ኣብ 7ይ ምዱብ ኣኼባ ዝቐረበን ዝጸደቐን ዓመታዊ ጸብጻብ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ (ካብ ነሓሰ 2015-ሓምለ 2016)

2016-09-24 23:55:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3147 times

CC Logo

1. ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር
2. ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያት
3. ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት
4. ቤት ጽሕፈት ዜና
5. ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት
6. ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት
7. ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ-ኣንስትዮ
8. ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት

1. ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር

መእተዊ

ሃለዋት ሃገርና፦


ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራትን ሃለዋት ሃገርና እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ። ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ ትካላት መንግስቲ የለን። ፓርላማ፡ ካቢነ፡ ፓርትን ቤት ፍርድን ንምስሊ ኣለዉ ንምባል እንተዘይኰይኑ ብግቡእ ኣይሰርሑን ኢዮም።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሊዑ ዘሎ ኵነታትን ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ንዝፈጠሮ ስግኣት መዝሚዙ ካብ ተነጽሎ ክወጽእ ይፍትን ኣሎ።

እቲ ስርዓት፡ ኣብ ነብሱ ምትእምማን ስለዘጥፍአ፡ በብእዋኑ ናይ ሰበ-ስልጣን ምውራድን ምድያብን (ምብዋዝ) ልሙድ ስራሕ ገይሩ ተታሓሒዝዎ ኣሎ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እውን ናይ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሹም ሽር ከምዘካየደ ብማዕከናት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ። ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ መሬት፡ ሰማይን ባሕርን ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ዓሰብ፡ ዝንቀሳቐስሉ ኵነታት ተፈጢርሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኵሉ ንግዳዊ፡ ሕርሻዊ፡ ገንዘባዊ ወይ ፋይናንሳዊ፡ ኢንዱስትርያዊ ጽላታታት ብመንግስትን ፓርትን ዝተገበተ ኢዩ። ናይ ብሕቲ ጽላት ዝብሃል ዳርጋ የለን። እቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ድማ፡ ናይ መንግስቲ ኢድ ዘለዎም ኢዮም። ከም ውጽኢቱ ህዝቢ ብስእነት መግቢ፡ ማይ፡ ጽዓት፡ ሕክምና ይሳቐ ምሃላዉ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘተኣታተዎ ናይ ባጤራ ምልዋጥ ፖሊሲ ድማ፡ ነዚ ኵነታት’ዚ ብዝያዳ የጋድዶ ምህላዉ።

ሕክምና ይኹን መድሃኒት ኣብ ኤርትራ ብርቱዕ ጸገም ከምዘሎ። እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ናብ ሱዳን ከይዱ’ዩ ዝሕከም። መድሃኒትን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ንምርካብ ጉቦ ምብላዕ ልሙድ ተግባር እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ጌና ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ሒዙ፡ ናብ ኤርትራ የባርሮም ኣሎ።


ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፦

ብ2 ነሓሰ 2015፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበአር ሰዲህኤ፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ተኻፊሉ ቃል ሰልፊ ኣስሚዑ። ከምኡ'ውን፡ ብ9 ነሓሰ ኣብ ናይ ግንባር ድሕነት ፈስቲቫል ኣብ ካስል ተኻፊሉ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዑ።
ሻዱሻይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ'ዞም ዝስዕቡ 6 መዓልታት ኣካይድና።
1. ቀዳማይ ክፋል/session፡ 16 ነሓሰ 2015
2. ካልኣይ ክፋል፡ 20 ነሓሰ 2015
3. ሳልሳይ ክፋል፡ 22 ነሓሰ 2015
4. ራብዓይ ክፋል፡ 30 ነሓሰ 2015
5. ሓሙሻይ ክፋል፡ 05 መስከረም 2015
6. ሻዱሻይ ክፋል፡ 13 መስከረም 2015

ኣብ'ዚ ኣኼባታት'ዚ፡ ዝተሰላሰሉ ዕምማት ነዞም ዝስዕቡ ኢዮም ዝመስሉ።
• ምምራጽ ኣቦ መንበር፡ ምምራጽ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ኦዲተርን፤
• ምጽዳቕ ውሽጣዊ ሕግታት ማእከላይ ባይቶን ንኣገባብ ኣከያይዳ ኣኼባታቱን ዝምልከት መምርሒታትን፤
• ብፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረቡ መድረኻዊ መደብ ዕዮ ምጽዳቕ፤
• ምጽዳቕ ንዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝምልከት ፖሊሲታት ሰልፊ።

ብመስከረም 2015 ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ኰይና፡ ምስ ኣቦ መንበር ግሃድኤ፡ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያምን ምስ ኣባል መሪሕነት መንሱር ዓብደልሃዲን ተራኺብና ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ተዘራሪብና።

ብ26 መስከረም 2015 ድማ፡ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብፖልቶክ ኣካይደ። ትሕዝቶ ኣኼባና፡ ውጽኢት ጕባኤና ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ።

ብ27 መስከረም 2015፡ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣካይድና።

ብ1 ጥቕምቲ 2015 ድማ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ንኣሰራርሓና ዝምልከት ኣኼባ ኣካይድና።

ብ10 ጥቅምቲ 2015፡ ኣብ ጕባኤ ጨንፈር ኖርወይ ተኻፊለ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርና፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰልፍና ብፍላይ ድማ ውጽኢት ጕባኤ መግለጺ ኣቕሪበ። ኣብ ናይ ድሕር ቀትሪ ሰዓታት ድማ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይደ።

ብ12 ጥቅምቲ 2015 ምስ ኣህጕራዊ ሰክረታርያ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ተራኺብና። ኣብ'ዚ ርክብ'ዚ ዝተኻፈልና፡ ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት፣ ሓው ዳዊት ኣርኣያ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይ፣ ሓው ዑስማን ጃብርን ኣነን ዝርከብዎ ልኡኽ ነይሩ።

ኣብ'ዚ ርክብ'ዚ ዘቕረብናዮ መግለጺ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራ፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰልፍናን ነይሩ። ከይዱ ከይዱ እቲ ክትዕ፡ ኣብ'ቲ ብሃገራት ኣውሮጳ ንስርዓት ህግደፍ ክውሃብ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ ኢዩ ጽዕዩ። ብወገን ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሕዛ ለውጢ ይርአ ምህላዉ፡ ዝውሃብ ረዲኤት ኣብ መዓላ ህዝቢ ዝውዕል ምዃኑ፡ ቍጽጽር ክገብሩ ምዃኖም . . .ወዘተ ተገሊጹ።

ብወገና ድማ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት እተጻሪ ኮሚሽን ከምዝመዘዘ፤ እታ ኮሚሽን ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰታት ይፍጸሙ ምህላዎም ዘረጋግጽ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ኣቕሪባ። ካብ'ዚ ሓሊፋ፡ ብገበን ኣንጻር ደቂሰባት ከኽስስ ዝኽእል ምልክታት ከምዝተዓዘበት እውን ገሊጽና። እዚ እንከሎ፡ ንስርዓት ህግደፍ ሓገዝ ምሃብ፡ ንዝገብሮ ዘሎ ገበናት ቀጽሎ ዝብል መልእኽትን ምትብባዕን ክኸውን ኢዩ።  ብተወሳኺ፡ ብስርዓት ኤርትራ፡ ዝተፈጸመ ናይ ኣንፈት ምቕያር ምልክት ወይ ቅሩብነት እውን ኣይተራእየን።  ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ ክምእዘዝ ምዃኑ፡ ቅዋም ከተግብር ምዃኑ፡ ምስ ተቓወምቱ ክነብርን ክሰርሕን ድልዊ ምዃኑ . . .ወዘተ ክሰርሕ ዝእምት ዝዀነ ይኹን ምልክት ከየርኣየ ሓገዝ ምሃቡ ብርግጽ ንምልኪ ምሕያል ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ሓገዝኩም ንተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ንሲቪላውያን ማሕበራትን ንስደተኛታትን ክኸውን ይግባእ ኢልና።

ብ24 ጥቅምቲ 2015 ኣኼባ ጨናፍር ሽወደን ብፖልቶክ ኣካይደ። ኣብ'ቲ ኣኼባ ዝተላዕሉ ኣጀንዳታት እቶም ኣብ ናይ ኖርወይ ጕባኤ ዝቐረቡ ነይሮም።

ብ31 ጥቅምቲ 2015 ድማ፡ ናይ ህዝቢ ክፉት ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣካይደ። እቲ ኣጀንዳታት እውን፡ ከም'ቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ዝተዘርበሉ ነበረ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ምስ ረድዮ ድምጺ ህዝብን ምስ ረድዮ ድምጺ ሓርነት ቃለ-መሓትት ኣካይደ።

ኣብ ስቶክሆልም ምስ ሓላፊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ሽወደን ርክብ ኣካይድና። ኣብ'ዚ ርክብ'ዚ ዝተኻፈልና፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽየን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት፡ ሓው ካርል ሊንድበርግን ኣነን ኔርና። ኣብ'ዚ ርክብ'ዚ እውን ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብና ኣብ ውሽጢ፡ ብዛዕባ ደምበ ተቓውሞናን ንጥፈታት ሰልፍናን ገሊጽና። እቲ ዘአንገደና ሓላፊ፡ ብቐጥታ ኣብ ንዕኡ ዘገድሱ ሕቶታት ኣእትዩና። ገለ ካብ'ቶም ዘቕረቦም ሕቶታት ድማ፡ እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝውሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ከመይ ትርእይዎ ዝብል ነበረ?

መልስና ከም'ቲ ንሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ዝሃብናዮ ነይሩ። ብወገኑ፡ እቲ ዝውሃብ ሓገዝ፡ ንልምዓት ብፍላይ ድማ ጽዓት ንምፍጣር ክውዕል ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንንግዲ ስደተኛታት ደው ንምባል ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዝተወሰነ መቝነን (Trust Fund) ኣሎ። እዚ ግን፡ ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዅለን ኣብ ምብራቕ፡ ምዕራብን ሰሜንን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሃገራት ዝውሃብ ኢዩ ዝብል ነይሩ።

ብ8 ሕዳር 2015 ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ተኻይዱ። ኣኼበኛ ነቲ ብሓው መስፍን ዝቐረበ ጠለብን ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተዋህበ መልስን ድሕሪ ምስማዕ፦
1. ብሓው መስፍን ሓጐስ ንዝቐረበ ካብ ማእከላይ ባይቶ ጠለብ ናይ ምንስሓብ ጠለብ ተቐቢልዎ፤
2. ነቲ ሓው መስፍን ሓጐስ ዘልዓሉ ሕቶታት እተጽንዕን መፍትሒታት እተቕርብን ኮሚቴ ቆይማ፡ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ጸብጻባታ ከተቕርብ ድማ ወሲኑ።

ብ12 ሕዳር 2015፡ ብኣቦ መንፈር ሰልፊ ኣቢሉ ብምኽንያት ሞት ናይ ቀደም መራሒ ሃገረ ጀርመን ሄልሙት እሽሚት(Helmut Schmidt) ናይ ሓዘን መግለጺ መዘክር ናብ ሲግማር ጋብርኤል (Sigmar Gabriel)፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ጀርመን (SPD)፡ ተመሓላሊፉ። ቅዳሕ ናይቲ መዘክር ናብ ምኒስትር ወጻኢ ጀርመንን ናብ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነተት (Progressive Alliance) ኣወሃሃድን እውን ተላኢኹ። ከምኡ'ውን ብዕለት 15  ሕዳር 2015፡ ብቤት/ጽ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣቢሉ መዘክር ናብ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ኦላንድ (Francois Hollande) ምስ ቅዳሕ ናብ ወጻኢ ምኒስትር ሎራን ፋብዩስ/Laurent Fabius ተላኢኹ። መዘክር ሰዲህኤ በቲ ብዕለት 13.11.2015 ኣብ ፓሪስ እተረኽበ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ምድንጋጽ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲ ምግላጽ፣ ነቲ ፕረሲደንት ኦላንድ ብጒዳይ ኤርትራ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኣብ ማልታ ዝሃቦ ኣገዳሲ መግለጺ ዘመጒስ ነይሩ።

ብ16 ሕዳር 2015 ከኣ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፍን ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታትን ኰይና ምስ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም፡ ኣቦ መንበር ግሃድኤ ምስ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ግሃድኤን ተራኺብና፡ ኣብ'ዘን ዝስዕባ ስምምዓት በጺሕና።       
1.  ኣቦ መንበራት ክልቲኡ ሸነኻት ብዝጥዕሞም ኣገባብን ጊዜን ርክብ ክገብሩን: ኣድላይ ዝብሉዎ ናይ ወውድቦም ጽሑፋት/ሰነዳትን ሓበሬታታትን ክለዋወጡ፤
2. ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባትና ናይ ጸለመን ሕድሕዳዊ ምንጽጻግን ተግባራት ከይህሉ ምግባር፤
3. ኣባላት ወይ _ጨንፈራት ናይ ክልቲኡ ውድባትና ኣብ ዘዝርከብዎ  ዓድታትን ከተማታትን  ቀጻሊ ርክብ ክገብሩ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ኣብ ናይ ሕድሕድ ንጥፈታት: ማለት ከም ህዝባዊ ኣኼባታትን በዓላትን ብሓባር ክካፈሉ።
4. ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዓሚቝ ዘተ ንምክያድ፡ ካብ ክልቲኡ ሸነኻት ናይ ዘተ ሽማግለታት ክቖማ ተሰማሚዖም። ቀንዲ ዕላማ መጻኢ ዘተ ከኣ ንዝፈላልየናን ዘራኽበናን ነጥብታት ንምንጻርን፤ በቶም  ዘራኽቡና ነጥብታት ድማ ኣብ ሓባራዊ ስርሓት እንዋፈረሉ መደባት ንምስራዕን ይኸውን፤
5. ነዚ ናይ ክልቲኡ ወድባትና ኣፈናዊ ስምምዕ ንመሰረታትና ምሕባርን ከተግብርዎ ምትብባዕን።

ብ20 ሕዳር 2015 ኣብ ፓልቶክ ሩም ደግና-ተሻሞ ፎረም ጋሻ ኰይነ ተዓዲመ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ህዝብና፡ ደምበ ተቓውሞናን ሰልፍናን መግለጺ ኣቕሪበ።

ብዕለት 27-29 ሕዳር 2015 ብመድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ እተዳለወ ርክብ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ፡ ከንያ፡ ተኻይዱ። ኣብኡ ንሰዲሃኤ ወኪለ ተኻፊለ።

ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ንምምይይጥ ዝቐረቡ ኣርእስታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።
1. ሓያልን ድኹምን ጐድኒ ተቓወምቲ ውድብን መንግስቲ ኤርትራን፤ ነቲ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ንምቕያር ክግበር ዘለዎ ስርሓት፤
ኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፦ ኣቶ መስፍን ሓጐስ፡ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድን ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይን ኢዮም።
2. ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ናይ ስርዓት ዝኽሰቱ ጸገማትን ብድሆታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሲናርዮታትን፤
ኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፦ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ዶክተር ዓወት ተወልደን ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን ነይሮም፡
3. ነዞም ብድሆታት ከመይ ገርና ንምክቶም፤ ለውጢ ንምምጻእ ከመይ ብሓባር ንሰርሕ፤ ካብ ሓድነት ናይ ዕላማ ናብ ሓድነት ናይ ግብሪ ከመይ ንሰጋገር?

ኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፦ ኣቶ ሕሩይ ተድላን ኣቶ በሺር እስሓቕን ነይሮም። ኣምባሰደር ኣድሓኖም ገብረማርያም እውን ተመዚዙ ነይሩ ግን ኣይተኻፈለን።


ኣኼበኛታት ኣብ'ቲ ዝቐረበሎም ዛዕባታት ህዱእን ሃናጽን ዝዀነ ምይይጥን ክትዓትን ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ስምምዓት ተበጺሑ።
1. ንሓድነትን ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ምሕላው፤
2. ኵሎም ደለይቲ ለውጥን ዲሞክራስን ሓባራዊ ዕላማ ንኽህልዎን ምጽዓር፤
3. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ብቅዋማዊ ስርዓት ምትካእ፤
4. ህዱእን ሰላማውን ናይ ምስግጋር መድረኽ ክውን ንምግባር ዘድሊ ምድላዋት ምግባር፤
5.  ግዝያዊት ናይ ርክብ ኣካል ምቛም። ስርሓታ ድማ፦
ሀ. ምስ ኵሎም ተቓወምቲ ብምርኻብ መድረኽ ምስግጋር ብልሙጽ ኣገባብ ንምክያድ ዘኽእል ሓባራዊ ራእን ሓባራዊ ናይ ትግባረ መደብን ምቕራጽን ምትግባርን፤
ለ. መስርሕ ዲሞክራሲ ንምቅልጣፍ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝካፈልሉ ኣኼባ ምድላው።


ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ እተሳተፉ ውድባት፦
1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
4. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
5. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
6. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ
7. ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን
8. ሰልፊ ጕባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)
9. እስላማዊ ህዝባዊ ጕባኤ ( እስላሕ)
10 ኤርትራዊ እስላማዊ ጕባኤ
11. ኤርትራዊ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ
12. ዲሞክራስያዊ ግንባር ንሓደነት ኤርትራ (ሳግም)
ሀ. መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ፦  ብ12 ጥሪ 2016 ስርዓት ህግደፍ ኣንጻር ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ፊርማ ምእካብ ወፈራ ዝቃወም መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ወጺኡ። 

ዓባይ ብሪጣንያ
• ብ24 ጥሪ 2016 ኣቦ መንበር ሰዲህኤን  ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያን ኰይና ኣብ ለንደን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይድና። ሓው ሃይለ ወልዱ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላት ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝተፈላለዩ ኣባላት ናይ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ ዜጋታትን ኣብ’ቲ ኣኼባ ተኻፊሎም፤
• ብ30 ጥሪ 2016 ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ሓው ዘርእስላሰ ሽከርንን ዝመርሕዎ ኣኼባ ኣብ ሊድስ ኣካይድና። ብርክት ዝበሉ ተኻፈልቲ ነይሮም። መብዛሕትኦም ዘይኣባላትና ኢዮም።
• ብ31 ጥሪ 2016 ኣብ በርሚንግሃም ኣቦ መንበር፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ሓው ሓምድ ድራርን ዝመርሕዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይድና። ከም ናይ ለንደን ዝዓይነቶም ተኻፈልቲ ኢዮም ነይሮም።

ኣብ’ዚ ኣኼባታት’ዚ ዘልዓልናዮም ዛዕባታት፦
1. ንጥፈታት ሰዲህኤ ብመንጽር ናይ ሓባራዊ ስርሓት ምስ ተቓወምቲ ውድባት፤ (ፍራንክፈርት ዎርክሾፕን ዋዕላ ናይሮብን)፤
2. ዲፕሎማስያውን ውድባውን ንጥፈታት ሰልፍና፤
3. ማሕበራዊ ንጥፈታት ሰልፍና (ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ፡ ኣካለ-ጽጉማንን ናይ ርሑቕ ወላድን፤
4. ጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፤
5. ጕዳይ ስደተኛታትን
6. ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ውሽጣዊ ኵነታት ሃገርን

ብ2 ለካቲት 2016 ኣቦ መንበርን ሓው ጐይትኦምን ኰና፡ ምስ ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ተራኺብና። ዝተዛረብናሎም ዛዕባታት፦
• ውሽጣዊ ሃለዋት ህዝብና፤
• መንነትን ንጥፈታትን ሰልፍና
• ብሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ክውሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ልምዓት ሓገዝ።

ብወገን መንግስቲ እንግሊዝ ምስ ስርዓት ህግደፍ ቀሪቦም ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለዎም ገሊጾምልና። መንቀሊኦም፡ ነቲ ዋሕዚ ስደት ደው ንምባል እኳ እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ገለገለ ለውጥታት የርኢ ኣሎ፡ ካብ ዝብል ነጥቢ ከምዝብገሱ ሓቢሮምና። መልስና ድማ ከም’ቲ ኣብ ሽወደንን ኖርወይን ዝሃብናዮ መልስታት ዝመሳሰል ነይሩ።

ኣብ ለንደን ኣብ ዝነበርክሉ እዋን እውን ምስ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ኰና ኣብ’ቲ ብባሮነስ ኒል ኪነክ ዝተመርሐ፡ ብጕዳይ ኤርትራ ሎቢ ንምግባር ብዅሎም ኣባላት ፓርትታት እታ ሃገር ዝውከል ናይ ሎቢ ግሩፕ ንምምስራት ዝተጸውዐ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ተሳቲፍና።

ካብ ዓዲ እንግሌዝ ምስ ተመለስኩ፡ ብ24 ለካቲት 2016 ንኣባላት ሰልፊ ድሕሪ ካልኣይ ጕባኤ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ሓበሬታዊ ኣኼባ ኣካይደ።

ጨንፈር ኣውስትራልያ፡ ብናይ ሰዓታት ዘይምጥዕዓም ምኽንያት ኣብ’ቲ ናይ ኣባላት ሓበሬታዊ ኣኼባ ብፓልቶክ ክሳተፉ ስለዘይከኣሉ፡ ብ13 መጋቢት 2016 ኣኼባ ኣካይደሎም። ጽቡቕ ኣኼባ ነይሩ፡ ሓው ደስታ ተኽለ እውን 1000 ናይ ኣውስትራልያ ዘወፈየሉ ኣኼባ ነይሩ።

ብ19 መጋቢት 2016 ኣብ ስመር ንለውጢ ሩም 1 ን7 ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይደ። ኣብ’ዚ ዘልዓልክዎም ኣጀንዳታት፡
• ዕላማን ራእይን ሰልፍና፤
• ጕዳይ ሓድነትን ሓባራውን ስራሕን፤
• ንጥፈታት ሰልፍና።

ተመሳሳሊ ኣኼባ፡ ኣብ ስመር ንለውጢ ኦፊሽያል ሩም ብዕለት 2 ሚያዝያ 2016 ኣካይደ።

ኣብ’ቲ ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ኢዮበልዩ ናጽነት ኤርትራ ዝተዳለወ ሰሚናር ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ስካንዲናቭያ ተኻፊለ ቃል ኣስሚዐ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ድምጺ ሓርነት ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝምልከት ቃለ-መሓትት ኣካይደ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ እቲ ቀንዲ ንጥፈታተይ ኣብ ምድላው ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን ዘትኰረ ኢዩ ነይሩ።ነዚ ዋዕላ ናይ ምስንዳእ ሓላፍነት ዘለዋ ሽማግለ፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓው ኣለም ዮውሃንስ፡ ሓው መሓሪ ተስፋማርያምን መንግስተኣብ ኣስመሮምን ይርከብዋ። ሓው ንጉሰ ጸጋይ ድማ፡ ንምስንዳእ ፈስቲቫል ወኪሉ፡ ምስ መደብ ዋዕላ ንምውህሃድ ምስ ሽማግለና ኣብ ቀጻሊ ምውህሃዳዊ ስርሓት ነይሩ።

2. ኣህጉራዊ ጉዳያት በ/ጽሕፈት-ካብ ነሓሰ 2015 ክሳዕ ሓምለ 2016

ኣብ ውሽጢ 2015-2016 ዓመተ-ስራሕ ሰልፊ፡ ብቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንእተዓመ ንጥፈታት ንምግላጽ ኣብ ሓሙሽተ ኣርእስትታት እተመቕለ ነጥብታት ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ኣርእስትታት ከኣ፡-
1. መጽሔታት/ጽሑፋት፡- ኣውራ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ክሊታት ዘቕንዐ ክለተ-ወርሓዊ መጽሔትን፡ ብካልኦት እተዳለወ ጽሑፋዊን ብድምጺ እተቐርጸ ገለጻታትን ብስፍሓት ተዘርጊሑ። ንመርበብ ሓበረታ ሰልፊ እውን 41 ዜናዊ ዓንቀጻት ብእንግሊዝ ቀሪቡ።
2. ዕላዊ ዲፕሎማሲ/ብጽሖታት፡-  5 ብጽሖታትን ርክባትን (3 ካብኡ ብኣቦ መንበር ሰልፊ)   ኣብ ሃገራት ኖርወይ፡ ሽወዴን(2)፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ በልጁም (ሕብረት ኤውሮጳ) ተገይሩ።
3. ህዝባዊ ዲፕሎማሲ/ኮንፈረንሳት፡- መሪሕነታት/ኣባላት ሰልፊ ኣብ 14 ኮንፈረንሳትን መጽናዕታዊ ኣኼባታትን ብምስታፍ ንሃለዋት ህዝብን ቃልሲ ተቓውሞን ኣቃሊሖም። እቲ ኮንፈረንሳት ኣብ ከተማታት ዩተበሪ (1)፡ ሊድስ (3)፡ ፍራንክፎርት(1)፡ ናይሮቢ (1)፡ ኣብ ጅኔቭ (8) እተጋብኤ ነበረ።
4. መዘክራት፡- ናብ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ባይቶ  ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሽወዴን፡ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ዓለም፡ ከምኡ ከኣ ናብ 47 ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕንዐ መዘክራት ተላኢኹ።
5. ንጥፈታት ቦታውያን ሽማግለታት፡-  እዚ ዓመታዊ ጸብጻባ፡ ጽማቚ ካብ ንጥፈታት ናይ ቦታውያን/ንኡሳን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። 

መጽሔታት/ጽሑፋት
1. ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመተ-ስራሕ (ነሓሰ 2015 - ሓምለ 2016)፡ 6 ሕታማት መጽሔት Liberty/ሊበርቲ (ማለት ሕታማት 34-39) ተዳልዩ፡ ብኢመይላትን ብፋይስቡክን ከይተረፈ ብምዝርግሑ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሑ ብዘይፈልጥ ስፍሓት ዝርጋሔ ነይሩዎ። ብሸነኽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ እኳ፡ ነፍስ-ወከፍ ሕታም ንከባቢ 1,000 ኢመይላት ናብ ዲፕሎማሲያዊ/ኣህጉራዊ ትካላት ክዝርጋሕ ጸኒሑ።  መጽሔትን ካልእ ጽሑፋት ሰልፊን፡ ገለ ብኻልኦት እተዳለወ ጽሑፋትን ብመልክዕ ዩ-ትዩብ እተቐርጸ ቪደዮታትን ኣብ ኣገዳሲ እንብሎ ኣድራሻታት ብቦታውያን ሽማግለታትን ገለ ኣባላት መሪሕነትን ጨንፈራትን ብብዝሒ ተዘርጊሑ።
2. ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ፡ ንሰዲህኤ ምስ ኣንበብቲ ዘላሊ መግለጺ ጽሑፍ (EPDP Profile) ተሓዲሱ ተዘርጊሑ። ከምኡ'ን ብጠለብ ሓዲሽ መርበብ EriVision፡ ፍሉይ መግለጺ/Profile ተዳልዩ ተላኢኹ።
3. ንንጥፈታት ቤት ጽሕፈትን ሰልፍን ብዝምልከት ምስ ራድዮ መድረኽ ክልተ ጊዜ ሓደ ጊዜ ከኣ ምስ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ቃለ መሕተት ተገይሩ። ንጸገማት ስደትን ፍልሰትን (migration) ብዝምልከት እውን ምስ ገርበሻ ዝብሃል መርበብ ፓልቶክ መግለጺ ተዋሂቡ።
4. ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት፡ 41 ዜናዊ ዓንቀጻት ብቛንቋ እንግሊዝ ናብ መርበብ ሓበረታ ሰልፊ ከም ዝበጽሕ ተገይሩ።

ዕላዊ ዲፕሎማሲ/ብጽሖታት
1. ኦስሎ፡-ብ12 ጥቅምቲ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፣ ኣባል ፈጻሚ ሽማገል፡ ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ እውን እተረኽቦ ልኡኽ ሰልፊ ምስ ናይ ኖርወይ ሰልፊ ዕዮ  (Arbeiderpartiet) ርክብ ኣካይዱ። እቲ ልኡኽ ንሃለዋት ሃገርናን ህዝብና ኣብ ርእሲ ምግላጽ፡ እቲ ካብ መሓዙት ሰልፍታት ዝጥለብ ዓይነት ሓገዛት ጠቒሱን ብግብሪ ክርኤ ተማሕጺኑን።
2. እስቶክሆልም፡- ከምኡ'ውን ብዕለት 21 ጥቅምቲ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ሽወዴን ኣገዳሲ ርክብ ኣካይዱ። ኣባል ፈ/ሽ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮንን መሓዛ ሰልፍና ካርል ሊንድበርግን (Carl Lindberg) ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣሰንዮም ኣባላት ናይቲ ልኡኽ ነይሮም።
3. ብራሰልስ፡- ብ 9 ሕዳር፡ ሓላፊ ቤት/ጽ ኣህጉራዊ ጒዳያት ሰዲህኤ፡ ብጒዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ብኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ሓደ መሓዛ ሰልፍና ዝኾነ በርገሳዊ ማሕበርን (ብፕሮፈሶር ሚርያም ቫን-ራይዘን ዝምራሕ) ኣብ ከተማ ብራሰልስ ኣብ እተገብረ  ኣኼባ ከም ኣቕራቢ ተሳቲፉ። እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ንመግስቲ ኤርትራ ክወህብ ተመዲቡ ዘሎ ናይ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ክወህብ ከም ዘይግባእ መዲሩ። ቀጺሉ በቲ ዕለት እቲ፡ ልኡኽ ሰልፍን ካልኦት ኤርትራውያንን ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳን ተወካሊት ጒዳይ ኤርትራን ዓሚቚ ዘተ ኣካይዶም።
4. ሎንዶን፡- ብ2 ለካቲት 2016፡ ኣቦ መንበር ዝመርሖ ልኡኽ ሸልፊ፡ ምስ ወጻኢ ምኒስትሪ ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ ኣካይዱ። እዚ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ (ኣወሃሃዲ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ) እተረኽቦ ልኡኽ፡ ንኣሰካፊ ሃለዋት ህዝብና፣ ንጸገማት ስደተኛታትና ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም ተቓውሞ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንእንጽበዮ ደገፍን ፖለቲካዊ ሓገዛትን ዘርዚሩ ተመያይጥሉ። ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ሰልፊ እተረኽቦ ልኡኽ፡ ብሃውስ ኦፍ ሎርድስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ፓርላማ፡ ኣብ እተጸውዐ ኣኼባ ተኻፊሉ። ኣብ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ጒጅለታት/ወከልቲ ሰልፍታት ንጒዳይ ኤርትራ ንምድጋፍ ሓደ ሓባራዊ ንኡስ ልፍንቲ ከም ዘቖሙ ብዕለት 9 መጋቢት 2016 ኣብ ዝዘርግሑዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም። እዚ ከም ዓቢ ዓወት ዝቚጸር ኢዩ።
5. እስቶክሆልም፡-ብዕለት 2 መጋቢት 2016፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ዝመርሖ፡ ዶክ. ሃብተሚካኤል ተኽለን መሓዛ ሰልፍና ዝኾነ ካርል ሊንድበርግን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ምኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ሽወዴን ምስ ኣገዳሲ ሰበስልጣን ብምርኻብ ሓበረታታት ተለዋዊጦም። ቀንዲ ዛዕባ ርክብ ግን፡ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለው ስደተኛታት ኤርትራውያን ክግበር ዝድለ ሓገዝ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓገዝ እንተልዩ ንምድህሳስ ነይሩ። እቲ ሰበስልጣን ሽወዴን ምስ መንን ከመይን ርክብ ክግበር ከም ዘለዎ ዝእምት ጠቓሚ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።
6. ሮማ፡- ብ10 ግንቦት፡ ኣብ ውሽጢ ፓርላማ ኢጣልያ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣገዳሲ ኣኼባ ተገይሩ። ልኡኽ ሰልፍና ብተክኒካዊ ጸገም ክካፈሎ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ርእይትኡን መልእኽቱን ግን ብልኡኽ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ ኣቢሉ ከም ዝበጽሖም ተገይሩ። ነቲ ብታሕሳስ 2013 ልኡኽ ሰልፊ ምስ ሓለፍቲ ፓርለማ ኢጣልያ ንዝገበሮ ርክብ ዘዘኻኽር ጽሑፍ እውን ናብ ሓለፍቲ ፓርላማ ኢጣልያ ተመሓላሊፉ።

