ዕዉት ህዝባዊ ዘተ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ተኻይዱ!

2017-09-14 14:31:24 Written by  ያቆብ ኣብርሃም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1762 times

ብኣጋጣሚ  መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ  ብዕለት 10.09.2017 ዓሚቕ ናይ ዘተ መደብ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ። ኣብዚ መዓልቲ‘ዚ ድማ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረዚደንት ኤሪመድረኽ ፣ ደራሲ መጽሓፍ  „ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡- ጥልመትን ተስፋን“ : ኣባል መድረኽ ሃገራዊ ዘተን ኣገዳሲ መግለጺ ቀሪቡ።

News ambesader Andebrahan Meeting 10.09.2017

 

ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽን ተራ ፕሮ-ደሞክራሲያዊ ተቓውሞን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረበ መደረ ኣዝዮም ብርኩታት ዝኾኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ሓያሎ መድረኻውያን ሕቶታትን ሪኢቶታትን ቀሪቦምን  ተዘትዪሎምን። ስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ  ኣብ ምፍራስ ይርከብ። ውጺኢት ናይ 26 ዓመት ፍሽለቱ ድማ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ብርሰት ኣትያ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ስቓይን መከራን ይርከብ። ኢርትራ ድሕሪ ምዕናው ኣረጊት ስርዓት ኢሰያስ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ወጺኣ ብፍትሒን ዲሞክራሲን እትምራሕ ፣ ስላምን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትኮነልና ካብ ሕጂ እነቖሙጦም እምነመሰረታት ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም ተገንዚቡ። ኣብዚ ጉዕዞ‘ዚ ድማ ኩለን ሓይሊታት ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ምውሓስን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ኩለን ሓይሊታተን ፍልልያተን ወጊንን ብሓባር ክሰርሓሉ  ይዕድም። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣብዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እቲ ንሃገራዊ ዘተ ዝተኻየደ ጻዕሪታት ኣመስጊኑ ፡ ብፍላይ ድማ ኣቲ ናይ ናይሮቢ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕጽል ዘይከኣለሉ ጸገማት ገሊጹ። ኣብ ቀረባ ማለት ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ዓውደዘተ ክቕጽል ክም ዝኾነን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ድሮ ዕድመታት ናብ ኩለን ዝምልከአን ፖሎቲካውያን ሓይሊታት ዕድመ ከም ዝተላእከ ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ‘ውን በቲ ብኣብቲ ተኻፋሊ መደብ ኣኼባ ዝነበረ ፣ ኣባል ኣድሆክ-ኮሚቴ ናይሮቢ ፣  ኣባል መሪሕነት ሰሊፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ነቲ ዝኸደ መስርሕ ዘተን ድሕሪሁ ዝተኻየዱ ጻዕሪታትን ኣመልኪቱ ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቡ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ እቲ መደብ ብለበዋታትን ዘክረሰማእታትን ተዛዚሙ።

ካብ ያቆብ ኣብርሃም
10 መስከረም 2017

Last modified on Thursday, 14 September 2017 16:42