ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብቶማስ ማግንሶን ናይ ዝቐረበ መደረ ትርጉም

2016-09-29 11:58:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2813 times

ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2016

ሽወደናዊ ናይ መሰል ተሓላቒ ቶማስ ማግንሶን ናይ ዝቐረበ መደረ ትርጉም

ኣብ ቅድሚ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ በዓልን ዋዕላን ቀሪበ  ቃል ንምሃብ ዕድል ምርካበይ ዓሚቚ ኲርዓት ይስመዓኒ። እሕዋት፥ ብዛዕባ ኤርትራ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ክነግረኩም ኣይክእልን እየ።  ዝህቦ ርእይቶ  ናይ ወጻእተኛ  እዩ።

ኣነ  ምስ ስደተኛታት ኣብ ሽወደንን፥ ኣብቲ ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ገለ ሓደስቲ ምጻእ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎ ናይ ውህደት (integrity)  ማእከል ከም ስቪል ኣገልጋሊ  ዝሰርሕን፥ ከም ማሕበራዊ ደሞክራት ነቲ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ናይ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሽወደን ናይ ጉተንበርግ መራሕን፥ ከምኡ እውን ንምሉእ ህይወተይ ናይ ሸወደን ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ንጡፍ ኣባል ዝነበርኩን፥ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ናይ ሰላም ቤት ጽሕፈት  ንብዙሕ ዓመታት ዝሰራሕኩን ቃለይ ከቕርብ እየ።

ከም ወጻእተኛ ኮይነ ክዛረብ፥ ኣፍልጦይ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምስቶም ኣብቲ ብባይቶ ጉተንበርግ ዝካየድ ናይ ማእከል ውህደት ዝመጹ ሓደስቲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብምስራሕ  ዝረኽቦ ሓበሬታ መሰረት  እዩ። እቶም መንእሰያት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣቃሊዖም   ካብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ርሒቖም  ዑቕባ ንምድላይ  ካብቲ ስርዓት ንኸምልጡ ዝገበረ ጭካኔ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝምልከት ብዙሕ  ምስክርነት  ሰሚዐ።

ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሽወደን ዝተቐመጡ ኤርትራውያን ነቶም ሓደስቲ ብዛዕባ ሽወደን  ናይ ምልላይን ምትሕብባርን  ከምኡ እውን ምምሃርን ኣድላዪ ፍልጠትትን ማዕዳን ኣብ ምስናቕ ንኡድ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ መማህራን፡ ሓደ  ካብኣቶም  ጸሃየ ቀለታ ዝርከብዎም መሳርሕተይ  ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣለዉኒ።

ይኹን እምበር እቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦ ካብቶም ሓደስቲ ሰደተኛታት ዝወጽእ ዛንታ እዩ። እቲ ዛንታ ከኣ ብዛዕባ ጭካኔን፥ ስቓይን፥ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዝኾነን፥ ዛዕባ እዩ።

እቲ ጭብጥታትን ሓበረታትን ብዛዕባ እታ ገና ኣብ ልቦም ዘላን፥ ንድሕሪት ዝገደፍዋ ኤርትራ እዩ። እቲ ዛንታታት እቲ ካብቲ ዝዓነወ ህይወትን ንኽትኣምኖ ዘይካኣል ስቓይን እዩ።

እቶም ዝረኽቦም ዝነበርኩ ናይ ኤርትራ ስደተኛታት ከኣ ካብቲ ወተሃደራዊ ኣገግሎትን ካብቲ  ኣገባባት ጭካኔ ናይቲ ስርዓት ኤርትራ  ንኸምልጡ ዕድል ዝረኽቡን፥ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን  ወይ ካልእ  ቦታ ከይተታሕዙን ብዝይ ዝኾነ ይኹን ናብ ካልእ ንኽቕጽሉ ዕድል ዘይረኸቡን፥  ካብቶም ነጋዶ ደቂ ሰባትን ፥ ኣብ ሊብያን ግብጽን ኢስራኤልን ናይ ዑቕባ ምዝመዛን ከምኡ እውን ካብ  ክትኣምኖ ዘጸግም ግፍዒ ዘምለጡን፥ እቶም ንኤውሮጳ ገጾም ከምርሑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘይጠሓሉን ዘይሞቱን፥ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዳግማይ ህንጸት ህይወቶም  ዝጅምርሉ ናይ ሰላም ቦታ  ዝተዓደሉ ጥራሕ   ከም ዝረኽብኩ ብርግጽ ይፈልጥ እየ።

