ካብ 8 መጋቢት እንታይ ንጽበ

2017-03-07 08:16:09 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1828 times

ደቀ ኣንስትዮ ዓለም ተጠርኒፈን ኣንጻር ኩሉ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ወጽዓን ድሕረትን ወጊደን ክብርን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ቃልሲ ዝጀመራሉ መበል 107 ዓመት ንምዓብል ይቀራረባ ምህላወን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ብሑዳት ነብሰ ተኣማንነት ዝውንና ተብዓት ተበጊሱ ኩለን ደቀኣንስትዮ ዓለም ዝዓሰልኦ ማዕበል ቃልሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ  እኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣብተን ብቅዋምን ዲሞክራስን ዝመሓደራ ሃገራት ዓለምና ግን ሰጓሚ ውጽኢት ኣመዝጊቡ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ሓደ ደረጃ ደሞወዝ ሓሊፈን ክሳብ ሃገር ንምምራሕ ተወዳዲረን ስዒረንስ፡ ኣብ ስልጣን በጺሐን መሰለንን መሰል ዝመርሕኦ ህዝበን ኣብ ምሕላው ጥራሕ ከይተሓጽራ  መሰልን ክብርን ናይ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ጨቖንቲ መራሕቲ ሃገራት ዝግበር ግፍዒ ከብቅዕ ክጣበቓ ንርእን ንሰዕምን ኣለና።

እዚ መስርሕ ቃልስዚ ምስ መስርሕ ቃልስን ኣስተዋጽኦን ኤርትራውያን  ክመዛዘን ከሎ፡ ዓለምለኻዊ  ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ሰላም ኣብ ዝነገሶን ብፍትሒ ኣብ ዝመሓደራን ሃገራት ይካየድ ብምንባሩ፡ ጽሩይ ማይን መግብን እናረኸባ ኣብ ትሕቲ ውሑስ ህይወት እናነበራ ብውሑድ መስዋእትን ስቓይን ከም ዘካየድኦ ንምርድኡ ኣይጸግምን። ደቀኣንስትዮ ኤርትራ ግን፡ ኣንጻር ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም በደልን፡ ተባዕታዊ ትምክሕትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ባዕዳውያን ስርዓታት፡ ምእንቲ ፍትሕን ዝተነፍገ መሰለንን መሰል ህዝበን ንምምላስ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብምስላፍ ተኣምር ሰሪሐን ክቡር መስዋእቲ ከፊለን ናጽነት ዘረጋገጻን ማዕርነተን ብግብሪ  ዘመስከራ ጀጋኑ እዬን።

እዘን ብዋጋ ክቡር መስዋእተን ኣብ ዝተረኸበት ሓዳስ ሃገር፡ ጌና ደሮና እግረን ከይነገፋ ነቲ ኣሚነን ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናበላ ዝተቓለሳሉ ረዚን ዕላማ ስሒቱ መንገዲ ጥፍኣት ክመርጽ ከሎ ዓገብ ዘይምባለን፡ ንዝፈልጠንስ  ይትረፍ  ብወረ ንዝከታተልውን ክርድኦ ኣይክእልን እዩ። ብርግጽ ኤርትራ ከም መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ .... መጠኑ ዝሓለፈ እምነት ስለ ዝነበረን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥልመትን ክሕደትን ክኣቱ ኢለን ከይግምታ ይኽእላ እየን።ድሕሪ ቅንጸላ ስንኩልላን ማይ ሓባር ግን ፡እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ከም ዝሸፈተን፡ ሃ ናጽን ተባልሓትን ውዑይ ዓቕሚ ኤርትራያን  መንእሰያት በታቲኑ ሃርጋፍ  ድሌት ስልጣኑ ንምዕቃብ ጥራሕ ከም ዝመረጸ መዝገብ ቃላት ዘየድልዮ ንጹር ጉዳይ ምኻኑ ከመይ ይስወረን ይስወሮም?

