ህልቂት ዖና -በስክዲራ 46 ዓመቱ ኣቚጺሩ

2016-12-01 09:42:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 8884 times

ሎሚ 1 ታሕሳስ 2016 ዝኽሪ መበል 46 ዓመት ህልዊት ዖና ኢዩ። ህልቂት በስክዲራ ንህልቂት ዖና ብሓደ መዓልቲ ቀዲሙ ብ30 ታሕሳስ 970 ተፈጺሙ። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ከባቢ 1,000 ዝኾኑ ንጹሃት ደቂ ሃገር ብኣስካሕካሒ ኣገባብ ብጦር-ሰራዊት ኢትዮጵያ ተረሺኖም።

ቅድሚ 46 ዓመታት፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘለውሉ ሃልዮም ንህልቂት ዖናን በስክዲራን ድሕሪ ምስምዖም ሃገራዊ ነድሪ ከም እተሰምዖምን ናብ ቃልሲ ዝያዳ ከድህቡ ከም ዝገበሮምን ኣብ ታሪኽ ይጥቀስ ኢዩ። ሓያለይ ደቂ ሃገር ነዛ ናይ ዖናን በስክዲራን ህልቂት ብፍሉይ ኣገባክ ክዝክርዋ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ንኣብነት፡ ካብ 1986 ክሳዕ እዚ ቀረባ ዓመታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ሰውራዊ ባይቶ) ንሓደ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ዓመት ዓመት የብዕላ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኢዩ።

Microsoft Word OnaMassacre

 

ብጦር ሰራዊት ተሓቲቶም፡ ክርስትያን ካብ እስላም ምፍላይ ምስ ኣበዩ፡

ንኹሎም ኣብ መስጊድ ናይታ ዓዲ ኣእትዮም ብመትሬየስ ቀቲሎምውም። ብትሕቲ 128 ሬሳታት

ብተኣምር ዝደሓኑ ውሑዳት ነይሮም!!ንጽባሕቱ፡ ከባቢ 800 ህይወት ዘጥፍኤ ህልቂት ዖና ተፈጺሙ።

 

ንዝኽሪ እቶም ንጹሃት ሰማእታት፡ ሎሚ'ውን ኣብ ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን ነዚ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ደጊምና ናብ ኣንበብቲ ከነቕርብ ንፈቱ። ንሱ ካብ  ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ መጽሔት ዓወት ሕታም ቊጽሪ 29  ናይ ታሕሳስ 1988 ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ካብ ዝነበረ ጸብጻብ እተወስደ ኢዩ። እተጠቕሰት መጽሔት፡ ካብ ብዙሕ ህልቂታት ኤርትራ ((ንኣብነት ኣብ ዓድታት ሃዘሞ፡ ዲዖት፡ ምስያም፡ ወኪ ድባ፡ ደብረሲና፡ ካርካ፡ ኣቑርደት፡ ሕርጊጎ፡ እምበረሚ ወዘተ)ብዕድል ንዝደሓኑ ደቂ ሃገር ኣዘራሪባ ነይራ። ኣብ ህልቂት ዖና እግራ ተቘሪጻ ዝተረፈት ዓፍየት መሓመድ ሓንቲ ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ነይራ። ጽቡቕ ንባባ።

 

ህልቂት ዖና ከመይ ነይሩ፣ ብህይወቶም ዝተረፉ እንከዘንትዉ፡

 

ቃለመሓተት ምስ ዓፌት መሓመድ

ወኪል መጽሐት ዓወት ንዓፌት ኣብ 1987 ኣብ መደበር ስደተኛታት ሓዋድ ሕለት ማርያ (ሱዳን) ረኺቡ ኣዘራሪብዋ። ገለገለ ካብቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣሕጺርና ንኣንበብቲ ነቕርበልኩም ኣለና።

 ሕቶ፡ ቅድሚ መዓልቲ መቕተልቲ ዖና እንታይ ትዝክራ?

