ኣንቱም ሕድሪ ስዉኣት ዝስቆረኩም

2017-11-23 11:30:10 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2361 times

ኣብ ኣፍርቃ ብፍላይ እተን ብመፈንቀለ መንግስቲ ይኹን ብሰውራ ኣቢለን ስልጣን ዝተታሕዘለን ሃገራት ንዲሞክራሲያውነት ብዙሕ ክበቕዕኦ ኣይከኣላን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ዲሞክራሲ ዝበሃል ፍልጠት ብዙሕ ስለ ዘይሰርሓሉን ዘይተመኮረሉን ካብቲ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝዘርኦ ድሑር ኣተሓሳስባ ገና ክላቐቕ ስለዘይከኣለን እውን እዩ። እቶም ብሰውራ ኣቢሎም ከም እኒ ኤርትራ ይኹን ወይ እውን ብመፈንቅለ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጡ ካብቲ ናይ ባዕዳዊ ኣገባብ ኣመሓድራ ብዙሕ ኣይተፈልዩን። ንሳቶም እውን እንተኾነ ነቲ ዲሞክራሲ ዝብል ኣምር ከም ቁርን ኣስሓይታን እዮም ዝፈርህዎ።

እዞም ኣብ ኣፍሪቃ በዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣገባብ ኣቢሎም ስልጣን ዝጨበጡ ክሳብ ሎሚ ብፍታዎም ማለት ብምርጫ ኣቢሎም ይኹን ይኣኽለኒ ኢሎም ስልጣን ዘረከቡ ኣዝዮም ውሑዳት እዩም። መብዛሕትኦም ከም ናይ ወዲ 93 ዓመት ናይ ዝምባብወ መራሒ ነበር ሮበርት ሙጋበ ትንፋሱ ክሳብ ትወጽእ ነቲ ስልጣን ከም ቁርዲድ ምልቓቕ ኣብዩ እነሆ ብሓያል ድፍኢት ዝተኻየደሉ ስልጣን ንምርካብ ብዙሕ ክወሓጠሉ’ኳ እንተጽነሐ መወዳእትኡስ ረድዩ ኣይረድዩ ስልጣን ለቒቑ።

ሙጋበ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናይ ኢያን ስሚዝ ተዓዊቱ ካብ 1987 ኣትሒዙ ስልጣን ዝጨበጠ እዩ። ሮበርት ሙጋበ ናይ ትምህርቲ ሕጽረት የብሉን። ኮይኑ ግን ጭካነን ፍትወት ነፍስን ኣብ ምሁር ይኹን ዘይተማህረ ስለ ዝረአ እነሆ ምሁር ክንሱ ን37 ዓመት ዝኣክል ንህዝቢ ዝምባብወ ኣርዒዱን ጨፍጪፉን። ግን ከኣ “ቦ ግዜ ለኩሉ” ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ከምዝተባህለ እነሆ መዓልቲ ኣኺሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንብዓት ውጹዕ ህዝቢ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ራህዋ ዝቕየረሉ መድረኽ ምህላው ክንዝንግዕ የብልናን።

ህዝቢ ዝምባብወ ቁጠባውን፥ ማሕበራውን ስቅያት ኣሕሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካብ ዝሽመም ነዊሕ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዚ ከኣ ንኹሉ ማለት ንሰራዊት ይኹን ነቲ ህዝቢ ብማዕረ ዘሳቕዮ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሰራዊት ዝምባብወ እነሆ ዋላ’ኳ ስልጣን ንምጭባጥ ዘይኮነስ ንፖለቲካዊ ቅልውላዋት ንምትህድዳእ እዩ ዝብሉ እንተለዉ ስልጣን ምጭባጥ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ዕምሪ ምልካዊ ኣተሓስስባ’ኳ ብቐሊሉ ዘብቅዕ እንተዘይኮነ፥ እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ግን ኣብቂዑ እዩ። ግን ከኣ እቲ ሰራዊት ነቲ ቅዋም ክኸላኸል እሞ ብኡ ኣቢሉ እቲ ወጽዓ ዘኽትመሉ ክኸውን ተስፋ ዝህብ እዩ።

ናብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ምልስ እሞ ንበል።  ምኽንይቱ “ብጻይካ ክላጸ ንስኻ እውን ጭሕምኻ ኣተርክስ” ዝብል ምስላ ኣበው ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ። እሞ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርሲ ነዚ ናይ ዝምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ ዝምልከት ትምህርቲ ክቐስም ናይ ግድን እዩ። ኢሳያስ ን26 ዓመታት ጌና እውን ዘዓልዎ እንተዘይረኺቡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ንህዝብን ሰራዊትን ድከቱ ከስትዮ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ምኽንያቱ ብደም ዝጨቀወ መላኺ ስርዓት ንዝጨበጦ ስልጣን ንኸየርክብ ቀሲኑ ኣይድቅስን እዩ።
ስለዚ እቶም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዉ ሕድሪ ስውኣት ዝስቆሮም፥ ነዚ ናይ ዝምባብወ ሰራዊት እንታይ ክመሃርሉ ይኽእል ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እዚ ማለት ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ 26 ዓመታት ዝረሃዋን፥ ብቅዋም ትመሓደርን ሃገር ከምዘይነበረትን ዘየላን ኩልና ንርድኦ ሓቂ ካብ ኮነ፡ እቲ ሲቭል ከኣ ጥራሕ ኢዱ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እቲ ሰራዊት ንህዝቡን ሃገሩን ካብ ዝኾነ ይኹን ጭቆና፡ ግፍዕን መከራን ከናግፍ ክለዓል ዝግበኦ ምዃኑ እዚ ኣብ ዝምባብወ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር ሓባሪ እዩ። ግን ከኣ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገረ ኤርትራ ነቲ ምልኪ ከልግስ እንከሎ ተመሊሱ ንሱ “ራዛ ናይ ኣቡኣ ሓዛ” ከይከውን፡ መስርሕ ድሕሪ ውድቀት እዚ መላኺ ስርዓት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ክርዳእን ብብስለት ክገጥሞን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትአን ዲክታቶር ዝውገደለን ሃገራት እቲ ዝትክእ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ኣይከውንን እሞ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ከምዕብል ከምዘለዎ ምውጣን ኣድላዪ እዩ።

Last modified on Thursday, 23 November 2017 12:34