ውጽኢት ተቐቢልና መጻኢ ንጠምት

2016-11-12 19:25:39 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2434 times

ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን መትከላትን ዝኣምና ሃገራት ኩለን ብሓደ ዓይኒ ዘተግብርኦ ነጥቢ ምቅብባል ስልጣን ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ እየን ብድምጺ ህዝቢ ንዝተመርጸ መሪሕነት ሓንጎፋይ ኢለን ዝቕበለኦ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ ምምራሕ ዝነበረ ስልጣኑ ነቲ ብድሕሪኡ ዝተመርጸ ብግቡእ የረክብ። እዚ ሎም ዘበን 2016 ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ኣብነት ናይ መን ፕረሲደንት ኮነ ዝተኻየደ መስርሕ ኩልና ከም ዝተዓዘብናዮን ዝሰማዕናዮን መን ኣብ ስልጣን ይመጽእ ዝውስን ናይ ህዝቢ ስልጣን ምዃኑ እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ኣመሪካ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ ነቲ ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ዝጸደቐ ቅዋም ተማእዚዞም ስለዝኸዱ ከኣ ካብታ ሕጊ እነሆ ፈልከት ከይበሉ በቲ ቅዋም ተገዚኦም ብምኻዶም ኣመሪካ ከም ዓባይ ሃገር ኣብ ጐደና ደሞክራሲ ክትቅጽል ዝኸኣለት።

ልክዕ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ሪፑብሊካንን ዲሞክራትን ተባሂለን ንዓመታት ዝወዳደራ ዘለዋ እየን። እዘን ሰልፍታት እዚአን ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ መስከረም 17, 1787 ዝተጻሕፈን ብ1789 ከኣ ዝጸደቐ ቅዋም እየን ተማእዚዘንን ተገዚአንን ዝኸዳ። እዚ ቅዋም እዚ ክሳብ ሕጂ ኣበየግዚኡ 27 ግዜ ምምሕያሻት ተገይሩሉ እዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ተወኪሳካ ዝፍጸም እምበር ኣብ ድሌት ናይዘን ክልተ ሰልፍታት ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኮነን።

እቲ ሕጊ ኣብ ምርጫ ዝኣቱ ባእታ ብሰልፉ ዝተመርጸ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ከኣ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ እቲ ንፕረዚድንትነት ዝበቅዕ ኣካል በቲ ንሱ ዝረኽቦ ብዝሒ ድምጺ እዩ ዝውሰን። እዚ ምናልባት ኩልና ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎና ብዙሕ ክንመሃረሉ ዝግባእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሓደ ካብኡ በቲ ህዝቢ ዝተሰማማዓሉን ዘጽደቖን ቅዋም ተገዚእካ ናይ ምዃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልና ሕጊ ክንኣምን ከምዘሎና እዩ ዝሕብር። ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንእሰያትና ዘሎ ፍልስፍና ናይ መንእሰይን ዓበይትን ዝብል ፈላላዪ ሓሳብ እውን እቶም ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ዝቐረቡ ዕድመ ወሳኒ ከምዘይኮነ ግርም ገይሩ እዩ ዘብርሆ። መጀመርያ ጉዳይ ዕድመ ፖለቲካዊ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ ኣይኮነን። ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ትራምፕ ወዲ 70 ሂላሪ ከኣ ጓል 69 ዓመት እዮም። ስለዚ እቲ ክመርሕ ዝኽእልን ህዝቢ ዝመረጾን ደኣ እምበር ብስም መንእሰይ ወይ ኣረጊት (ዓቢ) ኢልካ ዝውሰን ከምዘይኮነ ንኹልና ርዱእ ከክኸውን ኣለዎ።

ካልእ እቲ ዓብን ኣገዳስን ነጥቢ ኣማራጽታት እተቐሪቡ እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ተዓዋትን ተሳዓርን ወይ ከኣ ዝተዓወተን ዝተሳዕረን ክኸውን ከምዝኽእል ምርዳእ እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገርን ፍልጠትን ክንቀስመሉ ዘሎና ጉዳይ። ዝተዓወተን ዘይተዓወተን ኣብ መወዳእታ ብቕርሕንትን ጽልእን ዘይኮኑ ዝፋናነውስ እንታይ ደኣ ተመጓጒሶምን ሃገር ሓደነታ ኣውሒሳ ንኽትቅጽል እዮም ዝሓስቡ። ኣብዚ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ጉዳይ እምበኣር፡ እቲ ወ/ሮ ክሊንተን ዝበላኦ ‘’ነቲ ውጽኢት ተቐቢልና ንመጻኢ ንጠምት’’ ዝብል ሓረግ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኢለን ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። በቲ ህዝቢ ዝተሰማማዓሉ ቅዋም ተቐይድና፡ ተማእዚዝናን ተገዚኣናን ንኺድ ዝብል እዩ። ተሰኒፈ ኢልካ ፍንጭራዕ ወይ ምፍንጫል ወይ ከኣ ፈላላይን ጐዛዛይን ሓሳባት ሒዝካ ንህዝቢ ምድንጋርን ምውንጫፍን የለን ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ከኣ እዩ ነቲ መላእ ህዝቢ ዝኣመነሉ ቅዋም ተገዚእካ መጻኢ ብምጥማት ንስዕረትካ ሓንጐፋይ ኢልካ ብምቕባል ዝገለጽ ደሞክራሲ ዝረአ።

ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ እምበኣር ክንክተሎን ክንኣምነሉን ዝግበኣና፡ ነጥቢ እንተልዩ፡ እቲ ኣተሓሳስባና ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክምርኮስ እዩ ዝግበኦ። ንሱ ከኣ ዋላኳ ኣብ ደሞክራሲ ድላይካ ክትመርጽ ግቡእን መሰልን እንተኾነ ፡ነፍሲ ወከፍ ሰባብ ዝገብሮ ምርጫ ካብ ወገነይ ወይ ዓሌተይ ወጺኡ፡ ነቲ ዝመርጾ ካበየናይ ብሄር ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ንመላእ ሃገርን ህዝብን ዘገልግል ዲዩ ኣይኮነን ተመራሚሩ “ምእንቲ ረብሓ ኩሉ” ዝብል መንፈስ ከሕድር ኣለዎ። ነቲ ዝተመርጸ ከኣ ንፍተዎ ንጽለኦዮ ኣብ ክንዲ ምቕባል፡ ናብ ዓመጽ ገጽካ ምኻድ ደሞክራስያዊ ኣይኮነን።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን እውን መጀመርያ እቲ እነውጽኦ ወይ እንሕንጽጾ ሃገራዊ ቅዋም ይኹን ወድባዊ ወይ ሰልፋዊ መትከላት ኣሳታፊ ዲዩ  ኣይኮነን? ንኹሉ ብዘዕግብ ዲዩ ወይ ኣይኮነን? ዝሓንጸጽናዮ ቅዋምከ ብኡ ተገዚእና ክንከይድ እንታይ እንታይ ክነማልእ ኣሎና? ዝብሉ ዓበይቲ ጉዳያት ከም መለለዪ ናይ ዲሞክራሲ ወሲድና ክንምልሶምን ክንሰርሓሎምን  ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ባዕልኻ ዝሓንጸጽካዮን ኣግላልነቱ ዝዓዘዘን መስርሕ ኣቢልካ ዲሞክራሲያዊ እዩ እሞ በቲ ናተይ ተማእዘዝ ክበሃል እንተኾይኑ ሸፈጥን ጸረ-ዲሞክራስን ኢዩ ዘመልክት።

ድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 12 November 2016 20:36