ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ

2017-11-21 19:22:57 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2509 times

ሃገራት ነናተን ፍሉይ ዝገብረን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ካልእ መለክዕታትን ኣለወን። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማት ይርከባ፡ ገሊአን ናብ ባሕሪ ቀረባ እየን። ገሊአን ድማ ከምኡ ዓይነት ጸጋ የብለንን። ናብ ሃገርነት ዝመጻሉ ታሪኻዊ መስርሕ’ውን ይፈላለ። ኣብ ብዝሒ ህዝብንን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት’ውን ይፈላለያ። ዝመሳሰላሉ ከኣ ኣለወን። ንኣብነት ዝመሓዳደራሉ ፖለቲካዊ ስርዓት። ገሊአን ናይ ህዝቢ ልዕልና ብዘረጋገጽ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ይምረሓ። ገሊአን ከኣ ከምዚ ኤርትራ ሕጂ ዘላትሉ ሃለዋት  ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ኣርዑት ይነብራ። እንተኾነ ብፍላይ እቲ ምስ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝዛመድ ኩነታተን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀያየር እምበር ከምቲ ጀኦግራፊያዊ መለክዒ ተሰሚሩ ዝነብር ቀዋሚ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ከምዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላትሉ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣብ ዝጸንሓ ሃገራት ምምሕዳራዊ ለውጢ ክኽሰት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። ርሑቕ ከይከድና ግብጺ፡ ልብያን ቱኒዝያን ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ሕጂ ድማ እዚ ናይ ለውጢ ለበዳ ናብ ዝንባብወ ገጹ ልሒሙ ኣሎ። እሞ ድማ ናይ ዚምባብወ ኩነታት ምስ ናይ ኤርትራ ኩነታት ስለ ዝመሳሰል ዝያዳ ነቶም ዝምልከተና ኤርትራዊ ኣካላት ዝጸልወናን ሓላፍነት ዘሰክመናን እዩ። ወዲ 93 ዓመት መራሒ ዚምባብወ ሮበርት ገብሬል ሙጋበ ነታ ሃገር ዳርጋ ን40 ዓመታት ጨቊኑ ዝገዘአ፡ ኣብ ግዜ ናጽነታ ብዝገበሮ ሓርበኝነት ምስ ህዝባን ጸጋታታን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ጅሆ ሒዝዋ ጸኒሑ። ወዲ 72 ዓመት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን እነሆ ካብቲ ናይ ሙጋበ ብዘይፍለ ብደዐ፡ ንኤርትራ ምስ ህዝባን ጸጋታታን ከም  ውልቃዊ ንብረቱ ቆጺሩ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ ን26 ዓመታት ገዚእዋ። ዕድል እንተረኺቡ ከም ሙጋበ ወዲ 93 ዓመት ክሳብ ዝኸውን “ክመርሕ እየ” ካብ ምባል ድሕር ከምዘይብል “ኣብ ኤርትራ መዓስ እዩ ምርጫ ክካየድ?” ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ “ምናልባት ድሕሪ 40፡ 50 ዓመታት ክኸውን ይኽእል” ዝብል ናይ ኣሽካዕላል ምላሽ ምሃቡ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራት ካብዘይርድእዎ ብዙሕ ጉዳያት ሓደ፡ ኩነታት ንዘለኣለም ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ኮይኑ ክኸይድ ከም ዘይክእል እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኩሎም ዲክታቶራት ብሃንደበት እዮም ካብ ስልጣን ዝዕዘሩ። እቲ ሃንደበትነት ግና ንዓኣቶም እዩ እምበር እቲ ግዳዮም ኮይኑ ዝጸንሐ ኣካልስ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝዝንቢ ናይ ለውጢ ንፋስ የቕልበሉን ይጽበዮን እዩ። እዞም ዲክታቶራት ካብ ዝግለጽሉ ረቛሕታት ሓደ ስሰዐ እዩ። እቲ ስሰዐ  ናይ ንዋይ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ናይ ስልጣን እዩ። ስልጣን እንተልዩ ኩሉ ኣሎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ። ንሳቶም ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክነብሩ ከባቢኦም ንምውሓስ ብዝተፈላለየ መለክዒ “ጠቕሙን ህልውናኡን ካብ ናትና  ኣይፍለይን እዩ” ብዝብልዎም ኣካላት ይኽበቡ። ብህይወት እንከለዉ ንዘይጸገብዎ ስልጣን ናብ ፈታዊኦም ወይ ዓጽመ ስጋኦም ናይ ምውራስ ፍኒሕኒሕ የርእዩ። እዞም ከም ናይ ዲክታተርነት ኣብነት ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ናይ ዝተፈላለያ ሃግራት መራሕቲ ነበር፡ ኣይተዓወቱን እምበር ነዚ ስሰዐ እዚ’ውን ፈቲነምዎ እዮም። ከምዚ ሙጋበ በዓልቲ ቤቱ ምክትሉ ክትከውን ዝሓለኖ እሞ ካልእ መዘዝ ዘምጸኣሉ። ነዚ ኢሳይያስ እውን ኣይሓልሞን’ዩ ማለት ኣይኮነን።