 

መልሲ፡ ቅድሚኡ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ጦር ካብቲ ኣብቲ ጀራዲን ዝሰርሑ 4 መንእሰያት ቀቲሎም። እተቐትሉ ኣደምን ሓምድን ክልተ ከኣ ካብ ከረን ዝመጹ ክርስትያን እዮም። ድሕሪኡ ንኢብራሂም ክሱራይ ዝተባህለ ናይ ጀብሃ መራስል (ተለኣኣኺ) ወረቐት ተረኺብዎ ኢሎም ቀዳም መዓልቲ ጦር ቀቲለሞ። ሰብ ኣብ ፍራሹ ማለት ሓዘኑ እንከሎ ሞት ዖና ኣርኪባ።

 

ሕቶ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ንዖና እንታይ ግዜ ኸመይን ኣገባብን መጼምኹም?

 

መልሲ፡ ግዜ ኣጋ ንግሆ ነይሩ። ኣነ 7 መካይን ሪአ። ወተሃደራት ወሪዶም ብቐጥታ ንዝረኸብዎ ሰብ ጥይት ከፊቶም ምቕታል ጀሚሮም፡ ቀጺሎም ናቶ ኣጓዱ ሓዊ ኣእትየምሉ። ምቕታልን ምንዳድን ብሓደ ጀሚሮም። እቶም ኣብ ሓዘን ናይ ኢብራሂም ከሱራይ ዝጸናሕና ህድማ ፈቲና። ክንሃድም እንከለና፡ ጥቓይ መካ ዑስማን እንከላ ቦንብ ይድርበየና። ኣብ ከባቢ ብርኪ እግረይ እህረም። ሰውነተይ ብደ ይሕጸብ። ካብ ዝወደቕኩዎ ድማ ኣይትንስእን። መካ ዑስማን ገዲፋትኒ ከይትኸይድ፡ ኣብ ጐድነይ ትድቅስ። ሓደ ጦርሰራዊት ርእዩ ተስኢ ይብላ። ተንሲኣ ምኻድ ምስ ጀመረት ብጥይት ቆሊቡ ቁልቁል ኣፋ ይደፍኣ። ሽዕ’ውን ሓማተይ ምስ ክልተ ደቃ ካብቲ እንዳ ሓዘን እንዳሃደመት ትቕተል። ሰብ ኣብ ገዛውቱ ነዲዱ። ጦርሰራዊት ሰዓት 9 ጀሚሮም ሰዓት 10 ኩሉ ምቕታልን ምድንዳድን ወዲኦም ናብ ከረን ተመሊሶም።

 

ሕቶ፡ ኣብቲ ዝወደቕክሉ ቦታ ክንደይ ግዜ ጸኒሕክን?

 

መልሲ፡ ኣብኡ ቁሩብ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ጠልጠል ኢላ ዝነበርት እግረይ ብነጸላይ ኣብ መንኩበይ ዓጺፈ፡ ብምእሳር ፍሑኽ እንዳበልኩ፡ 15 ሜትሮ ድሕሪ ምኻድ ኣብ ሓደ መንደቕ ተኸዊለ በይነይ ኣብኣ ውዒለ። ሰዓት 5 ምሸት ሰባ ናብ ዑና ክኣትው ይጅምር። ነቲ ሬሳታት ኣብቲ መንገዲ ኮሚሮም፡ ይገድፍዎ። ንዉጉኣት ከኣ ከካብ ዝነበርናዮ ይእክቡና 2 መካይን ናይ ሲዲዓብደላህን ጐለም ናይ ዝተባህለ ሃገራውን ንዉጉኣት ናብ ሆስፒታል ይወስዳኦ። ሬሳታት ግና ኣብኡ ሓዲሩ ንጽባሒቱ ረቡዕ ኣብ ዓበይቲ ጐዳጕዲ ብጃምላ ተደፊኑ። ሓሙስን ዓርብን ከኣ እቶም ክሃድሙ ክብሉ ካብ ዖና ወጻኢ እተቐትሉ እናተደልዩ ተረኺቦም ኣብ ደዓሪት ተቐቢሮም።

 

ሕቶ፡ ኣበየናይ ሆስፒታል ተሓኪምክን?

