ሓድሽ ንገዲም እምበር፡ ገዲም ንሓድሽ ኣይትክእን ኢዩ

2017-04-03 09:55:31 Written by  ብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2581 times

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምንታይ 25 ዓመታት ክቕጽል ክኢሉ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኤርትራውያንን ብጕዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ዘልዕልዎ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶከልዕሉ ከለዉ ድማ፡ እቲ ዝብገስሉ መንቀሊ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ

 

ቀዳማይ፡- ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ዝኣክል ክምህ ከይበለ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን ዘርኣዮ ጅግንነትን ጽንዓትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ መለለዪታትኣብ ምንታይ ኣተወ? ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢዩ ዓዚምዎ ዝብል ሕቶ የልዕሉ?

 

 

ካልኣይ፡- ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ድኽነትን ብዝሒ ስደተኛታትን ምስተን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ ሃገራት ኩይና ኣላ። ንወፍሪ ርእሰማል ዘየተባብዕ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣዳኺምዎ ኢዩ።ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ድማ ተወሳኺ ተጽዕኖ ኣብ ቍጠባ ኤርትራ ዝፈጥር ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኩነን። እዚ ኵነታት’ዚ ስለምንታይ’ዩ ናብ ህዝባዊ ዓመጽ ዘየምርሐ?

 

ሳልሳይ፡- ስልጣን፡ ብሓደ ውልቀ-መራሒ ኢዩ ተገቢቱ ዘሎ። ስለስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ነዚ ጭቆናክብድህ ዘይፍትን ዘሎ?

መልሲ ናይ’ዚ ሕቶታት’ዚ ምርካብ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ፡ ንልዝብን ክትዕን መእተዊ ዝኸውን ሓሳብ ምቕራብ ግን ኣይጽላእን ኢዩ። እቶም ጠንቅታት ገሊኦም ታሪኻዊ፡ ገሊኦም ባህላዊ፡ ገሊኦም ፖለቲካዊ …ወዘተ መኣዝን ዘለዎም ስለዝዀኑ እቲ ጕዳይ ጥልቅ ዝበለ መጽናዕቲ ዝሓትት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን።

 

ዲሞክራሲ፡ ብነዊሕ መስርሕ ዝረጋገጽ ዘገምታዊ ምዕባለ ደኣ’ምበር፡ ብሓደ ረፍዲ ወይ ሓደ ዓመት ወይ ሓደ ወለዶ ዝረጋገጽ ዕማም ኣይኰነን። እተን ዲሞክራሲ ነጊሱለን ዝብሃላ ሃገራት ምዕራብ ንገዛእ ርእሰን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ በማእት ዝቝጸር ዓመታት ኢዩ ወሲዱለን ገና እውን ንምምዕባሉ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ኢየን ዝርከባ ዘለዋ።

 

እዚ ክንብል ከለና ግን፡ ዲሞክራሲ ዘይብለን ሃገራት፡ በቲ ሃገራት ምዕራብ ዝሓለፍኦ ጐደና ክጓዓዛን በማእት ዝቝጽር ዓመታት ክወስደለንን ኣለወን ማለትና ኣይኰነን። ካብ ተመኵሮ ናይ ሃገራት ምዕራብን ካብ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ስልጣኔን ተበጊስና ነቲ ኣሉታታት ብምውጋድ፡ ምስ ክውንነትናን ባህልናን ኣዛሚድና ናይ ገዛእ ርእስና መርሓ ግብር ኣውጺእና ነቲ ጕዕዞ ብመጠኑ ከነሕጽሮን ይከኣል ኢዩ።

 

ታሪኽ ህዝቢኤርትራ፡ናይመግዛእትንምልካዊጭቆናን ታሪኽ ኢዩ። ኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ውዕል ምስ ኢትዮጵያ እተቖረነትላ ግዜ ድማ ኣዝያ ሓጻር ኣብ ርእሲ ምዃና፡ መንግስቲ ሃይለስላሰ እውን ነቲ ውዕል ብኡ ንብኡ ቀለሙ ከይነቐጸ፡ ኢድ ኣብ ምእታውን ኣብ ምፍራሱን ስለእተዋፈረ፡ እቲ ቅዋም ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ህይወት ክዘርኡ ኣይከኣሉን

 

ብድሕር’ዚ ዝሰዓበ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ድማ፡ ንወትሃደራዊ ግጥምያ ቀዳምነት ዝሃበን ብናይ ክልተ ደንበታት ስነሓሳብ ዝተጸልወን፤ ጸግዒ ናይ ዴሳዊ ደምበ ኰይኑ፡ ምልኪ ናይ ሸቃላይ ንምንጋስ ዝሕልን ገድሊ ስለዝነበረ፡ ዲሞክራሲ ንምዕንባብ ዝሕግዝ ባይታ ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ሃንዛ ኵላ ንዓይ ዝብል ኣተሓሳስባ ነጊስሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ነይሩ።

 

ብድሕሪ 1991 ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሓደ ሸነኽ፤ ድኹምን ዝተበታተነን ደምበ ተቓውሞ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝነገሶ ክውንነት ስለዝሰፈነ፡ ለውጢ ክረጋገጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓወምቲ ውድባት እምነት ከሕድር ኣይከኣለን። እዚ ድማ፡ ዕምሪ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕግዝ ክውንነት ኢዩ። ካባይ ዝሓሸ ክመርሕ ዝኽእል የለን እናበለ ንህዝቢ ከፋራርሕን ከደናግርን ኢዩ ዝርከብ።  ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዘይፈትፈልጦ መልኣኽ’ሲ ትፈልጦ ሸይጣን ካብ ዝብል ስነመጐት እቲ ዝሓሸ ዘበሎ ሕማቕ ምርጫ ክቕበል ተቐሲቡ ኣሎ።

 

ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ፡ ኣብስርያ፡ሊብያንየመንንዝተጋህደፍሽለት ናይ ህዝባዊ ሰውራታት ወይ ናይ ለውጢ ቃልስታት፡ ህዝቢ ንስለ ሰላምን ርግኣትን ክብል ኣብ ጐድኒ ምልካውያን መራሕቱ ደው ክብል ዝተገደደሉ ክ~ነታት ከምዝተጋህደ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

 

 

ዘይብሉ ኣይህብን ስለዝዀነ ነገሩ፡ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ንነብሱ ብዲሞክራሲ ዘይተመሓደረ፡ ንኻልእብ ዲሞክራሲ ከመሓድር ግዜ ከድልዮ ኢዩ። እናወደቐ እናተንስአ፡ ካብ ፍሽለታቱ እናተማህረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይንዋሕ ይሕጸር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ብቅዋማውን ዲሞራስያውን ስርዓት ክትካእ ምዃኑ ክዕጸፍ ወይ ክስገር ዘይከኣል ታሪኻዊ ሕጊ ኢዩ። ሓድሽ ንገዲም እምበር፡ ገዲም ንሓድሽ ክትክእ ምስ ባህርያዊ ሕጊ ዝቃዶ ኣይኰነን።

 

ብርሃነ ኣብርሃ

Last modified on Monday, 03 April 2017 12:08