እንተፈታሕካዮስ ጥራሕ ቁጻር

2017-02-23 17:33:05 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2536 times

እቲ ካብ ክፍላ ጥሪ ጀሚሩ ብዙሕ ጎስጓስን ዳንኬራን ክግበረሉ ዝቐነየ ቃለ መሓትት ዲክታቶር ኢሳያስ ካብ 27-29. 01.2017 ዓ.ም.ፈ. ከም ዝተኻየደ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተኸታትልዎ ሓቂ እዩ።

 ኣነውን ካብ ዲክታቶር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥዑይ መልሲ ክረክብ ትጽቢት‘ኳ እንተዘይነበርኒ፡ ኢሎሞ ካብ ምባል ባዕለይ ክሰምዕ  ብምውሳን ክሳብ መወዳእታ ተኸታቲለዮ፡ ካብ‘ቲ ዝሰማዕክዎ ፍረ-ኣልቦ ገለጽኡ ነቒለ ድማ፡ ነዛ ከም አርእስቲ ዝመረጽክዋ ንትሕዝቶ መልስታቱ እትገልጽ ምስላ ኣመልኪተ መልእኽተይ ንምትሕልላፍ ኣብ ቀንዲ መበገስየይ ከስግረኩም።

 

ፕረሰደንት ኢሳያስ ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ዓለማውን ዘጠቓለለ ገለ ኣገደስቲ ገለ ከኣ ንህልኽ ዝዕድም ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ክቐርቡ ዝወሰኖም ከም ዝነበሩ ብዝእምት ኣገባብ ከም ዘይቀረቡን ብሕጂ ቀሪቦም ክምልስ ድልው ምዃኑን ብምሕባር ልቢ ዘይፈልጥዎ የውሃን ከደናግር ፈቲኑ።ነቶም ሓቀኛ ባህሪያቱ ዝፈልጡ ግን፡ እቲ መደብ ነቲ ከም ናይ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ መጋብኣያ ተረኺቡ ንክምድር ብሰንኪ‘ቲ ሓርፋፍ ባህሪያቱን ግጉይ ዲፕሎማሲዊ ፖሊስኡን ብእገዳ ምኽንያት ዘይረኸቦ ዕድል ኣብ‘ዛ ናይ በይኑ ሕዛእቲ ዝኾነት ቲቪኤረ ትሓቢኡ ተሃኑ ከውጽእ እምበር፡ ንህዝብን ሃገርን ዘገድሱ ሕቶታት ክምልስ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም ዝፈልጥዎን ዘይጽበይዎን ሓቂ እዩ።

 

ስለ ዝኾነ ናይ ሓባር ሚዛን ንምሃብን መታን ክንኽእልን ካብኡ ተበጊስና ድማ ፍታሕ ንምንዳይ ነብስና ክንጸምድን ነተን ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ንመልከት፡፡ ንዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንቁጠባዊ ልምዓት ዝምልከት ዝተታሕዘ እንታይ ሓድሽ መደብ ኣሎ? ምቕያር ባጤራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መደብ ደሞዝን ምስትኽኻል ኣተገባብርኡን፡ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ  እንታይ መደብ ኣሎ?

 

ክኢላዊ ዓቕምና ንምጽንቃቕ ንዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ኣሎ? ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሃገርና ንምሕያል ኮነ እገዳ ንምልዓል ዝምልከት እንታይ ዝተታሕዘ መደብ ኣሎ? ጸገም ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝወጸ መደብ እንተሎ ዝብሉ ንምምላስ ብጽዓት ጀሚሩ።ጽዓት ኣብ ልምዓት ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ብምርዳእ ቀዳምነት ተዋሂብዎ  120 ኪሎዋት ከመንጩ ዝኽእል ትካል ጽዓት ሕርጊጎ‘ ሃኒጽና። እንተኾነ ብምኽንያት ዘይጥንቁቕ እተሓሕንዛን ቅልጡፍ ጽገናን ክሰርሕስ ይትረፍ ኣሎ ንምባል ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ እኹል ኣገልግሎት ንክህብ፡ እንደገና ካብ‘ቲ ቅድም ዝወጸሉ ገንዘብን ጉልበትን ዘይውሕድ ከም ዝሓትት ዓንዴል እናጠዓሞ ተኣሚኑ።

 