እዚ መልእኽትዚ ድሕሪ ሕጂ ኣብዛ ኣነ ዝመርሓ ብሕታዊት ርስቲ ዝሓትትስ ይትረፍ ህንጥሾ ዝብልውን ንኣካለ ስንኩላን ዝረኸበት ዕጫ እያ ትረኽቦ ዝብል ኣረመናውን ፍጹም ዘየናሕስን ባህርያቱ ዝገልጽ ምዃኑ ዘይምርዳእከ ዕሽነት ንበሎ ጽላለ? እዚ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናጽነትና እንረኽቦ ዘለና መዋድድርቲ ዘይብሉ ሕሰምን ስቓይን እምበኣር ደም ስንኩላን ክፈስስ ሕድሪ ስዉኣትና ክጥለም ከሎ ዓገብ ብዘይምባልና፡ ኣውያቶም  ሰማእታት ሰማይ ዓሪጉ ናይ ዝወረደ ሓጥያት ውጽኢት ስቕታና እንረኽቦ ዘሎና ኣደራዕ ምዃኑ ሓሞት ሓርማዝ እናጥዓመና ክንውሕጦ ዝግብኣና ጉዳይ እዩ።

ሕጅኸ ሕድሪ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ሃገር ክሃንጹ ዝኽእሉ ልዑል  ዓቕምን ብልሕን ዝውንኑ ደቃ ተስፋ ቆሪጾም ብምስዳድ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍኡላ፡ ናጽነት ንምርግጋጽ መዘና ኣልቦ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብዘይፍትሒ ተሸሪቦም ኣብ ዝሳቐዩላ ሓዳረን ደቀን ብለይቲ ተመንጢሎም ድሃይ ብዘይምርካበን  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት መሪር ሓዘንን ራዕድን ዝገናዘየላ ዘሎ እዋን ትበዓል ዘላ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ፡ ብወገን ኤርትራውያን ደቀኣንስትዮ ደገፍቲ ስርዓት ... እንታይ ኮን ክብሃል ይኸውን? ክሒድኩም ኣኽሒድኩምና ጠሊምኩም ኣጥሊምኩምና ይኣክል ብዘይካሎም ኣይትበለጽ ብዓል ዓቢ መስፈር ኢለን ህዝበን ክኽሕሳን ሕሉፍ ጅግንነተን ዳግም ብምሕዳስ፡ ምስዘን ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚረን ፍትሒ ጐደለ ህዝቢ ተበደለ ኢለን፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ወገነን ደው ኢለን ዝጣበቓ ዘለዋ ኣባላት ደልይቲ ፍትሒ ኣሓተን ተጸምቢረን፡ ነዚ ጠላም ስርዓት ኣልጊሰን ፍትሓዊ ምሕደራ ኣብ ምርጋግጽ  ንቃልሲ ይውስና? ወይስ ከም ቀደመን ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝፈጸምኦ ጅግንነት እናኣኮማሰዓ መኣዝነን ስሒተን፡ ህዝበን እናተበደለ ኣብ ዳስ ጥፍኣት ስርዓት ... የጣቕዓን የዳኽራን?

ብወገነይ "ዓሻስ ሓንዳይ ክሳብ ዝውዳእ ገበጣ ይጻወት" ንዝብል ምስላ ኣቦታት ኣስተብሂለ፡ ምስዚ ብመራኩስ ስለላ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ግብኣተ መሬት ኣብ ክንዲ ምኻድ ምስ ውጹዕ ህዝበን ወጊነን ኣንጻር ጭቈና ክቃለሳ እመኽር። ነዚ ሰናይ ምኽር ጸማም እዝኒ ሂበን ምስኡ ጥፍኣትና ምስኡ ልምዓትና ዝብላ እንተዀይነን ከኣ፡ ዝሓለፈ ቅያ ጅግንነተን ብርኳን ሓጺበን፡ ብዝመጽእ ወለዶ  ናይ ገበን ተሓተትቲ ምዃነን ክንገረን እዋኑ እዩ። 

እንተ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በተን ንጉዳይና ኣሎናሉ ባዕልና ዝብላ ጀጋኑ ወከልቲ ውጹዓት ማሕበር ደቀኣንስትዮ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኰይነን ንስርዓት ... ካብ ሱሩ በንቊረን ብምዕናው፡ ኣብ ቦትኡ ህዝቢ ዝማእከሉ ብቕዋም ትመሓደር ሃገር ብምርግጋጽ፡ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣብ ፍርዲ ዘቕርቡሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን።

ምስ ደይልቲ ፍትሒ ተብግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንቕድሚት ክሳብ ዓወት

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን      

Last modified on Tuesday, 07 March 2017 09:30