መጽሓፍ፡ ተመኩሮ ተሓኤ ………!

2017-04-06 06:14:43 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2353 times

ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን (1961-1982)

ዓይነት መጽሓፍ፡ ሓቀኛ ታሪኽ

ደረስቲ፡ ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ንጉሰ ጸጋይን ድራር ማንታይ

ብዝሒ ገጽ፡ 369 (ብዘይካቲ መእተዊ)

ዝተሓትመሉ ቦታን ግዜን፡ ቤት ማሕተም ሆሚብ 2016

ቅድሚ ኩሉ፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ክትኣቱ’ሞ ከንብባ ዕድል ንዝፈጠሩለይ ኣሕዋት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ብዓብይኡ ድማ ንደረስትን እታ መጽሓፍ እቲ ሒዛቶ ዝወጸት ክብደት ሒዛ ንክትወጽ ምስ ደረስቲ ንዝተሓባበሩን ዘበርከቱን ኣካላት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ስለቲ ዘቕረቡልና ክቡር ህያብ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ክህቦም ድማ ደስ እብለኒ። እዛ መጽሓፍ ከም እትሕብሮ፡ ደረስትን ተሓባበርቶምን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ በላሕቲ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ተሪሮም ከም ዝተቓለሱ ምርዳእ ይከኣል። ነዛ ጽሓፍ ንምድራስ ዝገብርዎ ተበግሶ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ቃልሶም መሊሱ ራጉድዎ።

እዛ መጽሓፍ ብሓፈሻ ነቲ መወዳድርቲ ብዘየብሉ ውድባዊ መዕቀኒ ዝተሓጽረ ተመኩሮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጥራይ  ዝተባሕተ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ተደሪቱ ዝጸንሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ድማ መንእሰይ፡ ምሉእ ስእሊ ኣብ ምሃብ እትሕግዝ እያ። ካብዚ ሓሊፉ ንተጋደልትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ናይዛ መጽሓፍ ምውላድ ሞይትካ ከም ምትንሳእ እትቑጸር ህያብ እያ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ብዓብይኡ ንተሓኤ ብኣካል ንዘይፈልጥዋ ኮይኑ፡ ኣባላት ተሓኤ ዝነበሩ እውን ገሊኡ ሽዑ ብዝነበረ ናይ ሓበሬታ ውሱንነት ዘይፈልጥዎ፡ ገሊኡ ድማ ዝወዓልዎ ግና ዝረስዕዎ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ከምቲ ደረስቲ ከሎ ጌና ዝበልዎ ናይታ መጽሓፍ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ እዩ። ብዘይብኡ እውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቃለሰ ወይ ብዛዕባ ተመኩሮኣ ኣብ ሜዳ ዝፈልጥ ታሪኻ ብሓንቲ መጽሓፍ ዝዕመም’ዩ ኢሉ ከም ዘይጽበ ፍሉጥ እዩ።

ናይዛ መጽሓፍ ምውጻእ ብመጀመርያ ካለኦት ሓርበኛታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከምዚ ደርስቲ ማእከል ድርሰቶም ተመኩሮ  ውሱን ክፋል ናይታ ውድብ ገይሮም ዘለዉ፡ ንሳቶም እውን ካልእ ክፋል ናይ ተሐኤ ማእከል ገይሮም ክጽሕፉ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳይን ናይ ከተማ ስርርዓትን ዝከኣል ዘይመስል መስተንክራት ዝተኻእለሉ ተመኩሮ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ “እቲ ናይ ሽዑ’ኳ ዝተኻእለስ ነዚ ናይ ሎሚኸ ስለምንታይ ዘይንኽእሎ” ዝብል ሓድሽ ንያትን ኒሕን እተሕድር እያ። ወረ ኣብ ገሊኡስ ኣይኮነንዶ ነቲ ንተሓኤ ብኣካል ዘይፈልጣ መንእሰይ፡ ነቲ ኣባላ ዝነበረ እሞ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ መስተንክራት ዝሓለፈ እውን “እዝስ እምበርዶ ንሕና ኢና ሰሪሕናዮ” ዘብል’ውን ኮይኑ ረኺበዮ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ ነዛ መጽሓፍ ወኒኑ ከንብባ ይግበኦ ዝብል መልእኽተይ ክመሓላልፍ እፈቱ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝሓለፈቶ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓትን ንምእላዩ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታትን ነቲ ዘየድሊ ገሊፍካ ነቲ ዝጠቕም ወሲድካ ከም ናይዚ ዘለናዮ መዋእል ቃልሲ መወከሲ ክትወስዶ ዘኽእል ሓበሬታታት ሰፊሩ ምህላዉ እውን እዛ መጽሓፍ ሓጋዚት እያ። እዛ መጽሓፍ ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “እሞ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ብዘሎ ዝጀምርናዮ ዕማም  ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንታይ ንግበር” ዝብል ሓላፍነት’ውን እተሰክም እያ።

