ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣብ ፍራንክፎርት

2017-03-16 18:18:19 Written by  ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1685 times

8 መጋቢት ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብተርድኦ ማሕበርና ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ; ብሓፈሽኡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንሙሉእ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ተባዕታዊ ጸብለልትነትን ትምክሕትን ንምውጻእ፡ የድሊ  ኣስተምህሮታት ምሃብን ንምግላጽን ኮይኑ: ዕድመን ቦታን ዘይሓትት ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበራዊ ማዕርነትን ንምርግጋጽ 8 መጋቢት ብጽንዓትን ሓድነትን ደቂ-ኣንስትዮ ደጊመን ንቓልሲ ዝልዓላላን መቃልስቲ መሐዙት ዘዕስላላን መዓልቲ እያ። መሓዙት ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ክባሃል እንከሎ ከኣ: እቶም ንወጽዓታት ኣለልዮም ምእንቲ ማሕበራዊ ማዕርነትን፡ ሰላምን፡ ዴሞክራስን ክነግስ ኣብ ጎነን ደው ዝብሉ ኣካል ሕብረተሰብን ሐቢሮም እማመ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዝትዩን ትልመን ዘጽንዑን እዮም።

እዚ ዝተጠቕሰ ርእይቶ መበገሲ ብምግባርን ብመሰረት 'ንመጻኢ ራእና ሓቢርና ንዘቲ' !! ዝብል ዝተገብረ ጻውዒትን ብዕለት 11.03.2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝኽሪ በዓል 8 መጋቢት ተገይሩ። ኣብቲ ዝኽሪ በዓል፡ ድሕሪ ናይ እንኻዕ ብድሓን መጻእክንን መጻእኩምን መግለጽን ምስጋናን፡ ማሕበር ናይቲ መዓልቲ መደባት ዝኽሪ 8 መጋቢት ከመይ ከምተሰርዔን ክበጽሖ ዝድለ ዘሎ  ሽቶን ብምንጻር፡ ሎሚ ኩልኹም ስለእትግንዘብዎ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ 8 መጋቢትን እንታይ ከምዝተፈጸመን ኣብ መግለጺ ምቅራብ ግዜና ከነባኽን ስለዘይግባኣና፡ ብቐጥታ ናብቲ ዝተታሕዘ መደብ ክእቶ ብኣደ-መንበር ማሕበር ንተሳተፍቲ ተሓቢሩ።

ድሕርዚ፡ ብመሪሕነት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ማሕበር መንእሰያት ዘተዳለወ ናይ ክብሪ ዕምባባ ንተሳተፍቲ ደቂ-ኣንስትዮ ተዓዲሉ፡ ብዘይካዚ መንእሰያት  'ክብሪ ደቂ-ኣንስትዮ ከብርና እዩ፣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ ኣብ ዘካየድ ቃልሰ ዝለዓለ እጃምና ከነበርክት እና፡ ኣብ ማዕርነትን ተሳትፎን ደቂ-ኣንስትዮ ተሓተቲ ኢና' ዝብል  ሞራላውን ናይ ቃልሲ ደልውነትን መግለጺ ኣቕሪቦም።

ቀጺሉ ኣብቲ በዓል ዝቀረበ ተግባራዊ መደብ፡ ተሳተፍቲ ብተገዳስነትን ኣስተብህሎን ኣብ ናይ ልዝብ ጠረጴዛ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም፡ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ዘለዎም ሓሳባትን ርእይቶን ጠርኒፎም ብጽሑፍ ንኸቕርቡ ተገሊጹ።

   1. መሰረታዊ ሕቶ ደቂ-ኣንስቶ ኤርትራን ዘጋጥመን ብድሆታትን

   2. መፍትሒ ሓሳባት ንዘሎ ሸግራት ምዝርዛር

   3. ኣፈጻጽማ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ስራሕ ምትግበር፣

ነፍስ-ወክፍ ጉጀለ ንዝቐረበ ሕቶታት ብዕመቀት ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዳ ብምዝታይ፡ ተሳተፍቲ ዘቕረብዎ መሰረታዊ ሽግራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትማልን ሎምን መንዛሕታኡ ዝመሳሰል ኣካ^ኣንተነበረ ብዕምቆት ኣገላልጻኡ ግን ፍልልዝ ክነብሮ ግድን ስለዝነበረ፡ እቲ ልምዳዊ ፍልልይን ጸብለልትነትን ካብ ዋሕዲ ዕልልታ ከምዝጅምር ዝጠቐሰ ነይሩ። ገለ ካብቶም ኣገደስቲ መንቀሊ ወጽዓታት ንምጥቃስ ከኣ፡

1. ሕጽረት ትምህርቲ ኣብመላእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ምህላዉ፡

2. ማሕበራውን ቁጠባውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝእግዱ ባህላውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት

3. ባህላውን ሃይማኖታውን ጉዳያት ደባሊቕካ ብምቕራብን ብምውሳብን መሳርሒ ድሑር ልምድታት ክትግልገለሎም ምድላይዕ

4. ኣብ ዝጸደቁ ህዝባዊ ሕግታት ብኩራት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምንባሮምን፡ ዝቆሙ ሕግታት ህዝቢ  ዘይምፍላጡን ነቶም ጠቐምቲ ሕግታት ብግቡእ ኣብ ኣገልግሎት ዘይምዎኣሎምን፡

5. ብሰሪ ስደትን ውጽኢቱን ዘጋጥም ዘሎ ስነ ኣእምራዊ ጸገማትን ዘይምዱብ ወሊድን፡

6. ደምበ ተቓውሞ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዘሳትፍን ዘተባብዕን ኩንነታት ክፈጥር ዘምኽኣሉ

7. ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ቁጠባዊ ኣፍራይነትን ዕማም ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ጌርካ ስለዝውሰድ፡

8. ሓደ ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክጥርንፍ ዝኽእል ወይ ብሓባር ክሰርሓሉ ዘኽእል ማሕበር ዘይምህላው

እዚኣቶምን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጠንቂ ሽግራት፡ ብሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ልዝብ ጉጅለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝቐረቡ ፍሉይ ርእይቶታን ነቲ ዘሎ ጾታዊ ወጽዓታት ኣብ ምውጋድ ክግበር ዘለዎ ተግባራዊ ዕማማትን ድማ ብዝርዝር ተገሊጾም። 

March 08.2017 Frankfurt

ዝቀረቡ ጠንቂ ወጽዓታት ደቂ ኣንስትዮን፡ መፍትሒ ሓሳባትን ኣገባብ ኣተገባብርኦምን ሓፈሻዊ እኻ^ዝኹኑ እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ ዝገብራኦም ናይ ሓባር መጽናዕትታት ሓገዝቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምት ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ናይ ሓባር ልዝብ ብርእይቶን ለበዋታትን ከምኡውን መተሓሳስቢ ጸኒዕካ ማዕርነታዊ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ቀጻልነቱ ኣብ ምርግጋጽን ብሐድነት ኩለን ውጹዓት ከምዝዕወት ምእማን ዝብል ኣገዳሲ ሓሳብ ብምቕራብ'ዩ ዝኽሪ 8 መጋቢት 2017 ተፈጺሙ።

   ንመሰልና ባዕልና!!! 

Last modified on Thursday, 16 March 2017 19:35