ህዝባዊ ዲፕሎማሲ/ኮንፈረንሳት
1. ዩተበሪ፡- ብዕለት 23 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሽወዴናዊት ከተማ ዩተበሪ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ብንጥፈት እተኻፈልዎ ንኤርትራን ሃለዋት ህዝባን ብዝምልከት ኣገዳሲ ሓበረታዊ ኣኼባ ተኻይዱ። ካብቶም ኣቐረብቲ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ነይሩ። ሓው ጸሃየ ቀለታ (ኣባል ቦታዊት ሽማግለ  ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ) ካብቶም ቀንዲ ኣዳለውቲ ኣኼባ ነይሩ። 
2. ፍራንክፎርት/ናይሮቢ፡- እቲ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሕዳር 2015 ኣብ ክተማታት  ፍራንክፎርትን ናይሮብን እተኻየደ ኣኼባታት ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዓለማዊ ብውሑዱ ንተፈላጥነቱ ዘስፍሕን ንውሽጣዊ ዓቕምታቱ ዝፍትሽን ነይሩ። ብሓጺር ንምጥቃሱ ዝኣክል፡ ብዕለት 13-14 ሕዳር ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክገሃድ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ዝዝቲ ኣኼባ፡ ልኡኽ ሰልፊና ብኣሕዋት ንጉሰ ጸጋይን ወልደሱስ ዓማርን ተወኪሉ ተኻፊሉ። ኣብቲ ብ27-29 ሕዳር 2015 ኣብ ከተማ ናይሮቢ እተኻየደ ከኣ ቀዳማይ ምምኻራዊ ዘተ ውድባት ኤርትራ ሰልፍና ብኣቦ መንበሩ ተወኪሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ እውን ሓደ ጽሑፍ ንኣኼባ ኣቕሪቡ።
3. ጅኔቭ፡- ሓላፊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብቲ ብዕለት 18 ለካቲት፡ ልዕሊ 500 ተሳተፍቲ እተኻፈልዎ ንስደተኛታት ናይ ምሕጋዝ መደባት ንምጽናዕ እተገብረ ሰፊሕ ናይ ግብረ-ሰናይ ኮንፈረንስ ተኻፊሉ፡ ሓጺር ቃል ከስምዕ እውን በቒዑ። ንኤርትራን ንዓኣ ኣብ ዝመስላ ሃገራትን ዘሎ ጸገም ከይተፈትሔ ከኣ እቲ ናይ ኣህዛብ ምብትታን ደው ክብል ከምዘይክእል ገሊጹ።
4. ጅኔቭ፡- ብዕለት 22-23 ለካቲት ኣብ ከተማ ጅኔቭ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ካብ 700 ዘይውሕድ ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጸ ተኻፋሊ ዝነበሮ "ጅኒቫ-ሳሚት" ንሰብኣዊ መሰላት እተሰምየ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ፣ ሰዲህኤ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጒዳያት ተወኪሉ። 
5. ሊድስ፡-መንእሰይ ዘርእስላሰ ሽከር፡ ምክትል ሓላፊ ቦታዊት ሽማግለ ዓባይ ብሪጣንያ  ኣብ ዝነብረላ ከተማ ሊድስ ንሓያለይ መንእሰይ ኣብ ፓለቲካ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንከድህቡ ኣብ ልዕሊ  ምውጅሁን ምልዕዓሉን፡ ኣብ ውሽጢ 2016 ጥራይ ኣብ 3 ቦታታት (Halifax, Bentham, Skipton  ኣብ  ዮርክ-ሻየር) ንናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ብጒዳይ ጸገማት ኤርትራን መንእሰያታን ኣገዳሲ መግለጺታት ሂቡ።
6. ጅኔቭ፡- ብዕለታት 19ን 20 ግንቦት፡ "ኤርትራ ድሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሓያለይ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን እተሳተፎ ኮንፈረንስ ኣብ ጅኔቭ ተኻይዱ። እቲ ኣገባብ ተሳትፎ ብኣካደሚካዊ መልክዕ ኢዩ ነይሩ።  ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ኣብቲ ጉባኤ ከም ኣቕራቢ ጽሑፍ ተዓዲሙ፡ "ኣብ ምልኪ ዝመርሐ ምኽንያት፡ እቲ ብ1991 እተጀመረ ምግላል/ምንፋግ ካልእ ሓይልታት ኢዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ልዕሊ 20 ገጻት ዝኸውን መጽናዕቲ ኣቕሪቡ።
7. ጅኔቭ፡ - ብዕለት 16 ሰነ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም: ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ 4 ካብተን ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይዳ ኩባንያታት ዝሓወሰ ኣኼባ ኣካይዱ። ካናዳዊት ኩባንያ ነቭሱን ካብ’ተን መደረ ዘስምዓ ትካላት ነይራ። ብዙሕ ሰማዒ ዘይነበሮ ኣኼባ እኳ እንተነበረ፡ ንተግባራት ህግደፍ ዝብድህ ኣዕጋቢ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶታት ቀሪቡ።
8. ጅኔቭ፡- ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ኣብቲ ብ21 ሰነ ንኤርትራ ብዝምልከት እተኻየደ አገዳሲ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተኻፊሉ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ቀጺሉ እተኻየደ ንኤርትራ ምልከት ኣኼባታት (ክልተ ኣኼባ ብ22 ሰነ፣ 1 ኣኼባ ከኣ ብ24 ሰነ) ተኻፊሉን፡ ናይ ርእይቶ ኣበርክቶታት ገይሩን።

መዘክራት
1. ሮማ፡- ብዕለት 1 ጥቅምቲ፡ ንጒዳይ ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱዛን፡ ንዘይተፈጸመ መብጽዓታት ባይቶ ኢጣልያን ኣመልኪቱ እተጻሕፈ  መዘክር ናብ ወጻኢ ምኒስትር ኢጣልያ (Paolo Gentiloni) ተላኢኹ። እቲ ኣምሪሩ ዝወቅስ መልእኽቲ ናብ ፓርላማ ኢጣልያ ምእንቲ ክበጽሕ ከኣ ቅድሓት ናብ ሓለፍቲ 2 ቤት ምኽርታት ባይቶ ኢጣልያ (Speaker Laura Boldrini and Senate President Pietro Grasso) ተላኢኹ።
2. በርሊን፡- ብዕለት 12 ሕዳር፡ ብምኽንያት ሞት ናይ ቀደም መራሒ ሃገረ ጀርመን ሄልሙት እሽሚት(Helmut Schmidt) ናይ ሓዘን መግለጺ መዘክር ናብ ሲግማር ጋብርኤል (Sigmar Gabriel)፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ጀርመን (SPD)፡ ተመሓላሊፉ። ቅዳሕ ናይቲ መዘክር ናብ ምኒስትር ወጻኢ ጀርመንን ናብ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነተት (Progressive Alliance) ኣወሃሃድን እውን ተላኢኹ።
3. ፓሪስ፡- ከምኡ'ውን ብዕለት 15  ሕዳር፡ መዘክር ናብ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ኦላንድ (Francois Hollande) ምስ ቅዳሕ ናብ ወጻኢ ምኒስትር ሎራን ፋብዩስ/Laurent Fabius ተላኢኹ። መዘክር ሰዲህኤ በቲ ብዕለት 13.11.2015 ኣብ ፓሪስ እተረኽበ ኣሕዛኒ ተረኽኖ ምድንጋጽ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲ ምግላጽ፣ ነቲ ፕረሲደንት ኦላንድ ብጒዳይ ኤርትራ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኣብ ማልታ ዝሃቦ ኣገዳሲ መግለጺ ዘመጒስ ነይሩ።
4. ኣዲስ ኣበባ፡- ብዕለት 20.01.2016 ናብ መበል 21 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እተላእከ መዘክር ሰዲህኤ፡ ጸገም ኤርትራ ከም ኣጀንዳ ቀሪቡ ክዝተየሉ ሓቲቱ። ኣብቲ ዝርዝር ጠለባት ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ነቲ ዝተሓተ ፓለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ንዘይሕሉ ስርዓት ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዓቢ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብሰነ 2015 ብመርማሪ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ይኹን ነቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ብመጋቢት 2015 ብሽማግለ መሰል-ደቂ ኣንስትዮ ዓለም እተበጽሔ ውሳኔታት ክድግፍ ጸዊዑ። ኣብ ከባቢ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እተገብረ ናይ በርጌሳዊ ማሕበራት  ኣፍሪቃ ጉባኤ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘውጽኦ ናይ ደገፍ ኣዋጅ ከም ዓቢ ዓወት ዝቚጸር ኢዩ። (ነቲ ደገፍ ዝደረኸ ማሕበር እቲ ሰልፍና ዝርከቦ ኤርትራዊ ልኡኽ ብ2014 ኣብ ጆሃንስበርግ/ደቡብ ኣፍሪቃ እተራኸቦ ናይ 15 ሃገራት ውህደት በርገሳዊ ማሕበራት ደቡባዊ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ነይሩ።)
5. ኣምስተርዳም፡-  ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጥሪ፡ ንፕሮፈሰር ሚርያም ቫን ራይዘን ዝድግፍ ሰፊሕ ናይ ምስክርነት ጽሑፍ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምስተርዳም ከም ዝበጽሕ ተገይሩ። እቲ ንእንታይነት መንእሰይ ህግደፍ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ቤት ፍርዲ ብ27.01.16 ከም ምስክርነት ሰዲህኤ ተገሊጹ።
6. ጅነቭ፡ ብ10 ለካቲት 2016 እተላእከት መዘክር፡ ሰልፊ ንሓዲሽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኮሚሽነር ሰደተኛታት ዝኾነ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብ ሰሜን ኢትይጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ብምብጽሑ መጒሱ። ከምኡ'ውን ንስደተኛታት ዘርብሕ ዓቢ ናይ ሓገዝን ትምህርትን ፕሮጀክት ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ክግበር ከም ዝግባእ   ንኣስታት 4 ዓመታት ብሰዲህኤ ክድረኸሉ ዝጸንሐ ሓሳብ፡ ብወገኑ ክድክፎን ጻዕሪ ከክይደሉን በታ መዘክር ኣቢሉ ተሓቲቱ ኣሎ።
7. ሮማ፡- ብዕለት 27 መጋቢት ናብ ወጻኢ ምኒስትሪ ኢጣልያ ኣብ እተላእከ መዘክር፡ ሰዲህኤ በቲ መንግስቲ ጣልያን መንግሰይ ህግደፍ ኣብ ሮማ ፈስቲቫል ክገብሩ ብምፍቃዱ ሕዙን ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ምስዚ ተሓባባሪ ጭቆና ዝኾነ ማሕበር ስለያን ራዕድን ዕላዊ ይኹን ዘይዕላዊ ርክብ ከይህልዎም ኣማሕጺኑ።
8. እስቶክሆልም፡ ብ10 ሰነ፡ መዘክር ሰልፍና፡ ናብ ሓዳስ ምኒስትር ኰይና እተሾመት  መሓዛ ሰልፍና (ኣን ሊንደ Ann Linde) ናይ እንቋዕ ሓጐሰኪ መዘክር ሰዲዱ። ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ተጠቒሙ ከኣ ናብ ወጻኢ ምኒስትር ሽወዴን ቅዳሕ ብምልኣኽ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እተገብረ መብጽዓታት ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራት ሽወዴን ኣብ ክብሪ ከውዕልዎን ነቲ ሕጂ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ክድግፉን ጸዊዑ።
9. ጅኔቭ፡- ብ15 ሰነ፡ ናብ ኲሎም 47 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ እተላእከ መዘክር፡ ሰዲህኤ ነቲ ብመርማሪት ሽማግለ ዝቐረበ ጸብጻብ ክድግፉ ጸዊዑ።


