ዘይምእኩል ፖለቲካዊ መስርሕ ህይወት የብሉን

2017-02-23 17:12:16 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2469 times

ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ራኢ ዝውንኑ ሰባት፡ ነቲ ዝኣምንሉ ፖለቲካዊ ራኢ ምእንቲ ብሓባር ተቓሊሶም ከዕውትዎ፥ ዝቕይዶም ሕጊ ወይ’ውን ውዕል ይሕንጽጹ። እዚ ሕጊ እዚ ወይ ውዕል ከኣ ብገለ ምኽንያት ክጠሓስ እንከሎ፥ ነቲ ዝተሰማምዑሉ ቀንዲ ዋሕስ ናይ ሓቢሮም ምቕጻሎም ይቚጸ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እዚ እቲ ውሽጣዊ ክብርታትን ዝሓንጸጽዎ ቅርጻታትን እናዘለቐ ስለዝኸይድ። ነቲ ሓቢሮም ዝመስረትዎ ዕላማ ኣብ ክንዲ ዝጥምቱ ኣብ ቀንጠመንጢ ነገራት ይፈላለዩ እሞ ነቲ ቀንዲ ተሰማሚዖም ዝሃነጽዎ ከፍርስዎን ክጥሕስዎን ይጅምሩ።

ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎን፥ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ኣካላት ምምስራቱን ንገዛእ ርእሱ ሃብታም ዝገብሮ እዩ። ዕላማን ቅዋማትን ናይ’ዚ ሰልፊ እዚ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ። ንሱ ድማ ንሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝሰርዕን ምስ ካልኦት ሓቢሩ ዝሰርሕን ሓባራዊ ራኢ ንምጥራይ ዝቃለስን ዝጽዕትን እዩ። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ነቲ ብጉባኤታቱ ኣቢሉ ንህዝብን ሃገረ ኤርትራን የርብሕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ክሰፍሕን ንቕድሚት ክደፍእን ምድልዳልን ይቃለስ። ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቶም ካልኦት ሰልፍታት ይኹኑ ውድባት ዝጥቀሙሉ መስርሕ ኣተጋባብራ ሕግታቱን፥ ውሳኔታቱን ዝጥቀመሎም መሳርሕታት ይኽተል። እዚ ከኣ ኣባላት’ዚ ሰልፊ ብሓባር ጠሚሩ ዘቃልሶም እቲ ዝሓንጸጽዎ ውሽጣዊ ሕጊን ኸዕውትዎ ዝተለምዎ መትከልን እዩ። እዚ ሰልፊ እምበኣር ቅድሚ ኣብ ጉባአ ምብጻሕ በዘን ዝስዕባ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣቢሉ እዩ ምስ ኣባላቱ ርክብ ብምግባር ርእይቶታት ዝሰንቕ። ንሳተን ድማ፥-

1- ናይ ኣባላት ኣኼባታት እንተስ ብኣካል እንተስ ብመራኸቢ ብዙሃን
2- ብወከልቲ ኣባላት ኣቢሉ ዓውደ-ልዝብ ምክያድ
ብድሕሪ እዚ እቲ ኣባል ክዛረበሎምን ርእይትኡ ክህበሎምን ዘለዎ ኣገደስቲ ዛዕባታት፥ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝኣመሰሉ ተመያይጡ ርእይትኡ ዝህበሉ መድረኽ ይፈጥር። እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ መሪሕነት ናይ ዝሕጸዩ ዝርዝር ኣስማት ካብ ኩሎም ኣባላት ይቕበል። ድሕሪኡ እቶም ናብ መሪሕነት ዝተሓጽዩ ኣብ መሪሕነት ከም ሕጹይ ክቐርቡ ድሌት ኣለዎምን የብሎምን ይሕተቱ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ጉባኤ ምስ ተበጽሐ ምሉእ ዝርዝር ናይ ሕጹያት ናብ ተሳተፍቲ ጉባአ ይዕደል እሞ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ይዕወቱ።

