ብዛዕባ ጅግና ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ ኣብ ስመር-ሩም 1 ዝቐረበ መግለጺ ፍስሃየ ሓጎስ

2016-11-25 19:41:57 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3388 times

 ንታሪኽ ሂወትን ኣበርክቶ ኣብ ቃልስን ናይ ብ26 መስከረም 2016 ዝዓረፈ ዑስማን ኣሕመድ ዝገልጽ ሓበሬታ “ጅግና ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ ብሰላም ዕረፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብፍስሃየ ሓጎስ ብ3 ጥቅምቲ 2016 ኣብ መርበብ ሓርነት.ኦርግ ተለጢፋ ዝነበረት ኣብ ስመር-ፓልቶክ ሩም 1 ተነቢባ ምይይጥ ተኻይዱላ ንስድራ ቤት ዑስማን ሓገዝ ንምውፋይ ውን ተበግሶታት ተወሲዱ ነይሩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ጋሻ መጺኡ ከብርህን ሕቶታት ክምልስን ብዝቐረበ ጠለብ፣ ፍስሃየ ሓጎስ ብ19 ሕዳር 2016 ቀሪቡ ዘካየዶ ጽማቝ ምይይጥ ቀጺሉ ቀሪቡ እነሆ።

 ዝኸበርኩም ኣመሓደርትን ተሳተፍትን ስመር ገዛ፡

መጀመርያ ሰላምታይ ንዅልኹም ከቕርብ እፈቱ። ቀጺለ ጅግና ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ መን ምዃኑን ኣበርክቶኡ ኣብ ተጋድሎና ንሃገራዊ ናጽነት፣ ኣገልግሎቱ ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማንን ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይን ከም ጋሻ ቀሪበ ንኽሕብር ብዝተገብረለይ ዕድመ እናመስገንኩ፣ ዝፈልጦ ክሕብር እነሆ ቀሪበ። ስመር ገዛ ንኸምዚኦም ዘይተዓለሎም ጀጋኑ (unsung heroes)ዝግብኦም ክብርን ሌላን ንምሃብን ስድራ ቤቶም ንምርዳእን ናይ ምይይጥ መደብ ምስርዑ፣ ናይ መጀመርያኡ ከምዘይኰነ፣ ኣነ ብዝዝክሮ’ኳ ንኽብሪ ጅግና ወዲ ዓሊ’ውን ተመሳሳሊ መደብ ጌሩ ስለዝነበረ ምስጋና ዝግብኦን ንክቕጽሎ ድማ ክተባባዕን ክድገፍን ከምዘለዎ ከዘኻኽር እፈቱ።

ዑስማን ኣሕመድ መን’ዩ፡

ካብቲ ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ንሓገዝ ዝሓትት ቪድዮ ኣብቲ መደበር ዝነብሩ ኣባላት ድሕረ-ባይትኦም ዝሓበርዎ፣ ዑስማን’ውን ባዕሉ ካብ ዝሓበሮ መሰረት ብምግባር “ስመይ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ፡ ዝተወለድክሉ ዕለትን ዓድን፡ 1956 ዓ.ም.  ኣብ እምባ ደርሆ፣ ሓማሴን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈክሉ ዕለት፣ ወርሒ ግንቦት 1976። ኣባል በጠሎኒ 669 ኰይነ እናተቓለስኩ ከሎኹ፣ ኣብቲ ብ1978 ዓ.ም. ንሓራ ዘውጻእናየን ከተማታት ንምሓዝ፣ ብደርጊ ዝተኻየደ ዳግመ-ወራር፣ ኣብ መረብ ድሕሪ ናይ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደ ውግእ ምርብራብ ተደፊእና፣ ዓድዃላን መንደፈራን ሒዙ ንዓረዛ ክወርድ እንዳተኸላኸልና ከለና ኣብ ዓደ-በዛ ተወጊአ የማነይቲ ኢደይ ተቖሪጻ።” ድሕሪኡ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ/ ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ክሳብ ንሱዳን ተደፊእና ዝኣተናሉ ጊዜ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሱዳን/ ከሰላ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኣገልግሎቱ ክቕጽል ጸኒሑ።

Osman A 11ስዉእ ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ፡  1956 – 2016