ኩሉ እቲ ዝሰማዕክዎን ዝፈልጦን ገለ ክንገብር ከም ዘድሊ እዩ ዝሕብር። ንሱ ከኣ ነቲ ዝበዝሐ ካብ ኤርትራን ካልእ ቦታታትን ዝመጽእ ህዝቢ ኣብ ኤውሮጳ ሓዲሽ ህይወት ንኽጅምርን፥ ትምህርቲ ክረክብን፥ ክሰርሕን ንነፍሱ ክኽእልን ቁስሉ ክሕውን ዕድል ምሃብ እዩ።

ኤውሮጳ ተቐባሊት ስደተኛ ምዃና ንምውሓስን፡ነቲ ብናይ የማናይ ክንፊ ፖለቲከኛታት ዝምዝመዝ ናይ ጽልኢ መንፈስ ንምስዓርን፣  ንሕና ኤርትራውያን፡ ጀርመናውያን፡ ሽወደናውያን ወዘተ - ሓቢርና ብምስራሕ ንሓደስቲ ስደተኛታት፣ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርትታት፡ ኣብ ናይ  ቋንቋ ትምህርትን ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ተቐባልነት ረኺቦም ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዝሕወሱ ኣብ ምግባር ክንዕወት ይግባእ።ስደተኛታት ብመሰረቱ ንሰብ ከጸግሙ ኢሎም ኣይኮኑን ኣብ ስደት ወዲቖም ... ንኤውሮጳ ዝመጹ....

ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኩሉ ዝከኣልና ምእንቲ ክንሕግዝ ኣብ ጉተንበርግ ሓደ ሓዲሽ ውድብ ‘’ኤርትራ ኣብ ልብና’ ኢልና እንሰምዮ፥ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ምሕዝነት ዝብል ማሕበር ኣቑምና ኣሎና። እዚ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ብዛዕባ እወንታዊ ተዘክሮታት፥ ባህሊ፥ ሙዚቃን ህዝብን ኤርትራ ንምሕባር ዝብል ሓሳብ እዩ። እዚ ማሕበር እዚ ንኹሎም ኤርትራውያን ግን ከኣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተገዳስነት ዘለዎምን ክፉት እዩ።

ኣሕዋት፥ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ርእይቶይ ክገልጽ እንከለኹ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝቕረጽ ስእሊ ካብቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ዝመጹ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ካብ ካልኦት ሰባት ከም ጸሃየ ቀለታ ካብ 1990ን ቅድሚኡን ዝነበረ ናጽነታዊ ቃልሲ ኣትሒዘ ዝፈልጦ እውን ዝምንጩ እዩ። እቶም ዝኣምኖም ሰባት ንዓይ ስለምንታይ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተጠልመ ፥ ነዛ ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ንምቕራጽ መሰልኩም ከመይ ከም ዝተዘምተን ንኸርዳእ ሓጊዘሙኒ።

እዚ ዋዕላ እዚን ዝሓለፉ ዋዕላታትን ኣብዚ ኣብ ፍራንክፈርት፥ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲን ናብ ሰብኣዊ መሰልን ሰላምን ናብ ግዝኣተ ሕግን ንምምላስ ዘገልግል ዕላማ ምዃኑ ይረደኣኒ እዩ። ስለዚ ናብቲ ክብርታት እቲ ንምብጻሕ ሓባራዊ ቃልስን፥ ሰፊሕ ምትሕብባርን ዝብል ጭርሖ ናይዚ ኮንፈረንስ እዚ፥ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ስለዝነበረ ይሕግዞን ይድግፎን እየ።

ኣሕዋት፥ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ሸወደንን፥ ካብ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጉተንበርግን፥ ካብ ኣህጉራዊ ዋና ጸሓፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሰልፊ ስቶክሆልም ኣቶ እንድሪነ ዊንተር ሰላምታ ነታ መሓዛ ዝኾነት ሰልፊ፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ዋዕላ የቕርብ።

ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሽወደን ነዚ ቃልስኹም ንምሕጋዝ ብዙሕ ክገብር ይኽእልዶ? ርእይቶታትኩም ንምስማዕ ክፍትን እየ። ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን መልእኽቲ ካባኹም ንሰልፈይ ኣብ ሽወደን ክተቕርቡን ክገብሮ ዝኽእል ክገብርን በዘሎኒ ውሱን ዓቅሚ’ውን ይኹን ንኩነታት ኤርትራ ናይ ሓገዝን ቆላሕታ ንምርካብን ኣድላይነቱን ዝያዳ ንምብራህ ከበርክት እየ። ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ደምክራሲ ሰልፍታት ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ይሓስብ እየ።

