በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሮም

2017-09-14 06:53:43 Written by  በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1774 times

ቀዳም 9 መስከረም 2017 በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ መበል 56 ባሕቲ መስከረም ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣብዒሎም። ኣኼባ ድሕሪ ዝኽሪ ሰማእታት ሓው ምስጉን ሓጎስ ኣቦ መንበር ቦርድ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ታሪኽን ህያውነትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽና ብምሃብ ጀሚሩ። 

ቀጺላ ሓፍቲ ፍረወይኒ ገርጊሽ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን፡ ጅግንነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብናን ዝገልጽ ቃል ቦርድ ኣስሚዓ። ብሓፍቲ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ዝቐረበ ቃል ከምዘለዎ ንኣንበብቲ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ።

Hade Meskerem in Oakland 1 09 2017

ብጽንዓትን ተወፋይነትን ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ዘበገሰቶ ዓላማ ብ1991 መሬትና ካብ ባዕዲ መንዚዑ ተዓዊቱ እኳ እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ገና ሰብኣዊ መሰላቱ ተነፊጉ ድሕሪ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት መስዋእትን ስንክልናን ስደትን ሓሳረ መከራን ቀሲኑ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ተሓሪሙ ምህላውን፡ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ዓላማ ኣብ መዓርፎኡ ክሳብ ዝበጽሕ ቃልስና ቀጻሊ ምኳኑ ቦርድ በይ-ኤርያ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣነጺሩ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ቃንዛ ህዝብና ተረዲኡ ኣብ ሃገርና ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ኩሉ ግዴኡ ከበርክት ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ እናኸደ እንከሎ፡ ገለ መንእሰያት ኣብክንዲ ሕድሪ ስውኣትና ብምኽባር ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ወሳኒ ተራኦም ምብርካት፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ ብምባል ክብርን ቓልስን መስዋእትነን ህዝብና ክቋናጽቡ ይስማዕ። እዚ ተርእዮ’ዚ ዘሕዝን ምኻኑን ሕድሪ ስውእትና ክነተግብርን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሰዊት ዕድሜኦም ዘሕለፉን ገና ከይተሓለሉ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝቃለሱ ዘለዉን ኣሞጒሱ። ንገለ ካብ ነባራት ተቓለስቲ በይ-ኤርያ ናይ ምስጋናን ኣድናቖትን ምስክር ወረቐት’ን ሂቦም። እዚ ጽቡቕ ዘኹርዕ ባህሊ’ዚ ቦርድ በይ-ኤርያ ካብ ዘተኣታትዎ ሓያል ግዜ ኮይኑ’ሎ። እዞም ኣብ ብዓል ሓደ መስከረም ዝተመስገኑ ትቓለስቲ ናይ መጀመርያ ኣይኮኑን።

ቀጺሉ ቦርድ በይ-ኤርያ ብዛዕባ ቀሪቡ ዘሎ ኣመታዊ ኣኺባኡን ክግበር ዘለዎ ምቅርራባትን ኣልዒሉ ካብ ተሳተፍቲ ርእይቶታት ብምቕባል ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ።

ኣብ መደምደምታ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናቐረቡ ንቦርድ ምስጋናኦም ኣብ ርእሲ ምግላጽ ንክብሪን ዋጋን ባሕቲ መስከረም ዝገልጽ መደረታት ኣስሚዓም። ኣሕዋት ጆርጆ፡ ሕድራይ ፍስሓ ከምኡውን ሓው መንግስተኣብ ሃይለ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ዝገልጽ መሳጢ ግጥምታት ኣቕሪቦም ነቲ ብዓል ድምቀት ሂቦሞ።

Hade Meskerem in Oakland 1 09.2017 2

                       ብሓፍቲ ፍረወይኒ  ገርጊሽ ዝቐረበ መግለጺ ከምዘለዎ ስዒቡእኖሆ፡

                              መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲህዝቢ ኤርትራ

ባሕቲ መስከረም  ሎሚ’ውን ንመበል 56 ዓመታ ተዘኪራ ተውዕል ኣላ።እዛ ክብርትን ታሪኻዊትን  ዕለት እዚኣ ክንዝክር እንኸለና እቲ ንዓዓ ዘበገሰ ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተን ነቶም ኣሰሩ ተከቲሎም ሕድሩ ተግቢሮም ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ነጻ -መሬትና ዘረከቡናን ሉእላአውነትና ዘረጋገጹልናን ጀጋኑና ብክብሪ ካብ ዝዝኸራ ታሪኻውማዓልትታትና ሐንቲ እያ።

ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተ  መስከረም 1961 ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሲከበግስ እንከሎ መቀጸልታ ናይቲ  ካብ ኣርባዓታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲኾይኑ፡ነቶም መሬትና ጎቢጦም መሰልና ዝረገጹ ዓመጽቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሰልና ብሓይሊ ብረት እንበር ብትኻቦ ዘይውሃበና ምኻኑ ዘርኣየላ ዕለት’ያ።ነቲ ገዚፍን ሙሉእ ዕጥቅን ዝሐዘ ጸላኢብጋንዴ ብረትን ብውልቀ ሰብን  ክምክት ክብገስ እንከሎ እንበኣር  ውዒሉ ሐዲሩ  መሬት ናይ ዋናታቱ’በር ናይ ዓመጽቲ ከምዘይከውን ብምእማን እዩ። ባዕዳውያን ኣብ ዘይርስቶምንኣብ ዘይመሬቶምን  ብዓመጽ  ንዝገዝእዎ ህዝቢ ኣብ መወዳእትኡ ብእኡ ተሳዒሮም ም ዝሓፉ ድማ  ኻብ ተሞኽሮታት ዓለም ኣብነት ሃገራዊ ቃልስና ሐደ’ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ  ናጽነቱ ተቃሊሱ ከርጋግጽ ምኻኑ ብምእማን’ዩ እምበኣር እቲ ጽሚኢናጽነት ኣብ ውሽጡ ተጠጅኡ ዝጸንሔ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እዛ ክብርቲ ዕለት’ ንሜዳ   ክውሕዝን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኾይኑ ኣንጻር ዓመጽቱ ብሃይማኖት ይኹን ዓሌት ከይተፈላለየ ብሓባር ኽቃለስ ዝተራእየ። ኤርትራዊ እምበኣር ነቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ሱር ተኽሊናጽነት ገድልን መስገደላቱን ጥሜት.ጽምኢ.ዕርቃ. ድኻምን ተጻውሩ ከይኣክል ነታ መተኻእታ ዘይብላ ሂወቱ ዋጋ ናጽነት ከፉሉ ነዛ ሉእላዊት ሃገር ኣረጋጊጺ እዩ።

እዚ ድሕሪ መሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት’በር ንህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዓማጺ ሰርዓት ህግደፍ ዝይናቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም-ወዲ ባዕዲ ካብናብ መንነት ክሕተት፡ ተማሂሩ ከፍሪ ዝክእል መንእሰይ ወሎዶ ኣብ ሃገራዊ ባርነት ተጸሚዱ ብሩህ ራኢ ዘይብሉ ጽልሙት መጻኢ ምስ ኾኖ ካብዚ ንከሃድም ኣብ ፈቆዶ ባሕርን ሰሃራንክጠፍእን, እቲ ካብዚ ዝወጸ እውን እንትኮነ ኣብ ዝኣተዎ ሃገር ሰብኣዊ ክብሪ ስኢኑከም ኣቅሓገልታዕታት ኽብልን ክሳጎግን ንሂወቱ መዕለቢ ስኢኑላ ኣሎ።  ኣብ ገጻእ መሬቱ  ንወዲ- ሰብ ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት ዝክልከል፡ ምእመነቱ ብዘይ ፍርዲ ዝኣሰር፡ ብዘይ ንቡር ንዘሞተሬስኡ ግቡእ ቀብሪ ዝክልከል ዘየፍትሓውን ዘይሓላፍነትውን ኣብ ኤርትራ ጥራሕዩ ዘሎ።

 እዛ ንዋናታታ ምንባር ተነፊግዎም ዘላ ሃገር ወደባታን ማዕድናታን ባዕዳውያን ክጥቀምህዝባ ድማ ብሕሰም መነባብሮ ክሳቀን ከም ህዝቢ ክጸንትን ዝፈርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓትስዕረቱ’ኻ ዘይተርፍ እንተኾነ እቶም ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ሕሱራት ሜላታት ግን ኣብ ህዝብና ዝገድፎ ዘሎ ሕምቅ ኣሰራት  ዘሰክፍ’ዩ። ነቲ ታሪካዊ ጅግንነት ወለድኡብግቡእ  ከይሕዝን ከይፈልጥን ታርክ እናጠማዘዝካ ዝይግቡእ ተርድኦ ኣብ ጅግንነት ዘሰርሑኣቦታቶምን ኣቦሓጎታቶምን ጽልእን ቅርሕንትን ከሕድሩን በኣውራጃን ዓሌትን ክታፍነንን መዓልቲ  ታሪካዊ ጅግንነት ከም መዓልቲ ሸፋቱ ጀጋኑ ድማ ከም ንሽፍትነት ዝተሰውኡ ጌርካምቁጻር ካብቲ ዘይሓላፍነትውን ዘይስነ-ምግባራውን ኣታሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ዝበቆለ’ዩ።

እዚ ዘይእሩምን ዘይቅኑዕን ኣረኣእያ’ዚ ድማ ኽኩነን ዘለዎ’ዩ ሰለምንታይሲ ነቲ ኣሚና እንቃለሰሉ  ዘሎና መስርሕ መሰረታዊ ለውጢ ኣንቃፍን ተጻራርን ስለዝኾነ። ኣብ መጠረሻ በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስኩሉ ንፍንትሕን ሰላምን ዝቃለስ ከከም ኣድላይነቱ ናይ ሓባር ሰራሕ ክሰርሕ ድሉው ምኻኑ ደጊሙ የርጋግጽ!!!
                       

ሓርበኛእድሪስሓምድዓዋተኩሉግዜብጅግንነትይዘከር!!!

ባሕቲመስከረምብክብሪእናተዘከረትትንበር!!!

ፍትሒንውጹዓት!! ውድቀትንዓመጽቲ !!
 


  

Last modified on Thursday, 14 September 2017 09:18