ኣብ ኤርትራ፡ ሎምን ጽባሕን ዝጽበየና ብድሆታት

2017-02-28 16:54:45 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2396 times

ካለኣይን መወዳእታን ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ካለኣይ ክፋሉ ዘቕቦ ዘለኹ ጽሑፍ “ካብዚ ብምንቃል ከኣ ናብ ስልጣን ክሰግር ዝደሊ ይኹን ዘይደሊ ኣብ መስርሕ እናተነጸረ ይጎዓዝ። በዚ ኣቢሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምስቲ ደንበ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ኰይኑ ነዚ ቅልውላው ዘስዕቦ ሓደጋ ንምምካት ሓባራዊ መኸተን ኣንፈትን ክሕዝ ይኽእል።” ኣብ ዝብል እየ ኣቋሪጸነ ነይረ። መወዳእታ ክፍሉ ከኣ ይቕጽል። ሰናይ ንባብ።

እቲ ጽባሕ ዘጓንፈና ብድሆታት ካብቲ ሎሚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ዝሓየለን ዝኸበደን እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓተ-ምሕደራ ስለዝጸነሐት፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ዘይብሉን ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝጠራጠርን ገይሩ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወት ንምምላስ ከቢድ ቃልሲ ስለ ዝሓትት። ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዝነበረ ውርዙይ ምክብባር ተፋሒቑ ሰናይ ልምዲ ተባሕጒጉ ኣብ ክንድኡ ተነፋፊግካን ተነጻጺግካን ምኻድ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድኽነት ኣዝዩ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ውሑዳት ግና እታ ሃገር ናይ በይኖም ኰይና ትራእየሉ ዘላ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ ኣብ ከቢድ ናይ ሸቐልቐልን ቅልውላውን ዘጥሕል እዩ።

ነዚ ናይ ቅድምን ደሓርን ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ንምፍዋስ ዝወስዶ ግዜ፡ ዝሓቶ ጻዕሪ፡ ጉልበትን ገንዘብን ከኣ ዝተዓጻጸፈ እዩ ክኸውን። እቲ ህዝቢ ቁጠባዊ ናጽነት ዘይነበሮን ንዓመታት መሰሉ ተገፊፉ ዝመሓደር ዝነበረ፥ ንለውጢ ድልዊ ክኸውን ከቢድ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ናጽነቱ ተሓሪሙ ሓሳቡ ክገልጽ ይኹን ተበዲለ ወይ ተገፊዐ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ህይወት ዝነበረ ህዝቢ፥ እቲ ስርዓት ምስ ኣልገሰ ቅጽበታዊ ፍታሕ ክደሊ ናይ ግድን እዩ። መሬቱ ተመንዚዑ፥ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ዝተደርበየ ህዝቢ ዝሓድሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ መሃስይትን ስምብራትን ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ኣብ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ብዙሕ ግርጭታት ክረአ ይኽእል’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ እቲ መላኺ ስርዓት ንዲሞክራሲ ኣብ ተግባር ሰለ ዘይረኣዮ፥ መላኣ ህዝቢ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ተዋሲኡ ተመኩሮ ስለዘይቀሰመ ነዚ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ኣብ ህዝቢ ንምስራጽ ዓብን ከቢድን ብደሆ ክኸውን እዩ።

ኣብ ኣጀማምራ ብረታዊ ገድልና ንኹሉ ጠርኒፉን ብዝተጸንዐን ኣይተበገሰን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን ኢላ፥ እንዳበልና ክሳብ ሕጂ ንሓሚ ኣሎና። እዚ ኩሉ እናሓመና ከኣ እቲ ብጉጉይ ኣጀማምራ ዝጀመረ ናይ 1991 ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጥርኒፉ ከሳትፍ ኣይከኣልን። ኣብ’ዛ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን’ዩ እናተባህለት ትሕመ ዝነበረት ኤርትራ፥ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እንኮ ውድብ ውድብ ዝሕዞ የለን ተባህለ። ብሰንኪ እዚ ከኣ ሓሸውየ ውድባት የለን፥ ንዓመታት ተቓሊሶም ዘይተዓውቱ ኣበይ ዝነበሩ እዮም ሕጂ ናይ ስልጣን ምክፋል ይኹን ምሽራኽ ዝደልዩ ብዝብል እንተላይ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ተገፈ።