ካብ ንጥፈታት ቦታውያን ሽማግለታት
1. ሰሜን ኣሜሪካ፡- ንጥፈታት ሽማግለ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ተስፋ ዝህብ ምጒህሃር ብጺሑ ኣሎ። ሓሙሽተ ኣኸባታት ብምክያድ፡ ካብ 8 ከተማታት ሕ.ሃ. ኣሜሪካን ካናዳን ተሓባበርቲ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ረቚሖም። ካብ ኣባላት ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ መግለጺ ንምርካብ ኣኼባ ይዳሎ ኣሎ። ዓሰርተ ሰባት ዝኣባላታ ናይ ወጻኢ ናይ ዕማም ሓይሊ/task force ኣብ ነፍስ-ወከፍ 4 ወርሒ እናተራኸበት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ርብዒ ዓመት ዝገበረቶ ስራሕ ገምጋም ክትገብርን ንሽማግለ ጸብጻብ ከተቅርብን ተገይሩ። (ወጻእተኛታት ኣብ ናይ ዕማም ሓይሊ ዝሕወሱሉ መንገዲ ኣብ መጽናዕቲ ኣሎ።) ብዘይካ'ዚ ኤርትራውያን ዘይኣባላት ሰዲህኤ ግዲኦም ዘበርክቱሉ ዕድል ምኽፋት መደብ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ኢዩ።  
2. ሓው ዘምህረት ሳዕረ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ምስ ሓው ወልዱ ነጋሲ፡ (ሓዲሽ ሓላፊ ርክባት ናይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ)፡ ተራኺቦም ብመሰረት እቲ ብፈጻሚ ሽማግለ ተነጺሩ ዘሎ ዕማማት ዞባን፡ መደባት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጒዳያትን ናይ መጻኢ ስራሓቶም ከወሃህዱ ኣብ እተዛተዩሉ እዋን ገለ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት ተንጸባሪቑ። ዝያድ መብርሂ መሪሕነታዊ ኣካላት ክወሃብ ቈጸራ ተገይሩ።)
3. )    ሓፍቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ (ኣባል ሽማግለ)፡ ኣብ ካሊፎርንያ ምስ ዝርከብ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበር ሌላ ብምግባር ኣብ ጠቓሚ ስምምዓት ክብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ። ሓደ ካብኡ እታ ማሕበር ናይ መኤከቢ ኣደራሽ ስላ እትውንን፡ ኣባላት ሰልፍና ብዲሞክራሲያዊ ማሕበር (EDA)  ኣቢሎም ንዝገብርዎ ናይ ገንዘብ ምእካብ፡ ካልእ በዓላት ንምክያድ  ብነጻ ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሮም ኣሎዉ።
4.   ኣብ ከባቢ ቶሮንቶ ብሓው ትኩእ ተስፋይ (ምክትል ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ) ዝምራሕ ኣንጻር'ቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ወርቂ ዕደና ዘካይድ ካምፓኒ ነቭሱን (Nevsun) ዝግበር መኸተ ቀጻሊ ኣሎ። ዝርጋሔ መጽሔት ሓርነት (Liberty Magazine) ብኲሎም ኣባላት ሽማግለ ቀጻሊ ኰይኑ፣ ብኣሃዝ ካብ እተጠቕሰ ጸብጻብ፡ ሓው ብርሃነ ኣድሓኖም (ኣባል ሽማግለ) ካብ 80 ንዘይውሕዱ ሰባት፣ ብሓው ዘምህረት ኣብ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዝኸውን ኢመይላት ከም እተዘርግሔ፣ ከምኡ'ውን ሓው ዘምህረት ምስ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብምርኻብ ንንጥፈታት ሰልፍን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትናን ክገልጸሎም ዕድል ምርካቡ ብጸብጻብ መልክዕ ተሓቢሩ።
5. ዓባይ ብሪጣንያ፡- ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ቤት/ጽሕፈት ወጻኢ ጒዳያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡  ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጥርን ለካቲትን፡ ንዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣቦ መንበር ሰልፊ ንምዕዋት ዓቢ ጊደ ኣበርኪቱ። ኣብ ወጻኢ ምኒስትሪ ዓባይ ብሪጣንያ ንእተገብረ ርክብ ሰሪዑ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሰልፊ እውን ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ኣብ እተገብረ ኣኼባ ተሳቲፉ። በብጊዜኡ መጽሔታትን ጽሑፋትን ናብ ልዕሊ 120 ኢመይላት ይዝርግሕ።

6. ጀርመን፡- ሓው ጸሃየ ክብሮም፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ቤት/ጽ ወጻኢ ኣብ ጀርመን፡ ምስ ሓደ ካብ መራሕቲ ሓምላይ ሰልፊ ጀርመን ጽዑቕ ርክባት ገይሩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ  ብጒዳይ ኤርትራ ምስ ኣባላት ባይቶ/ቡንደስታግ ጀርመን ሰፊሕ ኣኼባ ተቓውሞ ኤርትራ ክግበር፡ ካብኡ ቀጺሉ'ውን ተመሳሳሊ ዘቴታት ክህሉ ከም ዝኽእል እቲ ሰልፊ ሓቢሩ። ምስ ሰልፍና ክግበር እተሓተ ርክብ ብተክኒካዊ ጸገማት ክሳዕ ወርሒ ሓምለ ከም ዝድንጒ ተገይሩ ኣሎ።
7.  እቲ ቅድሚ 4 ዓመት ብሽማግለ ጀርመን ቆይሙ ምሉእ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ፡ መኽሰብ ኣልቦ ተጣባቒ ማሕበር ንስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን (Eritrean Refugees and Human Rights Advocacy - EHRRA) ብገለ-ገለ ባዕላዊ ጸገማት ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ከይተዓወተ ጸኒሑ ኣሎ። ግንከ ብድሕሪ ሕጂ ኣድማዒ ጊደ ክህልዎ ትጽቢት ማሕበርን ሽማግለ ጀርመንን ኢዩ።
8. ሽወዴን፡- ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ብሓው ረዘነ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ መንግስቲ ሽወዴን  ዕላዊ ርክብ ገይሩ፣ ብሽማግለ ሽወዴን ምክትታል ዘድልዮ ሸነኻት ተሓቢሩ ኣሎ። ሓው ገብረ ናሽሕ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሽወዴን፡ ኣብ 50 ዝኸውን ኣድራሻታት ጽሑፋት ቤት ጽሕፈት ተዘርጊሑ። ካብዚ ኣድራሻታት 10 ኣቢሉ ናይ ኤምባስታት ክኸውን ኣንከሎ፡ ካልኦት ንጽሑፋት ሰልፊ ካብ ዝቕበሉ፡ ወጻኢ ምኒስትሪ፤ ሰልፍታት (ከም ሶሻል ዲሞክራትስ) ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ቀይሕ መስቀል፣ ቤት ጽሕፈት UNHCR ኣብ እስቶክሆልም፣ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ሽወዴን፣ ከም ክርስቲና ዝኣመሰሉ ኣኽሩኽ ሰልፊ፡ ኣገደስቲ ኤርትርውያን...ይርከብዎም። ብሸነኽ ሓው ረዘነ እውን ካብ 10 ዘይውሕዱ ተቐበልቲ ጽሑፋትና ይርከቡ።
9.  ኣብ ዩተበሪ ብጽዓት ሓው ጸሃየ ቀለታ ሓደ ናይ ኤርትራውያንን ሽወደናውያንን ማሕበር ተመስሪቱ ኣሎ። ምስ ጋዜጠኛታትን ማሕበራትን እውን ርክባት ክግበር ጸኒሑ። ዝርጋሔ ጽሑፋት ሰልፊ ከኣ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።

10. ኖርወይ፡- ሓው ዳዊት ኣርኣያ፡ ኣውሃሃዲ ሽማግለ ኖርወይ፡ ሽማግለ ስሩዕ ኣኼባ ብምክያድ መደብ ስራሓት ከም ዘጻፈፈትን ናይ ኣባላት ሓላፍነታት ከም ዝሰርዐትን ሓቢሩ። ብመልክዕ በራሪ ወረቀት (ፓምፍሌት) ሓጺር መግለጺ ሰልፊ ብኣባላት ክዝርጋሕ ኣብ ምድላው ይርከብ። መጽሔት ሊበሪቲ ናብ ኣዕሩኽ ኖርወጃውያን ብቀጻሊ ይላኣኽ ኣሎ። ምስ ኣብ ከባቢ ዝርከባ ተቃወምቲ ማሕበራት ርክብና ጽቡቅ ኣሎ፣ ድሮ'ኳ ምስ መንእሰያት ናይ ኦስሎን ከባቢኣን ብምትሕብባር ህዝባዊ ኣኼባ ተዳልዩ።
11. ኢትዮጵያ፡- ጊዚያዊ ወኪል ቤት ጽሕፈት (ኣባል ፈ.ሽ. ሓው ደበሳይ በየነ) ኣብ ርእሲ'ቲ ምስ መንግስታዊን ማሕበራውን ርክባት ምክያዱ፡ ንመጽሔታት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ናብ ዝምልከቶ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዲፕሎማሲያውን ክልታት ይዝርግሕ።
12. ሆላንድ፡- ኣባላት ቤት ጽሕፈት ተሓባበርቶም ኣባላት ሰልፍን፡ ነቲ ኣባላት ህግደፍ ኣንጻር ፕሮፈሶር ሚርያም ቫን ራይዘን ዘቕረብዎ ክሲ ንምፍሻል ዓቢ ጊደ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ። እዚ ክፋል ናይ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ንጥፈታትና ኢዩ። መጽሔታት ብግቡእ ከም ዝዝርጋሕ እውን ክሕበር ጸኒሑ።  
13.  ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ፡ ምስ ማሕበራትን በርጌሳዊ ትካላትን ዝግበር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ብምዃኑ፡ ሓያለይ ኣባላት ሰልፊ፡ (ብመልክዕ ጸብጻብ እኳ ኣንተዘየመሓላለፍዎ)፡ ኣብ ምዝርጋሕ መጽሔታትን ኣገዳሲ ርክባትን ከም ዝካፈሉ ኣይዝንጋዕን።

ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት
1. ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ቆይሙ ዘሎ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ብዓወት ከሰላስል ምሕጋዙ።
2. ናብ ኣገደስቲ ሃገራትን ሰልፍታትን ዓለም-ለኸ ማሕበራትን መዘክራት ብቐጻሊ ምጽሓፍ፤
3. ፍሉይ ጽሑፋት ኣዳሊኻ ወይ ብኻልኦት ንእተዳለወ ጽሑፋት መሪጽካ ናብ መሓዙት መንግስታትን፡ ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ኤምባስታትን ብስፍሓት ምዝርጋሕ፤
4. ንመጽሔት ሓርነት  ብቛንቋ እንግሊዝ (ኣኻእሎ እንተተረኽበ ውን ብዓረብ) ንዲፕሎማሲ ሰልፊን ተቓውሞ ኤርትራን ብሓፈሻ ከም እተገልግል ጌርካ ምቕራብ፤
5. ብእተኻእለ፡ ምስ ዝሰማምዑና ውድባት/ማሕበራት ናይ ሓባር መደብ ኣውጺእካ ምንቅስቓስ፤
6.  ኣብ ምልመላን ሓበረታን ዘቕንዐ ኣኼባታት፡ ምስ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝዋስኡ ኣባላት ሰልፊ ምክያድ፤ ንዲፕሎማሲ ብዝምልከት ኣስተምህሮ ክህቡ ዝኽእሉ ክኢላታት ምዕዳም።
7. ምስ ካልኦት ቤት ጽሕፈታት ሰልፊ ብምትሕብባር፡ ንጒዳይ ስደተኛታትን፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝከታተላ ኣካላት ከም ዝቖማን ንጡፍ ስራሕ ከም ዘካይዳን ምግባር፤
8. ናብ ኣገደስቲ ሃገራትን ዞባዊ ማሕበራትን ዑደት ምክያድ፤ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዝጅመር ዘሎ ዓመተ-ስራሕ ክግበር ዝግባእ ብጽሖታት/ርክባት እዚ ዝስዕብ ክርከቦ፡-

ሀ) ምስ መንግስታትን ኤምባሲታትን ጐረባብቲ ሃገራት (ብፍላይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ: ጅቡቲ: ሶማል: ሱዳን) ንምርኻብ ጻዕሪ ምክያድ፤

ለ) ንእስተይት ዲፓርትመንት: ንካናዳ: ንኤውሮጳዊ ሕብረት: ንኢጣልያ: ንዓባይ ብሪጣንያ: ንሆላንድ: ንጀርመን፡ ንሃገራት እስካንዲናቪያ ብጽሖት ንምግባር ምጽዓር። ሞራላውን ፓለቲካውን ንዋታውን ሓገዛት እውን ምሕታት፤

- ብፍላይ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ሽወዴን በቲ ኣብ መበል 37 ጉባኤኡ ብ2013  ንተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት ዘመሓላለፎ ክልተ ውሳኔታት ኣጥቢቕካ ምክትታሉ።
- ንሓምላይ ሰልፊ ጀርመን ከኣ በቲ ኣብ ፈስቲቫል 2015 ብዘተስፈዎ  ናይ ጽኑዕ ደገፍ ተበግሶ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ምሕታቱ።        

ሓ) ምስ ሰልፍታትን ወጻኢ ምኒስትሪታትን ናይ ኣገደስቲ ሃገራት ኣፍሪያን፤ ማእከላይ ምብራቕን፤ ኤውሮጳን፤ ሰሜን ኣሜሪካን ርክብ ምድልዳል፡፡ ምስ ናይ ረድኤት ማሕበራት ናይ ኣገደስቲ ሰልፍታት ንጡፍ ርክብ ምግባር፤

ሰ) ኣብቲ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ወይ ውን ሶሻሊስት ኢንተርናሽናል ዝጽውዖ ኣኼባታት ብእተኻእለ ምስታፍ። ብጒዳይ ኤርትራ መጽናዕታዊ ኣኼባ ከም ዝጽውዑ ምሕታት።

ንቤት ጽሕፈት ዝምልከት ኣብ ፓለቲካዊ ፕሮግራም/መደብ ዕዮ ሰልፊ ሰፊሩ ዝርከብ፡-
9. ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና  ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ  ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ  ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ሰዲህኤ፡ ነቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ብምሕካኽ፡ ምስ ሃገራት ዓለም፡ ኣውራ ድማ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ክኽተል እዩ። ብፍላይ ድኽነት፡ ድንቁርናን ሕማምን ንምቁጽጻርን ንምስዓርን ንጽጉም ህዝቢ ዓለም ንምርዳእን ዝግበር ዓለም-ለኻዊ ንጥፈታት፣ ምስ መሰረታዊ ዕላማና ስለ ዝተኣሳሰር በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ብምሉእ ዓቕሚ ክተሓባበር እዩ። 

9.1.1  ምስ ፕሮግራም ሰልፊ ዝሳነ ፕሮግራም ዘለወን ዞናውን ኣህጕራውን ሰልፍታት
ጥቡቕ ሕውነታዊ ዝምድናታት ከምዝፍጠርን ከምዝምዕብልን ምግባር፤
9.1.2 ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን     ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤
9.1.3  ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤
 9.1.4 ንሽግራት እንፈትሓሉ ቀንዲ መሳርሕና ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መስርሕ ይኸውን፤
9.1.5  ምስ ዝዀነት ሃገር ዝግበር ንግዳዊ ውዕላትን ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታትን ፍትሓውን ሃናጽን ክኸውን ምቅላስ፤
9.1.6  ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤
9.1.7 ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ምስ'ቶም ኣብ ኤርትራ ተገዳስነት ዘርእዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣህጕራውያን ትካላት ኣብ ኢኮኖሚያዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት፤ ብሕልፊ ድማ፡ ኣብ  ቁጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ወፍሪ ጸረ ድኽነት፡ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ኣወንታዊ ለውጥታት ምክያድ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ምምላስ ስደተኛታት፣ ኣብ ክንክን  ህጻናት፣ ኣብ ምጥዋር ሰብ ጸጋ ዕድመ፣ ኣብ ምሕያል ዓቕሚ ሰብን ምክልኻል ከባብን ወዘተ ኣተኵሩ ክሰርሕ እዩ።

3. ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት

ኣብ መዳይ ምምሕዳር

እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ኣሰራርሓኡ ንምጽፋፍ መጀመርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ውሽጣዊ መመርሒ ምምሕዳር ምጽዳቕ እዩ። እዚ መምርሒ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስራሓቱ ዘነጽርን፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ዘሎ ዝምድናታት ዝሰርዕን እዩ። ብመሰረት ቅዋም ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ም/ ሓላፊ ሓው ኣሰፋው በርሀ ከም ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተመዚዙ። 6 ኣባላት ምምሕዳር ድማ ኣለዎ።  ነፍሲ ወከፍ ኣባል ንሓደ ክፍሊ ዝመርሕ ኰይኑ፡ ብዘይካኦም ኣብ ዞባታት ኰነ ዞባታት ዘይቆመሉ ቦታታት ከም ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ከይኖም ዘገልግሉ ድማ ኣለዉ። 