ኣብዚ‘ውን ካብ‘ቲ ዘይተዓወተ መደብ ዝሓይሽ  ብርጡብ መጽናዕትን ብቑዕ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ዝተደገፈ ዘተኣማምን መደብ ስለ ዘየቕረበ ካብ ዝሓለፉ ተራ መብጽዓታት ከምዘይሓልፍ ንምግማቱ ኣየጽግምን እዩ። ቀጺሉ ናብ ቀረብ ማይ ብምስጋር ነቲ ጽዓት ኮነ ማይ ንምንታይ ትጥቀመሉ ዝብል ዓጀውጀዉ ገዲፍካ ዝነጠበ ማይ ንምዕቃብ ብዙሕ ከም ዝተሰርሐ ገለ ኣብነታት እናጠቐሰ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ቀረብ ማይ ዝግባእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃቦ በቶም ዝጠቕሶም ዝነበረ ናይ ርሑቕ በረኻታት ዕቋር ማያት ክገልጽ ፈቲኑ።

 

እዚ ከኣ ማይ ብዘይሓይሊ ጽዓት ካብ ዝተኸዘኖ ቦታ ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ ከም ዘይክእል እናፈለጠ ንኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና ረሲዑ ናብ ሰብ ጀራዲን ጥራሕ ምትኳሩ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንትሕተ ቅርጻ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሃገርና ብአየር ብባሕሪ ኮነ ብምድሪ፡ ኣለዉና ኢልና ኣፍና መሊእና እንዛረብሎም ዘተኣማምኑ ትሕተ ቅርጻ የብልናን ድሕሪ ምባል፡ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከግልግል ተባሂሉ ኣብ ባጽዕ ዝተሰርሐ ኣይተገልገልናሉን፡፡ እቲ ዝጸንሓና መዓርፎ ነፍርቲ ኣስመራ‘ውን ስለ ዘየማዕበልናዮ ዘተአማምን ኣይኮነን።እቲ ንፍርያት ሃገር ብይዘምብልሻውን ብቕልጡፍን ናብ ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ከገልግል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ሳዋ  መዓርፎ ነፈርቲ ውን ብዝተገብረሉ ትጽቢት መጠን ከምዘይሰርሐ ኣነጺሩ።

 

ኣብ ናይ መሬት ትሕተ ቅርጻ ብዝምልከት እዚ ትካል‘ዚ ኣብ ምዕባሌ ሃገር ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብምርዳእ ዝጸንሑ ክጽገኑ ሓደስቲ ከኣ ክህነጹ ዝወጸ መደብ ከነትግብሮ ስለ ዘይከአልና፡ እተን ንዜና ትጥቀሙለን ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ውን እንተኾና፡ ብሰንኪ ጥጡሕ ትሕተ ቅርጻ  ዘይምህላው ንህዝቢ ዘዕግብ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘየለዋ ድሕሪ ምንጻር፡ እዚ ክሳብ ዘይተማልአ  ጉዕዞ ምዕብልና ክቕጽል ስለ ዘይክእል ከኣ ዝከኣል ክግበር ከምዘድሊ ኣመልኪቱ። ብምቕጻል ንምዕብልና ምቕያር ባጤራን ምውሳኽን ምስትኽኻል ደሞዝን ኣመልኪቱ ባጤራ ብእነፍርዮ ብፍላይ፡ ብዝተፍላለዩ መልክዕ ኣታዊታት ሃገር ከኣ ብሓፈሻ ዝዕቀን ኣገዳሲ መንኮርኮር ምዕብልና‘ኳ ይኹን እምበር ዕቤትናን ሰላምናን ዘስግኦም ሓሳዳት ብዝፈጥርዎ ውዱብ ዕንቅፋት ኣታዊና ከምቲ ክኸዶ ዝግብኦ ከይዱ ክብሃል ኣይክኣልን።  ምኽንያቱ ካብ ደገ ክኣቱ ዝግብኦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ደዃኹን ኣትዩ እቲ ዶላር ይኹን ካልእ ባጤራ ብናቕፋ ተሸሪፉ ናብ ኤርትራ ስለ ዝኣቱ፡ ናይ ናቕፋ ዝቕባበ ከም ዘሎ ክእምት ከሎ፡ እዚ ብናይ  ደገ ሓልታት ዝካየድ ውዱን መስርሕ እዩ ክብል  ኣብ ምኽሳስ ካልኦት ክህውትት ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ነዚ ሰጊርና ኣብ ትስፍው ባይታ ኣሎና ክብል ጻዕዳ ሓሶት ኣቕሪቡ።ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ወሰኽን ምስትኽካል ሰራሕተኛታት ዝቕረበሉ ሕቶ ንምምላስ፡ ብናቕፋ ገዛ ዲኻ ደርሆ ወይስ እንቋቚሖ፡ እቲ ዝኽፈል ሰራሕተኛኸ ነዳቓይ ዲዩ ጽሓፋይ ወዘተ-ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንምንታይ ኣልዒልዎም  ናይ ምምላስ ንሰማዕቲ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብታሕተዎት ክጅምር እዩ‘ኳ እንተበለ ምዓስን ክንደይን ንዝብሉ ግን ዘሊልዎም ሓሊፉ።