ደሞክራስያዊትን ናጻን ኤርትራ ምህናጽ ምስ ዝዕላማኦም ገስገስቲ ኤርትራውያን  ሓባርዊ ቃልስን  ሓቢርካ ምቅላስን። ከምኡ ኣውን  ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘርከቡ ማሕበረ- ደሞክራስያውያን ምድግጋፍን ሕድሕድ ምትብብባዕን  ሓቢርካ ምቅላስ።

ኣሕዋት፥ ምስ ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከም ዝፋለጥ ኣቐዲመ ሓቢረኩም ነይረ። ገለ ካብኦም ኣቐዲመ ካብ ግዜ ናጻነታዊ ቃልሲ ዝፈልጦምን ገሊኦም  ከኣ ካብቲ ሽዑ ኣትሒዙ ዝጀመረ ዕርክነትና ጌና ይቕጽል ኣሎ።

ይኹን እምበር  ኣብቲ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ተራኺብና ዝተፋለጥናን ንግንቦት 1991 በዓል ናጽት ኤርትራ ሓቢርና  ዝብዓልናን  ኣነ ብዘይተጸበኹዎ ዝተለወጡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ጉተንበርግ ኣለዉ። ብዛዕባቶም ደግፈቲ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ኢሰያስን ይዛረብ ከምዘሎኹ ርዱእ እዩ።

ብግልጺ ንምዝራብ እቶም ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ ደሞክራሲያዊት ሸውደን ዝቕመጡን፥ ብሓያል ስምዒት ንናጸነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝድግፉ ዝነበሩ፥ ሎሚ ከመይ ኢሎም ነቲ ገፋዒ ስርዓት ደገፍቲ ምዃኖምን፥ ከመይ ገይሮም እዮም እቶም ኤርትራውያን ነቲ ርኡይ ዝኾነ ነገራትን ሓቅታትን ዝነጽጉ። ነቲ መዓልታዊ ኣብ ሸውደን ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም  ዝበጽሕ ዘሎ ምስክርነትከ ከመይ ኢሎም  ሸለል ይብሉ ክርዳእ ኣይከኣልኩን።

ገለ ካብቶም ነጸግትን፥ ኣዕሩኽ ጭቆናን፥ ናይቲ መላኽን ሕገ-ኣልቦን ኣብ ከተማይ  ጉተንበርግ  ከለኹ ድሮ እቲ  ናጽነት ኤርትራ ዝተተጋህደሉን ኣብ መጠረስታ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ምብጽሓ፥ ሓጎሶምን ደስትኣምን ስለ ዝተኻፈልክዎ እየ ክፈልጦም ዝኸኣልኩ።  እቶም ሰባት እቲኦም ግን ካብቲ ናይ ደሞክራስን ናጽነትን ኣፈኛታት ዝነበርዎ ኣላጊሶም ሎሚ ደገፍቲ ናይ ዘይደሞክራስን ናይ ናጽነት ኣልቦን ክኾኑን ክከላኸሉሉን  እንከለዉ፥ እቲ ናብ ከምዚ ክልውጦም ዝተጓዕዝዎ ኣገባብ ብግልጺ  ወይ ብጋህዲ  ክርደኦ ኣይከኣልኩን።  ክገልጹለይ ሓቲተዮም እንተኾነ ዋላ ሓደ እኳ ዝምልሰለይ ኣይረኸብኩን።

በቲ ናይ ሞያይ ህይወት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዙሓት ስደተኛታት  ረኺበ እየ። ክመኡ ኣውን ኩሉ ግዜ እታ ዝረካቦም ዝሸጡን፥ እዚኦም ከኣ  ተመሊሶም ናብቲ  ሰደተኛ ክኾኑ ዝገበረ  ስርዓት  ጸብጻብ ብምሃብ ገንዘብ ዝድልቡን፥ ናይ ንሰደታኛ ኩነታቶም ተጠቒሞም ገበነኛታት ዝኾኑን፥ ነቲ መላኺ ዘገልግሉን ሰባት ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ኣብ ኩሉ ጉጅለታት ኣለዉ። ገለ ካብኦም እውን  ስደተኛ ንምስላይን  ናብ ኤውሮጳ ዝለኣኹ ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር  ከምዚ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቓልዕ  ነቲ ጨቋኒ  ስርዓት ዝድግፉን ወላ ውን ነቶም ሓደስቲ ሰደተኛታት ዝጠልሙን፥  ኣንጻሮም ዝሰርሕሉን  ኩነት ካብ ካላኦት ስደተኛታት ፈጺመ ርእየ  ኣይፈልጥን። 