 

መልሲ፡ ኣነ ኣብ ላልልንባ ሆስፒታል ኣትየ። ጠልጠል ኢላ ዝነበረት እግረይ ኣብኡ ቆሪጾማ። 30 ካብቶም ንሕክምና ዝመጹ ኣብ ሆስፒታል ሞይቶም። ብዙሓት ከማይ ሰንኪሎም ተሪፎም።

ሕቶ፡ ካብ ስድራቤትኩም ክንደይ ሞይቶም?

 

መልሲ 18 ሞይቶም።

 

ሕቶ፡ ድሕሪ ዖና ከመይ ኮይና? ንስኽንከ ናባይ ኣቢልክን?

 

መልሲ፡ መንግስቲ ነቲ ተኾሚሩ ዝነበረ ሓሙኽሽትን ዑና ገዛውትን ንምሕባእ ነቲ መሬት ብብልዶዘር የመዓራርዮ። ካብ ርሑቕ ጻዕዳ ሓመድ ኣምጺኦም ይገብርሉ። ሰብ ካብቲ ቦታ ፋሕ ኢሉ ርሒቑ። ኣነ ንሃይኮታ ደሓር ናብ ተሰነይ ውግእ 1977 ምስ በርተዐ ከኣ ናብ ሱዳን ከም ስደት መጺአ።

 

ሕቶ፡ ኣብ መወዳእታ እትብለኦ እንታይ ኣሎ?

 

መልሲ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝተረኽበሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ፡ ዋላ ብኣና ዝሓተተ የለን። ዝኾነ ኮይኑ ከምዚ ሕጂ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም ናይ ህዝብኹም ስቓይ ከም ታሪኽ ንምሓዝ ዘለኩም ተገዳስነት ዝምስገን እዩ።

 

ከምኡ’ውን በዓል ቤታ ንዓፍየት ማለት ሓሰን ተኽሌስ ፊደል ተወሳኺ ሓበሬታሂቡ ነይሩ። ጽማቕ ናይቲ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ሓቅታት ይገልጽ ሓሰን ተኽሌስ፡ ከምቲ በዓልቲ ቤተይ ዝነገረትኩም ኣብ ፍራሽ ሓዘን ናይ ኢብራሂም ክሱራይ ከለና እዮም ዝተኮሱልና። ዒድ ሰንበት ውዒሉ ንሰኑይ ንበሰዲራ ንዲዶም ሰብ ሓሪዶም ንሰሉስ ንግሆ ናብ ዑና ይመጹ። ነቲ መቕተልቲ በቶም ኣብ ደገ ዝጻወቱ ቆልዑ ይጅምርዎ። በብዝኸኣልናዮ ህድማ ንፍትን። ኣነ ንላልምባ ገጸይ ክሃድም እንከለኹ ብድሕረይ ንዝትኩስ ወተሃደር ብእምኒ እግሩ ሃሪመ ኣውዲቐዮ። ብዓቐብ ደይበ ቅድም ብዙሕ ተኲሱለይ ስረይ መንፊት ኮይና። ግና ጥይት ግዲ ወዲኡ ኣይቀተለንን። ካብ ጎቦ ላልምባ ንጽባሒቱ ክንቀብር ንወርድ። ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ሬሳታት ካብ 600 ይበዝሕ። ሬሳታ ኣብ 2 ነዋሕቲ ጐዳጉዲ ብጃምላ ይቕበር ነይሩ። ብድህሪኡ ብዙሕ ዝተረኸበ ሬሳታት ነይሩ። ኣብ ሆስፒታላት’ውን ብዙሓት ሞይቶም። ኣደይ፡ 2 ኣሕዋተይ፡ 5 ደቂ ሓብተይ ኣብ ዖና ሞይቶም።

 

