ፊደል ካስትሮስ ዓሪፉ፡ ኢሳያስከ?

2016-11-29 09:24:43 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2663 times

ፕረሲደንት ፊደል ካስትሮ ካብ ሃብታም ቤተሰብ ሓረስታይ ብ1926 ኣብ ኩባ ተወሊዱ። ኣዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ ከኣ ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ ሰልፊ ኩባ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ፡ ናይ ተመሃሮ መራሕን ወዳብን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብድሕሪ’ዚ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረ መራሒ ወተሃደራዊ ጁንታ ኩባ፡ ፕረሲደንት ፉልገንስያ ባውቲስታ ሰውራ ኣልዓለ። ካስትሮ ንሰውራ መሪሑ ንባውቲስታ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ገበረ። ካብ 1959 ኣትሒዙ ከኣ ክሳብ 2008 ን49 ዓመታት ዝኣክል ንኩባ መሪሑ።

ልክዕ እዩ ፊደል ካስትሮ ሰውራውን ፖለቲካውን ወዲ ኩባ መራሒ እዩ። ኣብቲ ንሱ ስልጣን ጨቢጡ ሓንሳብ ከም ጠቕላሊ ሚንስተር ሓንሳብ ከኣ ከም ፕረሲደንትን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝነበረሉ ከኣ ንኩባ ናብ ናይ ብእንኮ ማሕበረ ሰልፋዊ መንግስቲ እትመራሕ ሃገር ኣሰጋገራ። ካስትሮ ኩሉ መርገጻቱ ምስ ናይ ዓለም ኮምዩኒስትን ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን ነበረ። በቲ ንሱ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ዒላማ ኣመሪካ ከምዝኸውን ገበሮ።

ኣብ ግዚኡ ኣብ ሃገረ ኩባ ቊጠባዊ ምህጋር፡ ምእኩል መደባትን ፖሊሲታትን ኣተኣታተወ፥ ምስ ሶቬት ሕብረት ከኣ ድልዱል ዝምድና ገበረ እሞ ኣብታ ደሴት ንኲሌራዊ ኣጽዋር ንምትካል ኣፍቀደ። እዚ ከኣ ናይ 1962 ቅልውላው ሚሳይል ኣስዓበ። ካስትሮ ንኮሙንስታዊ ስርዓታት ኣብ ዮምኪፑር ኦጋደንን ሓድሕድ ውግእ ኣንጎላን ኣጽዋርን ሰራዊትን ይሰድድ ነበረ። ኣመሪካ ብወገና ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ኣስያን ዝካየድ ዝነበረ ገስጋሲ ሰውራታት ክትቆጽዮ ለይቲ ምስ መዓልቲ ትጽዕር ነበረት። በዚ ዝኣክል ንካስትሮ ካብ ስልጣኑ ንምውጋድ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዳ እያ። ንኣብነት ንምቕንጻሉ፥ ኣንጻሩ ሰውራ ብምልዓል፥ ቊጠባዊ ማዕቀብ ብምግባር። ኩሉ ግን ኣይሰርሐን ካስትሮ ከኣ ካሳብ 2008 ኣብ ስልጣኑ ደኣ ቀጸለ። ንእግረመንገድና “እንታይ እዩ ፍልልይ ኮሙኒዝምን ካፒታሊዝምን?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ።
ልክዕ እዩ እዚ ነዊሕ ስለ ዝኾነ ዕሙቚ ዝበለ ፈልጠት ደሊብና ጥራሕ ኢና ክንርድኦን ክንበጽሖን ንኽእል። እንተኾነ ገለ ካብቲ ፍልልያቱ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ካፒታሊዝም (capitalism) ኣብ መትከል ውልቀ መሰላት፥ ናጻ ቊጠባዊ ዕዳጋን፥ ዘይተዛነቐ፡ ወይ ከኣ ምዕሩይ ዘይኮነ ምክፍፋል ጸጋታትን፥ ዝመርኰስ እዩ።’’ ኮሙኒዝም (comunism) ከኣ ህዝባዊ መሰላትን ምእኩል ቑጠባዊ ምህርቲ ወይ እቶትን፥ ማዕሩይ ወይ ተዛናቒ ምክፍፋል ጸጋታትን ዝለዓለ ቁጽጽር ናይ መንግስቲ ሓላፍነትን መሰረት ዝኣምን እዩ። ኣብዚ እቲ ድኻን ሃብታምን ዝመዓራረየሉ፥ ሓረስታይን ሸቃላይን ዘይምዝመዘሉ ኮታ ምዝመዛ ሰብብሰብ ዘየፍቅድ ስርዓተ ምሕደራ እዩ። ገለ ካብተን ናይ ካስትሮ ጥቕስታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡

“ሰውራ ማለት ኣብ መንጎ መጻእን ሕሉፍን ክሳብ ሞት ዝግበር ቃልሲ እዩ።’’
‘’ብዛዕባ ውድቀት ናይ ማሕበራውነት ይዛረቡ፥ እንተኾነ ግን ናይ ካፒታሊዝም ኣብ ኣፍሪቃን፥ ኣስያን ላቲን ኣመሪካን ዓወት ከደኣ በይ ኣሎ?’’
‘’ካፒታሊዝም ጽሉእ፡ ጽዩፍን፥ ዘይእረምን፥ ኣረሓሓቕን ኮይኑ ኢየ ረኺበዮ፥ ምኽንያቱ ውግእ፡ ምስሉይነትን፥ ውድድርን ስለ ዘኸትል።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ‘’ቊጠባዊ ናጽነትን መሰላትን ዝብሎ መሰረት፥ ካፒታሊዝም፡ ኣብ ውልቀ መሰልን ናጻ ዕዳጋን ዘይምዕሩይ ኣከፋፍላ ጸጋታትን ብኣዝዩ ውሑድ ዝኾነ ምትእትታው መንግስቲ ዝተመርኰሰ እዩ ይብል። ንኮሚንዝም ከኣ ኣብ መትከላት መሰል መላእ ሕብረተሰብን፥ ቊጽጽር ቊጠባዊ ምህርቲ ወይ ማእቶትን፥ ምዕሩይ ወይ ዝተዛነቐ ምክፍፋል ጸጋታትን ዝለዓለ ቊጽጽር መንግስትን ዝተመሰረተ እዩ።’

ብወገን ‘’ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ፥ ኮሙዩንዝም፡ ንቊጠባዊ ኣገባብ ነቲ ናይ ግሊ ወይ ውልቀ ዋንነት ንብረትን ትርፍን ዝመሰረቱ ካፒታሊዝም፡ ብህዝባዊ ዋንነትን ኮማዊ ቁጽጽርን ባህርያዊ ምንጭታት ናይ ሕብረተሰብን ዝሰፍሐ ኣገባብ ማእቶት ንምትካእ ዝዕላምኡ እዩ ኢሉ ይገልጾ። በተውሳኺ በቲ ናይ ኮምዩኒዝም ትምህርቲ ቊጠባን ፖለቲካን ዘይነጻጸል እዩ።

ከምቲ ግቡእ ድኻን ሃብታምን፥ ከተማን ገጠርን ዝመዓራረይሉ ኣገባብ ኣመሓዳድራን ማሕበራዊ ስርዓተ ምሕደራን ዘርክብ የለን። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሽወደን፥ ጀርመን፥ ሆላንድ ... ወዘተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ክሳብ ክንደይ ድኻን ሃብታምን ዳርጋ ተመዓራሪዮም ዝመሓደሩ ምዃኖም ንርእዮን ነስተብህሎን እዩ። እቲ ጸገም እቲ ብእንኮ ሰልፊ ዝጭበጥ ስልጣን ከይዱከይዱ ካብ ምልኪ ስለ ዘይወጽእ ጭቆናን ግፍዕን ይስዕርር እዩ። እቲ ናይ ካፒታሊዝም ኣካይዳ ከኣ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና “ኣቦኻ ርገም ኣቦኻ መርቕ” ዝዓይነቱን ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ዝሰፍሓሉ ኣገባብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ናይ ውልቀ መሰል ወይ ከኣ ውልቀ ዋንነት ኣንጸላልዩና ከምቲ “ውሒጅ እናስሓቐ ይወስድ” ዝበሃል፥ እዚ እውን ናብቲ ናይ ካፒታሊዝም ገጹ ክድቕድቐና ምዃኑ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ጉዳይ ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ብወገነይ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ስርዓተ-ምሕደራ እየ ዝድግፍ። ምኽንያቱ ካፒታሊዝም ጾሙ ዝሓድርን ዝጸግብን ሕብረተሰብ እዩ ዝፈጥር። ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ካብ ተባህለ ንቁጠባዊ ማዕርነት እውን ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። ናጻ ዕዳጋ ተባሂሉ ድኻ ክብደል ከሎ ረዳኢ እንተዘይብሉ ናይ ውልቁ ናጽነት ይኹን መሰል ምህላው እንታይ ክዓብሰሉ። “ንስኻን ትዕድልትኻን” ማለትዶ ኣይከውንን።

