መሰልን ግቡእን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት

2016-11-24 21:48:55 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2777 times

ኩሉ ነገር ፈላሊኻ ብዘይረኣዩ ተወዳደርትን ተጸላለውትን ተርኽቦታት ዝቖመ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምስናይ ነዊሕn ሓጺርን፡ ቀረባን ርሑቕን፡ ብርሃንን ጸልማትን፡ … ወዘተ እንዳበልና ክሳብ መሰልን ግቡእን  ከምኡ እውን ደሞክራስን ጥርናፈን ምውድዳር ይከኣል። እዞም ክልተ ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊኻ ዘይረኣዩ ጉዳያት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ደረት ዘይሓልፈሉ ዝተመጠነን ብሕጊ ዝግዛእን እዩ። እዚ ተመጣጣንነት መስመሩ ስሒቱ ሚዛኑ ተዘይሓልዩ ኩነታት ቅሱን ኣይከውንን እዩ።

ናይ ሰባት ድሌትን ሃንቀውታን ብኸምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕግታት ተዘይተገዚኡ መወዳእታ ደረት የብሉን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ በቲ ትደልዮ ዘይኮነስ በቲ ዘድልየካ እዩ ዝዕገት። ከምቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምስ ካለኦት ወገናት፡ መራሕትኻ ይኹኑ መራሒኦም ዝተፈላለዩ ድሌታት ኣሳኒኻ ኣብ ናይ ሓባር ዕማም ክትስጉምን ከተድምዕን ብናይ እንካን ሃባን መትከል ምእማን፡ ምትግባርን ምቕያድን ናይ ግድን እዩ። ናይ እንካን ሃባን፡ ሚዛን ስሒትካ፡ ግድን ንሓዲኦም ካብቶም ርኢቶታት ኣብ በሪኽ ቦታ ተዘየቐምጥኩዎን ጉዳያት በቲ ኣነ ዝደልዮን ዝኣምነሉን ሓሳብ ጥራይ ተዘይከደ ማባል ግና ሰላም ኣይህብን እዩ። ብሓባር ከኣ ኣየጓዕዝን። ምኽንያቱ እቲ ኣብቲ ዛዕባ ከማኻ ማዕረ ግደ ዘለዎ ኣካል እውን ከማኻ ጉዳያት በቲ ናቱ ሓሳብ ክኸደሉ ክጠልብ ስለ ዝኽእል። ስለዚ እቲ እደልዮ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ካልእ ዝደልዮ እውን ምስትብሃል ናይ ግድን ዩይ።

ሓደ ሰብ በብደረጃኡ፡ ቅድም ሰብ ብምዃኑ፡ ደሓር ከኣ ናይ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ትካል ኣባል ብምዃኑ ዝውንኖ መሰል ኣለዎ። እቲ መሰል ነገራዊ ረብሓ ብምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ዝያዳ እኳደኣ ቅኑዕ እዩ ዝበልካዮ ሓሳብ ብምግላጽ ዝረጋገጽ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት መሰል እቲ ዝግዘኣሉ ሕግን ስርዓትን ሓልዩ ንኹሎም ኣብቲ ትካል ዘለዉ ኣካላት ማዕረ ዝብጸሖም እዩ። እዞም መሰላት እዚኦቶም ብጥራዩ ዝወሃቡ ዘይኮነስ ዋጋ ዘኽፍሉ እዮም። እቲ ዝኽፈል ዋጋ እቲ ግቡእ ዝበልናዮ እዩ። ስለዚ ናይ መሰልካ ተጠቃሚ ክትከውን ግቡእካ ክትፍጽም ናይ ግድን እዩ። ግቡእካ ከይፈጸምካ መሰል ምጽባይ፡ ከም ንዕኡ ዝምጥን ዋጋ ከይከፈልካ ክቡር ንብረት ምምናይ እዩ ዝቑጸር። ኣብ ባህልና እውን “እንካ ንዘይፈልጥሲ ሃባ መን መሃሮ” ይበሃል እዩ።

“ብመሰለይ ክጥቀም እየ” ምባል ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእየኒ ሓሳብ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለኒ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ቅድሚ ኩሉ ክዝንጋዕ ዘየብሉ መሰልካ ብምጥቃም ናይ ካለኦት መሰል ከይትጉዕጽጽን፡ ክብሮም ከይትትንክፍን ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። መሰል ኮነ ግቡእ ብሕግን ስርዓትን ዝቃነዩ እምበር ደረት ኣልቦ ኣይኮኑን። እዚ  ክንብል እንከለና፡ እቲ ከይጠሓስ ክሕለው ዝግበኦ ደረት መሰልካ ክትሕሉ ክትብል መሰል ካለኦት ከይትግህስ ዝግድብ እዩ። እዚ እንተ ተጣሒሱ ውጽኢቱ ጥዑይ ዝምድና ዝፈጥር ኣይኮነን። ኮታ ከምቲ ኣብ ደሞክራስን ጥርናፈን ዘሎ ሚዛናዊ ዝምድና እንተዝይተሓልዩ፡ ናብ ምልኪ ወይ ስርዓት ኣልቦነት ሒዙካ ዝዕዘር፡ መሰልን ግቡእን እውን ሚዛኑ ከይዛነፍ ግቡእ ሓለዋ ዘድልዮ እዩ።

ሓደ ኣካል ብመሰሉ ተጠቒሙ ሓሳባትን ጠለባትን ከቕርብ እንከሎ፡ ወይ ድማ ግቡኣቱ ክፍጽም ክሐተት እንከሎ ብዙሓት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ጉዳያት ኣለዉ። ኣብዚ ብሓፈሻ ከባቢኻ ምምዕዳው ኣድላይ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ትዋሰኣሉ ትካል፡ ውሽጣዊ ዓቕምን ናይ ኣሰራርሓ ባህልን ኣብ ግምት ምእታው ናይ ግድን እዩ። ሓደ ኣካል ብመሰሉ ተጠቒሙ “ከምዚ ተዘይተገብረ” ክብል እንከሎ ከምኡ ከግብር ዝኽእል ኩነታት ምህላዉን ዘይምህላዉን ከስተውዕል ይግበኦ። ሕግታትን ኣሰራርሓን ናይቲ ትካልከ ከምኡ ንምግባር የኽእሉ ድዮም ኣየኽእሉን ናይ ምግንዛብ ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ብኣንጻሩ እቲ ትካል ካብ ሓደ ኣባሉ ግቡእ ክጽበ እንከሎ፡ ናይቲ ግቡኡ ክፍጽም ዝጥለብ ኣካል ኩሉመዳያዊ ኩነታት ናይ ምምዛንን ምርዳእን ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ጉዕዞና ኣድማዕን ውጽኢታውን ንክኸውን ንዝምድና መሰልን ግቡእን፡ ብንቕሓት ምርዳእ መሰረታዊ እዩ።

ኣሮን ናኦድ

Last modified on Thursday, 24 November 2016 22:53