ስለምንታይ? ኣብ ክንዲ ዘቀራርብ ዘረሓሕቕ

2017-04-07 20:38:11 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2135 times

ሃገርና ኤርትራ፡ ብዛዕባኣ ክንዛረብ እንከለና እነተኩረሉ ብዙሕ ማእዝናት ኣለና። ስፍሓታ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ፡ ታሪኽ ቃልሳ ምእንቲ ናጽነት፡ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ከባብያዊ ጀኣኦግራፊያዊ ኣገዳስነታ .. ወዘተ። ብዓብይኡ ድማ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታ። እዚ ብዙሕነታ ዘምጸኦ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከኣ ካብቲ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ጸገኣ እዩ። ምኽንያቱ ናይዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነታ ብግቡእ ምምሕዳርን ዘይምምሕዳርን ንዕቤታ ጥራይ ዘይኮነ ንህልውነኣ እውን ወሳኒ ስለ ዝኾነ።

ተመኩሮና ብተግባር ከም ዘረደኣና ነዚ ሃብታም ብዙሕነት ሃገርና ዝፈጠሮ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣብ ምሕብሓብ ዝኽየድ መስርሕ ብባህሪኡ ኩርኳሕ ዘየብሉ ልሙጽ ኣይኮነን። ናይ ድሌታት ፍልልይ የጋጥም። ኣብቲ ንህልውነኣን ንዕቤታን ዝኽየድ ጉዕዞ ናይ መንገዲ ምርጫታት ፍልልይ ከጋጥም ይኽእል። ኮታ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዘሰማመዓና ዝበዝሐ ኮይኑ ዝፈላልየና’ውን ኣይቅልቀልን ማለት ኣይኮነን። ፍልልይ ዓቕምኻ ዘዳኽም ውጽኢቱ ሕማቕ ስለ ዝኸውን፡ እንተተኻኢሉ ከምዘየጋጠም፡ እንተጋጠመ ከኣ በቲ ዘሰማምዕ ከም ዝሰዓር ምግባሩ መለክዒ ብቕዓት ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ጉዳያት ኣመሓዳድራ ዝውስን እዩ።

ጉዳይ ሃይማኖት ክለዓል እንከሎ ናይ እምነት ብዙሕነትና ዝወለዶ ኣዝዩ ንኡስ ናይ ስምዒት ፍልልይ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ብዙሕነት ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና ጸጋና’ኳ እንተኾነ፡ ዝፈጥሮ ንኡስ ስምዒት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ካልኦት ናይ ብዙሕነትና መርኣያታት እውን ከምኡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣተሓሕዛና ነቲ ዘሰማምዓና ገዘፍቲ ነጥብታት መመሊሱ ምግዛፍ እምበር ነቲ ዝፈላልየና ኣዝዩ ንኡስ ነጥብታት ከተዕቢ ምህላኽ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ነቲ ክዓቢ ዘይግበኦ ግድን ከዕብዮ እየ ኢልካ እንተንቂድካ ከኣ ኣይዓብን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “እምብዛ ተጠሚትካዮ ጸባ’ኳ ይጽልም” ዝበሃል።

ሓድነታን ክብራን ዝዓቀበት ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን መተካእታ ዘይብላ ናይ መንነትና መሰረት እያ። ኩልና ከኣ ከም ወትሩ ክንዕቅባ ይግበኣና። ገለ ክፋልና ንሓደ ካብቲ ናይ ብዙሕነትና ዘንጊ መሽቱ ኣብ ክንዲ “ከምዚ ኢና፡ ከምዚ እየ” ክብል እንተፈቲኑ ነቓዕ ይፈጥር። እቲ ነቓዕ ዘተባብዖ ዕድል ተረኺቡ ከኣ መሊሱ ፍጋዕ ይብል እሞ ብዙሓት ብዙሕነታዊ ሓድነትና ዘይማእመኦምን ብፍልልይና ክዕንገሉ ዝደልዩን ኣብቲ ነቓዕ ይሰፍሩን ጸረና ይጸፍዩን። ካብዚ ኩሉ ንምድሓን ማእከላይ ስሕበት ኣተሓሳስባና “ኤርትራ ናይ ኩልና፡ ንኹልና ብኹልና” ኣብ ዝብል ድልዱል መሰረት ኣዕሚቑ ክትከል ይግበኦ። እዚ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ።

እዚ ንብዙሕነት ዘኽብር፡ ንልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝዕቅብ ማእዝን ክንድቲ ወሳንነቱ ምውሓሱ ከኣ ከቢድ እዩ። ኣብ ውሱን ግዜ ዝረጋገጽ ዘይኮነ ናቱ መስርሕ’ውን ኣለዎ። ኣብዚ መስርሕ እቲ እትኸዶ ኣንፈት ዕዉት ክኸውን ብውሕዱ እቲ ቅኑዕ ኣቕጣጫ ከሎ ጌና ክዕተር ኣለዎ። ነዚ ጉዕዞ ጽንኩር ካብ ዝገብርዎ ምኽንያታት ሓደ ካብ ምብትታንካ ዝዕንገሉ ናይ ውሽጢ ኮኑ ናይ ግዳም ኣካላት ኣንጻርካ ስለ ዝስለፉን ንዓኣቶም ስዒርካ ክትሰግር ግድን ስለ ዝኾነ እዩ። ነዚ ወሳኒ መስርሕ ኣብ ምዕዋት ከምዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ሰብኣዊ ድዩ ነገራዊ ዓቕሚ ክሓጽረካ ናይ ቃልሲ ባህሪ እዩ። ከምዚ ከጋጥም እንከሎ፡ እቲ መፍትሒ በቲ ውሽጣዊ ሕጽረትን ግዳማዊ ህበቡላን ተሰናቢድካ ጽባሕ ውጽኢቱ ዘጣዕስ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኣንፈት ምሓዝ ዘይኮነ ኣብቲ መሰረታዊ ዝሓዝካዮ “ ሃገር ናይ ኩልና” ዝማእከሉ ኣተሓሳስባ ጸኒዕካ ሕጽረታት ኣወጊድካ ቀያሪ ዓቕሚ ከተጥሪ ምጽዓርን ምቅላስን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ብብዙሕነታዊ ሓድነትን መሬታዊ ምሉእነትን ዝተቐለሰ ኣተሓሳስባ፡ ንቕድሚት ምድፋኡ ምስ ጸገመካ፡ ባዕላዊ ድኽመትካ ንምሕባእ ዘንግታት ብዙሕነት፡ ሃይማኖት ድዩ፡ ዓሌት ወይ ቦታዊ ኣቀማምጣ እንዳመሸትካ፡ ናብቲ ቀደም ኣብ 40ታትን 50ታትን ተፈቲኑ ዝሃጐጐን ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ መኺኑ ዝጠፈአን ዘይኣካቢ ኣተሓሳስባ ክትሕባእ ምፍታንን ደገደገ ምምዕዳውን ሳዕቤኑ ክሳራን ምብትታንን ጥራይ እዩ። ምብትታን ከኣ ውጽኢቱ ዕንወት እዩ። ዕንወት ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብ ርእስኻ ክውዕል ብጥቃኻ ክሓልፍ እውን ኣይበሃግን። ነቲ ቅኑዕ ግና ከተተግብሮ ዘይከኣልካዮ ኣተሓሳስባ፡ ምናልባት ነብስኻ ወኪልካ  “ኣይክእሎን እየ” ምባል ይከኣል ይኸውን። ለኻኺምካ ንምጥሓል “ኣይከኣልን እዩ” ምባል ግና ግጉይ እዩ።

Last modified on Friday, 07 April 2017 22:41