ምርጫ ፕረሲደንት ኣመሪካ 2016ን ካብኡ ዝቕሰም ትምህርትን

2016-11-12 20:21:34 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2975 times

ምርጫ ፕረሲደንት ኣመሪካ 2016 ካብ ዝሓለፉ ምርጫታት ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነጥብታት ድማ፡ ነዚ ዝስዕብ ክንጠቅስ ይከኣል።

1. ናይ ሎምዘበን ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቍምነገር፡ ኣብ ጸርፊ፡ ቈይቊን ምጽልላምን ዘትኰረ ኢዩ ነይሩ፤

2. ናይ ሎምዘበን ውድድር፡ ኣብ መንጐ ፖለቲካ ዘይፈልጥ ሃብታም ውልቀ-ሰብን ኣብ መንጐ ምኩራት ዝዀኑ ፓለቲከኛታትን መራሕቲ ፓርትታትን   ምክያዱ

3. ውጽኢት ምርጫ፡ ሰብ ዘይተጸበዮን ኣንጻር ኵሉዝተገብረ መጽናዕታትን ድህሰሰታትን ግምታትን (public polls) ምዃኑ ንመላእ ዓለም ዘስደመመ ነይሩ፤

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ዶናልድ ትራምፕ ክፍጽሞ ኢየ ኢሉ ካብ ዝጐስጐሰሎም ዕላማታት፡ ገለ ውሑዳት ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።

1. ንመክሲካውያን ብፍላይ ንላቲኖ ድማ ብሓፈሻ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ገይሩ ብምግላጽ፡ ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ዝኽልክል መንደቕ ክሃንጽ ምዃኑ፤

2.  “ኦባማከይር” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ንድኽታታትን ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታትን ዝውሃብ ሕክምናውን ትምህርታውን ዋሕስነት ደው ምባል፤

3.  ንኣመሪካ ዘየርብሑ ዝበሎም ምስ ካልኦት ሃገራት ዝተገብሩ ንከባብያዊ ብከላ ንምቝጽጻር ዘኽእሉ ይኹኑ ንንግዲ ስግር ባሕሪ ዝምልከቱ ውዕላት ምፍራስ፤

4. ንሓርበኛታት ኣመሪካ ምሕጋዝን ምንክብኻብን፤

5. ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ምኽልካል፥

6. ተኸልኪሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ማይ ብምጥሓል ንትንፋስ ዘሕጽር ናይ ምርመራ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ምውዓል፤

7. ዜጋታት ኣመሪካ ነብሶም ንምክልኻል ብረት ክሕዙ ምድጋፍ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ንዘለዎም ጥራሕ ብረት ከይሕዙ ምኽልካል፤

8. ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ናይ ወጻኢ ፍርያት፡ ክብ ዝበለ ቀረጽ ምግባር፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ቺና፤ ንሃብታማት ኣመሪካውያን ድማ ቀረጽ ምንካይ፤