እዚ ብካለኦት ዝሓለፈ፡ ሕጂ ሙጋበ ተረናኛ ኮይንሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ጽባሕ ከኣ ኢሳይያስ ዝርከቦ ጻዕረሞት ዝተፈላለዩ ኣካላት ክመሃርሉ ዝግበኦም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክመሃረሉ ዝግበኦ እቲ ሓቂ ንሳይያስ ምስ ኤርትራን ህዝባን ብምጥባቕ፡ “እዚ ሰብኣይ እንተዘየልዩ ኤርትራ ኣይትህሉን እያ” ዝብል ባዶ መሰናበዲ ብሂል ምዃኑ ካብ ተሞክሮ ካለኦት ክመሃረሉ ይግበኦ። ብተግባር ድሕሪ ሑስኒ ሙባረክ ግብጺ፡ ድሕሪ መንግስቱ ሃይለማርያም ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሙጋበ ከኣ ዚምባብወ ምህላወን ዝድህሰስ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ብዝተፈላለየ ኣገባብ ህግደፍ ንክድግፍ ብበዓል የማነ ገብረኣብ ዝወደብ ዘሎ ክንፊ መንእሰይ፡ ካብዚ መንእሰያት ዚምባብወ ብውዱብ መልዕ ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ምዃኖም ዘረጋገጽዎ ዘለዉ ክመሃር ይግበኦ። ሰራዊት ኤርትራ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝንገሮን ዝጽወዖን ንገዛእ ርእሱ ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ጭቆና ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ጥራይ ከብዱን ዕሩቕ ዝባኑን ወንበር ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ዘምውቕ፡ ካብ ሓላፍነታዊ ተግባር ወተሃደራት ግብጽን ዚምባብወን ተማሂሩ ኣፈሙዙ ናብ ወጻዕቲ እምበር ናብ ህዝቢ ንዘይምቕናዕ ክተብዕ ይግበኦ። ኣብቲ ግዜ ምስግጋር ምትካእ ካብ ምፍራስ ከም ዝኸብድ ብምርዳእ፡ ተቓወምትን ፈተውቲ ህዝቦን ሃገሮምን ኤርትራውያን ከሎ ጌና ክናበቡ ይግበኦም።

ምናልባት ደኣ ልቢ ዲክታቶራት ሓንሳብ ካብ ህዝቢ ምስ ረሓቐ ክምለስ ልሙድ ኣይኮነን እምበር፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ካብዚ ክመሃር መተገብኦ። እቲ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል ስኢኑ መዓንጥኡ ዝሓርር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ ዕድል ምስ ረኸበ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ካብቲ ክነድድ ዝተዓዘቦ ናይቶም ናይ ባህሪ መሓዙቱ ኣሳእል ክመሃር መተገብአ። “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ማለት ከኣ ምዕባለኡ ሓልዩ ስለ ዝመጽእ ደኣ ይድንጒ ይኸውን እምበር፡ ሕልፈት ምምጻኡ ከምዘይተርፍ ዘመልክት እዩ። ልቢ ዲክታቶራት ግና መሊሳ ክትተርር እምበር ክትልስልስ ኣይተዓደለትን። 

Last modified on Tuesday, 21 November 2017 20:25