ኣሕዋት፥ ኣ.ጀ. ሙስተ (ኣብ  1885-1967) ሰላማውን ሰውራውን ዝነበረ ኣመሪካዊ፥ ሓደ ግዜ እቲ ሽግር ወይ ግድል ድሕሪ ውግእ ኩሉ ግዜ ምስቲ ዝሰዓረ እዩ።  ካብቲ ዝህቦ ትምህርቲ  ይቐስም። ግንከ ናይ 2015 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝርርብ መሰረት ‘’ ናይ ፍርሒ ልጓም ብስልታውን ልዑል መጒዳእትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝገበሮ ጸቕጢ  ናብ ገበኛ ኣንጸራ ሰባውነት ዝዳረግ ‘’ ታሪኽ ንኢሳያስ ከረኻኽበሉ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህልዊ ስርዓት ዝኸይድ ዘሎ፥ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም  ዝርርብን፥ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሾናልን፥ ወዘተ  ዝኣክል ጸብጻብ ስለዘሎ  ኣብ ዓለም  ዘይፍለጥ ኣይኮነን።

እንተኾነ እቲ ዝያዳ ናይ ስደተኛ ምንጪ ኩነታት ኮይኑ ዘሎ ግርጭት  ከም ናይ ስርያ፥ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያ፡ ቱርክን ፈለስጥኤም-ኢስርኤልን፡ ካልኦት ኣብ ሽግር ዘለዋ ሃገራትን፥ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሃን ብብዝሒ ዝዝርጋሕ  ሓበረታ ካብቲ ናይ ኤርትራ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ ዘሎ እዩ።  ካብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ በቐጻሊ ዘካየድ ጭቆና ንላዕሊ፥ እቲ ጸብጻብ ኣብዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ውግእ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንኽቐርብ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።

እቶም ኣብዚ ፈስቲቫልን ዋዕላን ዝተረኸብኩም  ንኩነታት ሃገርኩም ንዓለምን፥ ነቶም ዝምልከቶም ዜጋታትን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርከቡ ሰውራውያንን ንምንጋር ኣገዳሲ ዕማም ከምዘለኩም  ትፈልጡ ኢኹም።  ከም ተተግብርዎ  ይፈልጥ እየ ኣብ ርእሲኡ ንዓለም ብቐጻሊ ክትገልጹ ከተባብዓኩም እደሊ።

ኣሕዋት፥፡ ከም ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ናይ ስደተኛታት ሰራሕተኛ፡ ማሕበራዊ ደሞክራትን ናይ ሰላም ተንቀሳቓስን  ወጻእተኛ ኮይነ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ።

ኣብ ጉተንበርግ ካብ ዝርከብ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ሰላምታ ይብጸሓልኩም። ኣነ ገና ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ይነጥፍ ነይረ። ከምኡ እውን ናይቲ ብ1882 ዝጀመረ፡ ዝዓበየን ገዲምንን ጌና ውን ኣብ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ናይ ሰላም ውድብ፡ ኣብ ሸወደን ናይ ሰላም መንጎኛ ህብረተሰብ ኣቦ መንበሩ ኮይነ የካይድ ነይረ። ከምኡ እውን ንሸውዓተ ናይቲ ኣህጉራዊ ናይ ሰላም ቤት ጽሕፈት መርበብ ኣብ መላኣ ዓለም ዝርከብን ልዕሊ 70 ሃገራትን 300 ኣባላትን ዘለዎ ውድብ ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ኣቦ መንበር ነይረ።

ሰላም ናይ ህይወተይ ተልእኾ እዩ። ኣቐዲሙ ኣብ ግዜ ናይ ትምህርቲ ዓመታተይ ምስ መጻሕፍትን ፍልስፍናን ኣብ ሰላም ምስ ዝነጥፉ ርክብ ነይሩኒ። ብዛዕባ ናይ ሰላምን ውግእን ቃልሲ ንናጽነትን ደሞክራስን ኣተሓሳስባይ ሕጽር ዝበለ ክነግረኩም ይደሊ።

