ሽግርና ናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣይኮነን

2016-10-03 17:09:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2450 times

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ወሪዱ ዘሎ ሽግርን ስቓይን፥ ከምኡ እውን ኣሎ ዝበሃ ልፍልልያት፡ ክነወግዶ ይኹን፥ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ክንልውጦ እንተዀና፥ ዝሓለፈ ኣቚሳል ናብ ምጉድዳእ ዘይኮነስ ቀጻሊ ዘተን ሓቢርካ ምስራሕን ከነድህብ ተደላይነት ኣለዎ።

እዚ ዘሎናዮ ግዜ ተሃዋሲ ብምዃኑ፥ ነቲ ኣብ ነንሓድሕድና ስምምዕ ከሊኡ ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ገጹ ካብ ዝጐተና ዘሎ ባህሊ ይኹን ልምዲ ክንላቐቕ ኣሎና። ምኽንያቱ ንድሌት፡ ረብሓን ጠቕምን መላእ ሕብረተሰብ ምሕሳብን ምሕላይን ክህሉ ዝኽእል ብጋህዲ ምዝራብን ቅኑዕ ፍታሕ ምምጻእን የድሊየና። እንተዘይኮይኑ ነቲ ናትካ ሓሳብ ጥራሕ ንኽዕወትን ኣብ ግብሪ ንኽተውዕልን እናሓለንካ ናብ ጽቡቕ ይኹን ንሓቀኛን ርትዓውን ፍታሕ ክትበጽሕ ዘይከኣል እዩ።

ኣብ ዓለም ብዘሎ ተመኩሮ፥ ህዝቢ ፈጺሙ ኣይፈላለን እዩ። ዝፈላልይዎ  ጸቢብ ረብሓኦም ዘቐድሙ ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ እዮም። ንሳቶም ናብ ስልጣን ዘወጥሖም ሓሳብ ስለ ዘቕድሙ ንህዝቢ የደናግሩ። ኩሉ እቲ ምንቅስቓሳቶም ይኹን ክለሳሓሳቦም ንሃገር ዘርብሕ ከም ዝመስል ገይሮም እዮም ዝቐርቡን ዝምድሩን። ንኣብነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረሉ ግዜ ሕጂ ዝያዳ ነቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ዓትዒቱ ኣብ ዝሓዘሉ ዘሎ ኩነታቱ ንተዓዘብ። እዚ ከኣ ኩልና ከም ትምህርቲ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና ይመስለኒ። መጻኢ ጐነጽ ዝዕድም ተግባራት ዝውገደሉ ወይ ደረት ክግበረሉ ዝከኣል ኣብ ሃገርና   ብኣውራጃ ይኹን ብብሄራት  ወይ ሃይማኖታት ኣብ በሊሕ ዝኾነ ሕሉፍ ግርጭት የለን። እቲ ዝነበረ ውግኣት ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት እምበር፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብኣውራጃ ይኹን ብብሄር ወይውን ብሃይማኖት ኣሳቢብካ ዝተኻየደ ውግእ ኣይኮነን። ማለት እቲ ናይ ስልጣን ወይ እውን ናተይ ፖለቲካ ይበልጽ ዝብል ኣምር እዩ ኣብ ጐነጽ ዝተኣትወ። ስለዚ ሎሚ በዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኣሳቢብና ብዘይንፈልጦን ዘይነበረን ጸገም ወይ ሽግር ተመሪሕና ናብ ዘየርብሕ ፍልልይን ምስሕሓብን ከይንኣቱ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ። ኩልና ብስምዒትና ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ከመይ ንተኣሳሰርን ዱልዱል ዝምድናታት ብምፍጣር ሓድሕድና ዘተሓቛቚፍ ሓሳብን ግብርን ከነማዕብል ኣሎና ኣብ ዝብል ክንሓስብ ይግበኣና። እዚ ምስ ኣማዕበልና እዩ ከኣ እቲ ርህሩህ ሕውነታውን ስነኣእምሮኣውን ዝምድናታት ካብ ኣውራጃይ ብሄረይ ሃይማኖተይ ወጺእ ናብ ሃገረይ ዝብል መንነት ክነዕዝዝ ዘኽእለና።

