ኣብ ኤርትራ፡ ሎምን ጽባሕን ዝጽበየና ብድሆታት

2017-02-27 21:19:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1927 times

ቀዳማይ ክፋል


ብዙሕ ግዜ ከም ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን፥ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ውልቀመላኺ ስርዓት ትሕመስ ከምዘላ ርዱእ እዩ። ሎሚ፡ በዚ ውልቀመላኺ ክትሕመስ እንከላ፥ ጽባሕከ እንተስ ክትሳቐ ወይ ክርህዋ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝመስል ስርዓተ ምሕደራ እያ ክትመሓደር ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ሎምን ጽባሕን ዝገጥሙና ብድሆታት በብደረጃታቱ ሓደ ብሓደ ምዝርዛር የድሊ። ከመይሲ ነዚ ከይሲ ስርዓተ ምሕደራ ኣለሊኻ ካልእ ተመሳሳሊ ስርዓት ንኸይትከል ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንዝጽበየና ብድሆታት ምንጻር ስለ ዘድሊ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ህዝቢ ምጥርናፍን ምእካብንዶ ወይ ህዝቢ ምብታን እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ብድሆታት ዝኣቱ እዩ። እዋናዊ ብድሆታትና እምበኣር ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ነዚ መላኺ ስርዓት ምልጋስ እዩ። መላኺ ስርዓት ምልጋስ ማለት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ማለት እዩ። ድሕነት ሃገርን ህዝብን ማለት ከኣ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራን ልኡላውነት ህዝቢ ምኽባርን ዝኽተል ማለት እዩ።

ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ክበሃል እንከሎ እምበኣር፡ ነዚ መላኺ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ንምግባር ዝግበር ቃልስን ኣወዳድብኡን ዝምልከት ይኸውን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ንሃገራውን ህዝባውን ረብሓ ዲዩ ክድምደም ወይ ከኣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት’ዩ ክኣቱ ምግንዛብ ከድልየና እዩ። ስለዚ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይ ሰለስተ ኣገባባት ከምዘለዉ ምጥቃስ ኣድላዪነት ኣለዎ። እዞም ሰለስተ ኣገባባት ከኣ ከም ምርጫን ዘዋጽኣካን ክትጥቀመሎም ይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ናይ ኣገባባት ፍልልያት ዘይኮነስ እቲ ውጽኢት ነቲ ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ዝውግድ ዲዩ ኣይኮነን እዩ ክምዘን ዝግበኦ። እዚ ከኣ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታትን ሃዋህውን፥ ከምኡ እውን በዓልበታዊ ዓቕምን ትጥቀመሎም ምጽናዕ እውን ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ካብዞም ኣገባባት እዚኦም እቲ ሓደ ነቲ ጨቋንን መላኽን ስርዓት ንባህጊ ህዝቢ ዝከላኸል ይኹን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክቕርብ ባህሪኡ ከምዘይኮነ ርዱእ ክንሱ፡ ኣብ መንቀራቕሮ ዘእትዎ ሜላ እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ስርዓት ነቲ ከምዘይፈልጦ ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ርዒሙ፡ ናብ ዘተ ከም ዝኣቱ ዝግበር ጸቕጢ እዩ። እዚ ጸቕጢ እዚ ከኣ እቲ ዲፕሎማሲያውን፥ ፖለቲካውን ቃልሲ ብምክያድ ግፍዕታት እዚ ስርዓት እዚ ዝቕለዓሉን፥ ሕብረተሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ብንጹር ክርድኦ ዘግብርን እዩ። ብሓጺሩ ነዚ መላኺ ስርዓት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ሞራልን ደገፋት ከምዘይረክብን፥ ካብ ቆላሕታ ዓለም ከምዝንጸልን ምግባር እዩ።
እቲ ካልኣይን ቀንድን ኣገባብ ንህዝብኻ ዝብትን ውደባ ገዲፍካ፥ ህዝብኻ ጠርኒፍካን ኣኪብካን ብውሽጥን ደገን ተደጋጊፍካ ነቲ ስልጣን በመገዲ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ማለት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ኣቢልካ ምቅላሱን ምግዳዱን እዩ። እቲ ሳልሳይ ከም ምርጫ ዝውሰድ ጐነጽ ናይ ምጥቃም ዝኽልክል ሕጊ እኳ እንተዘየለ ኣብ ከምዚ ተበታቲኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞና ብረት ምጥቃም ንኣደዳ ጥፍኣት ዘቃልዕ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብዚ መዳይ እቲ ናይ ሎጅስትክስ ኣቕርቦት ዝተማለአ ስለዘይከውን መንጠሪ ድሕረ-ባይታ ደምበ ተቓውሞ እውን ዝተኣማምን ብዘይምዃኑ ተደራቢ ጸገም ስለዘኸትልን፥ እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ከኣ ነቲ መላኺ ስርዓት በቲ ሓያል ጎኑ ትገጥሞ ስለ ዘለኻ መፍትኡ ብምዃኑ ጐነጽ ዘይምጥቃም እንተዘይተመርጸ ይሓይሽ። መለኽቲ ስርዓታት ስልጣኖም ከናውሑ እንተኾይኖም ኣብ ህውከት፡ ውግእን ሽበራን እምበር ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ኣይኮነን።