ፈደል ካስትሮ ንሃገሩ ብትምህርቲ ይኹን ብምዕባለ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ከምዘብጽሓ ይንገረሉ ኣሎ። ነቲ ኩሉ ናይ ኣመሪካ ተጻብኦታት ሰጊሩ እነሆ ሎሚ ከም ሰቡ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣርኪባቶ ብ25 ሕዳር 2016 ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ታሪኹ ግን ይጸብቕ ይሕመቕ ነባሪ እዩ። ብሞት ፊደል ካስትሮ፥ ገሊኦም ደቂ ሃገሩ ክሓዝኑ ከለዉ ገሊኦም ከኣ ብፍላይ እቶም ካብ ኩባ ሃዲሞም ናብ ኣመሪካ ዝተሰዱ፥ ናጽነት ዝረኸቡ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዖም፡ ናይ “እንቋዕ ሞተ” ተሕጓሶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዝኾነ ካስትሮ ብሰላም ዕረፍ ምባልሲ ነውሪ ኣይኮነን።

ኢሳያስ’ዶ እንሄልኩም ኣይኮሙኒስት ኣይካፒታሊስት መንጎ መንጎ ዝንሳፈፍ ዲቕ ዝበለ መላኺ ስርዓት ዝመርሕ። በቲ ኮነ በዚ ኢሳያስ’ውን ሰውራ መሪሑ ኤርትራ ናጻ ወጺኣ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ እነሆ 25 ዓመታት ብዘይ ገለ ለውጢ ህዝቢ የሳቕን ይድህኽን ኣሎ። ብዝሒ ስደተኛታት ደቂ ኩባ ከይዘንጋዕና ኣብ ኤርትራ’ውን ብዝኸፍአ መልክዑ የጋጥም ኣሎ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ እዩ ተገቢቱ። ፊደል ካስትሮ 49 ዓመት ገዚኡ። ኢሳያስ’ውን ጥዕና እንተ ዝህቦ ካብኡ ንላዕሊ ክገዝእ ድሌትን ሃንቀውታን ኣለዎ። ኣብቲ ናይ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ በዓል ናጽነት ኣብ መደምደምታ ዝሃቦ ቃል “ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ በዓል ናጽነት የራኽበና” ዝብል መደረኡ ነዚ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኢሳያስ እውን መዓልቱ ኣኺላ ካብዛ ዓለም ዝፍለየላ ዕለት ኣላ። ካብ ሞት ዝተርፍ ፍጡር ስለ ዘየለ ኢሳይያስ ይቕረብ ይርሓቕ ሞት ኣይክተርፎን እዩ። ታሪኽ ኢሳያስ ግን ታሪኽና ኣይግበሮ ብክፉእ እምበር ብጽቡቕ ከምዘይለዓል ርዱእ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ዲያስፖራ እናተቐመጡ ዓመት ዓመት ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዝኸዱ፡ ጽባሕ ንግሆ ሞት ኢሳያስ ልዕሊ ሰቦም ክሕጉሶም ምዃኑ ዘጥራጥር ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 29 November 2016 10:31