 

እቶም ዕዙማት ጋዜጠኛታት ከኣ ሕቶና ኣይተመለሰን ምባልስ ይትረፍ ሰዓት ክትኣክለሎም መውጽኢ ከም ዝሰኣነት ኣንጭዋ ቀባሕባሕ ይብሉ ምንባሮም ዘይተዓዘበ  ኣይህሉን።ክኢላዊ ዓቕሚ ንዕምባይን ንዕኡ ንምጽንቃቕን ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ንምክልኻል ዝወጸ መደብ እንተሎ ንምምላስ፡ መዐቀኒ ምዕብልና ሓንቲ ሃገር ብዝህልዋ ምሁር ዓቕሚ  ስለ ዝልካዕ ከሉ ክምሃር ዝተጀመረ መደብ ሎሚ‘ውን፡ ክዓብን ክሰፍሕን  ዘድሊ ይግበር ምህላዉ ይገልጽ። እቲ ዘገርም ግን ዝርኤናዮ ኣየዛርበና በለት ጉብጥሽ ከም ዝብሃል ቤት ሕክምናን ቀረባቱ ቤት ትምህርትን ቀረባቱ ደሚርካ ክንዲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ዘይኸውን ቤት ትምህርቲ ሰሪሐ ምባል ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

 

ብዘይካዚ እዛ ፈውሲ ማሕላ ሓንቲ ዩንቨስቲ ዘይብላ፡ መንእሰያታ ኣብ ክንድ ዝመሃሩ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና መሪርዎም  ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ ሃገር እናመራሕካስ ክመሃሩ ምባል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን  ምሽክዕላ እዩ። ንክኢላዊ ዓቕሚ ንምፍራይ ክምልስ ከሎ ከኣ‘ሞ እቲ ካብ ውሽጥ ኣስመራ ጀሚሩ ክሳብ ሊብያ  ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ ሰባት ብመንን  ከመይን ይካየድ ምህላዉ ጽሓይ ዝወቕዖ ምስጢር ስለ ዝኾነ  ምግላጹ ደድሕሪ ዕቡዳት ምዕባድ እዩ።እዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ብሰንኪ ግስሩጥ ምሕደሩኡ ዝሰዓበ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ካልኦት እናጸግዐ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዓለመ ኣረጊት ሽጣራ ምዃኑ ኤርትራውስ ይትረፍ ንዓለም ዘገረምን ዘዛርብ ዘሎን ጉድይ‘ዩ።

 

ንጸገም  ኣባይቲ ኣመልኪቱ ድማ፡ገለ ኣብነታት ብምጥቃስ ዝተሃንጸ ገዛውቲ‘ኳ ይሃሉ እምበር ኣኻሊ ከም ዘይኮነን ነዚ ንምፍታሕ ንህንጻ ዘድሊ ጥረ-ነገራትን መሳርሒታትን ካብ ሸመንቶ ጀሚርካ ናይ ምፍራይን ምርካብን ጸገም ጌና ዘይተዓወትናሉ ጉዳይ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ብውልቂ ዘካርዩ ወነንቲ ኣባይቲ ግን ኣታዊታቶም ንምኽዕባት ኣብ ሃረምረም ስለ ዘሎው ገደብ ክግበረሎም ኣሎዎ ይብል። እዚ ኩሉ ንዘቤታዊ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝጠቅም፡ እዚ ጌርናን ዓቂብናን ናብ ካልእ ንስጉም ኣሎና ዝብል ዘይርከቦ አንተ ፈታሕካዮስ ጥራሕ ቁጻር ዝኾነ መልሲ፡ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተልዩ እዚ ስርዓትዚ ካብ ልምዓትን ዕቤትን ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ከዐውቶ ዝደሊ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላዉን ንዕኡ ምጽባይ ከኣ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ካብ ምጽባይ  ዝሓልፍ  ከም ዘይኮነን እዩ።በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ዋና ሃገሩን ተጠቃሚ ዕድሉን ክኸውን ስልጣኑ ክጭብጥ ንጽባሕ ዘይውንዘፍ ጉዳዩ  ምዃኑ ተረዲኡ ዕድሜ  ክጽበ ኣይግባእን።

