ሰልፍታት ንገዛእ ርእሰን እየን ዝውክላ

2017-03-11 21:41:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3156 times

ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምስረት እንከሎ፥ እቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምስራት ዕግበት ዘለዎምን፥ ብዝኣምኑሉ ዕላማን ዝገዝኦም ሕግታትን ተሰማሚዖም እዮም ዘቑሙዎ። እዚ ዝቐውም ሰልፊ ንህዝቢ ዝውክል ኣይኮነን። እዚ ሰልፊ ነቶም ዘቘምዎ ሰባት ጥራሕ እዩ ዝውክል። ኣብ ውሽጡ ከመይ ይካየድ ብኸመይከ ዕላምኡ ናብ ህዝቢ የቕርብ ንኣኡ ዝምልከት እዩ። ህዝቢ ከኣ እንተደልዩ ይቕበሎ እንተዘይደልዩ ከኣ ናብ ካልእ ዘርበሖ ሰልፊ ከዘንብል ይኽእል።

ሰልፍታት ንህዝቢ ዝውክላ እቲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ንኽመጻ ምስ መረጸን እዩ። ሰልፍታት ብተናጸል ድዩ ብሓባር ከከም እቲ ቅዋም ዘፍቅዶ ስልጣን ብህዝቢ ይወሃበን። ስለዚ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ፡ እቲ ናይ ቁጽጽርን ናይ ተሓታትነትን ኣብቲ መንግስታዊ ደረጃ ምስ በጽሓ እየን ናይ ህዝቢ ወከልቲ ዝኾና። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ምምራሕ ስልጣን ዝጨበጠት ሰልፊ ወይ ዝጨበጣ ሰልፍታት ንርእይቶ ህዝቢ ኣብ ተግባር የውዕላዶ ኣለዋ ኣየውዕላን ህዝቢ ክቆጻጸረንን ክተሓሳሰበንን ናይ ግድን እዩ። እቲ ህዝቢ ነተን ሰልፍታት ክመርጸን ከሎ፥ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ድሌትን ትርግታ ልቡን ኣብ ተግባር የውዕላን ኣየውዕላን ክቆጻጸረንን ካብ ስልጣን ከውርደንን ናቱ ሓላፍነት ስለዝኾነ። ብሓፈሻኡ ኣብ መንጎ ስልጣን ዝሓዘን ስልጣን ዘይሓዘን ሰልፍታት ፍልልይ ከምዘሎ ክንርዳእ ኣሎና።

ኣብ ስልጣን ዘየለዋ ሰልፍታት ግና ተሓታትነተን ናብቲ ኣባለን እምበር ናብ ደገ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣባል ዘይኮነ በየናይ ሕጊ ነቲ ብኣካል ዘይሳተፈሉን ዘየገልግሎን ከምኡ እውን ዘየለወሉ ሰልፊ እዝን እትን ገርካ ወይ እውን ኣይገበርካን ኢሉ መስመር ከትሕዞ ወይ ክከላኸለሉ ክኽእል። እቲ ወጻኢ ካብ ሰልፍታት ዘሎ ህዝቢ ባዕሉ ነቲ እዚ ሰልፊ እዚ ናተይ ርእይቶን ድሌትን ይውክለኒ ኢሉ ምስ ዝዓግብ ነቲ ሰልፊ ብተግባር ክተሓባበሮን ክሕግዞን ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ክቆጻጸርን ክሓትትን መሰል ዘለዎ።

ልክዕ እዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝለዓለ መሳርሒ ናይ ለውጥን መሰረት ናይ ዲሞክራስን ምዃነን ዝከሓድ ኣይኮነን። ነቲ ድሌታትን ሃንቀውታን ህዝቢ ንምምላእ ሓንሳብ ከም ተቓዋሚ ነቲ መንግስቲ ካብ ድሌታት ህዝቢ ወጻኢ ምስ ዝጎዓዝ ዝቃወማ እየን። ሓንሳብ ድማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝበጽሓሉ ከኣ ነቲ ዝመረጸን ህዝቢ ወኪለን በቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ቅዋም ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ተሓታትነትን ህዝቢ ክኾና ናይ ግድን እዩ።