ዓመታዊ መደብ ዕዮ

ሓደ ካብቲ ቀንዲ መበገሲ ዕማማት፡ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ መደብ ዕዮ ምንዳፍን ብመሪሕነት ድሕሪ ምጽዳቑ ኣብ ግብሪ ምውዓልን እዩ። እዚ ብባይቶ ዝጸደቐ ውድባዊ ዓመታዊ መደብ ዕዮ፡ ብዝተፈላለየ መስኖታት፡ ብጽሑፍን፡ ብኣኼባታትን ናብ መሰረታት ከም ዝግለጽ ተገይሩ። ሓያሎ ካብኡ ዝተፈጸመ፡ ገለ ድማ ኣብ ምፍጻም ዝርከብ፡ ገለ ከም ዕማም ቀጻሊ ባህሪ ዘለዎ፡ ገለ ድማ ጌና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ እዩ።

ኣብ መዳይ ዳግመ ስርርዕ ዞባታት

ድሕሪ’ቲ ኣብ ጉባኤ ዝተራእየ ምዕባሌታት ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሓድሽ መድረኽ ምስግጋር ናይ መብዛሕትኡ ኣባል ጭርሖን ጠለብን እዩ ነይሩ። ርዱእ፡ ኣብ ሰልፊ ብደረጃ ዞባ ዝተሰርዐ ውደባ ሰልፊ፡ ዞባታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን እዩ። ክልቲኡ ዓቢ፡ ክልቲኡ ምንጪ እቶት ሰልፊ፡ ክልቲኡ፡ ዝሓሸ ናይ ዘመናዊ ርኽክብ ዕድል ዘለዎ ዞባታት እዩ።

ናይ ኤውሮጳ ስሩዕ ጉባኤ ብመሰረቱ እዋኑ ኣኺሉ ብምንባሩ፡ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ክኣትዉ ነይርዎም እዩ። እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ኣሎ። ክሳብ ኣብ ወርሒ 5/ 2016 ክካየድ እውን ተመዲቡ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኩነታት ጨናፍርን ናይ ኣባላት ክውንነትን ድሕሪ ምጽናዕ እቲ ጉባኤ ኣብ እዋን ፈስቲቫል ንወርሒ 8/2016 ክግበር ተመሓላሊፉ። ምምሕዳር እውን ተሰማሚዑሉ። በዚ መሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጺኣ፡ መምርሕታታ ኣሰናዲኣ ብውዱእ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ እዩ። 

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ ጉባኤ ገለ ኣባላት ዞባ ሽማግለ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ከይኖም ኣብ ልዕሊ ምምራጾም፡ ሓደ ኣባል መሪሕነት ዞባ እውን ሓላፍነቱ ኣውሪዱ ብምንባሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ቅድም ብደረጃ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ኣባላት ፈጻሚ ሽማገለ፡ ቀጺሉ ድማ ብደረጃ ኣባላት ባይቶ ቀጻሊ ርኽክብ ብምክያድ፡ ነቲ ናይ ዞባ ሽማግለ ለበዋታት እውን ብምጽብጻብ፡ መተካእታ ንምርካብ ናይ ዞባ ህጹጽ ጉባኤ ክግበር ተወሲኑ።  ብደረጃ መሪሕነት እውን ንምሕጋዙ ተባሂሉ ክሳብ ሕጹያት ምርቋሕ ተኻይዱ ነይሩ። እንተዀነ፡ እቲ ዞባ ባዕሉ ክሓጽን ምስንዳእ ናይ ዞባ ክገብርን ዝብል ጠለብ ብምቕራቡ፡ ንሓድነት እቲ ዞባ ከም ብሓድሽ ክስራሓሉ ተወሲኑ። ብመላኡ እቲ ሓላፍነት ድማ ንዞባ ተዋሂቡ። ብመላኡ እቲ ሓላፍነት ድማ ንዞባ ተዋሂቡ፡ ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለ እውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ቈይማ። እዛ ሽማግለ’ዚኣ ጽፉፍን ዕዉትን ስራሕ ኣካይዳ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ብኣቦ መንበርነት ቃልኣብ ክፍለ 7 ዝኣባላታ 2 ተጠባበቕቲ ዘለውዋ ግዜያዊ መሪሕነት ዞባ ከም እትቐውም ኮይኑ። ዞባዊ ጠቕላል ተቓጻጻሪ ድማ በቲ ዝነበሮ ከም ዝቕጽል ተገይሩ። ዝርዝር ዕዮታታ ቀጺሉ ዝቐርብ ከይኑ። ሕጂ እዋን ስሩዕ ጉባኤ ስለ ዝኣኸለ፡ ንወርሒ 10/2016 ዞባ ጉባኤ ዞባ ከተካይድ ትሸባሸብ ኣላ።

ኣብ መዳይ ምቕባል ሓደስቲ

ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ናይ ምቕባል ሓደስቲ ኣባላት ኰነ፡ ምዕዳል መንነት ወረቐት፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ እዋን ዝነበረ መምርሒ ኣብ ግምት ብምእታው ዳግመ መጽናዕቲ ተኻይዱ።  ኣብ መዳይ ምቕባል ሓደስቲ ዝነበረ ጸገማት ግን ብመላኡ ተፈቲሑ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።  መጀመርያ እቶም ኣባልነት ዝጠልቡ መብዛሕትኦም፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዑቕባ ሓቲቶም መሰነይታ ደብዳበን መንነት ወረቐትን ክወሃቦም ዝደልዩ እዮም። ሓያሎ ካብኦም ድማ ድሕሪ ጉዳዮም ምስላጥ፡ ካብ ንጥፈታትን ምክትታልን ዝዝሕትሉ ወይ ፈጺሞም ዝጠፍኡ እዮም። ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምስራዕ ብምባል እዩ ድማ እቲ ድቕቕ ዝበለ መምርሒ ዘዘርግሐ። ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ናይ ሓደስቲ ምምዝጋብ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ካናዳን ዝምዝገቡ ዘለዉ ሓደስቲ ኣለዉ። መብዛሕታኦም ናይ ዑቕባ መሰነይታ ደገፍ ዘየድልዮም ከም ስደተኛታት ቅቡላት እዮም። ገለ እውን ናይ ቀደም ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣለዉ።  እዚኦም ክነጥፉ ጀሚሮም ስለ ዘለዉ፡ ብፍላይ ገለ ካብኦም ድማ መንእሰያት ስለ ዝዀኑ ንቕድሚት ዝጠመተ ተስፋታት ዝንበረሎም እዮም።

1. ኣብ መዳይ ሰሰን ሰብኣዊ ምንጪ;- ኣብዚ ዓመት’ዚ ብመንገዲ ምምሕዳር ቤ/ጽሕፈት ውደባዊ ጕዳያት ተመድቡ ዝተተግበረ ናይ ፓልቶክ ምልመላን ሓበሬታን፡ ቤት ጽሕፈት ኣቦ ወንበር፣ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት፣ ቤት ጽሕፈት ዜና፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፣ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት፣ ከምኡ ድማ ናይ ዞባ ኤውሮጳ ሓለፍትን መራሕቲ ጨናፍርን፡ ብምምሕዳር ቤ/ጽሕፈት ውደባዊ ጕዳያት ተሳሊጡ።
2. ኣብ መዳይ ክፍሊ መዝገብ:- እዚ ክፍሊ’ዚ ንዝርዝር ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ መንነቶምን ዓቕምታቶምን ዝጠቓለለ ምዝገባ ከካይድ ዝጸንሐ ክፍሊ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተሓደሰ ጸብጻባት ካብ ዞባታትን ጨናፍርን ምእካብ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ እዋናዊ ምሉእ ናይ ሰልፊ ዳታ ቤዝ ክስራዕ እዩ።
3. ኣብ መዳይ ክፍሊ ገንዘብ:- እዚ ክፍሊ’ዚ ናይ ኤውሮጳን ኣስያን ኣውስትራልያን ጨናፍርና፡ ገንዘባዊ ንጥፈታት ዝከታተል እዩ።
4. ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሎ ብዝሒ ኣባላት-  7 ሓደስቲ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ እተን ዝበዝሓ ጨናፍራትን ኣባላትን ጽቡቕ ንጥፈታት ኣሎወን። ዝበዝሑ ኣባላት ግቡኦም ይኸፍሉ ነቲ ሰልፊ ንምሕያል’ውን ዝከኣሎም ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ጉባኤታት ሰልፍን ዞባን ብገንዘቦም ወይ ብጉልበት ተሪፎም ዘይፈልጡ ተቃለስቲ ኣብ ዞባ ሰ.ኣ. ኣሎዉና።  ገለ ውሑዳት ኣባላት ግቡኦም ካብ ምኽፋል ዘብኩሩ፡ ወይ ኣብ ገለ ንጥፈታት ሰልፊ ዘይሳተፉ  ኣሎዉ። ገለ ኣባላት ድማ ተሳታፍነቶም ጽቡቕ ከሎ ግን ናይ ኣባልነት ወርሓዊ ውጽኢት ዘይክፍሉ ይርከቡ እዮም።

ሽማግለ ምሕዳስ ዞባ ስሜን ኣመሪካ
ኣብ መጀመርያ 2015 ብዞባ ሽማግለ ሰ.ኣ. ዝተመርጸት ሽማግለ ኢያ።  ዕላማ እዛ ሽማግለ ነቶም ብዝተፋላለየ ምኽንያታት ሰልፋዊ ዕማሞም (ንጥፈታቶም) ዘደስከሉ ኣባላትን ጨናፍራትን ተወሳኺ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ብግቡእ ኣጽኒዓ ፍታሕ ክትረኽበሉ እሞ ዝደስከሉ ኣባላትን ጨናፍርን ከኣ ናብቲ ንቡር ቦታኦም ተመሊሶም ጉቡኦም ከማልኡ ንምግባር ኢዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ገለ ኣሳልጦታት ተመዝጊቡ። ብቐጻሊ ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳያት እውን ኣለለዮም ኣለዉ።

ሓደስቲ ኣባላት፡-
ምንም’ኳ ከምቲ  ዝድለ ቁጽሪ ሓደስቲ ኣባላት ኣይሳተፉና፡ እምበር ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ኢዩ። 6 ሓደስቲ ኣባላት ናይ ኣባልነት ቅጥዒ ፎርም መሊኦም። ሓደ ድማ ኣቃሪጹ ዝጸንሐ ኣባልነቱ የሕዲሹ ይቕጽል ኣሎ።

 
ጉጉል ግሩፕ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ 
ጉጉል ግሩፕ ስሪዒታዊ መንገዲ ነካይደሉ መሳርሒ ዘይኰነስ ናይ ሓበሬታን ምምይጥን እነአንግደሉ መኣዲ ዝርርብን ዘተን እዩ። ሕግታት ተገይርሉ ኣሎ። ዞባ ሽማግለ ሕግታት ኣዳልያ ናብ ኩሉ ኣባል ሰዲህኤ ሰሜን ኣመሪካ ል ኢኻ።  ንምምሕዳሩ ድማ ካብ ናይ ባይቶና ሞደረይቶራት ኮይኖም ዝመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ።

ሽማግለ ተክኖሎጂ
ኣጠቓቕማ ኮምፑተርን መስኖታት ሓበሬታን ንምምዕባል፡ ናይ ተለኮንፈርንስ፡ ወቢናር፡ ከምኡ’ውን ናይ ዳታ ምእካብን፡ ሳርቨይ ምክያድን ዘኽእሉ ኣገባባት ንምጥቃም ናይ ተክኖሎጂ ሽማግለ ቆይማ ኣላ ሕጹያት  እውን ተረቚሖም ኣለዉ።

ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ 
ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንወርሒ ጥቅምቲ ክግበር ተወሲኑ። ሽዱሽተ(6) ዝኣባላታ ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለ ድማ ተመሪጻ ኣላ

ዞባ ኤውሮጳ
ዞባ ኤውሮጳ፡ ንበይኑ ንኡስ ዞባ ዘለዎ ኣካል ሰልፍና እዩ። እቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከብ ከይኑ ንኩለን ጨናፍር ጀርመን ዝመርሕ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከብ ጨናፍር ብቐጥታ ምስ ምምሕዳር ዞባ ዝራኸብ እዩ።  ኣብ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ብዝተረኽበ ምዕባሌታት እዚ ዞባ‘ዚ ካብ ኣመራርሓኡ ዝሰሓቡ ወይ ዝደስከሉ ኣባላት ዞባ ሽማግለ ብምንባሮም ንጥፈታቱ ንገለ እዋን ተሃስዩ ነይሩ እዩ። ግን ብዝተገብረ ግዜያዊ ዳግመ ስርርዕ እቲ ዞባ ክነጥፍ ጀሚሩ። ዞባ ኤውሮጳ ናይ ፈስቲቫል ኤርትራ ምስንዳእን ምእንጋድን ሻምፕዮን እዩ። ከሙኡ’ውን ሰለማዊ ሰልፊ ጀንቫ  ንምዕዋት ዓቢ ተራ ነርዎ እዩ።

ንኡስ ዞባ ጀርመን፡
ንኡስ ዞባ ጀርመን 3 ጨናፍራት ዝሓቆፈ እዩ። ስሩዕ ኣኼባታቱን ንጨናፍራቱ ሰሚናራትን የካይድ እዩ። ስሩዕ ጸብጻባቱ ኣብ ግዚኡ ናይ ምቕራብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 2015 ዓ.ም. ጸገማት እንተነበሮ ካብ መወዳእታ 2015 ንድሓር ግን ኣብ ግዚኡን ጽፉፍን ጸብጻባት የቕርብ።  ንኡስ  ዞባ ጀርመን ምስ ጨናፍሩ ዓመት መጸ  ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዕዋት ብጉልበቱ ኮነ ብገንዘቡ ርኡይ ኣስተዋጽኦ ዝገብር እዩ። ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል ኮነ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ንምዕዋት ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ዝርዝር ጨናፍር ንኡስ ዞባ ጀርመን፡


ጨንፈር ቑ.1 (ደቡብ) ፡
ኣባላት እዚ ጨንፈር ዳርጋ ኩሎም ገዳይም እዮም። ኣኼባኡ ብሰንኪ ናይ ቦታ ምርሕሓቅ 2 ግዜ ኣብ ወርሒ ብኤለክትሮኒክን ነይሩ ነይሩ ከኣ ብኣካል ተራኺቡ የካይድ።  ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ተቓውሞ ሓይልታት ዝምድና ንምግባር ይጽዕርን ናይ ህዝቢ ኣኼባ የካይድን እዩ።

