ሰኣን ስምምዕ፡ ሃገር ትዓኑ ኣብ ክንዲ ትለምዕ

2017-04-07 06:10:35 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2434 times

ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ተፈጥሮኣዊ ናጽነት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። እዚ ናጽነት እዚ ግን ካብታ ናቱ ድሌት ወጻኢ ከይዱ ንኻልኦት ክዕምጽ ወይ ሰላም ክኸልእ ኣይተዋህቦን። ዝኾነ ይኹን ፍጡር ምስ ከባቢኡ ተወሃሂዱ ክኸይድን፥ ምስቲ ሕብረተሰቡ ከኣ ክከባበርን ናጽነት ሓድሕድ ክሕሉን ቀንዲ ተደላዪ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ግርጭታት፡ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን ክፍጠር ይኽእል።

ኤርትራ ምስ ገለ ሃገራት ብስፍሓትን ብዘለወን ባህርያዊ ሃብትን ጸጋታትን ክትወዳደር እንከላ ምናልባት ገሊኣን ብስፍሓት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝነኣሳ እየን። ንኣብነት ክልተ ኤውሮጳውያን ሃገራት በልጅዩምን ሆላንድን ንውሰድ። ብመሰረት ሓበረታ ጉጉል፥ በልጂዩም ብስፍሓት መሬታ 30,528 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ሆላንደ ከኣ 41,543 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ኤርትራ ከኣ 117,600 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ናይ ነፍሲ ወከፈን ብዝሒ ህዝቢ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። በልጂዩም 10,438,353: ሆላንድ 16,730,632: ኤርትራ ድማ 6,086,495። ካብዚ ምናልባት እቲ ኣብ ባሕርን ምደረበዳን ዝጠፍአን ዝጠፍእ ዘሎን ምስ ዝጐድሎ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲኡ ከኸውን እዩ።

ኤርትራ ነዘን ክልተ ሃገራት ብስፍሓት መሬታ ዳርጋ ንኽልቲኤን ብሰለስተ ዕጽፊ ትተዓጻጸፈን። ብብዝሒ ህዝባ ከኣ ዳርጋ ክልቲኤን ይተዓጻጸፋኣ እየን። ይኹን እምበር ንህዝበን ይኹን ንኣዕቊበነኦ ዘለዋ ህዝቢ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ኣዝዩ ብዝሓሸ ኣገባብ የመሓድረኦ ኣለዋ። ኮታ ንህይወቱ ዘድሊ ነገራት የማልኣሉ ኣለዋ። እዘን ሰለስተ ዝተጠቕሳ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን ዝመሳሰል ናይ ትሕተ ባይታውን ልዕለ ባይታውን ጸጋታትን ባህሪያዊ ሃብትን ይውንና። ኩለን ኣብ ሕርሻ፥ ማዕድን፥ (ሓጺንን ዚንክን) ዓሳ፥ ጋዝ፥ ነዳዲ ዘለወን ኢየን። ኣብ ሰልስቲኤን ሃገራት ዝበቑል ኣዝርእቲ ከም ዕፉን፥ ድንሽ፥ ከምኡ እውን ፍረታትን ኣሕምልትን .. ወዝተ፡ ክህልወን እንከሎ እተን ክልተ ሃገራት ዘይብለን ግን ከኣ ኤርትራ ዘለዋ ከም ወርቂ፡ ፖታሽ፥ ብሩር፥ እምነ-በረድ ,,, ወዘተ ኢዮም። ካልእ ዘይተዳህሰሰ ባህሪያዊ ሃብቲ እውን ኣብ ኤርትራ ክህሉ ይኽእል እዩ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ክልተ ወደባት እትውንን ሃገር እያ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ብቑጠባዊ ዓይኒ ምስ እንርእዮ ነዚ ኣዝዩ ውሑድ ህዝባ ይትረፍ ንካልእ’ውን መኾነት። ምኽንያቱ ከም ኣብነት ነዘን ክልተ ሃገራት ምስ ኤርትራ ምስ እነወዳድረን ካብ ናይ ኤርትራ ሃብቲ ዝያዳ ዘለወን ኣይኮናን። ግን እዘን ሃገራት እዚአን ሰላም፥ ቅሳነት፥ ቅኑዕ ምሕደራ፥ ሓድነት፥ ከምኡ እውን ኣእምሮ ማለት ፍልጠት ስለ ዘለወን፡ ነቲ ውሑድ ሃብተን ብግቡእ ሰሪዐን ነዋርሕ ዘይኮነስ ንዓመታት ኣቐዲመን ተሊመን ዝጐድለን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት እናተክኣ ህዝበን ብጽቡቕ የናብራ ኣለዋ።

ሽግር ናይ ኤርትራ እምበኣር፡ ቀዳማይ ዘይብቕዓት መራሕቲ፥ ካልኣይ ከኣ ኣርሒቑ ዝሓስብ መንግስትን ምሕደራን ዘይምህላው እዩ። ባህሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ንሃብቲ ሃገር ክጉሕጉሕ ወይ እውን ብካልኦት ሃገራት ንኽምዝመዝ ዘፍቅድ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ስርዓት ንህዝቢ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ተገዳስነት የብሉን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት እቲ ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ድሕረት ስለዘለዎ ኣንጻር ረብሓኡ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከይኣክል ገለ ተበለጽትን ኣድሓርሓርትን ነቲ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳይን ንሃገራዊ መንነትን ዘህስስ ጉዕዞ ተተሓሒዞሞ ንርእን ንዕዘብን ኣሎና። እዞም ብስም ሃይማኖት፥ ብሄርን፥ ዓሌትን ከይተረፈ ካብ ሃገርነት ንታሕቲ ወሪዶም ክጠራነፉ ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ጽባሕ ንግሆ ናይ ታሪኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን።

ሎሚ ኣብ ምዕቡል እንዳማትካ ሃገር ኰንካ፡ ነቲ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ዘእተወና ፍልልያት ዳግማይ ምግፋሕ ከሳብ ክንደይ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንሓሊ ቀንዲ መለለዪና እዩ ክኸውን። ኣብ ኣርበዓታትን ሓምሳታትን ገዛእቲ ሓይልታት ዝተጻወቱልና ምዝንጋዕ ከኣ ሎሚ’ውን መጻወቲ ጓኖት ክንከውን እዩ ኣፍደገ ዝኸፍት። ኤርትራ በዚ ጭካንን ስድን ስርዓት ተመሪሓ፥ ከም ሃገር ናብ ምፍሻል ገጻ ትጐዓዝ ኣላ። ትሕቲ ሃገራዊ ውደባ ገዲፍካ ንኹልኻ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ምትእኽኻብ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ዘገልግል እምበር ንህዝብናን ሃገርናን ዘድሕን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ሓቢርካን ሰሚርካን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክትቃለስን ክትሓስብን ኣብ መንጎ ንውሱን ሕብረተሰብ ጥራሕ ብምጥርናፍን ምሕሳብን ዘሎ ፍልልይ ዘምጽኦ መዘዝን ኣጸቢቕና ክነለልዮ ይግበኣና። እዚ ግና ባህልኻ፡ ልምድኻን ቋንቋኻን ደምስስ ወይ ከኣ ኣይተማዕብል ከስምዕ ኣይግባእን።

Last modified on Friday, 07 April 2017 08:18