እዘን ሰልፍታት ዝኽተልኦ መንገዲ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዘደንፍዓን፥ ኣብ ህዝቢ ኣፍልጦ ዲሞክራሲ ንኽስፋፋሕ ዝቃለሳን ክኾና ከምዝግበአን ርዱእ እዩ። ዲሞክራሲያውነተን ከኣ በቶም ኣባላተንን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ዝሕግዝወንን ዝድግፍወንን፥ ወገናት እምበር ብደገ ዘሎ ሓንቲ እጃም ዘየበርከተለን ኣካል ክሓተንን ክቆጻጸረንን ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት እቶም ዝሕግዙ ይኹኑ ወጻኢ ካብቲ ሰልፊ ዘለዉ ኣካላት ብዛዕባ ዕላማአንን ዝኽተልኦ መስመርን ግን ኣይሓቱን ማለት ኣይኮነን። ክጽንበርወን እንተኾይኖም ከመይነት ኣካይደአንን ዕላማአንን ምስ ፈለጡ እዮም ወይ ክጽንበሩ ወይ ከኣ ከይጽንበሩ ክውስኑ ዝኽእሉ።

እምበኣር ሰልፍታት ንዜጋታት ምስ መንግስቲ ዘራኽባን ንድሌታት ህዝቢ ከም ተጣበቕቲ ኮይነን ንወጽዓ ህዝቢ ዝከላኸላ እየን። መንእሰያት ብርግጽ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሕለቑ ኮይኖም ኣብተን ሰልፍታት ኣትዮም ክሳተፉን ክነጥፉን ይግባእ። ምኽንያቱ ዜጋታት ኣብ ሰልፍታት ምስ ዝጽንበሩን ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ምስ ዘረጋግጹን እተን ሰልፍታት ክድንፍዓ፡ ክንቀሳቐሳን ክጸልዋን ይኽእላ። ይኹን እምበር ገለ እተን ሰልፍታት ነቶም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኣቲኹም ክትቃለሱ ኣሎኩም ምባለን ከም ግጉይ ኣገባብ ገይሮም ብምውሳድ መንእሰያት ዘደናግሩ ጨለታት ኣለዉ። መንእሰያት ኣብ ሰልፍታት ኣትዮም ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ተሳቲፎም ተመኩሮ ክድልቡን ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክጽመዱን ኣብ ክንዲ ዘተባብዕዎም ካብ ሰልፍታት ንኽርሕቁ ዝገበርዎ ጐስጓስ ግን ጸረ ዲሞክራሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ መንእሰያት ፖለቲካዊ ተሳታፍነት እንተዘይሃልይዎም ንናይ ሓንቲ ሃገር ዕቤትን ቀጻልነትን ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ምግንዛብ ስለ ዘድሊ። እቶም ንመንእሰያት ኣብ ሰልፍታት ኣይትሳተፉ ኢሎም ዝጉስጉሱሉ ምኽንያት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ሎሚ ነቲ ዕረ ብመዓር ሸፊኖም ብጥዑም ቃላት ሰቢኾም ጽባሕ ንዑ ኣብዚ ናትና ደምበ እተዉ ምባሎም ዘይተርፎም ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መንእስያት ብምቁር ቃላት ጥራይ ከይተመሰጥኩም፡ ነቲ ዝበሃል ኣኮማሲዕኩም ክተስተብህልሉ የድሊ። መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ክፈልጡን ከምሃሩን ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ክሳተፉን እንተዘይክኢሎም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዲሞክራሲያዊ ኣመላኻኽታ ክሰርጽን ክዓኩኽን ኣይክእልን እዩ። ንሳቶም’ውን ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኣይክእሉን እዮም።

ስለዚ ኩሉ ዜጋ ዝያዳ ድማ መንእሰያት ንዲሞክራሲ ኣብ ተግባር ከውዕሉን ብኡ መሰረት ኣተሓሳስባኦም ከማዕብሉን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ሲቪል ማሕበራት ክሳተፉ ግድን’ዩ። እቲ ኣብ ሲቪል ኮይኑ ክዋሳእ ዝደሊ ኣብ ስልጣን ዘይቆራቖስ ወገን ነተን ሰልፍታት ዝሕግዝ ዲሞክራሲያዊ ራኢ ከስፋሕፍሕ ይጽዕር። እቲ ኣብ ሰልፍታት ዝሳተፍ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ክብርታት ሒዙ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ ነቲ እተን ሲቪል ማሕበራት ዝእምተኦ ኣብ ግብሪ ከውዕል ክበቅዕ ተመኩሮ ደሊቡ ነብሱ ከዳልውን ይግበኦ።

Last modified on Saturday, 11 March 2017 22:53