ኣብ እንዳ ህግደፍዶ ኣውንታ ኣሎ’ዩ?

2016-09-26 07:40:23 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2178 times

ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ፡ ቃልስና ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝብድል ዘሎ ዓለም’ውን ዝፈለጠቶ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። እቶም ነዚ ኣብ ዝምልከት ንጽሕፍ ንሕና ተቓወምቱ ጥራይ ዘይኮና ደገፍቱ’ውን ብዛዕብኡ ዝብልዎ ኣለዎም። ንሕና ተቓወምቲ ብርዕን ልሳንን ናይቲ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ክጽሕፍን ክዛረብን ዘይከኣለ ህዝቢና ኮይና ነቃልዕ። ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ ንኣውያት ህዝብና ጸማም እዝኒ ሂቦም ደሓር ጣዕሳኡ ብዘይወጸሎም ግዝያዊ ረብሓ ተሳዒሮም፡ ነቲ ባዕሉ ጸረህዝብነቱ ዘረጋገጸ ጉጅለ “ናይ ህዝቢ ሓላዪ” ኣምሲሎም ከቕርብዎ ሒዅ ይብሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ዝተወሰኑ ወገናት እቲ ቃልሲ ክኸውን ዝግበኦ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ ዘይኮነስ ኣተዓራሪና ምርሓና ምባሉ’ዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ከተሓላልፉ ንዕዘብ ኢና። እዚ ፍተነ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ ካብቲ “ተቓዋማይ እየ” ክብል ዝጸንሐ ከባቢ ዝቕልቀል ምዃኑ እዩ እምበር ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ ንጉጅለ ህግደፍ ምድጋፍን “ኣንታ ንበረለይ” ምባልንስ ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ዝፈልጦ ተዓዘብቲ እውን ዘረጋገጽዎ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ፊን ብዘበሎ ረጊጹ ዝመርሕ፡ ንሰባት ብዘይ ሕጊ ዝኣስር፡ ንእሱራት ምስ ቤተሰቦም ዘየራኽብ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩ ዘይሕብር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ዘይብይን፡ ቁጠባ ሃገር ዝግብት፡ ንዜጋታት ብዘይክፍሊት ዝምዝምዝ፡ ናጽነት እምነትን ካለኦት መሰላትን ዝግህስ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን “ናይ ተኲስካ ቅተል” ጨካን ፖሊሲ ዘተግብር፡ ሳዕቤናቱን ሕጋውነቱን ብዘይምምዛን ካብ ተመኩሮኡ ብዘይምምሃር ሓሓሊፉ ውግኣት ዝኸፍት’ሞ ዘሕፍር ስዕረት ተሰኪሙ ህይወት ዜጋታቱ ዘጥፍእን ክብሪ ህዝቢ ዘግህስን፡ ኮታ ንሃገር ብሃገራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረ “መንግስቲ” ምባሉ’ውን ዘጸግም ጉጅለ እዩ። እዚ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ ንዓና ንቃለሶ ንዘለና ወገናት፡ ንሱ ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ምስምሳት ደኣ ይውስኸሉ ይኸውን እምበር ይክሕዶ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ነዚ ክውንነትዚ ጓሲኻ ኣጸባቢቕካ ንምቕራቡ፡ ከምቲ ንሱ ዝመርጾ ኣብ ቀደም ንምንባር ግደ እቲ ጉጅለ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ከተኮማስዕ ምንባር ግጉይ እዩ። ኣብቲ ናይ ሽዑ ዘበን ንሕና’ውን ዘይንኽሕዶ ኣውንታ ነይሩ’ዩ። ግና ብናይ ዓሚ ብዕራይ ኣይሕረስን’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ነዚ ዘራጊ ጉጅለ ከተርክብ ኢላካ፡  ንመስዋእቲ ኤርትራውያን ጀጋኑ ምእንቲ ናጽነት ምኽሓድ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ኣብ ጅግንነት ናይዞም ሰማእታት ተሓቢኡ ክነብር ግና ክፍቀደሉ ኣይግባእን። እቶም ነዚ ስርዓት ኣይንተንክፎ ዝዓይነቱ ሓሳብ ዘቕርቡ “ንክዕረስ ግዜ ንሃቦ” ማለቶም እንተኾይኑ ዘገርም እዩ ክኸውን። እቲ ካልእ ገዲፍና ንዝሓለፈ 25 ዓመታት እንተርኢና ጉዕዘኡ ናብ ዓዲ ምዕራይ ዘይኮነስ መመሊሱ ናብ ዓዲ ጸይቅን ምንቁልቋልን ምዃኑ ንርኢ ኣለና። ደሓር ንውጽኢት መጻኢ ዓመታት ኣብ ሎልዘበን ኮይና ክንርኢ ተዘይኪልና ጸገም እዩ። ከምቲ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ ምቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ” ዝብልዎ። ስለዚ እዚ ጉጅለ ድሕሪ ሕጂ ንህዝቢ ዝርህርህ ልቢ ክሰኩዕ ምጽባዩ፡ ኪኖ “ከምቲ ዘለኻዮ ቀጽል” ምባሉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።

ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ከነነጽሮምን ክንጥንቀቐሎምን ዝግበኣና ጉዳያት ኣለዉ። ንውድቀቱ ንቃለስ ኣለና ኢልና መፍቶቱ ምእንቲ ከይንኸውን። ንዕኡ ነቃልዕ ዘለና መሲሉና፡ ንኣበርክቶ ሰውራ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዘይመልክዑ ተሂብና ኣብቲ ሰውራ ተተጣዒስና፡ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ኣብየነይተን ውድብ ብዘየገድስ እንተራኺስና፡ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ነናተን ጽልዋን ታሪኽን ዘለወን እሞ ድማ ኣብ ህዝቢ ቀሪበን “እዚኣ ትውረድ እዚኣ ትሰቐል” ኣብ ዘይተባህላሉ ባንዴራታት ምንእኣስ ኩሉ ካብ ህዝቢ ዘርሕቕን ንረብሓቲ ጉጅለ ዝውዕልን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ደሓር ኣብዚ እዋንዚ ከም ኣጀንዳ ተዘይሓዝናዮ’ውን ኣብ ዘይጐድኣና ጉዳያት ፍልልይ ፈጢርና ኣንጻርቲ ጉጅለ ክስለፍ እንከሎ ዘድምዕ ግዜናን ጉልበትናን ከነባኽን ኣይግበኣናን።

ህልዊ ድኽመታት ተቓውሞ ነዚ ገበናቱ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጉጅለ ክንመሳሰሎ ካብ ዘገድድ ምኽንያታት ሓደ ኮይኑ ክቐርብ ይስማዕ እዩ። ብርግጽ ድኽምታት ተቓውሞና ክንሓብኦ ዘይንኽእል ግሉጽ እዩ። ድኽመታትና ከኣ ዓቕሚ ካብ ዘይምህላው ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ ዓቕሚ ወዲብካ፡ ኣከኣኢልካን ነቲ ሓደ ዓይነት ድሌት ብሓደ ኣመሓዲርካን ክትመርሖ ካብ ዘይምብቃዕ ዝመጽእ እዩ። ብዓብይኡ ግና ኣብ ኤርትራ ሕሱም ወጽዓ ክሳብ ዘሎ፡ ሓያል እቲ ወጽዓ ዝወልዶ ህዝባዊ ዕቑር ናይ ለውጢ ሓይሊ ክህሉስ ባህርያዊ እዩ። ኣሎ ከኣ። ንህግደፍ ዝብድህ ሓይልን ዓቕምን የለን እንብል ህግደፍ ሓቀኛ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ እንተ ኢልና ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ዘየለ ክውንነት’ዩ። ስለዚ ንግዜኡ ህልዊ ድኽመትና ከነወግድ ዘይምኽኣልና፡ ንሕጽረታትና ክንቃለሶ እምበር ኣላሽ ኢልና ንህግደፍ ኣብ ጥራይ ኢዱ ኣጸባቢቕና ከነቕርቦን ኢድ ክንነስኣሉን ግቡእ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 26 September 2016 09:43