ሓደ ካብቶም  ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመይ ዝነበረ ቀንዲ ተዋሳእይ ማርቲን ሉተር ኪንግ መራሒ መሰል ሲቪላዊ ምንቅስቓስ   ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ እዩ። ብዛዕባኡ መጻሕፍቲ ኣንቢበን ብድምጹ ዝተቐድሐ ፍሉይ መደረኡን  ከምኡ እውን ገለ ካብ መደረታቱ ብዕምቘት ተመሂረ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጡ  ጸለምቲ ማህበረሰብ ፥ ብማዕረ ናይ ምክንኻን መሰል ዝቃለስ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ መስል ምስቶም ዝበዝሑ ጸዓዱ ዝርከብዎ   ቤት ትምህርቲ ክሳተፉን ኣብ ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ኣውቶቡሳት መሰል ኣብ ዘደለዮ ኮፍ መበሊ ኮፍ ክብሉ መሰል ክህልዎም። እዚ ከኣ እዩ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣውራ ዝፍለጠሉ።

ከምኡ ኣውን ናይቲ ብኣመሪካ  ንቬትናም ካብ ኮሙንስቲ ምክልኻል ዝብል ምስምስ   ኣንጻር ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ፥ ድምጹ ምስታ ሓንቲ ንእሽቶ ካብ ኣመሪካ ርሒቃ ትረከብ ሃገር እዩ ዝነበረ።  ማርቲን ሉተር ኪንግ ነዚ ጉዳይ እዚ እቶም ጸለምቲ መነእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውግእ ንኸገልግሉ ተባሂሉ ከም ዝተነድፈ እዩ ዝርእዮ። ኮይኑ ግን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብምኽንያት ሕብሪ ቆረበቶም ስራሕ ይኹን ትምህርቲ ተነፊግዎም እዩ። ስለዚ ስለምንታይ እዮም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣንጻር ካልእ መንእሰይ ዝዋግኡ፣ ምናልባሽ ውን እቲ ንገዛእ ርእሶም ኣካል  ምዃኖም ስምዒት ስለዘይብሎም፥ ወይ እውን እቲ ብዘይ መሰረታዊ  መሰላት ኣብ ሃገሮም ብምንባሮም  ኣብ  ውግእ ንኸገልግሉ ዝተነድፈ ክኸውን ይኽእል።  ማርቲን ሉተር ኪንግ ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ይኹን ካልእ ሃገራት ተካይዶ ዝነበረት ውግኣት ክሓትት ጀመረ።

ኣብ ማርቲን ሉተር ኪንግ ምንባብን ስለምንታይ ንናጽነትን ንሰላምን ምቅላስ የድሊ ኢልካ ምሕሳብን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ነይሩ።  ሰላም ብዘይ ናጽነት፥ ናጽነት ከኣ ብዘይ ሰላም ክህሉ ዘይክእልን ምዃኑ ዝፈለጥኩ ብዛዕባ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምንባበይ እዩ። ከምኡ እውን ሰላም ማዕረ ደሞክራሲን፥ ማዕረ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።

እቲ ኣዝዩ ግሉጽ ዝኾነ  ናይ ደቂ ሰባት መሰል ብሰላም ናይ ምንባር መሰል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ብሰላም ክነበር እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን መበገሲ ነጥቢ ኣልዒልና ክንመያየጥ ዝከኣል እዩ ዝመስለኒ።

ከም ምብዛሕታኦም ልሉያት መራሕትን ናይ ሰላም ምንቅስቃስ  ኣፈኛታትን ፖለቲካዊ ዕላማ ንምፍጻም  ዓመጽን፣ ጥበንጃ፥ ምጥቃም ሓደጋ ከምዘለዎ ይኣምን እየ። እዚ ግን ብረት ንነፍሰ ምክልኻል ይጻረር የሎኹን፥  ግንከ ኣብ ኣእምሮናን ኣተሓሳስባን መናእሰይ ንዓመጽን ወተሃደራዊ ኣገባብ ኣቢሎም ዕላምኦም ንኸተግብሩ ዝምልመሉ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ክህብ እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣሎና።  እቶም ውልቀሰባት ምሉእ ተረድኦ ዘይውንኑን  ወይ ምስቲ ዕላማ  ዓመጽ ናይ ምጥቃም ዝሰማምዑን ፍልይ ዝበለ ሓደገኛ እዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም  ዓመጽ ናይ ምጥቃም እናዛየደ ኢና ንዕዘብ ዘሎና። ግበረ-ሽበራዊ ተግባራት ብዙሕ ኣድህቦ ይረክብ። ግን ከኣ ሓፈሻዊ ዓመጽ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ  ሓፈሻዊ ዓመጽ ኣብ ብዙሕ ሃገራት  ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናወሰኸ እዩ።