9. ጃፓን ትኹን ሃገራት ኣውሮጳ ወይ ንኣመሪካ ዝኸፍልኦ ኣምሳያ ከዛይዳ ወይ ድማ ባዕለን ንነብሰን ክከላኸላ ምግዳፈን።

10. ካብ ኣመሪካ ንደገ ወጺኡ ዘሎ ፋብሪካታት ናብ ኣመሪካ ክምለስ ምግባር፤

11. ከሰልን ዘይትን (Oil) ዝኣመሰሉ ንብከላ ዘጋድዱ ነደድቲ ተጠቒምካ ሃገራዊ ኢንዱስትሪታት ምብርባር . . . ወዘተ።

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ትራምፕ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዕዉታት ናይ ዘመና ህቡባውያን (Populist) መራሕቲ ኢዩ። ህቡበነት፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝግሃድ ዘሎ ተራዮ ኢዩ። ስደተኛታት በዚሖምና፡ ባህልና ተባላሽዩ፡ ኣብ ስራሕ ተቓጺጾምና እናበሉ፡ ብስም ሃገርነት ኣሉታዊ ስምዒታት ዘልዓዕሉ ፓርትታት ደገፎም እናዓበየ ክኸይድ ንዕዘብ ኣሎና። ንኣብነት ኣብ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሽወደንን ጥሩፋት የማናውያን ሓይልታት ህዝባዊ ደገፍ እናረኸቡ ይኸዱ ኣለዉ። ትራምፕ እውን ዓሌታዊ እኳ እንተዘይኰነ፡ ንኦባማ ኣመሪካዊ ኣይኰነን፡ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ የብሎምን፡ ላቲኖ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ስለዝዀኑ መታን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ መንደቕ ክሰርሕ ኢየ ምባሉ፡ ሓላዪ ናይ ህዝቢ ተመሲሉ ንህዝቢ ንምትላል ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ህቡብነት ኣገባብ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ክላሲካዊ ኣገባብ ቃልስን ክላሲካውያን ፓርትታትን ኣይጠቕሙን ኢዮም እናበልካ ምንሻውን፡ ህዝቢ ህዝቢ ዝብል ምቁር ጭርሖታት ምድግጋምን ናይ ዘለናዮ መዋእል ፋሽን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ከይተረፈ፡ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ዝተጋህዱ ህቡባዊ ባህርያት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ውሑዳት ኣይኰኑን። መልክዓቱ ይፈላለ እምበር እቲ ህቡብነት ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ኢዩ ዝኽሰት ዘሎ።

 

ህቡብነት ዝልለየሉ ሰለስተ ንጹራት ጠባያት ኣለዉዎ።

1.   ኣብ መንጐ መራሕትን ተመራሕትን ግርጭት ምፍጣር። ነቶም ላህመታውያን ክፍልታት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ (elite) ከም ጐዳእቲ ናይ ህዝቢ ገርካ ምግላጽ። መራሕቲ፥ ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ዘይደልዩ ኣምሲልካ ምድዋን።

2.   ህቡባውያን፡ ካብ’ቲ ልሙድ ክላሲካዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ኣመራርሓ ወጻኢ ኢዮም ዝዋስኡ። ክላሲካውያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ነውሪ ዝብልዎ ስነ-ምግባር ህቡባውያን ብዘይ ሕንክከት ይጥቀምሉ።

3.   ዘየለ ቅልውላው ከም ህልውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጽእን ገይሮም የቕርቡ። ብዘይክኦም ድማ፡ ካልእ ነዚ ቅልውላው ክፈትሕ ወይ ንህዝቢ ከድሕን ዝኽእል ሓይሊ ወይ መራሒ ከምዘየለ ኣምሲሎም ከእምኑ ይጽዕሩ።

 

ዶናልድ ትራምፕ እምበኣር፡ ካልኦት ፍሉጣት ወይ ክላሲካውያን ፖለቲከኛታት ክብልዎ ዘይደፍሩ ፖሊሲታት ኢዩ ሕንኽ ከይበልለ ክፍጽሞ ኢየ እናበለ ክማባጻዕ ዝሰማዕናዮ። ትራምፕ፡ ጭብጥታት ዘይብሎም፡ ግን ንስምዒታትን ጽልእን ዘልዓዕሉ ወፈራታት ኢዩ ከካይድ ተራእዩ።

 

ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ሪፑብሊካውያን ይኹን ዲሞክራስያውያን መወዳድርቱ ከም ሰነፋት፡ ብልሽዋትን ንኣመሪካ ዘድከሙን፤ ንመራኸቢ ብዙሓን ድማ፡ ብሻርነትን ኣድልዎን ብምኽሳስ ኣገልገልቲ ናይ’ቲ ዝተለምደ ወይ ዝጸንሐ ስርዓት (establishment) ኢዮም ብምባል ከምዘይእመኑ ገይርዎም። መልእኽቱ ኣብ ክንዲ በቶም መራኸቢ ብዙሓን ብሶሽያል ሚድያ (ትዊተር፡ ፈይስቡክ . . . ወዘተ) ኣቢሉ ከመሓላልፍ ኢዩ መሪጹ። 

 

መራኸቢ ብዙሓን (ሚድያ)ድማ፡ ኣንጻሩ ተዋፈሩ። እዚ ኣብ ክንዲ ዝጐድኦ ክብ ዝበለ ጠመተ ((attention) ካብ ህዝቢ ክረክብ ስለዘኽኣሎ፡ መሊሱ ጠቐሞ ደኣ። በዚ ኣገባብህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስን እምነት ከምዘጕድል ንምግባር ተዓዊቱ። ምርጫ ከይተጀመረ እንከሎ ምድንጋር ኣሎ ዝብል መናፍሓት ዘርጊሑ።