እዛ ስእሊ እዚኣ ዑስማን፣ ለባም፣ ጽኑዕ፣ ሕጉስ፣ ፈታው ተማሃሮኡን ህዝቡን ምንባሩ እያ ተዘኻኽር።

 ንዑስማን ካብ 1979 ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መደበር ላኮየብ፣ ባርካ ብሓባር እንከሎና ጀሚረ እየ ዝፈልጦ። ካብቲ ጊዜ’ቲ ጀሚርና ክሳብ ዝዓረፈሉ ዕለት ን37 ዓመት ብጾትን መሳርሕትን ኔርና። ብዛዕባ ኵነታት ጥዕንኡ ይፈልጥ እኳ እንተነበርኩ በቲ ዝህበኒ ዝነበረ ደሓን’የ ብኣይ ኣይትሻቐል ዝብል ሓበሬታ ከይመውት ፈሪሐሉ ኣይፈልጥን፡ ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ ግን ከምቶም ኵሎም ዝፈልጥዎን ናይ ቀረባ ብጾቱን መሳርሕቱን ሰንቢደ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ዝነበረ ናይ ሓዘን መግለጺ ብዙሕ ተባሂሉ፡ ሓደ ዝሰንበደ ብጻይ ግን ሓዘኑ ብሓንቲ ቃል “ተዘሚትና” እትብል ኣስፊሩ፣ ካልእ ኣይበለን። እወ እቶም ከይሰልከየ ዘገልግሎም ዝነበረ ተመሃሮን ወለድን ናይ ሓርነት ኣካለ-ጽጉማንን፣ እቶም ነቲ መደበራት ንምምዋል  ኣብ ድያስፖራ ዝነጥፉ ገብረቲ ሰናይ ከም ሞቶር ኰይኑ ኵሉ ዓይነት ሓብሬታታትን ጸብጻባትን ዝህቦም ዝነበረ ኣገልጋሊ ተዘሚቶም።

ሞያን ኣበርክቶን ዑስማን፡

ዑስማን ኣባል ቦርድ ናይ (ADE Association of disabled Eritreans) ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን’ዩ፡ ኵሎም ኣባላት ናይቲ ቦርድ ኣብ ድያስፖራ እዮም ዝነብሩን ዝነጥፉን፣ ኣብ መደበር ከሰላ ዝውክሎም ዑስማን እዩ ነይሩ። እታ ቀንዲ መዋሊት ናይ ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ኣብ ጀነቭ እትነጥፍ ማሕበር (ASEE) ወኪላ ዑስማን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ቦርድ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA Eritrean Democratic Association) ዘበርክቶ ሓገዝ ንቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይን መደብ ማዕዶ ወላድን ብዑስማን እዩ ዝመሓደር ነይሩ። ዘይሕለል ጻዕረኛን ብቑዕን ኣመሓዳሪ እዩ ነይሩ። ዑስማን ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ከምኣድላይነቱ እናተጠቕመ ምስ ኵሎም ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ መሳርሕቱ ብስካይፕ፣ ኢመይል፣ ተለፎን ይራኸብ። ጸብጻባቱ ድማ ብጽሑፍ፣ ቅጥዕታት፣ ቪድዮን ስእልታትን ናይ ምትሕልላፍ ብቕዓት ዝነበሮ እዩ። ነዚ ኵሉ ድማ ብሓንቲ ኢዱ እዩ ዝገብሮ ነይሩ።

ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኣብ ከሰላ በቲ ኣብ እዋን መግዛእትን ድሒሩ ቀጺሉ ዘሎ ጭቆናን ካብ ትምህርቶም ተመዛቢሎም ትምህርቶም ብኤርትራዊ ባህሎምን ቋንቍኦምን ዝቕጽልሉ ቤት ትምህርቲ ክምስረትን ከፍርን ክዉን ዝገበሩ ብዙሓት ብህይወት ዝሓለፉን ዘለዉን እዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ቅድሚ ዑስማን ኣገልጊሎም ካብ ዝሓለፉ ጀጋኑ ስዉኣት መምህር ሓድጉ ገብረትንሳኤ፣ መምህር ምኪኤል ጋብርን ኣባ ማሪኖ ሃይለን ንዝክር። እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ምቛሙን ምቕጻሉን ክረጋገጽ ብዙሕ ጻዕርታትን ክእለትን ተወፋይነትን ዝሓትት ምዃኑ ዘይስሓት’ኳ እንተኾነ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ግን፡ ንቤት ትምህርቲ ዝኸውን ቦታን ናውትን ፣ ብቑዓትን ውፉያትን መማህራን ምርካብ፣ መካየዲ ባጀት፡ ነዚ ክምውሉ ዝኽእሉ ግዱሳት ኤርትራውያን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ከምኡ’ውን ለገስቲ ናይ ወጻኢ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ረኺብካ ብብቑዕ ሓበሬታ ከተዕግቦም ምኽኣል ወሳኒ ዕማም’ዩ። ምስ ዞባዊ ምምሕዳር ከሰላ ዝካየድ ርኽክባትን ብፍላይ ካብ ተሃላለኽቲ ውድባትን ጸላእትን ንጉዕዞ’ቲ ቤት ትምህርቲ ንምዕንቃፍ ዝፍኖ ምድንጋራት ምክልኻል ከቢድ መኸተን ጽንዓትን ዝሓትት እዩ። ስዉእ መምህር ዑስማን ኣሕመድ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነቲ ኵሉ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዕማማት ብብቕዓትን ተወፋይነትን ኣገልጊሉ ሓሊፉ።

እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ካብ 600 – 800 ተሞሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ን34 ዓመታት ክምህር ዝጸንሐ፣ ብዙሓት ተመሃሮ ኣፍርዩ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ኮለጃት ቀጺሎም ተመሪቖም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ዘለዉ ዘፍረየ፡ ከምኡ’ውን መደበር ኣካለ-ጽጉማን ንናይ ሓርነት ስንኩላን መነባብሮን ሕክምናን ተማሊኡ ኣገልግሎቱ ንኽቕጽል  ሓልዮትናን ኣገልግሎትናን ክቕጽል ነዘኻኽር። “ተቓላሳይ ይሓልፍ ቃልሲ ግን ይቕጽል” ከምዝብሃል ዝሓለፉ ተቓለስቲ ተኪእና ክንቅጽል ከምዘሎና ሓደራ ዘድልዮ ኣይኰነን።

ሳባ ቀለተ ናብ ከሰላ ብጉዳያ ከይዳ ንስድራ ስዉእ ዑስማን ማለት ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ረኺባ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ኵነታቶም’ውን ኣጽኒዓ ስለዝተመልሰት ንተሳተፍቲ ስመር ሩም ተወሳኺ ሓበሬታ ኣቕሪባ። ከምኡ’ውን ኣስገደት ምሕረትኣብ፣ ዋና ጸሓፊት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ምስ ዑስማን ዝነበራ ናይ ስራሕ ዝምድና መሰረት ብምግባር ተዘክሮታታ ኣካፊላ።

ካብ ብሕቶን መልስን ዝቐረበ ነጥብታት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ይጠቓለል፡

  • ቅድሚ መስዋእቱ ዝነበሮ ሕማም ከመይ ነይሩ፡ ሕማሙ ናይ ኵሊት ድኻም’ዩ ነይሩ፣ እናበርትዖ መጺኡ ኣብ ምትካእ ኵሊት ከየርከበ ዓሪፉ።
  • ንሒዝዎ ዝነበረ ሓላፍነታት መን ይትክኦ፡ እቲ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና፡ ኣብ ቦትኡ መን ከምዝተተክአ ግን ዝፈለጥናዮ የለን።
  • ነቲ መደበራትን ስድራ ቤቱን ንምርዳእ ብስሙ ፋውንደሽን ተተኺሉ ስርሑ ክጅመርን ክቕጽልን እርኢ፡ እዚ ርእይቶ’ዚ ሕጂ ንመጀመርያ ጊዜ እየ ዝሰምዖ ዘለኹ፣ ብወገነይ ዝድግፎን ዝቕበሎን ሓሳብ’ዩ፣ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ግን ብኡ ዝግደሱ መስርሕ ምቛሙ ከበግሱ ስለዝድለ ኣብ ስመር ሩም ክብገስ ዝድገፍ’ዩ። ካብ ተሳተፍቲ ስመር ሩም ተመሃሮ ናይ ዑስማን ዝነበሩ ተዘክሮታቶምን ኣኽብሮቶምን ገሊጾም። ስድራ ቤት ዑስማን ንምርዳእ ምእካብ ወፈያታት ተኻይዱ ኣኼባ ብምምስጋን ተደምዲሙ።

ፍስሃየ ሓጎስ

 

 

 

Last modified on Friday, 25 November 2016 20:55