ከምቲ እትርደኦ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ጸገም

2016-12-03 09:25:33 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2555 times

ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለና ናይ ምርዳኡ ጸገም ዘለና ኣይመስለንን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ንድሌት ህዝቢ ግምት ዘይህብ፡ ቁጠባ ሃገር ዝግብት፡ ደሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ዝግህስ፡ ብሰንኪ ትምክሕቱ ምስ ኩሉ ዝጐናፈጥን ብዕጽዊ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ዝምራሕን ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ከም ሳዕቤን ናይዚ ገስረጥ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምልክት ሕቶ ሓደጋ ከም ዘለዉ እውን፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንዘይኤርትራውያን እውን ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

እዚ ኩነታት እዚ ክቕየር ከም ዝግበኦ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርደኦን ዝኣምነሉን እዩ። ነዚ ለውጢ ዘምጸኦ ከኣ እቲ ጠንቁ ዝኾነ ብዓመጽ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዘይኮነ፡ እቲ ናይቲ ወጽዓ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እሞ ድማ ብውዱብ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ በብኹርንዑ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራት ዝተወደቡ ኤርትራውያን ድምጾም የስምዑ ምህላዎም ከኣ ናይዚ መረጋገጺ እዩ። እንተኾነ ንሓደ ጉዳይ ምርድኡን በቲ እትርድኦ መሰረት ክትትግብሮ ምብቃዕን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለ ንሪኦ ዘለና እዩ። ተረድኦ፡ ብዘይ ንዕኡ ዘንጸባርቕን ዝምጥንን ተግባር ውጽኢት ከም ዘየብሉ ከኣ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ኤርትራውያን ብበብዓይነቱ ዝግለጽ ብዙሕነት ዝቖምና ምዃና እንርደኦን እንሕበነሉን እዩ። ብዝሑነትና ቀንዲ ምንጪ ዓቕምናን ዘይንቕነቕ ሓድነትናን ምዃኑ ከኣ ብተመኩሮ ተፈቲናሉ ኢና። ኣብ ሎሚ በጺሑ ናይ ጸገምና ጠንቂ ክኸውን  ከቶ ቅቡል ኣይኮነን። ብዛዕባ ሓድሓደ ጉዳያት፡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣገባብ ኣወጋግዳ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዛዕባ መተካእትኡ ከመይ ይቐውምን ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ እትምረሓሉ ፖሊስን ክንዛረብ እንከለና ብዙሕነትና ዝወለዶ ናይ “ናተይ ይሓይሽ” ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ይንጸባረቕ እዩ። እዚ ቅቡል እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ እንርደኦን እንቕበሎን ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት እነንጸባርቖ እዩ። ነዚ ፍልልያት ተቐቢልካን ኣኽቢርካን ብናይ “ተዓዋታይ-ተዓዋታይ” መትከል ኣወጋግና ፍልልይ ኣከኣኢልካ ንናይ ሓባር ዓወት ምጉዓዝ ከም ዝከኣል’ውን ንርደኦ ኢና። ኣብ ምትግባሩ ዘለና ትግሃት ግና ኣይከምቲ ምርዳእናን።

ፍልልያት ከጋጥም ቅቡል ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ፍልልያት ኩልኻ ብትዕወተሉ ኣገባብ ኣብ ምሕያልን ምብልላሕን ዝሕግዝ ኣማራጽታት ዝፈጥር ምዃኑ’ውን ንርዳእ። ብተግባር ግና ብኣንጻሩ ናይ ጽልእን ምርሕሓቕን ጠንቂ ጌርና ንወስዶ እሞ ወዮ መሕየሊና ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ኣመራጽታትን ዘዳኽመናን ዘረሓሕቐናን ይኸውን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ክንዕዘብ እንከሎና እቲ ጸገም ጉዳያት ብደረጃ ክለሳ-ሓሳብ ኣብ ምርዳእ ዘይኮነስ ብተግባር ከምቲ ዝተረዳእካዮ ክትከውን ናይ ዘይምብቃዕ እዩ።

ፖለቲካዊ ውድባት ንኹን ማሕበራት ፖሊሲታት ክንሕንጽጽን ሓደ ኣተሓሳስባ ከነንቅልን እንከለና፡ ሓላፍነቱ እንወስድ እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ውደባ ዘለና ኮይና፡ ውክልናኡ ግና ናይ ንህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኢና ንገልጽ። እዚ ኣቀራርባ ቅኑዕ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ ናይ ለውጢ ሓይሊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ። “ናይቲ ድምጺ ከለዎ ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ልሳን ኢና” ኢልና ንነቅል ስለ ዘለና። ግን ክንድቲ ልሳን ህዝቢ ምዃና ነቃልሖ፡ ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጠልቦንከ ነማለኦዶ? ዝብል ሕቶ ግና መልሱ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ብዘይጥርጥር ህዝቢ ኤርትራ፡ “ብሓባር ተቓለሱ” እዩ ክብለና ዝጸንሐን ዘሎን። እዚ ጥቕሉል መልእኽቲ ናይ ህዝቢ ክዝርዘር እንከሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኩም ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ስለ ዝኾነ ኣየሰንብድኩም፡ በበይንኻ ምዃን ሓይልኻ  ስለ ዘዳኽም ኣወግድዎ፡ ፍልልይካ ዓቂብካ ብሓደ ክትከይድ ንምብቃዕ “ናተይ ጥራይ ስምዑን ተቐበሉን” ምባል ኣየዋጽእን እዩ። ከምቲ ዘይሃበ ዘይቅበል፡ ናይ ካለኦት ሓሳብ ዘይሰምዕ ኣካል ካሎት ናቱ ሓሳብ ክቕበሉ ዝገብሮ ጻዕሪ ዕዉት ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ምእንቲ ናይ ክሉ ዝተሓወሶ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ክትፈጥር ኢልካ፡ ወድዓውነት ዘየብሉ ሓሳብ ክትቅበል ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ዝኾነ ኣካል ነቲ ብርትዓዊ ምኽንያት ካብ ናቱ ዝሓሸ ኮይኑ ናይ ብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳብ ከም ናቱ ክርዕሞን ክትግብሮን ይግበኦ። እዚ እቲ  ተሓሪሙና ዘሎ፡ ወሳኒ ትብዓትን ምጽውዋርን እዩ።

እምበኣር እንደጋና ናብቲ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ጸገምና ንጉዳያት ብክለሳ-ሓሳብ ኣብ ምርዳእ ዘይኮነ ነቲ ዝተረዳእናዮ ኣብ ምትግባር እዩ። መብዛሕትና ናይ ሓደ ጸገም  መፍትሒ ብሓሳብ እንተተረኺቡ ምትግባሩ ዘጸግም ኮይኑ ኣይረኣየናን ይኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ሕጽረትና “ከምቲ ብክለሰ-ሓስብ እትርደኦ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ጸገም’ዩ ዘለና” ዝብል ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ከም ጸገም ንጠቕሶ ዘለና ዘይስገር ዝመስል ጸገም መፍትሒ ከኣ ቅሩብነትን ተወፋይነትን እንተልዩ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ።

ኣሮን ናኦድ

Last modified on Saturday, 03 December 2016 10:28