ኤርትራ፡ ቃልሳ ኮነ ህልውነኣ ናይ ኩልና እዩ።

2017-03-02 21:58:07 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2327 times

ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ብዙሑነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ። ሃይማኖቱ ከኣ ካብቲ መርኣያ ብዙሕነቱ ሓደ’ዩ። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክለዓል እንከሎ እዚ ብዙሕነት ዝወለዶ ናይ “እዚ መንገዲዚ’ባ ይሓይሽ” ፍልልይ ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ ግና ሓይልን ዓቕምን እዩ ዝወልድ። ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ እውን ኣብ ክሉ መድረኽን ኣጋጣምን ካብ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስ ሓሳባት ምፍልላይ ሓሊፉ፡ ሓዲኡ ነቲ ሓደ ኣግሊሉ ጉዳይ ኤርትራ “ናይ በይነይ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ እዩ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መተካእታ ዘይነበሮ መሰሉ ንምምላስ ካልእ ካብኡ ዝፈኾሰ መንገዲ ስለ ዘይነበሮ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ክቡር ህይወት ዝገበረ። ቃልሲ መሪርን ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋን ንብረትን ዘኽፍል እዩ።

ኣብዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝወሰደ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ። እዚ ድማ ኩሉ ነቲ ወጽዓ “ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝተጻዕነ ኣርዑት እዩ” ኢሉ ይኣምነሉ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ኤርትራዊ ናብ ቃልሲ ክስለፍ እንከሎ ናብኡ ዘሰልፎ ስሕበት እቲ ዝዕዘቦ ዝነበረ ወጽዓን ዘማዕድዎ ዝነበረ ናጽነትን እምበር፡ መሓመድ ድዩ ገብረግዝኣብሄር ናይቶም ቅድሚኡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ ፍሩያት ስምን ዝናን ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ’ቲ በረታዊ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ፡ በቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘራጊ ዕግርግርን ምትእትታውን ዝተጸልወ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ጽልዋ’ዚ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰኑ ክውግኖም ዝነበሮ ከይወገነ ዝተበገሰ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልስና ቦታኡ ዝሓዘ እምበር እናሻዕ ሓድሽ መዋጸኦ ሓሳብ ምምጻእ ክኣብየካ እንከሎ እናጠወቕካ እትውለዖ መፈራርሒ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣባና ከም ብርቂ ዝውሰድ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ከም ናትና ተመኩሮ ዘለዎ ቃልስታት ዘጋጥም እዩ።

ከምቲ “ ንቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ” ዝበሃል ንኤርትራ ምፍታዋን “ኣለኹልኪ” ምባላን ምስ ኩሉ ናይ ብዙሕነታ መልክዕን ግርማን እምበር ባህ ዘዝበለካ እንዳቆንጠርካ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝሓልፈ ኮነ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ዘከራኽሩ መፈላልይ ነጥብታት ኮይኖም ዝቐርቡን ጉዳያት ኣለዉ። እነኾነ ከምዚ ዓይነት ንኡስ ፍልልያት ብዙሕነትና ክሳብ ዘኽበርና ዘይፍለዩናን ግና ድማ ብሓባር ከይንጐዓዝ ዘይዕንቅፉናን እዮም። እቲ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ምስሕሓብ ምዕቃብን ዘይምዕቃብ ሓድነትን ህላወን ኤርትራ እዩ። ሓድነት ምዕቃብ ማለት ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንብዙሕነት መፈላለይ ዘይኮነስ፡ መልክዕን ዓቕምን ከም ዝኸውን ጌርካ ከተመሓድሮ ምኽኣል እዩ። ብፍላይ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖታዊ እምነትን ኤርትራውያን ብቐሊሉ ክምዝመዝ ዝኽእል እዩ ብዝብል ዝተፈላለዩ “ረብሓና ኣብ ምብታን ሓድነት ኤርትራ እዩ” ኢሎም ዝግምቱ ዝነበርኑን ዘለዉን ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ክጥቀምሉ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ከም ኣብነት ናይዚ ዘይቅዱስ ሕልና፡ ጀብሃ ናይ ኣስላም ሻዕብያ ድማ ናይ ክርስቲያን ኣምሲሎም ንምቕራብ ዝፈተኑ ግና ዘይተዓወቱ ወገናት ተራእዮም እዮም። ዝገደፍዎ ስንብራት ግና ቀሊል ኣይነበረን።