እቲ ዝበዝሐ ውሽጣዊ ጎነጽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልእ ምዕራባውያን ሃገራትን ብገዳይም ነባር ወተሃደራት እዩ ዝካየድ። ከምኡ እውን ገለ ወተሃደራት ሽወደን ኣብ ኣፍጋንሲታን ክዋግኡ ጸኒሖም  ናብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላስ፥  እቲ  ስለምንታይ ኣርሒቖም  ከይዶም ኣብ ውግእ ምእታዎም ከም ወተሃደራዊ ተመኩሮ   ክርደኦም  ዘይከኣለ ናይ ሓንጎል ህማም ኣሕድሩሎም እዩ።  ኣብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላሶም ኣንጻር ገዛእ ስድራ ቤቶም፥ ኣንስቶምን ደቆምን ዓመጽ ኣዘውትሮም እዮም። መንእሰያት ዓው ኢሎም ዝጨደሩ ፈትውቶም ኣጥፊኦም። እዚ እውን ኣብተን ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ኩነታት እዩ። ኣብ መንጎ እቲ  ዘቤታዊ  ዝውስኽ ዘሎ ዓመጽን ኣብ መንጎ  እቲ ብብዝሒ እናዛየድ  ዝኸይድ ዘሎ ኤውሮጳውያን ዝሳተፍኦ ዘለዋ  ውግኣትን  ንጹር ምትእስሳር ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ  ብብዝሒ  ሰደተኛታት ካብ ናይ ውግእ ዞናታት   ናብ ኤውሮጳን ሸወደንን ዝመጹ፥  ብተግባር ኣካል ናይቲ ውግእ እውን ዝነበሩን፥  ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ  መንገዲ (ጉዕዞ) እንተነበሮ፥ እቶም ሰባት ማህሰይቲ ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን እምነትን ነይርዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።  ገለ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ  ብሰድተኛታት ዝተፈጸመ  ቀታሊ ዝኾነ ዓመጽ በቶም ናይቲ ተመክሮ ውግእ  ዝነበሩ  ናይ እእምሮ ሕማም ዘሕደረሎም  እዮም። ካብቲ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ  ዓመጽ ምጥቃምን ኣካል ናቲ ተግባራዊ ዓምጽ ካብ ምዃንን   ክንጥንቀቕ የድሊ፥  ምኽንያቱ    ናይ ደቂ ሰባት ኣእምሮ ሰላማዊ  ስለዝኾነን  ዓመጽ ምጥቃም  ክዓኑ ስለ ዝግበኦ።

በዚ ምኽንያት   ኣገባብ ዘይዓመጻዊ ተቓውሞ ንምምሃርን ምምልማልን  ብዘይ ዓመጽ ንምቅዋም  ምስልጣን  ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ስነፍለጠት ኮይኑ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት እቲ ህዝቢ ኣብ ረብሻ ዝሳተፍን ንናጽነትን ንዲሞክራስን ዝቃለስን ዝጥቀመሎም ኣገባባት እዮም። እዞም ኣገባባት እዚኦም ሰላማዊ  ሰልፊ፥ ተቓውሞ፥  ክትትልን  ዝያዳ ዝማዕበለ ኣገባባትን  እቲ ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ክሳብ ክደናይ ጨካን ይኹን ዝምርኰሰሎም ደገፋት ካብ ዜጋታቱ ንምስሓብ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኖርዋይ ብጀርመን ተጎቢጣ ዝነበረትሉ ናይ ናዚ ክለሰሓብ ኣብ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ከተኣታትዉ ዝደለዩ ሓደ ኣብነት እዩ። እቲ መምህር ነቲ ስርዓተ ትምህርቲ ከተኣኣታቱ ኣይደለየን፥ ኣብ ክንድኡ ግን  ብቐሊሉ ነቲ ናዚ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣስተምህሮ  ምሃብ ነጺጉ። እዚ  ክሳብ  ናብ ቤት ማእሰርቲ  ወይ ኣውን ካሳብ መቕተልቲ  ዘምርሕ ናይ ሓፋሽ ተግባር ብምውዳብ ምስ መማህራን ኣብ ኩላ እታ  ሃገር መልእኽቲ ብምጽሓፍን ኣብ ከመይ ንምግባርን እንታይ ንምንጋርን ዝብሉ ኣሽሓት ሕቶታት ብምሕታትን ንናይ ጀርመን ገዛእቲ  ነዚ ዓሻ ዝኾነ ሕቶታት ንምምላስ ንወርሓት  ዝኣክል ተጸሚዶም ከለዉ  እቲ ትምህርቲ ግን ከም ቀደሙ  ይቕጽል ነበረ። እቲ ምምህር ከምዚ ንምግባር ፈጺሙ ኣይነጸገን እንታይ ደኣ እቲ ትእዛዝ ከምዘይተረድኦ ጠለብ ብምቕራብ ኣብ ሕቶታቱ ቀጸለ።

