ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ያኢ ምኽሪ ይልግስ

2016-11-25 18:06:58 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2956 times

መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ22 ሕዳር 2016 ናይ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣንበሳድራት ናይ ስራሕ መደብ ምስክር ወረቐት ተቐቢሉ። ንሱ ነዞም ኣንበሳድራት ዝተቐበለ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘይኮነስ ኣብ ኣዳራሽ መደበር ደንደን እዩ።  እቶም ናይ መዝነት ወረቓቕቶም ዘቕረቡ ኣንባሳድራት፡ ናይ ዓባይ ብርጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፥ ቐጠር፥ ረፑብሊክ የመን፥ ረፑብሊክ ጣልያን፡ እስራኤልን ረፑብሊክ ፈረንሳን እዮም። ኣብቲ ኣብ ደንደን ምስ ናይ ዓባይ ብርጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ዝተኻየደ ኣቀባብላ፥ ኣቶ ኢሳይያስ ንግጉይ መርገጽ ዓባይ ብሪጣንያ ብምግላጽ፥ መርገጽ ኤርትራ ግና ንሰናይ ዝምድና ዝዕድምን ዝሕለቕን ምዃኑ ደጊሙ ገሊጹ።

ብተመሳሰሊ ኢሳያስ ኣብቲ ምስ ናይ ቐጠር ኣንባሳደር ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ኤርትራ ምስ ሃገረ ቐጠር ዘለዋ ሕውነታዊ ዝምድና ኣብ ምቕጻሉ ኣበርቲዓ ክትጽዕት ምዃና ነቶም ኣንበሳደር ኣረጋጊጽሎም።
ምስ ናይ እስራኤል ኣንበሳደር ኣብ ዝተራኸበሉ ከኣ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልዊ ሽግራትን ዝውጠን ኣገባብ ኣፈታትሓን ንኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ብቐጥታ እዩ ዝጸልዎ። ኣስዒቡ ድማ እስራኤል ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምምጻእ ጻዕሪ ንከተካይድ ጸዊዑ። ኣብዚ እነሆ እምበኣር ወግዒዶ ክንብሎ ኣሽካዕላል፥ ወይ ከኣ “መኾምቢያ ጢጡ ብሰብ ይዛረብ ነናቱ ኣቐሚጡ” እንተተባህለስ ሓሶት ዶኾን ይኸውን? ኣቶ ኢሳያስ ንገዛእ ሃገሩን ህዝቡን ስላምን ቅሳነትን ከሊኡ ዘይተኣደነ ኣብያተ-ማስርቲ ሃኒጹ እንዳሳቐየስ፡ ናይ ካልኦት ወገናት ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ምኽሪ ይኹን ማዕዳ ክልግስሲ “ሓያል ውሒጅስ ኣብ ክንዲ ዘንቈልቊል የንቃዕርር” ዶ ኣየብልን።

ካብዚ ዝገድድ ከኣ እቲ ምስ ኣንበሳደር ረፑብሊክ ፈረንሳ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ምርጫ ዝምልከት ምዝራቡ እዩ። እዝስ እንታይ ማለቱኮን ይኸውን? እምበርከ ከምቲ “እታ ጓላስ ነዲኣ ሕርሲ ትምህራ” ዝበሃል ከም ማለትዶ ኣይመስልን። ኣቶ ኢሳይያስ ኣብታ ስልጣኑ ከም ቊርዲድ ተላሒጉ ደም ሰብ እናመጸየ፡ ን25 ዓመታት ንይምሰል’ኳ ምርጫ ዘየካየደ ክነሱ፡ ንካልኦት ሰብ ሃብታም ተመኩሮ፡ ኣብ ምርጫ፡ ምኽሪ ክህብ ምፍታኑ ኣዝዩ ዘስደምም ተረኽቦ እዩ። ኢሳይያስ ዝብሎ እምበር ዝበሃሎ ዘየስተውዕል ምዃኑ ከኣ የመልክት። ኣቶ ኢሳይያስ እቲ ንሱ ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበሮ ዘይገበረስ ንኻልኦት ሃገራት፡ “እዚ ግበራ እዚ ኣይትግበራ” ክብል እንከሎ ክሳብ ክንደይ፡ ኣብ ማእከል ጐልጎል ብትምክሕትን ትዕቢትን ዝተዋሕጠን ብስልጣን ዝሰኸረን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

መለኽቲ ስርዓታት እምበኣር ብዘይካኦም ካልእ ልዕሊኦም ዝፈልጥ ከምዘሎ ፈጺሞም ኣይኣምኑን እዮም። በዚ መሰረት እንታይ ይብሉን እንታይ ይሰርሑን ምስቲ ክውንነት ኣዛሚዶም ዘይርእዩ ብስዉር ልብን ድፉን ኣተሓሳስባን እዮም ዝጐዓዙ።

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 25 November 2016 19:15