ጨንፈርቑ.2 (ማእከል)
ስሩዕ ኣኼባታት ብተኸታታሊ የካይድ። ጸብጻባቱ እውን ብስሩዕ የመሓላልፍ እዩ። ብዘይካ’ዚ ንሓደሽቲ ኣባላት ናይ ምንቅቃሕ መደብ ከምዘካይድ ጸብጻባቱ ይሕብር እዩ። ኣብዚ ጨንፈር’ዚ ብዝሒ ኣባላት ናይ ክብን ለጠቅን ባህርያት ዘለዎ እዩ። እቲ ዝርከብ ለውጥታት፡ ካብቶም ሓደስቲ ኣባላት ዘርእይዎ ምእታውን ምውጻእን ዝምዘን እኳ እንተዀነ፡ ትኽክል ምኽንያታቱ መጽናዕታት ዘድልዮ እዩ።

ጨንፈር ቑ.3 (ሰሜን)፡
ኣኼባታቶም ብስሩዕ ዘካይዱ እዮም። ናይ ስሩዕ ኣኼባታቶም ጸብጻብ ነነጢሩ ኣብ ወብሳይትና ይረኤ እኳ እንተነበረ ከም ወግዓዊ ጸብጻብ ግን ይቐርብ ኣይነበረን። እዚ ጨንፈር እዚ ነብሱ ኪኢሉ ብዝያዳ ክጐዓዝ ዝጀመረሉ ካብ መወዳእታ 2014 ዓ.ም እዩ።

ጨንፍር ሽወደን ቑ. 1
እኬባታቱ ኰነ ጸብጻባቱ ብስሩዕ ዘቕርብ ጨንፈር እዩ። ኣባላት ፖሎቲካዊ ንጥፈታቶም  ኮነ  ገንዘባዊ ጉባኣቶም  ዘማልኡ ውፍያት ጨንፈር  እዮም። ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ተቃወምቲ ውድባት ኣኼባ ቀጻሊ ከምዘሎ ይሕብር እዩ። ከሙኡ ውን ሲቪካዊ  ማሕበራት ዘለውዎ ሓዲሽ ምንቅስቃስ  ይረኤ ምዃኑን  ከም ኣድላይነቱ ሓባራዊ ስራሕ የካይዱ ምዃኖምን  ይሕብሩ።

ጨንፈር ሽወደን ቁ.2
ከም ጨንፈር ቁጽሪ 1 ፖሎቲካዊ ንጥፈታቶምን ገንዘባዊ  ግባኣቶም ዘማልኡ ጨንፈር እዮም።

ጨንፈር ሆላንድ፡
ፖሎቲካውን  ገንዘባውን መዳይ ዘማላኡን ጸብጻቦም ኣብ ግዚኡን  ጽፉፍን ዘቅርቡ እዮም። ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ተቃወምቲ ኮኑ ስቪክ ማሕበራት  ርክባት ሓቢርካ  ንምስራሕ ጻዕርታት የካይዱ እዮም።

ጨንፈር ስዊዘርላንድ ፡
ኩሉ ካብኦም ዝድለ የማልኡ እዮም። ኣብ ክልቲኣኡ ናይ ጀነቭ ሰላማዊ ሰልፍታት ንጡፍ ግደ ዝነበሮም፡ ምስቶም ኣብ ስዊስ ዝርከቡ  ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ጽቡቕ ዝምድናን ምትሕብባርን ዘለዎ ጨንፈር እዩ።

ጨንፈር ዓዲ ኢንግሊዝ (ሎንዶን፡)
እዚ ጨንፈር እዚ  ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ኮነ ገንዘባዊ ኣበርክትኡ  ካብቶም ውፍያት ጨናፍር  ሓደ እዩ።  ምስ ካላኣኦት ተቓወምቲ ሓይልታት  ሃባራዊ ውዱብ ስራሕ ዘካይድን፡ ምራኡይ ተራ ኣባላትና ዘረጋግጽን ጨንፈር እዩ።

ጨንፈር ኖርወይ ፡
ጨንፈር  ነርወይ   ስሩዕ ገንዘባዊን ፖለቲካውን  ጸብጻባቱ  ዘማሓላልፍን  ስሩዕ ኣኼባታቱ ዘካይድ  ጨንፈር  እዩ። ምስ  ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ተቓዉሞ  ሓይልታት ሓቢሩ ይዋሳእን ናይ ህዝቢ ሰሚናር የካይድን ። ምስ እዚ ኣወንታዊ ዝሕበር  እንተልዩ  ሓደሽቲ  ኣባላት  ናይ ዕቕባ  ሕትኦም  ምስ ተፈትሔ፥ ቀጻልነቶም ኣብ ሰልፍና እንዳ ዛየደ እኸይድ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

ጨንፈር ፈረንሳ ፡
ኩሉ ካብኦም ዝደለ የማልኡ እዮም። ዋሕዲ ኣለዎም ግን ልዕሊቲ ቁጽሮም ህላዌ ሰልፊ ኣብ ፈረንሳ ዘንባርቑ እዮም።

ጨንፈር ዓዲ ጥልያን፡
 ምስ እዚ ጨንፈር እዚ ዝግበር ርክብ  ብተለፎን  ጥራሕ እዩ። ገንዘባዊ ግባእቶም ይኸፍሉ እዮም። ኣብ ውድባዊ ምንቅስቓስ፡ ብዋሕዲ ምኽንያት ጸገም ሰለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ ኰነ  ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር የድልዮም እዩ።

ስርርዕና ኣብ ዞባታት ዘይቆመሉ ቦታታት

ሱዳን:- ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ንንጥፈታት ተቓወምቲ ውድባት ዘተባብዕ ኣይኮነን። ሰልፍና እውን በዚ ኩነታት እዚ ክጽሎ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎና ስርርዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዘትኰረ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ብፍላይ ኣብ ትግራይ  ዝነበረና ስርርዓት ድሕሪ ኣብኡ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ምዕጻዉ እቲ ጨንፈር ተዳኺሙ ኣሎ።  ምብርባር የድልዮ።

ኣውስትራልያ፡-
ጨናፍርና  ኣብ መልበርን (ቪክቶርያ)፡ ፐርዝ ( ምዕራብ ኣውስትራልያ)፡ ብሪዝበን ( ኵንስላንድ) ዝርከባ ጨናፍር እየን። 
ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዋ ጨናፍርና ክሳብ 2014 ደሓን ዝኸነ ወርሓዊ ውጽኢትን ወፈያታትን ከበርክታ ዝጸንሓ እየን። ድሒሩ ግን ኣብ 2015 ገለ ኣባላት ዝዛሕተሉ ነይሮም።  ነዚ ንምፍታሕ ኣባላይ ማእከላይ ባይቶን ላዕለዎት ካድራትን ከም ላዕለዎት መራሕቲ ከይኖም ከበራብሩ ተምዲቡ፡ ስርሓት እውን ጀሚሩ።  ከም ውጽኢቱ ኣባላት ግቡኣቶም ክሳብ 2016 ዝዓጸዉ ክህልዉ ከለዉ፡  ብፍላይ እቲ መሪሕነታዊ ሽማግለ ድሕሪ ምቛሙ እቲ ጨናፍር ይበራበር ምህላውን፡  ኣበርክቶኡ እውን ክዛይድ ከም ዝኽእልን ዓቢ ተስፋታት ኣሎ።

ማእከላይ ምብራቕ፡-
በቲ ኣብ ማኣከላይ ምብራቅ ዝተረኽበ ምዕባሌታትን ኣብኡ ንጨናፍርና ዘጋጠመ ጸጥታዊ ኩነታትን ንጥፈታት ሰልፍና ተዳኺሙ ኣሎ።

እስራኤል
ኣብ እስራኤል ሓድሽ ምዕባሌታት ኣሎ። ብሳላ ጻዕሪ ገለ ኣባላትና ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተሓባበሩ  ብምርካብ  ምስ ህዝቢ፡ ምስ ምሩጻት ባእታታት፡ ምስ UNHCRን ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ኣካላት መንግስትን ርኽክባት ክካየድ ከም ዝከኣል ተፈሊጡ  ኣሎ። ገለ መጽናዕታት እውን እውን ቀሪቡ።  ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብደረጃ ፈጻሚ ሽማግለ ብጽሖት ከም ዘድልዮ ድሮ ተወሲኑ እዩ። ግን ናይ ባጀት ሕቶ ስለ ዘሎ ነዚ ጉዳይዚ ከይፈታሕካ እቲ ብጽሖት ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

4. ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ።

በቲ ፈጻሚ ሽማግለ ዝወሰኖ መሰረት ነዚ ቤት ጽሕፈት ምውዳብ ቀዳማይ ዕማምና ነይሩ። ብዚ መሰረት 6 ዝኣባላታ ምምሕዳር ኣቒምና፡ ንእሰራርሓና ክጥዕመና ከኣ እዘን ዝስዕባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቝምና፡ 
1፡ ናይ ጽሑፍ ሚዲያ፡
2፡ መርበብ ሓበሬታ፡
3፡ ኤልክትሮኒክ ሚድይ፡
4፡ ክፍሊ ትርጉም፡

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  እዚ ምምሕዳርን ንኡሳን ክፍልታቱን ዝምረሓሉን ናይ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ክፍሊ ሓላፍነት ዘነጽርን መምርሒ እውን ሓንጺጽና።

ኣኼባ ምስ ኣባላት ሰልፊ

ብ28 ለካቲት 2016 ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ ቤት ጽሕፈትና፡ ናይ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ ጸዊዕና። እቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ ዝብል ገምጋም ኣለና። ኣብዚ ኣኼባ ብዙሓት ሕቶታት፡ ርኢቶታትን ቅሩብነት ንተሳትፎ ዘንጸባርቑን ሓሳባት ቀሪቦም። ነዞም ኣብዚ ኣኼባ ዝተንጸባረቑ ሃነጽቲ ሓሳባት ክንጥቀመሎም ድማ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ፈቲና።

ካልእ ንጥፈታት
መርበብ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝወጽእ መልእኽትታት ከምቲ ልሙድ ክቕጽል ጸኒሑ። እቲ ዝወጽእ ትሕዝቶታት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት ዜና ዝዳሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ብፍላይ ድማ ኣባላት መሪሕነት ክሳብ ኣቦመንበር ኣብ ዝተዋፈርዎ ዕማማት፡ ዝወዓልዎ ስራሕን፡ ንዝርኣይዎ ምዕብልናን ብመልክዕ ዜናን ጸብጻባትን ብምስንዳእ ወይ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝረኸብዎ ሓበሬታ ናብ መርበብና ብምምጻእ ዘበርከትዎ ኣስተዋጸኦ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ምስጋናና ይብጻሐዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መርበብና ክወጽእ ዝጸንሐ ጽሑፋት ብደረጃ ቋንቋታት ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ። እቲ ዓረበኛ ኩሉ ትርጉም እዩ።

ወርሒ ትግርኛ ኣንግሊዘኛ ዓረብ ድምር
08/15 6 (54.5%) 5  (45.5%) - 11 (100%)
09/15 24 (75%) 5 (15.6%) 3 (9.4%) 32 (100%)
10/15 22 (68.8%) 10 (31.2%) - 32 (100%)
11/15 17 (100%) - - 17 (100%)
12/15 24 (72.7%) 9 (27.3%)   33 (100%)
01/16 31 (49%) 14 (22%) 18 (29%) 63 (100%)
02/16 31 (43.7%) 19 (26.8%) 21 (29.6%) 71 (100%)
03/16 26 (50%) 18(35%) 8(15%) 52(100%)
04/16 30 (50%) 13 (21.7%) 17 (28.3%) 60 (100%)
05/16 26 (59%) 10 (22.7%) 8 (18.2%) 44 (100%)
06/16 33 (48%) 27 (40%) 8  (12%) 68 (100%)
ድምር 270 (55%) 130 (27%) 89 (18%) 489 (100%)

ኣብዚ መዳይ ካብ ዝረኣዩ ሕጽረታት ሓደ ናይ ኣባላት ሰልፍና ተሳትፎ ውሱንነት እዩ። ከምዚ ኣብዚ ሰንጠረጅ ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ ብትግርኛ ብዝተፈላለዩ መልከዓት (ዜና፡ ርእሰ ዓንቀጽ፡ ሓተታ፡ ቃለ መጠይቕ፡ መጽሐት) ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝወጸ ከም ኣብነት ንውሰድ። ብድምር 270 እዩ። ካብዚ ጠቕላላ ድምር ብኣባላት ሰልፍና ዝተዳለዉ  256 እዮም። ካብዞም ብኣባላት ሰልፊ ዝተዳለዉ፡ እቶም 227 ብኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ዝተዳለዉ እዮም። 12 ድማ ኣባላት ምምሕዳር ብዘይኮኑ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ዜና ተዳልዮም። ኣባላት ቤት ጽሕፈት ዜና ብዘይኮኑ ኣባላት ሰልፍና ዝተዳለዉ ድማ 17 እዮም።  ኣባላት ሰልፍና ብዘይኮኑ ተዳልዮም ኣብ መርበብና ዝተሰቕሉ ድማ 14 ጥራይ እዮም። እዚ ካብቲ ጠቕላላ ብትግርኛ ኣብ መርበብና ዝተሰቕለ 5% ጥራይ እዩ። (እዚ ኣሃዛት ካብ 3 ነሃሰ 2015 ክሳብ 27 ሰነ 2016 ዝተመዝገበ እዩ።)
እቶም ካብ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ከበርክቱ ዝጸንሑ ኣባላት ሰልፊ 17  ጥራይ እዮም። ካብዚኣቶም እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዘበርከተ 6 ጽሑፍት ዘቕረበ እዩ። ኣብ ነቲ ዝወጽእ ጽሑፋት ኣንቢብካ ኣራምን ሃናጽን ዋላ’ውን ነቓፊ ሓሳብ ምሃብ ዝነበረ ናይ ተሳትፎ ውሱንነት’ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይነበረን። ስለዚ ስረሓት ዜና ብባህሪኡ ሓባራዊ ስለ ዝኾነ ብውሕዱ ናይ ኩልና ኣባላት ሰልፊ ተሳትፎ ተዘይሃልይዎ ክዕወት ከም ዘይክእል ተረዲእና ኣብ መጻኢ ተሳትፎና ከነሕይል ለበዋና ነቕርብ።

መጽሔት ሓርነት፡ መጺሐት ሓርነት ብስሩዕ ኣብ ከክልተ ወርሒ ብትግርኛ ክትወጽእ ጸኒሓ። በዚ መሰረት ኣብዛ ጸብጻባት ንቕርበላ ዘለና ዓመት  ሕታማት ቁጽሪ 46, 47, 48, 49ን ወጺአን ቁጽሪ 50 ድማ ኣብ ምድላው ኣላ። ኣብዚ ሕታማት ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ገለ ነጥብታት ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍና፡ ቃለ መጠይቓትን ዜናታትን ከነውጽእ ጸኒሕና። ብሰንኪ ክኢላ ዓቕሚ ዘይምርካብ መጽሔት ሓርነት ብቋንቋ ዓረብ ክትወጽእ ዘይምኻኣላ ከኣ ከም ሓደ ጉድለት ዝረአ እዩ።

