ጉባአ ይጸድቕ። ድሕሪ እዚ ኣባላት ነዚ ቅዋም የኽብርዎ፡ ይምእዘዝዎን ይከላኸልሉን ከኣ። ነዚ ከተተግብር ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ከኣ ናይቲ ትካል ኣባልነትካ ደረጃ ዝመዝን እዩ።

እዚ ስድቢ ዓዲ፡ ሕገመንግስቲ ሃገራትን ቅዋም ፖለቲካዊ ትካላትን ኣብ መስርሕ ንኩሎም’ቶም “ይኹነና” ኢሎም ዘጽደቕዎ ወገናት፡ ማዕረ ዘይክጥዕሞም ይኽእል እዩ። ንገሊኦም ይሰማምዖም ንገሊኦም ድማ ይኩርኮሖም። ምስዚ ግና ኩሎም ማዕረ ናይ ምኽባሩን ምሕላዉን ዲሞክራስያዊ ግደታ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ነቲ “ውሑዳት ንብዙሓት ይምእዘዙ” ዝብል ዲሞክራስያዊ መትከል ዝምልከት ናይ ውሑዳት ሓሳብ ዝግድብ እዩ ዝብል ስምዕታ ይቐርብ እዩ። በዚ ኣገባብዚ ዝግደብ ስምዒትን ሓሳብን የለ’ኳ እንተዘይተባህለ “ሕገይ ይኹን” ኢልካ ተቐቢልካ ክሳብ ዘጽደቕካዮ ግና ይጥዓምካ ይኮርኩሕካ ካብ ምኽባሩ ወጻኢ ካልእ ምርጫ የለን። ንኣብነት ኣብ ቅዋም ሰዲህኤ “3፡1፡1 ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሰልፊ፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ” ዝብል ዓንቀጽ ንረክብ። እዚ ዓንቀጽ ብኻልእ ትሕዝቶ እሞ ድማ ብዙሓት ኣብ ዝተሰማምዕሉ ሕጋዊ መድረኽ ክሳብ ዝትካእ ከም ዘለዎ ተማእዚዝካሉ ካብ ምቕባል ካልእ ቅቡል ምርጫ የለን።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ እዚ ቅዋም ናትና እዩ ብዝበልዎ ሰባት እዩ ዝህነጽ። ኣብ መስርሕ ብምልኡ ድዩ ከፊሉ ከም ዘየስርሕ እንተተረጋጊጹ ዘይቅየረሉ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ እቶም ሰብ ጉዳይ ንሕጊ ክምርሕሉ እምበር ክግዝእሉ ኣይኮኑን ዘጽድቕዎ። እዚ ኣብ ግምት ኣትዩ ከኣ ዝኾነ ስድቢ፡ ሕገመንግስቲ ወይ ቅዋም፡ ዝመሓየሸሉ ይኹን ዝቕየረሉ ቀጥዒ ኣለዎ። ካብቲ ብዙሓት ዝተሰማምዕሉ ሕጋዊ ቀጥዒ ወጻኢ ግና ዋላ’ቲ ዝመጽእ ሓድሽ ሓሳብ ካብቲ ዝጸንሐ ዝሓሸ ይኹን፡ ሕጋዊ ክብደት የብሉን። ንኣብነት ቅዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መወዳእታኡ “9፡2 ነዚ ቅዋም’ዚ ክቕይር ዝኽእል ጉባኤ ሰልፊ እዩ፤ 9፡3 ማእከላይ ባይቶ፤ ንዝኾነ ይኹን ኣከራኻሪ ዓንቀጽ ክትርጉም (ከብርህ፡ ከነጽር) ሓላፍነት ኣለዎ ። 9፡4 ማእከላይ ባይቶ ኣብ ቅዋም ከስርሕ ዘይከኣለ ዓንቀጽ ከመሓይሽን፡ ንዘይተጠቕሰ ሓደስቲ ዓንቀጻት ከተኣታቱን 75% ድምጺ ካብ ኣብላቱ የድልዮ።” ዝብሉ ንኡሳን ዓናቅጽ ኣለዉዎ።

ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ሃልይዎም፡ ኣብ ምኽባር፡ ምምእዛዝን ምዕቃብን ናይቲ ብሓባር ዘጽደቕዎ ሕጊ እንተተፈላልዮም ናብ ዝሰፍሕ ምርሕሓቕ ከመርሖም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ሓቢርካ ናይ ሓባር ዕላማኻ ንክተዕውት በቲ ናይ ሓባር ሕጊ ምምእዛዝን ዘይምምእዛዝን መሰረታዊ ስለ ዝኾነ። ኮታ እቲ ተጠሚሩ ዝጸንሐ ፈልጺ እቲ ጠማሪኡ ልሕጺ ኣብ ዝብተኸሉ ዘጋጥም ፋሕጭንግራሕ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ህዝብና ምስላ ብምምሳል ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር’ውን ናይ ሕጊ ምእዙዝ እዩ። ሓደ ሰብ እንተበዲሉካ’ሞ ናብ ሕጊ ከተቕርቦ እንተደሊኻ ዘገድደልካ ፖሊስ ወይ ካልእ ሓይሊ ኣየድልየካ። “ዝባን ሕጊ ካብ እግረይ ከይትተርፍ” እንተኢልካዮ ክሳብ ናብቲ ይዳንየኒ ዝበልካዮ ኣካል እትበጽሕ ፈትዩ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ሕጊ ክብደት ኣሚኑ ይኽተለካ። ካብዚ ሓሊፉ በዓል ነገር ናይቲ ዝተኸሰሉ ጉዳይ ጭብጢ ቀሪብሉ በዚ ተኣምን ዲኻ ተባሂሉ “እወ መንግስቲ ይሙት” ኢሉ እንተተፈጺሙ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሕቶ ኣየቕርብን። ፈጽሚ ከም ክታም ሓያል ምዃኑ ዝኣምኑ ወለዲ ከኣ “ናይ ነገር መወዳእታ ፈጽሚ፡ ናይ ስጋ መወዳእታ ዓጽሚ” ይብሉ ነይሮም። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣሚንካን ረዲኻን ኣብ ዝተቐበልካዮ ምጽናዕ ዘይስገር መሰረታዊ ኣምር ምዃኑ እዩ።

 

Last modified on Tuesday, 28 November 2017 19:10