ማህደር ንሱር ኣብርሐ፡ (ብ1987 መጺሓት ዓወት ቃሉ ክህብ እንከሎ ኣብ መደበር ስደተኛታት ግርባ ይቕመጥ ነይሩ። ማህደር ዝሃቦ ቃለመሓትት ከምዚ ዝስዕብ ሓቅታት ይገልጽ)ኣነ ኣብ ገድሊ ኣብ 1967 ተሰሊፈ። በቲ መዓልቲ ህልቂት ዖና ምስ ጀብሃ ኣብ ላዕላይ ባርካ ነይረ። ዖና ዓደይ ብምዃና ነዚ ሓቂ ምኽንያት ህልቂት ክፈልጥ ሽዑ ኣትሒዘ ብዙሕ መጽናዕቲ ገይረ። እቲ ኩሉ ዝበሃል ሓቅታ የብሉን። ምኽንያት ህልቂት ዖና እቲ በተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ጀነራል ተሾመ እርገቱ እዩ። መርሒ ናይቲ ንጀነራል ተሾመ ዝቐንጸለ ድብያ ተሓኤ፡ ስዉእ ገ/ህይወት ሕንብርቲ እዩ ነይሩ። እተን ኣብቲ ናይ ሃብረንገቓ ዓመልያ እተኻፈላ ኣሃዱታት፡ ከኣ ናይ ገብረህይወት ሕንርቲ ሓይሊ 333 ብስዉእ ኣደም ሳልሕ (ሻንበል ቀይሕ) እትምራሕ ሓይሊ 551 ከምኡ ከኣ ካብ ሳሕል ዝመጻ ናይ ፊዳይንን ሃደሳን ጉጅለታት ነይረን።

 

ዖና ቀደም ሻኻት ትበሃል ነይራ። ብውበ ከምኡ ከኣ ብካለኦት ወረርቲ 4 ግዜ ዓንያ። ደሓር ዑና ዝብል ስም ለጊብዋ። ቅድሚ 1970 ዖና ከምተን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ንእሽቶይ ዓዲ እያ ነይራ። ኮይኑ ግን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓድታት ካብ ዓንሰባ ጀንገሬን፡ ኣፍጭሩም በጁክ ዓተክሌስ ዓድተማርያም መንሳዕ ሽምብሉኽ ገብሲ ኣማግዳ ዓዳፍላ በሽሪ ከርባበረድ ካብ ምስ ጀብሃ ዝገብርኦ ምትሕግጋዝ ንምቁጽጻር ኣብኣ ንክጥርነፉ ኣገዲዳ። ኣብቲ 2 መዓልቲ ናይ ማሕረድቲ እተቐብረ ሬሳታት፡ 764 በጺሑ ነይሩ። ብድሕሪኡ እተረኽበ ሬሳታትን ኣብ ሆስፒታል ዝሞቱን ወሲኻ 1023 ከም ዝበጸሐ እፈልጥ።

 

ጃብር ኢብራሂም ዓብደልቃድር (ቃለመሓትት ክገብር እንከሎ ኣብ ከሰላ ተመሃራይ ወዲ 20 ዓመት ነይሩ። ካብቲ ዝሃቦ ቃል ከምዚ ኣሕጺርና ንጠቅስ) ካብ ሽምሉኽ ዝመጻእና ስድራ ኔርና። ወለድና ተፋቲሖም ኣነን ሓብተይን ምስ ዓባይና ንነብር ኔርና። ኣነ መዓልቲ ህልቂ ዖና ወዲ 3 ዓመት ነይረ። ዓባየዪ ኣብ ርእሰይ ፊስቲ ገልቢጣ ሓቢኣትኒ። ንሳን ሓብተይ ኣብቲ ገዛ ከለዋ ኣንዲደሞን። ኣነ ብዙሕ ነዲደ። ኣብ ውሽጢ ፊስቶ ተረኺበ ብህይወት ተሪፈ። እቲ ኣብኡ ዝረኸበኒ ሰብ ንከረን ድሕሪኡ ናብ ኣቑርደት ወሲዱ ከሕክመኒ ፈቲኑ። ንሱ ኣብ ገድሊ ተሰሊፉ ደሓር ተሰዊኡ። ንዓይ ጀብሃ ንከሰላ ከምኡ ከኣ ንካርቱም ወሲዶም ዝያዳ ሕክምና ገይራትለይ። ከሰላ ተመሊሰ ኣብ ገዛ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ (ካብ መራሕቲ ጀብሃ) እናኣተኹ እመሃር ነይረ። ደሓር ናብ ሜዳ ከይደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ነይረ።

***

     

Last modified on Friday, 02 December 2016 10:53