ቃለ-መጠይቕ፡ ቃለ መጠይቕ እቲ ርኢቶ ዝህብ ብቐጥታ ዝቐርበሉ ኣገባብ ስለ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ኣንበብቲ፡ ሰማዕትን ተዓዘብትን ዘለዎ ተኣማንነት ልዑል እዩ። በዚ መሰረት ኣብዛ ንሓልፋ ዘለና ዓመት፡ ብዘይካቲ  ኣብ ማሕበራዊ ሚድያና ዝተኻየደ፡  ምስ 4 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ቃለ-መጠይቕ ኣካይድና። ማለት ምስ ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር፡ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን። ንሳቶም ኣብዚ ቃለ-መጠይቓቶም ብሓፈሻ ዕላማን መትከላትን ሰልፍና ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ዘድሃበ መብርህታት ሂቦም። እዚ ቃለ-መጠይቓት ኣብ መርበብናን ኣብ መጽሐትናን ክወጽእ ጸኒሑ። ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽል እዩ።

ምልመላ ኣባላት፡  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ዜናዊ ስረሓት ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ኣሕዋት ዝተወሰኑ መባእታዊ ኣፍልጦ ከም ዘድልዮም ርኢና። እዚ ዓቕሚ እዚ ንምርካብ ድማ ውሱን መባእታዊ ስልጠና ናይ ምሃብ መደብ ሰሪዕና። ኣብዚ መባእታዊ ስልጠና ካብ ዝተሳተፉ ኣሕዋት እቶም ክሳብ መወዳእታ ቀጺሎም ዝፈጸሙ 8 እዮም። ነዚ ምስ ኣጠቓቕማ ኮምፒተር ዝተሓሓዝ ስልጠና ዝሃበልና ድማ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ነመስግኖ። እዚ ባዕላዊ ዓቕሚ ናይ ምምዕባል ስልጠና ቀጻሊ ክኸውን ድማ መደብ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሳተፉ ዘለዉ ግና እቶም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ስልጠና ዝተሳተፉ ጥራይ ዘይኮኑ እንተላይ ካለኦት ብናቶም ተመኩሮ ዓቕሚ ዘጥረዩ ብጾት እዮም።

ማሕበራዊ ሚድያ:  ኣገዳስነት ማሕበራዊ ሚዲያ ብምንቃል ድማ እቶም ሓጺር ስልጠና ዝወሰዱ ይኹን፡ እቶም ዘይሰልጠኑ ግና ኣብቲ ዛዕባ ግንዛበ ዘለዎም ናብ ርጡብ ስራሕ ዝኣትውሉ ውዳበ ንምፍጣር ጻዕርታት ክንገብር ጸኒሕና። እቲ ቀዳምነት ዝሃብናዮ ዩቱብ፡ ፈይስቡክን ትዊተርን ነይሩ። በዚ ኣቢልካ ኣብ መርበብና ዝወጽእ ጽሑፋት ዝንበበሉን ሓጸርቲ ቃለ-መጠይቓት ዝቀርበሉን መደብ ተሰሪዑስ:  ካብ ዕለት 08.03.2016 ስርሑ ጀሚሩ። እዚ ውን በዚ ዝስዕብ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ይስረሓሉ’ሎ፥-

ቃለ-መጠይቕን ንባብን ብትግርኛ ዘካይዱ፡
ቃለ-መጠይቕን ንባብን ብዓረበኛ ዘካይዱ፡
ዩቱብ ዝምልከት ዝጽዕኑን ዝቐርጹን፡
ንቓለ-መጠይቕ ብጽሑፍ ዘዳልዉን፡

ብመንጽር’ዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣስታት 3 ኣዋርሕ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፎም ዜና፡ ሓተታን ገለ ክፋል ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍናን ዘጠቓልሉ 4 መደባት ኣብ ዩቱብ ዘርጊሑ ኣሎ። ብዘይካዚ ምስ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ብዝተተሓሓዘ ምስ’ዞም ዝስዕቡ ብጾት ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ኢንተርነት ተለጢፉ ደሓን ኣድህቦ ሰማዕቲ ረኺቡ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦመንበር ሰደህኤ።
ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤ/ጽ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰደህኤ
ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓላፊ ቤ/ጽ ገንዘባዊ ጉዳያት ሰደህኤ
መስፍን ሓጎስን
ሓምድ ድራርን

እቶም ኣብዚ ሚድያዚ ዝነጥፉ ብጾት ብዝገበርዎ ምክትታል እዚ
ኣብ ሓርነት ዝተለጠፈ ቃለመጠይቓት ክሳብ= 3,505 ሰማዕቲ በጺሐምዎ።
በጻሕቲ ፌስቡክን ትዊተርን ብድምር =     5, 287 ክኾኑ እንከለዉ
ብደረጃ ናይ ግዜ ንውሓት ድማ ንኣስታት = 24,275 ደቓይቕ ተበጺሑ።
ዩቱብ=                              4554 ክብጻሕ እንከሎ
ትዊተር ንበይኑ ከኣ ከምቲ ካልእ ንኹሉ ክፉት ዘይኮነስ ኣጻሪኻ ስለ ዝእቶ በጻሕቱ = 170 ጥራይ  እዮም።

5. ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት

ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈት’ውን ምምሕዳሩ ብምቛምን ዓመታዊ መደባቱ ብምትላምን ኢዩ ስርሑ ጀሚሩ። ቀጺሉ፡ ንኹሉ ገንዘባዊ ጉዳያት ሰልፊ ዝመሓደረሉን ዝምርሓሉን ቅጥዕታትን መምርሒታትን ኣዳልዩ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ።

ቀንዲ ምንጪ ኣታዊታት ሰልፊ ናይ ኣባላቱ ወርሓዊ ውጽኢት፡ ሰልፊ ዘካይዶም ንጥፈታትን ወፈያታትን ኢዮም። ካብ ጨናፍርን ዞባታትን ዝመጽእ ጸብጻባት 95% ካብ ኣባላት ሰልፊ ግቡኣቶም ከምዘማልኡ የርኢ። ገንዘባዊ ምንቅስቓስ ሰልፊ ብጠቕላላ ተቛጻጻሪ ክምርመር እቲ ጸብጻብ ተመሓላሊፍሉ ኣሎ።

6- ቤት ጽሕፈት ማሕበረ-ሰብኣዊ ጕዳያት

ምምሕዳር ቤት ጸሕፈት ማሕበረ-ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብዛ ዓመት አዚኣ ብዝያዳ ዘተኮረሎም መደባት  ነቶም ኣብ ወዲ ሸሪፈይ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መምህራን ናይ ደሞዝ ሕጽረት ከም ዘሎ ብሓላፊ ቤት ትምህርቲ ምስ ተገልጸ ሓደ ነገር ክባላሓት ኣለዎ ካብ ዝብል ዝነቐለ ናይ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ወፈያ(ህያብ) ናይ መምህራን ወዲ ሸሪፈይ ደሞዝ ሕጽረት ንምምላአ ካብ ኣባላትን ዘይኣባላትን ህያብ ምሕታት መደብ ወጺኡ።  ነቲ ናይ ኣ.ሰ. ግብረ-ሰናይ ማሕበር ዝምውለና ዝተሓተተ  ጸብጻብ ናይ ቤት ትምህርትን ዓመታዊ ወጻኢኡን  ዕማማቱን ብግቡአ ቀሪቡሎም ቅቡል ኮይኑ ኣሎ። አቲ ገንዘብ ኣብ ግዚኡ ከምዝበጽሖም ይግበር ኣሎ።  ክሳብ  ሎሚ $1650 ዶላር፡ 100 አውሮ 18,050 ኮሮና ተዋጺኡ።

ናይ ወዲ ሸሪፈይ ቤት ትምህርት ካብዚ ቀጺሉ ዝርከብ ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ አንሆ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ሕጽር ሕጽር ዝበለ ፍጻመታት ፥-
1) ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ናይ መምህራን ይኹን ናይ ባጀት ሕጽረት ከየጋጠሞ ስሩዕ ዓመት ትምህርታዊ መደባቱ ብግቡእ ኣሰላሲሉ።  ኣብ መወዳእታ  ዓመት ኣብ መንጎ ዘቋረጹ ኣውጺአካ  608 ተመሃሮ ዓመታዊ ትምህርቶም ኣሰላሲሎም።
3) ናይ ወዲ ሸሪፈይ መምህራን ናይ ደሞዝ ምውሳኽ/ሓገዝ ንምግባር ናይ ልደት ናይ ወፈያ ወፈራ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ተኻይዱ።። ከምኡ’ውን ናይዚ ዓመተ ትምፍርቲ ናይ ደሞዝ ምውሳኽ ክሳብ 30% ዝበጽሕ ባጀት ተሰሊዑሎም ኣሎ።  ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ  በዚ ዝተፈቕደ ናይ ደሞዝ ምውሳኽ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊጾም.። ናይዚ ዓመት ባጀትውን ዉሑስ ኢዩ።
4)  ኣብ ናይ ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ቀይሕ መስቀል ማአከላዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ንዋታዊ ሓገዝ ንምሕታት ዝተገብረ ብጽሖት ኣዎንታዊ ፍረ ኣይረኸበን።  
5) ብዶክተር ሃብተሚካአል ዝምራሕ ካብ ቀይሕ መስቀል ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ቀጻሊ ኣሎ።  ዛጊት አዚ ተስፋ ኣሎ ዝበሃል የሎን።


7.  ቤ/ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮ

ነሓሰ 2015 ክሳብ ሓምለ 2016

ምምሕዳር ቤ/ጽ ደቂ ኣንስትዮ ብሰለስተ ኣባላት ዝቆመ ኮይኑ፡ ስሩዕ ናይ ምምሕዳር ኣኼባታት የካይድ። ናይ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራሊያን ሳልሰይቲ ሰኑይ ናይታ ወርሒ ብተለኮንፈረንስ ወርሓዊ ኣኼባ ይካየድ። ወርሓዊ ኣኬባ ናይ ዞባ ኤውሮጳ ከኣ ብፓልቶክን ብስካይፐን ይካየድ።
ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ንኽቐውም ሓሙሽተ ኣባላት ተመሪጸን። ድሕሪ ብዙሕ ኣኼባታት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ምክያድ፡ ቀዳማይ ጉባኤኡ ንምግባር ኣብ ምድላዋት ይርከብ ኣሎ። ብዝተገብረ ጐስጓስ ኣብ ፖርትላንድ መይን ኤሜሪካ ሓዳስ ኣባል ወሲኽና ኣሎና።

ብ16 መስከረም ዶር. ርእሶም መስፍን ናይ ኤሪቪዥን ምስ ኤርትራ ኣልኣዛር ሪኢቶ ናይ ሰልፍና ብዛዕባ ናይ ደምሒት ካብ ኤርትራ ወጺእካ ንኢትዮጵያ ምኻድ እንታይ እዩ ዝብል ኢንተርቪው ኣክይዱ። ከምኡ እውን ብ20 ለካቲት ምስ ኣብ ሳንታ-ሮዛ (ሶኖማ ካውንቲ) ዝርከብ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ዝተገብረ ርኽብ ኣባል ምምሕዳር ቤ/ጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኔራ። ዝተራኸበ ሰብ ጀፍ ጊልመን ይበሃል። ጀፍ ዕዉት ወፈራ ሓገዝ ምሕታት (Fundraisig) ከመይ ጌርካ ዝካየድ ምኽርታት ድሕሪ ምሃብ ኣብ ዘተዳለናሉ ግዜ ኣዳራሾም ብነጻ ክህብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ናይ ናይሮቢ ዝተገብረ ኮንፈረንስ እውን ኣባል ምምሕዳር ደቂ ኣንስትዮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ተሳቲፋ።

ብዘይካ እዚ ቤ/ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ 9 ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ብፓልቶክ ዕውት ቃለ መሓትት ኣካይዱ። ንሳተን ድማ ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ኣልጋነሽ ኢሳቅ፡ ኣልጋነሽ ያቆብ፡ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ገነት ሃብተገርጊሽ፡ ገርጊሽ ነጋሽ፡ ትዕበ ተኪኤ፡ ሳባ ኖርወይን፡ ሮሜ መሓመድን እየን ኔረን።

ካብ ሰልፍና ወጻኢ ዝተገብረ ህዝባውያን በዓላት መጋቢት 8 ኣብ በቦትኡ ኣባላትና ብምስታፍ ብድሙቕ ንኽበዓል ተወፋይነት ኣርእየን።

8. ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት 2015-2016

መእተዊ፣ 
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት (ቤጽጉመ) ልክዕ ከም ካልኦት ኣብያተጽሕፈታት ሰልፊ ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ብሓድሽ ውደባን ብሓድሽ መንፈስን እዩ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ስርሑ ክጅምር ኪኢሉ። ከም ኣቦ መንበር ናይዚ ቤጽጉመ ምጅማር ስራሕ ናይ ዝተመዘዝኩሉ ቦታ ብኽልተ ምኽንያታት ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ፣ ሓደ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣስታት 5 ዓመታት ዕድሚኡ ማዕረ ኣተን ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈታት ሰጒሙ ዘይምጽንሑ፣ ካልኣይ ኣነውን ንባዕለይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓንከል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ናይ ምስራሕ ተሞክሮ ዘይነበረኒ ጋሻ ስለዝነበርኩ። ብምትሕብባር ናይቶም ቅድመይ ኣብ ምምራሕ ናይዚ ቤት ጽሕፈትዚ ዝጸንሑን ግዱሳትን ንጡፋት ኣባላቱን ግን ቤጽጉመ ስራሑ ጀሚሩ፣ ክቅጽል  ኪኢሉ። 

ናይ  ቀዳማይ  ዓመት  ጉዕዞኡ፣  ማለት  ኣሰራርሓኡ፣  ኣቃውማኡ፣  ዝተሰላሰሉን ዘይተሰላሰሉ መደባት፣ ዘጋጠመ ብድሆታት፣ ቀጻሊ ዝረአ ጸገማትን ናይዙ ቤትጽሕፈት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።  

ኣሰራርሓ ቤጽጉመ 
ቤጽጉመ ስርሑ ብምምኻራዊ መድረኽ ክጅምር ግድን ነይሩ። ስለዝኾነ ድሕሪ  ምዝዛም  ቀዳማይ  ኣኼባታት  ማእከላይ  ባይቶን  ፈጻሚ  ኣካልን፣  ቤት  ጽሕፈት  ፍሉይ  ናይ ምምኽኻር ግዜ ወሲኑ፣ ብምድዋል ምስ ኣባላት ምርኻብን ምምኽኻርን ጀሚሩ። ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝተቐስመ ነገር፣ ኣብ ሃገራት ጀርመን፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ደንማርክ፣ ሽወደን ምስ ኣብ ዘለዉ ኣባላት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓበረታን ተመኩሮን ምእካብን ድሉውነት ናይ ኣባላት ምርግጋጽን ነበረ። ድሕሪ በብውልቂ ምምኽኻር ድማ ኣብ ፈላሚ ሓቢርካ ናይ ምምኽኻርን ኩነታት ቤት ጽሕፈት ምግምጋምን ኣኼባ ተሰግረ። 

ብ11 መስከረም 2015 ኣብ ዘካየዶ በዅሪ ኣኼባኡ፣ ካብ 1ይ ጉባኤ ክሳብ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ንዝነበረ ህይወትን ጉዕዞን ናይዚ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቱ ብሓባር ገምጊሙ፣ ንዝነበረ ኩልንትናዊ ድኽመታትን መሰናኽላትን ኣልዒሉውን ተመያዪጡ። ኣብ ዝቅጽል ጉዕዞ ክትግበሩን ክመሓየሹን ዘለዎም ነገራት እውን ዘትዩን ኣሚሙን። 