ነዚ ክንበቕዖ እንተዀንና፡ ነቲ ንኹልና ዘፍርህ፡ ዘርዕድን ኣብ ጥርጠራታት ክንነብር ዝደፋፍኣናን ሕሉፍ ታሪኽ ብምዝርዛርን ምዝካርን ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ዘሰማመዓናን ዘመዓራርየናን መሰረት ኣንጺፍና፡ ኣብ ጽቡቕ እምበር ኣብ ምጉናጽ ዘይውዕል ሕልናን ሓሳብን ክህልወና ክንጽዕር ይግበኣና።

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ ብሄራትን ሃይማኖታትን ወይ ኣውራጃታት ኣብ ክንዲ ንዛረብ ወይ እውን ኣብዚ ጸቢብ ዓንኬል ናብ ምውዳብ ገጽና ሃተምተም ካብ እንብል፡ ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ስምምዕን ሃገራዊ ዕርቅን ይቕረታ ምብህሃልንን ኣዕዚዝና ክንዛረብን ክንዝትን’ዩ ዝግበኣና። ከምዚ ክንገብር ምስ በቓዕና ድማ ንሃገር ምስ ብሄርታ፡ ኣውራጃታታን  ሃይማኖታታን ኣሳንዮም ዝኸድሉ ሕግን ስነስርዓትን ሓንጺጽና ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጥጡሕ መንገዲ ምድላው የኽእለና። እንተዘይኮይኑ ሃገር፡ ብሄር ወይ ኣውራጃ ዘፍርስ ወይ ከኣ ብሄር ወይ ኣውራጃን ሃገር ዘናውጽ ፖለቲካዊ ጸወታ ክንጻወት እንከሎና ብኹሉ መዳዩ ሃሳዪ’ዩ።

ህላዌ ሃገር ብዝተኣማምን ክወሓስ እንከሎ እቲ መንነት ኤርትራዊ እምበር፡ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ክኸውን ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንኹሉ ብማዕረ መንነቱ ዝሕሉ፡ ብባህሉን ብቋንቁኡን ተኸባቢሩ ዝነብረሉን ዝኾርዓሉን ውዕል ምምስራት እምበር ናብ ሓደ ብሄር ገጽካ ኣጻብዕትኻ ብምምልካት ፍረ ዝህብ ኣይኮነን።

እዚ ዝምስረት ግዝኣተ ሕጊ ከኣ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ሓደ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ንበይኑ ዝምስርቶ ግዝኣተ ሕጊ የለን። መንነትን ዜግነትን ድማ ተፈላሊኻ ዘይኮነ ሓደ ሃገራዊ ጥምረት ምስ ዝህልወካ ጥራሕ እዩ ዝረጋገጽ።

ዜግነት ኣብ ኣውራጃ ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣይምርኮስን እዩ። እዚ ማለት ግን ብሄራት መንነቶም ካብ ምዕባይ ክሕረሙ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ መንቀሊኦምን ዕላመኦምን ንሃገርነት ብምንእኣስ ኣውራጃታቶምን ብሄራቶምን ልዕሊ ሃገር ናብ ምስራዕ ገጾም ክጎዓዙ ኣይግባእን። ። ነቲ ሃገራዊ መንነቶም እዮም ዝያዳ ክኾርዕሉን ክሕበንሉን ዝግባእ። ምኽንያቱ ንሱ እዩ ምልክትን ሕላገትን ህላዌ ስምርቲ ሃገረ ኤርትራ ዘውሕስ።

ብኣንጻር እዚ ክንጓዓዝ እንተፈቲና፡ ማለት ከምዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ብምኽንያት ወይ ምስምስ ናይ ምዕቃብን ምምዕባልን ባህልን ካልእ መለለይን፥ መሰል ብሄርን ሃይማኖትን ሎሚ እምበር ጽባሕ ፈትዩ ዝዕድለካ የለን እናተባህለ ካብ ክውንነት ወጻኢ ምኻድ ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይኮነን። መሰል ነፍሲ ወከፍ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖ ወይ ባህሊ ዝኸበር፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብዝሕንጽጾ ቅዋም እምበር በበይንኻ ብዝፍጠር ቁንጹብ ሕጊ ኣይኮነን። ስለዚ ቆላሕታና ከመይ ጌርና ስልጣንን ጸጋታት ሃገርን ማዕረ ዘካፍል ቅዋም ወኒና ብሰላምን ስኒትን ንነብር ናብ ዝብል ክኸውን ይግበኦ።

 

Last modified on Monday, 03 October 2016 19:14