ጽምብል በዓል መበል 56 ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለን

2017-09-14 21:37:24 Written by  ዓንደብራሃን የውሃንስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1988 times

ጽምብል በዓል መበል 56 ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለን

09.09.2017 56 1

ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣንጻር ጨቈንቲ ስርዓታት ከይሰልከየ ተቓሊሱ ንመሬቱ ሓራ ኣውጽእዋ። እነሆ ድማ ነታ ብጅግና ሓምድ እሪስ ዓዋተ ናይ ነጻነት ጥይት ዘበሰረት ዕለት፥ ብጨናፍር ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድርን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተዳለወ ዝኽሪ በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ከሎን ብዕለት 09-09-2017 ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

Koeln 09.09.2017 56 2
እዚ ዝኽሪ መበል 56 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎና ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ በመሪሕነት ኢብራሂም ሰዓድ ኩዕሶ እግሪ ውድድር ዝተኻየደ እዩ ጀሚሩ። እተን ኣብ መጨረሻ ናይ ዋንጫ ውድድር ዝበጽሓ ጋንታ መትከል ካብ ቦን፡ ጋንታ ዋርሳይ ከኣ ካብ ክረፍልድ እየን ተጋጢመን። ኣብ መወዳእታ እቲ ግጥም ብዓወት ናይ መትከል ተዛዚሙ።

Koeln 09.09.2017 56 3
ድሕሪ ውድድር ጸወታ ኹዕሶ እግሪ ምድምዳሙ ከኣ ካብ ሰዓት 07:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል ተጀሚሩ።ብድሕሪ እዚ ንተሳተፍቲ ብኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ/መንበር ጨንፈር ከለንን ከባቢኡን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባልን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብትግርኛን ዓረብኛን ዝተዳለወ መግለጺ ኣንቢቡ። ብድሕሪ እዚ በቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ወጋሕ ትበል ለይቲ ሓዲሩ።

Last modified on Thursday, 14 September 2017 23:53