ትርጉም ናይቲ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓደ ውድብ ህያብ ዘይኮነስ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ፍ ቃልሲ እያ” ዝብል ካብዛ መጽሓፍ ምርዳእ ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ሰውራ ኤርትራ ኪኖ ናጽነት ዘማዕዱ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ራኢ ኣይነበሮን ዝብሉ ሓደሓደ ወገናት ናብ ክውንነት ክመጹ ዝሕግዝ ሓሳብ እውን እዛ መጽሓፍ ኣስፊራ ኣላ። ብፍላይ ንትምህርቲ፡ ሕክምናን ማሕበራዊ ናብራ ዕቤትን ወሲኽካ ማሕበራዊ መደባት ተሓኤ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ዝምልከት ተመኩሮ ክተንብብ እንከለኻ። እዛ ውድብ ነቲ መሰረታዊ ናይ ለውጢ ዕጥቂ ዝኾነ ትምህርቲ እትህቦ ዝነበረት ቆላሕታ ድማ ዝያዳ ዝድነቕ እዩ።

ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ታሪኽ ተሓኤ ንምጽሓፍ ዘኽእል መወከሲ ሰነዳትን ሓበሬታታትን ኣይርከብን’ዩ ዝብል ዝነበረ ስኽፍታይ ተቐንጢጡለይ። ምኽንያቱ ብዙሕ ተረሲዑ ከይከውን ዝሰግኦ ዝነበርኩ ኣስማት ፍጻመታት፡ ዕለታት፡ ኣገደስቲ ቦታታትን  ሓርበኛታትን ምስ ውሱን ሕጽረታቱ ተጠቒሱ ርእየ። እዚ ነዞም ናይዛ መጽሓፍ ደረስቲ ዝገጠሞም ናይ ሓበሬታ ሕጽረት፡ ወይ ንሳቶም ዳግማይ መጽሓፎም ክደርሱ እንከለዉ ወይ ድማ ካለኦት ኣሰሮም ሒዞም ክደርሱ እንከለዉ፡ ክፍታሕ’ዩ ዝብል ተስፋይ ከኣ ጠጢዑ።

ድሌትን ርውየትን ሰባት ኣብ ሓደ ነጥቢ ደው ኣይብልን እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣነ ድማ ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ መቂራትንስ  ሰሲዐ። ብዛዕባ ውግእ እገለ ከይውስኹላ ነበሩ ክብል ጀሚረ። ኣብ መንደፈራን መረብን ካብ በጽሑስ፡ ነቲ ብበዓል ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ነጸረኣብ ክፍላይ፡ መሓምድ ኑር ዓፋን ሃብተ ሰንጋልን እንዳተመርሐ፡ 72 ሰዓታት ክወስድ ተመዲቡ ክነሱ ኣብ ናይ 13 ሰዓታት ጽዕጹዕ ውግእ ዝተዓወተ ውግእ ምሕራር ዓዲዃላ ብኻ መወሰኽዎ ኢለ። መሊሰ ድማ ንተመኩሮ  ተሓኤ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ሕክምናን ካልኦትን ዝምልከት ተመኩሮ ጠቒሶምሲ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ብ5 ኣባላት (ኣቦመንበር፡ ናይ ጸጥታ፡ ናይ ንብረት፡ ሓላው ገረብን ተቐባል ኣጋይሽን ዝነበርዎ) ንመጻኢ ሓባራዊ ምምሕዳር እምነ-መሰረት ዘንብር፡ ንበይናዊ ዳንነት ዘወገደ ምምሕዳራትስ ክጠቐስዎ ነይርዎም ምባለይ’ውን ኣይተረፈን። ብዓብይኡ ድማ እቲ ተሓኤ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ዘዕወተቶን ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ዘይሃሰሰን ጉዳይ ምድልዳል መሬትከ ምባለይ’ውን ኣይተረፈን።

ኣብታ መጽሓፍ ብዙሓት ሰባት ዘዝዝክርዎ ተመኩሮ ከም ዘቕረቡ ተሓቢሩ እዩ። ኣብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ’ውን ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነዚ ናይ ብዙሓት ብርዒ ሓደ መልክዕ ናይምትሓዙ ውሱን ሕጽረት ይረአ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ምዕራፋት’ውን ምድግጋም ዘንበብኩ መሲሉኒ። እዚ ክብል እንከለኹ ግና እዚ ኣዝዩ ውሱን ሕጽረት ነቲ ኣቐዲመ ብምሉእ ልበይ ዝነኣድኩዎ፡ ተወፋይነትን ጻዕርን ናይቶም ደርስቲ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ማለተይ ኣይኮነን። ከምኣቶምስ ኩልና ንግበር።

05 ሚያዝያ 2017

Last modified on Thursday, 06 April 2017 08:20