ኣብ’ቲ ቅድም ልክዕ እዩ ኤርትራ ካብ ናይ ነዊሕ ጉበጣዊ ኩነት ናጻ ብምውጽኣ ህዝቢ ይኹን መሪሕነትን ሰራዊትን ናይቲ ናጽነት ዝተረከበ ውድብ ነዚ ናይ ኣሳታፍነት ጉዳይ እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ኣይተገደስሉን። ነቶም ነዚ ዘይእክብ ኣገባብ ነቒፎም ኣብ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፎም ዘለዉ ክብርን ምስጋናን ዝግበኦም እዩ። ካብዚ እንቐስሞ ተመኩሮ እምበኣር ነቲ ጽባሕ ንግሆ ንህዝብና ብዘይኣፈላላይን፥ ማዕርነት ብዝመልኦን ፍትሕን ስነ-ስርዓትን ናይ ምውሓስ ተኽእሎና ክዓቢ ቅድሚ ኩሉ ሃገራዊ ዘተ የድልየና። ነቲ ሃገረ ኤርትራ እትመሓደረሉ ኣገባብ ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ዝተፈልየን ዘተኣማምንን ፍታሕ ምውሓስ ንሓና እዞም ደምበ ተቓውሞ ኣንውደኦ ዘይኮነ፡ ነዚ ስርዓት ምስ ኣውደቕና ምስ ህዝብና ኰይና እነጥርዮ እዩ ክኸውን።

ነዚ ሰርዓት እዚ ተቓሊስና ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረድናዮኸ ዝሓዘ ሓዘ ብምባል ዲና ሰዓርን-ተሳዓርን ወይ ናይ ተዓዋትን-ተዓዋትን መገዲ ኢና ክንክተል። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እታ ኤርትራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብምዃና፥ ኣብ ነዚ ስርዓት እዚ ንምውዳቕ ዝተገብረ ቃልሲ ዝተሳተፈ ይኹን ዘይተሳተፈ ብማዕረ እትብጽሖ ምኹና ምእማን የድሊ። ከመይሲ እታ ኤርትራ ናይቲ ሰዓራይ ጥራሕ ስለዘይኮነት። ስለዚ ነዚ ሃገራዊ ራኢ እዚ ጽባሕ ንግሆ ኣበይ ዘነበረ ወይ ኣውን እዝን እትን ዝፈጸመ ኢልና ክነዋስን ይኹን ክነግልል ኣይግባእን።

ስለዚ ነቲ ምስሊ ሃገርና ዝድውንን ህዝብና ዘሳቕን ዘሎ ግጉይ ተመኩሮ ኣመሰራርታ መንግስትን ህዝባዊ ምሕደራን ደጊምና ንመጻኢ’ውን ዝሓሸ ዕድል ከይነጥፍእ፥ ከሎ ጌና እቲ ንኹሉ ዘሳትፍ መኣዲ ዕርቅን ሕድገትን ክሕስበሉ ይግባእ። እቲ ዝቐውም ስርዓተ መንግስቲ ከኣ ንኹሉ ኤርትራዊ መምስ ዝንባለኡ ዘሳትፍ ክኸውን ክንጽዕት ይግበኣና። እዚ ደምበ ተቓውሞ ምስ ተዓወ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ሃገራውን ሕገ-መንግስታውን መንግስቲ ዘብጽሕ ዕዉት ጽርግያ ክኸውን ካብ ብሕጂ ከነኽብሮ ዝግበኣና ብዙሕነት ግቡእ ቆላሕታ ክንገብረሉ ግድን እዩ። ሓደ ካብኡ ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ እቲ ደምበ ተቓውሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ናይ ምክልኻል ሰራዊት፥ ኣብ ተካላት እቲ መንግስቲ ዝርከቡ እሞ ካብ ገበን ናጻ ዝኾኑ፡ ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ መሰጋገሪ ባይቶ ክምስረት ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ንኣብ ኣውሽጢ ዘሎ ገዲፍካ ናይ በይንኻ ዝሓንጸጽካዮ ወይ ዝተለምካዮ ኣብ ግብሪ ክውዕል ማለት ቅኑዕ ኣይኮነን። እዚ ምትግባር ከኣ እዩ ነቲ ናይ ጽባሕ ብደሆ ዘኽብዶ

Last modified on Tuesday, 28 February 2017 18:00