እዚ ዝተጠቕሰ ሕልኽልኽ ከመይ ገርና ንብድሆን ኣብ ጠቕምና ነውዕሎን ዝጽበየና ዘሎ ናይ ሎሚ ብድሆ ብምዃኑ ተቢዕና ክንሕዞ እንግደድ ጓህሪ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ደላይ ፍትሒ እናበልካ ኣብ ነንሓድሕድካ ስኒት፡ ውህደትን ስጥመትን ከይፈጠርካ ለውጢ ከምዘይመጽእ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ዘተኣማምን ናይ ሓባር ዓቕሚ የብሉን። እዚ ማለት ሰሚሩ ሓድነቱ ዘየደልደለሉ፡ ነቲ ስርዓት ብዘውድቐሉ ኣገባብ ውደባ ተኸቲሉ ህዝቢ ዝዓስሎን ዝኣምኖን ውደባ ዘይወነነ ብምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ እናተነዓዓቐን፥ ውድባት ኣይረብሓን እየን ኣይትስምዕወን እናበልካ ዕምሪ ምልኪ ክሓጽር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፥ ነዚ ስርዓት እዚ በዚ ደምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ዝተፈላለለየ ውደባታት ፈጺሙ ከድመዓሉ ከምዘይክእል እነሆ ናይ 26 ዓመታት ተመኩሮ ክምህረና ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ስርዓት ናይ ምውዳቕ ብድሆ ከም-ቅድመ ኩነት ክነዋድዶን ክነማልኦን ዝግበኣና ጉዳያት ምፍጻም የድልየና

እቲ ነዚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ዝግበር ቃልሲ ብዕሙትን ካብ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ወጻእን ዝካየድ ፖለቲካ ኣብ ዕግሽግሽን ዕግርግርን እምበር ንማሕበራዊ፥ ቁጠባውን፥ ፖለቲካውን፥ ጉዳያት ኣብ ዝርከቡ ሽግራት ክፈትሕ ይኹን ክኣሊ ኣይበቅዕን እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋላ ነቲ መላኺ ስርዓት ክኣሊ እውን ዝተወሃሃደ ግብራዊ ዝኾነ ስትራተጅን፥ ስጡም ናይ ለውጢ ሓሳብን፥ ሃገራዊ ራኢን ክውንን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እንታይ ምስ ዝግበር እዩ ደኣ ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ተበታቲንዎ ዘሎ ወጺኡ ንሃገራዊ ረብሓ ክውዕለሉ ብዝኽእል ኣገባብ ክውደብ? ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ብግቡእ ንምምላስ፥ እዚ ደምበ ተቓውሞ ካብዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ክሳራ ክወጽእ ግድን’ዩ። ካብዚ ፖለቲካዊ ክሳራ ንኽወጽእ እንተኮይኑ፥ ነቲ ፖለቲካዊ ሽግራት ፖለትካዊ ፍታሕ ምስ ምውዳቕ እዚ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ምእማን።

እቲ ኣብቲ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልሲ ብሃገራዊ ቅዋም ዝፍታሕ ሽግራት ከኣ ናይዚ እዋን እዚ ሽግር ከምዘይኮነ ምፍላጥ። ናብዚ መዳይ’ዚ ዘዕዉት ውደባ ከኣ ሰፊሕን ኣሳታፍን ዝኾነ ሃገራዊ ልፍንቲ ምቛም ከድሊ እዩ። እዚ ሃገራዊ ልፍንቲ እዚ ከም ርእይቶ፥ እቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ፖለቲካዊ ውደባ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት፥ ብርኢቶይ ናይ ብሄራዊ ሃይማኖታውን ዕልማናውን ነንበይኑ ምሕዝነት ክፈጥር ኣለዎ። እዚ ነነበይኑ ምሕዝነት ምስ ፈጠረ ከኣ ንሰልስቲኡ ምሕዝነት ኣብ ሃገራዊ ልፍቲ ተኣትዩ ንኡኡ ዘማእክል ሽማግለ ይምስረት። እቲ ስልጣን በብእብረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዓመት ይካየድ። ዝተረፋ ህዝባውያን ስቪላውን ማሕበራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዝመረጽዎ እምነቶም ይጽንበሩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ናብ ስልጣን ክሰግር ዝደሊ ይኹን ዘይደሊ ኣብ መስርሕ እናተነጸረ ይጎዓዝ። በዚ ኣቢሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምስቲ ደንበ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ኰይኑ ነዚ ቅልውላው ዘስዕቦ ሓደጋ ንምምካት ሓባራዊ መኸተን ኣንፈትን ክሕዝ ይኽእል።
ካለኣይ ክፋልን መወዳእታን ይቕጽል ……

Last modified on Monday, 27 February 2017 22:28