ነዚ፡ "ንኣመሪካ እንደገና ሓያል ክንገብራ ኢና"ዝብል ጭርሖ ብምስናይነቶም መወዳርቱ ከምድኹማት፡ ንነብሱ ድማ ከምሓያል መራሒ መሲሉ ብምቕራብ ንስምዒታት ናይ ብዙሓት ተንኪፉ።

 

ዓወት ናይ ትራምፕ፡ ማህረምቲ ናይ ክላሲካውያን ሰልፍታትን ፖለቲካን ጥራሕ ዘይኰነስ ማህረምቲ ናይ ገስገስቲ ሓይልታትን ሓሳባትን እውን ኢዩ። እታ ቅድሚ 8 ዓመት ንጸሊም ኣመሪካዊ (ኦባማ) ዝመረጸት ኣመሪካ፡ ሎሚ ስደተኛታት ከተባርር፡ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ትኽልክል፡ንደቂ ኣንስትዮ እተቆናጽብ ብሓጺሩ ውሑዳን ዝሰግኡላ ሃገር ኢያ ኰይና ዘላ። ናይ ሎሚ ኣመሪካ፡ ዓሌታት፡ ጾታታት፡ ቋንቋታት ዝውሃሃዱላ ቍራዕ (melting pot) ዘይኰነትስ፡ ብኣንጻ ኣዝያ እተኸፋፈለት ሃገር ኢያ እናዀነት ትኸይድ ዘላ።

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ትራምፕ፡ ነዚ ምክፍፋል’ዚ ከም መብጻዓኡ እናዕሞቐ ድዩ ክኸይድ ወይስ ንመምረጺ ተጠቒሙ ከም’ቶም ክላሲካውያን መራሕቲ ዝገብርዎ ኢዩ ክገብር መጻኢ ግዜ ዝምልሶ ሕቶ ኢዩ። ንኽትምረጽ እትገብሮ ወፈራን መንግስቲ ምምራሕን፡ ዝተፈላለየ ጕዳይ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ትራምፕ ሕጂ፡ ንሪፑብሊካውያን ዘይኰነስ ንመላእ ህዝቢ ኣመሪካ ኢዩ ክመርሕ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን። ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣብ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን እተኸፋፈለ ስልጣን፡ ከምድላዩ ክጐይን ክጋልብን ከፍቅደሉ ከምዘይኰነ ናይ ፕረሲደንት ኦባማ ተመኵሮ እኹል ትምህርቲ ኢዩ። ድሕሪ 4 ዓመት ዝግበር ምርጫ’ኸ፡ ከመይ ኮን’ዩ ክኸውን? ከም’ዚ ናይ ሎምዘበን ህቡብነት ምጽልላምን ምክሳስን ድዩ ወይስ እቲ እንፈልጦ ልሙድ ኣገባብ ኢዩ ክኸውን?

 

ካብ ምርጫ ፕረሲደንት ኣመሪካ 2016 እንቐስሞ ኣስተምህሮ እንታይ ኢዩ?

1.   ሶሽያል ሚድያ ኣገዳሲ ናይ መዋእልና ናይ ቃልሲ መሳርሒ ምዃኑ፤

2.   ግደ ስነ-ሓሳብ (ideology) ኣብ ዝበዀረሉ ወይ ዝሃሰሰሉ፡ ህቡብነት ነቲ ባዶሽ ክመልእ ከምዝኽእል። እዚ ማለት ድማ፡ ዲክታቶርያውያን፡ ፋሽስታውያን ስልጣን ክሕዙ ከምዝኽእሉ፤

3.   ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት (Globalization) ንዝጠልቦ ናይ ሰባትን ሃለኽቲ ኣቝሑን (ንግድ) ናጻ ምንቅስቓስ፤ ናጽነት ናይ ኣምልኾን እምነትን፤ ዝጻረሩ ሓይልታትን ሓሳባትን ይስዕርሩ ምህላዎም። ትራምፕ ንኣስላምን ላቲኖን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክኽልክል ምህቃኑ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።

4.   እቲ ዝምረጽ መራሒ ወይ ሰልፊ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ብዘየገድስ፡ ካብ ቅዋም ወጻኢ ክሳብ ዘይኰነ ድምጺ ህዝቢ ልዑላዊ ምዃኑ።

 

ብርሃነ ኣብርሃ

Last modified on Saturday, 12 November 2016 21:43