እቲ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ብወገኑ ኣኼባኡ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ከኣ ኣቦመንበር ባይቶ ይምረጽ። ኣቦመንበር ምስተመርጸ ከኣ መሳርሕቱ ዝኾኑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ይሓጺ እሞ ባይቶ ድማ ወይ የጽድቐሉ ወይ ከኣ መተካእታ ኣቕርብ ይብሎ። ናይዚ ሰልፊ’ዚ ባህሊ እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቢሉ ክሳብ ጨናፍር፡ ንኡሳት ዞባታትን ዞባታትን ምስ ትካላዊ ሕግታቱ ኣሳንዩ ይሰርሕ።

እዚ ሰልፊ’ዚ ዝግለጸሉ መለለዪ ምልክትን ጭርሖታትን ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ኣኼባ ዝሰማማዓሉ ናይ ውሳኔ ምጽዳቕ ኩሉ ግዜ ዝኣክል ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምውህሃብን ምክታዕን ኩሉ ብሓደ ሓሳብ እንተተሰማሚዑ ጽቡቕ፡ እንተደኣ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣልዩ ከኣ ብኣብዝሓ ድምጺ ይውሰን። ኣብዚ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ተዓቅቦን ተቓውሞን ዝብል እውን ይርከቦ። እዚ’ውን ደሞክራስያዊ መሰል እዩ። ነቲ በዚ መስርሕ ዝተወሰነ ኩሉ ወገናት እዩ ዘትግብሮ እምበር፡ ኣብ ኣኼባ ተቓዊመ ወይ ተዓቂበ ነይረ ኢልካ ምሕንጋድ ዲሞክራሲያዊ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ እቲ ሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ሓሳብ ደሞክራሲ ምዃኑ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ትሰማማዕ ክትዛረብ ኣይንበርን እዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ሓደ ጉባኤ እሞ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ሸውዓተ መዓልታት ብናይ ሓባር ስምምዕ ክትውስን ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይዓገብኩን እንተ ኢሉ እቲ ጉባኤ ወይ ኣኼባ መዕለቢ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። በዚ ምኽንያት ቅልጡፍ ውሳነ ንምውሳን ኣገባብ ኣብዝሓ ድምጺ ይምረጽ። ይኹን እምበር እቲ ኣብዝሓ ይኹን ሓባራዊ ድምጺ ካብ መትከልን ሕግን ወጻኢ ምስ ዝዝውተር ናይ ምልኪ ባህሪ ክሕዝ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ሓባራዊ ስምምዕ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝቐትልን ኣኽብሮት ብዝመልኦ ልዝብን ጥዕና ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን እንተዘይ ተታሒዙ ኣብ ዕግሽግሽ እምበር ኣብ ስራሕ ኣየእቱን እዩ። ኣብዚ እቲ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ክማለኣሉ ዘለዎ ረቛሒታት ኣሎ። ሓባራዊ ራኢ ምስ ዘይህልወካን ዘሻርኸካ መትከላት እንተዘይብልካን በቲ ዝተሓተ ስምምዕ ዝበጻሕካሉ ንምትግባር ናይ ምዕብላል መንፈስ ከየርኢ ትጥቀመሉ። ኣብ ኣብዝሓ ድምጺ ግን ሓደ ናይ ሓባር ራኢን ዘሻርኸካ መትከልን ስለእትውንን ካብ ቀይዲ ክሳብ ዘይወጻእካ ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን። ማለት ኣብዝሓ ድምጺ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ ዝትግበር ዘሎ ኢልካ ምፍላጥ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ትኽርኽር ኣቢሎም ኣብ ድምጺ ኢዮም እኮ ወዲቖም እምበር ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይከዱን፥ ብኣብዝሓ ድምጺ ከኣ መራሒኦም ተመሪጹ። ስለዚ እቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይዕወት ሓባራዊ ስምምዕ ስለዘየለ ኢልካ ንሓደ ካብ መትከላት ዲሞክራሲ ምንእኣስ ቅቡል ኣይኮነን። ኢሳይያስ’ውን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክገልጽ ከሎ ካብዚ ሓሊፉ ዝበሎ’ኮ የለን። ስለዚ ዲሞክራስን ፍትሕን ብዘይ ጠማሪ ሕጊ ኣይሰርሕን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ውሑዳት ምልኪ እውን የስዕብ እዩ።

Last modified on Thursday, 23 February 2017 18:18