 

ፕረሰደንት ኢሳያስ ንዓለማውን ዲፕሎማሲያውን ዝምልከት፡ፖለቲካውን ዲፕሎማሲውን ኩነታትና ከመይ ኣሎ፡ ከኢላዊ ዓቅምና ንምጽንቓቕ ዝግበር ሸርሕታት ንምክልኻል እንታይ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡ምምጻእ ሓዲሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ህውከት ብኮማዶ ፖስት ይፍታሕ ዶ ትብል ዝብሉ ገለ ኣገስቲ ገለ ግን ንሃልኽን ተሃንካ ንምውጻእ ተዳልዮም ዝቐረብሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ።

 

ኣብዛ  መራሕቲ ሓያላት ሃገራት  ከም ድላዮም  ዝቘጻጽርዋን  ዝጽዕሩላን ዓለም፡ ዝረዓመ  ክርግጽ ዝአበየ ድማ ክድቘስ ወይ ክዳኸም ዝዕላምኡ ዓውሎማዊ መስርሕ ኣብ ዝካየደሉ መዋእል ምህላውና ክሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ግሉጽ ሓቂ‘ዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ንምግባር ከኣ ካብ ርሑቅን ቀረባን ኣገልገልቲ ዝኾንዎም ሰብ ረብሓ እናዋፈሩ ሰላም ዓለምና ኣብ ምዝራግን ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ህይወትን ናይ ምዕናው ተግባራት ምዕዛብ ዕለታዊ ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

 

ንሕና ከኣ ነዚ እከይ ተግባራቶም ስለ ዘይተቐበልና  ንምብርካኽና ተባሂሉ ዘይተማህዘን ዘይተኣልመን የለን   ክብል፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ  ንሓገርና ካብ ዓለም፡ንህዝብና ድማ ካብ  ለገስቲ  ሃገራት ክርኸብ ዝክእል ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ንከይረኽብ ዝኣገደ  ሕጊ ኣልቦ ስርዓትን ገበነናዊ ተባራቱን ሓቢኡ  ንክልኦት ኣብ  ምኽሳስ ሰጊሩ፡እዚ ላግጽን ካብ ሓቂ ምህዳምን ‘ምዃኑ ህዝብናስ ይትረፍ  ህዝቢ ዓለም ውን ዝፈልጦ ቅሉዕ መጽገብ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ መለለይ ግጉይ ፖሊስኡን  ዕሸል ፖለቲካዊ ትሕትኡን ምዃኑ ዝተመስከረሉ፡ካብዞም ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብገበን ዝክሰሱ  ዘሎው ናይ ዘመንና ዲክታቶራት መራሕቲ ሓደ እዩ።

 

ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዘይስምዖ ንግሉጽነት ከም ቁሪ ኣሰሓይታ ዝፈርሕ መራሒ፡ ናጽነትናን ክብረትናን ዓቂብና ክንከይድ ስለ ዝመረጽና ንምድካምና ዝግበር ዘሎ፡ ፍርሒ ዝፈጠሮ ሸርሕታት ማእለያ የብሉን፡ ነዚ ኩሉ መኪትና ግን፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣሎና፡ ክብል ሓቅነት ዝጐደሎ መልሲ ምሃቡ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ ዝራጸም ናይ ጽላለ መግለጺ ምዃኑ ህዝብና ዝርድኦ ጉዳይ  እዩ። እቲ ንብዙሓት ሃገራትን መራሕተንን  ዝሰንዘሮ  ጸርፍን  ምንእኣስን ብዝምልከት ከኣ ክምቲ ኣብ ቀርኒ ብዕራይ ዝተቀመጠ ጽንጽያ እንተኸቢደካስ ንገረኒ ክወርደልክ ምስ በሎ ኣብ ቀርነይ ምህልውካ  ዘይምህላውካን‘ዃ ኣይፈልጥኩ ዝበሎ ምስላ መሲልካ ምሕላፉ ይሕይሽ።