ማህተማ ጋንዲ ናይ ህንዲ  ዝበሎ  ንሰላምሲ መገዲ የብሉን እቲ ሰላም እዩ እቲ መገዲ። ብሰላም ንምንባር እንተደለኻ ብሰላም ተንቀሳቐስ ወይ ኣተግበር።

ኣሕዋት፥ ሽወደን ን200 ዓመታት ዝኣክል ወጻኢ ካብ ውግእ እያ ነይራ። ነዚ ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ሰላማዊ ታሪኽ ሽወደን መእተዊ ክህበኩም እየ። ከመይ ኢሉ እዩ ክኸውን ዝኸኣለ? ሽወደን  ኣብ ዘየቋርጽ ውግኣት ዝተሳተፈትን፥ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ግርጭት ዝነበራን ንንውሕ ዘበል ግዜየ ወይ  ብውሑዱ ካብ 16  ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ዝሰመረት ሃገር ኮይና ዝጸንሐትን፥  ከምይ ኢላ እያ ካብዚ ኩሉ ውግኣት  ወጺኣ  ክትቅየር ዝኸኣለት። 

ኣብ 1814  ግን ተቕይሩ።  ዝሓለፉ 200 ዓመታት  ሸወደን ኣብ ንግስነትን እቲ ዝበዝሐ ስልጣን ኣብ ሓደ ውልቀሰብ  ተኾሚሩ ዝነበረሉ እዋን እያ ነይራ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኣሪጉ፥  ነቲ ዝፋን ወይ ዘውዲ ዝወርስ ውላድ ስለዝነበሮ፥ ኣብ 1814 ድሕሪ ሞት እቲ  ኣረጊት  ንጉስ   ሓዲሽ ንጉስ  ዝኸውን ንሓደ  ጎበዝ ፈረንሳዊ ሰብ  ሸውደን  ንኽመጽእ  ኣእሚኖም ነበሩ። እዚ ፈረንሳዊ እዚ ወተሃደርን ኣብ ናይ ናፖለዮን  ሰራዊት ዝመርሐን ምንባሩ፥ ኣቶም  ናብ ሽወደን ንኽመጽእ ዘእምንዎ በቲ ዘለዎ ወተሃደራዊ ዝና ንናይ ሽወድን ንግስንት ዘድሊ ባእታ እዩ ዝብል ሓሳብ ነይርዎም።

ነገር ግን ጃን ባፕቲስተ በርናዶተ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ሽውደን ድሕሪ ምምጽኡ እዩ ሽወደን ድኻ ሃገር ምዃና ዝተረደአ። ሽውደን ብወተሃደራዊ ሓያልነታ  ኣብ ኤውሮጳ  ክትቅጽልን  ንካልኦት ሃገራት ክትስዕር ወይ ግዝኣታት ክትምስርት ዕድል ኣይነበራን። ስለዚ እዚ ወተሃደር  ጃን ባፕቲስተ በርናዶተ   ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብመጀመርያ ከኣ ቀንዲ ጸላእቲ ሽወደን ዝነበራ  ደነማርክን ጀርመንን  ናይ ሰላም ስምምዕ  ገበረ። እቲ ኣብ 1814  መጠርስታ ምስ ኖርወይ  ዝተኻየደ  ሓጺር ውግእ  ከኣ ብናይ ሰላም ስምምዕ ኣብታ  ዓመት ኣቲኣ ተበጽሐ።

ካብዚ  ንደሓር  ሽወደን  ነቲ  ብግብሪ  ዝውህለል  ዝነበረ ገነዝብ ናብ  ምህናጽ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ፈጺማ  ኣየጥፈአትን።

ኣብ ክንድኡ፥ ጌና ሽወደን ድኻ ሃገር  ዝነበረትሉ፥  ሽወደናዊ ወዲ ይኹን ጓል ምዝጸሓፍን ምንባብን ተማሂሮም። እዚ ከኣ እቲ  ንኹሎም ህጻናት ናጻ ትምህርቲ  ዝብል  ኣብ 1842   ዝተገብረ ጽገና ኣዝዩ ኣገዳሲ  ናይ ሽወደን ታሪኽ ነበረ።