ሎሚ እውን ጉዳይ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ዝለዓል ዘሻቕል ጉዳይ ሓድነታ እዩ። ሕቶ ሓድነት ኣብ ኤርትራ ካብ ሕቶ ህክልውና ተፈልዩ ስለ ዘይረአ። ኣገባቡ ብዝየገድስ ንሓድነት ኤርትራ ኣብ ዋጋዕዳጋ ዘውርድ፡ ሳዕቤኑ ኣዕናዊ ክነሱ ብዓቕሊ ጽበትን ንቕድሚት ዘሰጉም ሓድሽ ሓሳብ ክትፈጥር ብዘይምኽኣልን ዝተጠቖዑ ገለ ወገናት ጉዳይ ኤርትራ ሓደ ጭላፍ ካብቲ ብዙሕነታ ቆንጢርካ ዝፍታሕ ስለዝመስሎም ከዕለብጡ ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ገሊኦም ኩሉቲ ሓጥያት ናብ መታሕትን ኣስላምን ኣላጊቦም፡ ንከበሳን ክርስቲያንን ጐብለል ገይሮም ከቕርቡ ይህቅኑ። በቲ ካልእ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኣቕጣጫ ድማ ንኹሉቲ ኣብ ኤርትራ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እሾኽ መርገም ከበሳን ክርስቲያንን ዘምጽእዎ ኣምሲሎም ብምቕራብ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ኣስላም ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ። እሞ ከኣ ነዚ ሩባ ዘየሳግር ኣተሓሳስባኦም ከም ውርሻ ናብ መንእሰያት ከመሓላልፍዎ ይፍትኑ። እዚ ልግብጋብ ኣቀማምጣዚ ነታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ኤርትራ ከቶ ዝውክል ኣይኮነን።

ተቓላሳይ ብተመኩሮ እንዳበሰለ ብዕድመ ድማ እንዳደፈአ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ዘይነበረን ዘይተገብረን ምሂዙ ምቕራብ፡ ነቲ ዝነበረን ዝተሰግረን ድኽመት ኣሕዲሱ ከቕርቦ እንከሎ እውን ንመጻኢ ስለ ዘይሕግዝ ኣየምሕረሉን እዩ። ንሱ ክገብሮ ዝግበኦ ብኸመይ እቲ ዝትከኦ ወለዶ ሓቢሩ ነቲ ቃልሲ ከም ዘቐጽሎ እምበር፡ ተተፋኒኑ በበይኑ ከም ዝወፍር ንምግባር ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ “ኣቦይ” መዓርግ ዝለበሱ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ኣብ መርበብ ኣሰና ዝሃብዎ መጻኢ ዘጸልምት ጸውዒት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኤርትራዊ ኩነታት ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ኣለኒ ዝብል፡ ደቂ ክልቲኡ ሃይማኖት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ክቕበሩ እንከልዉ ዝወዓለ ባእታን “ህዝቢ ከገልግልን ክምህርን እየ” ምስ ዝብል ሚዲያ ተሓጋጊዙ ሕንኩ ጠቕሊሉ “ነኣስላም ንግደፎም ንሕና ከበሳን ክርስትያንን ንቐጽል” ዝብል መጸዋዕታ ምስማዕ ዘስደምምን ከክንድቲ በሃሊኡ ዘሕፍርን እዩ። እዚ እቶም ኣስላም በይኖም ዝጉህይሉ እቶም ክርስትያን ከኣ ዝሕጐስሉ ዘይኮነ ኩልና ኤርትራውያን ኣስላማይ ክስታናይ ደቂ ቆላ ደጋ ብሓባር ከነወግዞ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኮነ ምስ ካለኦት ጐረባብትና ዝምድና ምምስራት ኣድላይ ምዃኑ ውሁብ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ንፈጥሮ ዝምድና ብዋጋ ናይ ህልውናና ከም ኤርትራ ዋሕስ ዝኾነ ሓድነትና ኣይኮነን። ስጋ እንተተቖጺሩን ባህሊ እንተተጸኒዑን ገሌና ምስ ኢትዮጵያ ገሌና ድማ ምስ ሱዳን ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝህልወና ፍሉጥ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕድና ከኣ ብዓብይኡ ሓደ ዜጋን ደቂ ሓንቲ ለዋህ፡ ተባዕን ሃብታምን መሬት ኢና። እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም “ኣቦይ” “ኤርትራ ናይ ከበሳን ክርስትያንን እያ” ምባሎም ጥራይ ዘይኮነ ነተን ከበሳ ዝበልወን ኣውራጃታት ንዘይምትእምማን ፈይ ዘበልዎ መርዚ’ውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። “ናይ ሎሚ ገደደ ሰያብ ዝዓበደ” ማለት ከምዚ እዩ። እቶም እንዛመዶም’ውን ካብ ኤርትራ ሓደ ጭላፍ ሒዝና ጢልጢል ክንብል እንከላና ይዕዘቡና እዮም። ንሳቶም እውን ምሳና ክዛመዱ እንከለዉ ብዋጋ ናቶም ሓድነት ኣይኮነን። ብኸምዚ ናይ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ መጸዋዕታ ሓድነታ ዝፈረሰት ኤርትራ ንሰላሞም’ውን ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይስሕትዎን እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።

Last modified on Thursday, 02 March 2017 23:04