 

ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሃቦ መልስ‘ሞ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ  ቅርሕቲ ንምውጻት እንተዘይዀኑ ኮንዶፖስት ኢትዮጵያ ይፍትሕዎ ኣይፍትሕዎ ንዋናታቱ ዝምልተ‘ምበር ጉዳይን ኤርትራውያን ክም ዘይኮነ ርዱእ ነገር እዩ፡ እዝስ ፖለቲካዊ ንዴት ብሃሊኡ  ዘመልክት መግለጺ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ትርጉም የብሉን።ብዛዕባ ምምራጽ ሓድሽ ፕረስደንት ኣመልኪቱ፡ሮላንድ ትራምፕ ምዕዋት ከገልግልዎ ዝኣተዎም መብጽዓታት ከተግብር ኣይክእልዩ ድሕሪ ምባል ብዙሓት መራሕቲ መጺኦምን ከይዶምን ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝተቀየረ  ዘየለ ኣሚቱ።

 

ካብዚ ቀጺሉ ኣብዚ ዓመት‘ዚ እንታይ ተስፋ ንጽበ ዝብል ቀሪቡሉ፡ ኩሉ ተጽብኦታት ሓሊፍና ውሽጣዊ  ዓቅምና ኣብ  ልምዓት ኣዋፊርና ከም ንዕወት ጥርጥር የልቦን ክብል መሊሱ።ካብ ዝሃቦ  ትሕዝቶ ኣልቦ መልስታት ነቂልና እንርድኦ‘ምበር እቲ ኤርትራ ሲጋፖር ክትከውን እያ ዝብል መብጽዓ ጽባሕ ናጽነት፡ኤርትራ መቃብር ዜጋታታ ክትከውን ኣብ ዝብል ትርጉም ከም ዝተቐየረ ኣብ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ሕሰም  ጭቡጥ መርትዖ እዩ።ነዛ መዘና ዘይብሉ ጻዕረኛ ህዝብን እኹል ጸጋን ዘሎዋ ነጻ ሃገር፡ብዘይሃገራዊ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጽን ዝሕታቲ ሓጋግን ፈራድን መጻምን ትካላት መሪሕካ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ከምዚ ዝበለ ፍሹል ገምጋም ክቅርብ ምጽባይ ከይቀደስካ  ዝተሓልመ ጥራሕ  ዘይኮነስ ብዓውታን ብምድግጋምን ዝትገልጸን  ሰማዒ እዝኒ ዝሰኣነ  ስኑድ ታሪኽ እዩ።

 

እዚ ዘንጽሮ ሓቂ እንተልዩ ከኣ እዚ ስርዓት ንሰላምን ንልምዓትን ዘይኮነስ ንህውከትን ዕንወትን ኢሉ ዝተበገሰ  ስለ ዝኮነ  ክቅንስ ይትረፍ ክውዕል ክሓድር ውን ከም ዘይግባእን  ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ‘ቶም ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ዝብሉ ውን ክርድእዎ ከም ዘሎዎም እዩ።ካብዚ ተርድኦ‘ዚ ብምንቃል ከኣ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ እንተላይ ሓልታት ምክልካል ኤርትራ ብዘይ ወዓል ሕደር ኩሉ ዓቅምታቶም ብሓደ ጸሚዶም  ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክስለፉን ንምልጋሱ ክልዓሉን መድረክ ዝጠልቦ ህጹጽ  ሕቶምዃኑን፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽባይን ዝያዳ ዕድል ምሃቡን  ከኣ ሃገራዊ ሓልፍነትካ ምርሳዕን ሃገር ኣብ ዘይትወጸሉ ገደል ክትኣቱ ምፍቃድ ስለ ዝኮነ ሃገር ንምድሓንን ህይወት ህዝብና ኣብ ንቡር ንምምላስን  ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ፍኑው ኣካይዳ እዋኑ ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

    

   

Last modified on Thursday, 23 February 2017 18:47