ብምኽንያት ዝነበረ  ናይ  ድኽነት ሃዋሁ ኣብ   ሽወደን፥  ሓደ ሚልዮን ሽውደናውያን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ 1850ን 1950 ተሰዲዶም። ህዝቢ ሽውደን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጽቡቕ ተግባራት እዮም ገይሮም። ምኽንያቱ  እቶም ድኻታት ስደተኛታት ሽወደናውያን  ክንብቡን ክጽሕፉን ዝነበሮም ትምህርቲ ምስቶም  ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ   ካልኦት ህዝቢ ብምምዝዛን ዝሓሸ ዕድል  ነይርዎም።

ዝበዝሑ ካብኦም ምስ ሃብቶ እዮም  ናብ ሽውደን  ተመሊሶም፥ ሽዑ ናኣሹቱ ፋብሪካታት ወይ ውን ስራሓት ክጅምሩ በቒዖም። እዚ ከኣ እዩ  ፈላሚ ናይ ሽውደን  ኢንዱስትርያ።

ሽውደን ካብተን ክልተ ዓበይቲ ውጋኣት ኤውሮጳ  ናይ  መበል  20  ከፍለ ዝመን ዝተኻየደ ቀዳማይን ካላኣይን ኲናት ዓለም  ወጻኢ ክትከውን ክኢላ።   ኣብዚ ግዚ እዚ እተን ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ዓንየን ኣብ ዝነበራሉ  ናይ  ሽውደን እንዱስቲሪ ግን ከምዘለዎ ስለዝጸንሕ ከፍርን ክሸይጥን ክኢሉ። ኣብ ክንዲ  ውግእ  ድሕንነት  ዝብል   ንሽወደን ካብ ውግኣኣት ወጻኢ ክትከውን ዝገበረ  ፖሊሲ  ምላድ ናይ ሽውደን ስርዓት ድሕነት ኣረጋገጸ። 

ናይ ዘይሻራነት ፖሊሲ ሽወደን  እውን ንሸወደን ኣብ ብዙሕ ናይ ግርጭታት መንጎኛ  ክትከውንን ከምኡ  እውን  ከም ኣብነት ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቃለሱን፥  መሰል ህዝቢ ፈሊስጤምን፡ ኣንጻር ድሌት ናይቶም ልዕለ ሓያላን ክትሕግዝ ናይ ናጻ ግደ ክትጻወት  ክኢላ እያ።  ሽወደን በቲ ውሩይ ኣፈኛ  ጠቕላል ሚኒስትራ ኦሎፍ ፓልመ  ኣቢላ  ንብዙሕ ዓመታት  ሓደ ኣገዳሲ ገደ ከም ናጻ ድምጺ ኣብ ናይ  ዓለም  ናይ ብረት እገዳን ኣንጻር ኑክለራዊ ኣጽዋርን፥ ናጽነት ካብ ጭቆና ዝብል ድምጺ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ።

ኣሕዋት፥ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ዝተመስረተ መሪሕነት እዩ ዘለዋ። ውተሃደራዊ ሓይሊ  ንምክልኻል ግዳማዊ  ጸላእን   ምግባሩ እዩ ዝጠቅም። ብተወሳኺ ናይ ሓንቲ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ፥ ከምዚ ናይ ኤርትራ  ኣንጻር  ገዛእ ህዝባ ክትጥቀመሉ ይረአ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ናጽነት በጺሕኩም። እቲ ዝቕጽል ዕማም ከኣ  ናጽነት፥ ደሞክራሲ፥ ሰላምን ሰባኣዊ መሰላትን ምርግጋጽ እዩ።

ንኹልኹም ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ እትገብርዎ ሓባራዊ ቅልሲ ዓወት ይመነየልኩም። ከም ዝመስለኒ  ኣብ  ወተሃደራዊ  ሓይሊ  ዝተመስረተ መሪሕነነት ርኢኹም ኢኹም።  ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ክብርታት ናጽነት፡ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ሰብኣዊ መስላትን ብቕልጡፍ ኣብ ንምህናጽ  ክትበቕዑ ይትስፎ።

ድሕንነት ኣብ ክንዲ ውግእ

ቶማስ ማግኑሶን

13-08-2016

ፍራንክፈርት ጀርመን

Last modified on Thursday, 29 September 2016 14:12