ካብዚ ብምንቃል ቤት ጽሕፈት ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ኣብ ዝጀመረ ቀዳማይ ዓመተ ጉዕዞኡ ክዕመሙ ዘለዎም 6 ሽቶታት ዘለዎ መደብ ዕዮ ነዲፉ ኣጽደቐ። እቶም ሽቶታት፣ 
1.  ንመንእሰያት ሰልፊ ብቁጽሮምን በብዘለውዎ ኣከባብን ምፍላጦም፣ ኩሉ ሓበረታ ዘማለአ ፍሉይ መዝገብ መንእሰያት ምድላውን።
2.  ኣብ መንጎ መንእሰያት ሰልፊ ሌላን፣ ጥቡቅ ዝምድናን ዕርክነትን ከምዝፍጠር ምግባር
3.  ንኹሎም ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት ብጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናይ ምልመላ ኣስተምህሮታት ምሃብ።
4.  ኣብ ፈስቲቫል 2016 ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ መድብ መንእሰያት ከምዝህሉ ብምግባር ተሳተፍነት መንእሰያት ከም ዝዕዝዝ ምግባር።
5.  ምስ ዝተፈላለዩን ምሳና ክኸዱ ምስ ዝኽእሉን ማሕበራት መንእሰያት ዝምድና  ምፍጣርን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዓት ምክያድን።
6.  ዘይኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ቃልስን ኣብ ሰልፍናን ዘለዎም ኣፍልጦን ኣረኣእያን ንምዕቃን መጽናዕቲ ምክያድ ዝብልን ነበረ። 

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መደባት ንምስልሳል ቤት ጽሕፈት ቀጺሉ ኣብ ናይ ስራሕ ምክፍፋልን ኮሚተታት ምቋምን ሰገረ። ከምዚ ዝስዕብ ኣቃውማን ኣከፋፍላ ስራሕን ተኸቲሉ ድማ ተበገሰ፣
1.  ምምሕዳራዊ ጉዳያት ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈትን ብምኽትሉን ክካየደ።
2.  መደብ ምልመላን ምምኽኻርን፣ ንመንእሰያት ብምምልማልን ምምካርን ኣብ ጸገማቶም መዋጽኦ ንምርካብን ኣብ ኩሉ መዳይ ዓቅሞም ክብ ንምባልን ተመክሮን ዓቅምን ዘለዎ ክልተ ዝኣባላቱ ኮሚተ ተመዚዙ።
3.  ህዝባዊ መራኸቢታት (social medias) ንሰልፊ ብሓፈሻ ብዕላምኡን ራኢታቱ፣ ውሳኔታቱን መዓልታዊ ንጥፈታቱን ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ምስ ህዝቢ ንምልላይን ብኡ ገርካ ሰልፊን ቤጽጉመ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ከምዝረክብ ንምግባር ብ6 ኣባላት ዝቆመ ኮሚተ ህዝባዊ መራኸቢታት ቆይሙ።
4. ባህላውን ሰነ ጥበባውን ጉዳያት፣ 5 ዝኣባላቱ ኮሚተ ቆይሙ።
5.  መጽናዕታዊ  ጉዳያት፣  ጸኒሑውን  5  ዝኣባላቱ  ግዝያዊ  ኮሚተ  ሰነዳት  መንእሰያዊ መጽናዕቲ  ዝኣባላቱ ኣቝሙ።

ንኣከናውና ናይ መደባቱ ንምቁጽጻርን፣ ንጥፈታቱ ንምውህሃድን ቤት ጽሕፈት ካብ ጽባሕ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ክሳብ ሎሚ 28.07.2016፣ ዓሰርተው ሓሙሽተ ስሩዓት ኣኼባታት ኣካይዱ።

ዝተሰላሰሉ መደባት፣

1.  ክፍሊ ምምሕዳር ቤጽጉመ ኣብ ምጅማር ስርሑ ቅጥዒ መአከቢ ሊስታ መንእሰያት ኣዳልዩ፣ ብመንገዲ ስርርዓዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኩለን ጨናፍር ከምዝበጽሕ ገይሩ። መልሲ ኣብ እዋኑ ስለ ዘይተረኽበ ድማ፣ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመቱ ምስ ብዙሓት መርሕነታት ጨናፍር ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ፣ ካብ ሓያለይ ጨናፍር ሰልፊ እቲ ዝድለ ሓበረታ ክእክብ ኪኢሉ። ጋና ዘይተኣከብውን ግን ኣሎ።

ክፍሊ ምምሕዳር ብተወሳኺ፣ ኣብ ሰልፍን ካብ ሰልፊ ወጻእን ንዘለዉ መንእሰያት ኣብ ሰልፍና ዘለዎም ኣፍልጦን ተረድኦን ንምግምጋም ዝሕግዝ ክልተ መሕተቲ ወረቃቅቲ (questionaries) ኣዳልዩ።  ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ንተመሳሳሊ ዕላማ  ተዳልዩ  ዘይተተግበረ  ወረቐት እውን ክረክብ ኪኢሉ።

2. ኮሚተ ህዝባዊ መራኸቢታት፣- ብሽም ሰልፊ ዝፍለጥ facebook & twitter ብምምስራት ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ሰልፍናን ቤት ጽሕፈትናን ዕላማን፣  ውሳኔታትን፣  መዓልታዊ  ዕማማትን  ዓቢ  ግደ  ተጻዊቱ።  ይቕጽል እውን ኣሎ። ብተወሳኺ ጉጅለ ህዝባዊ መራኸቢታት ኣብ ክፍሊ ዜና ኣትዩ ብምስራሕ፡ ዓቢ ዕማም ከሰላስል ጸኒሑ ኣሎ።
 
3.  ኮሚተ ክፍሊ ባህልን ስነ-ጥበብን፣- ኣብ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዳይ እውን ክፍሊ ባህልን ስነ-ጥበብን ኦርጋን ወኒኑ፣ ኣብ ናይ ትግረን  ብሊንን  ናይ  ማዕዶ  ልምምድ  ጀሚሩ  ኣሎ።  ናይ  ካልኦት  ብሔራት  ደረፍትን ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ንምርካብን ድማ  ቀጻሊ  ተፍቲሽ  ኣብ  ምክያድ ይርከብ። ዛጊድ ግን ኣባላት ሰልፊ ብዝኾኑ ሓደ ኦርጋኒስታ፣ ሓደ ጊታሪስታ፣ ሓደ ሳክስፎኒስታ ሓደ ናይ ትግረን ቢለንን ዝደርፍን፣ ሓደ ክፍሊ ተክኒክን ኣላይ መድረኽን ኮይኑ ብዝዓዪ ዝቆመት ክፍሊ ባህሊ ኣዳልዩ ድሮ ስራሓ ጀሚራ ኣላ። ሰልፊ ዝውንና ንብረት ሰልፊ ዝኾነት ኦርጋን እውን ተግዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ትውዕል ኣላ።
 
ኣብዚ  መዳይዚውን  ክፍሊ  ምምሕዳር  ቤት  ጽሕፈት  መንእሰያት ፣ንብረት  ሰልፊ  ዝኾነ  ናይ ሙዚቓ ኣቑሑት  ናይ  ምዕዳጉ፣ ምሓዙ፣ ኣጥቃቕማኡን  ኩነታት ዝውጅህ መምሪሕን ቅጥዕን ዝኾኑ ሰነዳት ኣዳልዩ። ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ኦርጋን እትርከበሉ ጨንፈርን ኣረኪቡ።

4. ኣብ ዝምድናዊ መዳይ፣- ብሓባራዊ ስራሕ ናይ ኩሎም ንጡፋት ኣባላት ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ኣብ ዝምድናዊ መዳይ እውን ድሓን ዝኾነ ምዕባለ ተመዝጊቡ ኣሎ። 
4.1.  ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ምስ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝበሃል ማሕበር ዝጀመረ ናይ ጽቡቕ ዝምድናን ሓቢርካ ምስራሕን መደብ ኣንዳማዕበለ ይቕጽል ኣሎ። ብ4 ዝኾኑ ናይ ሓባር ኣማእካሊ ኮሚተ ዝምራሕ ርክብ ናይ ክልቲኡ ኣካላት ክሳብ ሕጂ ሓያለይ ናይ ወከልቲ ርክባት፣ ሓደ ናይ ኩሎም ኣባላት ናይ ክልቲኡ ወገናት ኣኼባ፣ ሓደ ህዝባዊ ኣኼባ ፣ኣካይዱ ይርከብ። 20 ሰነውን ብናይ ሓባር ምድላው ከም ዝዝከር ገይሩ። ኣብ  በርገን ዝበሃል  ከተማ  ናይ  ኖርወይ  ምስ  ዘለዉ  ማሕበር  ኤርትራውያን  መንእሰያት ንሰላም  ዝበሃል  ጉጅለውን  ንምቅርራብን  ሓቢርካ  ንምስራሕን  ባይታ  ክፈጥር  ዝኽእል ናይ መርሕነታት ርክብን ምብርራህን ተኻይዱ።
4.2. ኣብ ጀርመን ጨናፍር ፍራንኪፎርትን ከለንን፣ ምስ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዝበሃሉ ጉጅለ ዝተጀመረ ዝምድና  ይቕጽል  ኣሎ።  ኣብ  ግንቦት  እውን  ንመዓልቲ  ናጽነት  ብናይ  ሓባር  ምድላው ብድምቀት ከምትበዓል ገይሩ።
4.3. ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፣ ምስ ኣድማሳዊ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYSNC - Global ) ዝበሃል ማሕበር ዝምድና ተጀሚሩ ኣብ  ምምዕባል ይርከብ ኣሎ።

4.4. ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ፈስቲቫል 2016፣ ቤጽጉመ መንእሰያት ኣብ ፈስቲቫል 2016 ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዘተ መደብ ሒዞም ንኽሳተፍ ኣብቲ ናይ ዜተ መደብ ድማ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ከሳትፍ መደብ ኣውጺኡ፣ ምድላዋቱ ወዲኡ ይጽበ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ከም ሰነዳት ሰልፍን ቤጽጉመ ዝተዳለወ መሳሪሒ ወረቃቅቲ፣
1.  ፍሉይ መዝገብ ኣባላት ሰልፊ ናይ ዝኾኑ መንእሰያት ንምድላው ዝሕግዝ ዝርዝር ኣሽማትን ኣድራሻታትን መአከቢ ቅጥዒ።
2.  ንኣፍልጦን ኣረኣእያን መንእሰያት ኣብ ህልው ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓፈሻ፣ ንሰልፍና ብዝምልከት ድማ ብፍላይ ንምግምጋም ዝሕግዝ 3ተ ዝመሳሰል መሕተቲ ወረቓቅቲ።
3.  ንብረት ሰልፊ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ መሳሪሒ ዝግዘኣሉን ዝመሓደረሉን ኣገባብ ዝሕብር መምሪሒ፣
4.  ንብረት ሰልፊ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ መሳሪሒ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ጨናፍርን ተጠቀምቲ መሳሪሕን ንዝካየድ ንብረት ናይ ምርኽኻብ መስሪሕ ዘመሓድርን ንነፍሲ ወከፍ ኣካል ሓላፍነት ዘሰክምን ቅጥዒ።
5.  ዘይተወደአን ዘይጸፈፈን መዝገብ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት። 
      
ከም ንብረት ሰልፍን ቤጽጉመን ዝተጠርየ ናይ ሙዚቃ መሳሪሒ፣
1.  ሓንቲ ሓዳሽ ኦርጋን/keyboard/ ኣብ ጨንፈር ቁጽሪ 2 ናይ ስዊድን ትርከብ፣ 
2.  ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ምጽራይን ሃለዋቱ ምፍላጥን ዘድልዮ ገለገል ናይ ሙዚቃ 
     ንብረት ከምዘሎ ሓበረታ ኣሎ፣ ቤጽጉመ ግን ነዚ ነገርዚ ኣየርከበሉን። 

ዘይተሰላሰሉ ዕማማት፣
1.  ዓቅሚ መንእሰያት ሰልፊና ክብ ናይ ምባል ኮነ፣ ብሓፈሽኡ ኣተሓሳስባ መንእሰያትና  ናይ ምቕያር መድብ ጋና ኣይተሰላሰለን።
2.  ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት ዋላ ብተለኮንፈረንስ እውን ይኹን ምስ መሪሕነታት ሰልፊ ብኣኼባ መልክዕ እንዳተራኸቡ፣ ዓቕምን ተሞክሮን ዝቐስሙሉ፣ ምስ መሪሕነታት ዝምድናን ቅርበት ዝፈጥሩሉ መደባት ኮነ ብተመሳሳሊ ኣገባብ  እንዳተኣከቡ ኣብ ውሽጦም እውን ሓያል ምትእስሳርን ዝምድናን ዝፈጥሩሉ ኣገባብ  ምትእትታው ዝብል እውን ኣብዚ ናይ 1ይ ዓመትና ጉዕዞ ኣይተተግበረን።
3.  መድብ መጽናዕቲ  እውን ጋና ኣይተበጽሐን።

ኣብ መስሪሕ ዘጋጥምን ዘጋጠመን ብድሆታት፣
1.  ባህሪይ  ምምራሕ/ምምሕዳር  ቤጽጉመ  ካብ  ካልኦት  ቤት  ጽሕፈታት  ፈሊኻ  ምስ  ባህርይን ኩነታትን መንእሰያት ኣዛሚድካ ዝረአን እዩ። ማለት እቲ ካልእ ኣብያተ ጽሕፈታት ዘመሓድሮ ኣባል መብዛሕትኡ ኣብ መስመር ቃልሲ ዝሰጎመን ዝገደመን፣ ብመንጽር መነባብሮውን ርጉእን ውሱንን መስመር ሒዙ ዝጎዓዝ ስለዝኾነ፣ ምስ ናቱ ተበግሶ ሃሰስ ኢልካ ክትረኽቦ እውን ካብ ናይ መንእሰያት ዝቀለለ ክከውን ይኽእል ኢለ እግምት። ኣብ ዓንከል መንእሰያት መጺእካ ግን ቀጻልን መዓልታውን ጻውዒትን ርክብን እንተዘይገርካ፣ እቲ መንእሰይ ካልእ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት  ስለዘለዎን፣  ኣብ  መስመር  ቃልሲ  ነዊሕ  ግዜ  ስለዘይሰጎመን  ብቐሊሉ  ክትረኽቦ ኣይትኽእልን።  ስለዝኾነ  ድማ  ኣብዚ  ቦታዚ  ከም  ኣቦመንበር  ዝምዘዝ  ሰብ  ምስ ዓቅምን፣ ተመኩሮን፣ እኹል ግዜ ዘለዎ ክኸውን ተጠላቢ እዩ።

2.  ቀዳማይ ዕማምን ኣድህቦን ናይዚ ቤትጽሕፈት ነቶም ድሮ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት ቀልጢፍካ ምፍላጦምን ምጥርናፎምን፣ ኣብ መንጎኦም ሓያል ዝምድና ርክባትን ከምዝህሉ ምግባርን፣ እኳ እንተነበረ፣ ትግባረ ናይዚ መደብዚ ብቀንዱ ኣብ ምትሕብባር መሪሕነታት ጨናፍር ዝምርኮስ ስለዝነበረ፣ መብዛሕትኦም መሪሕነታት ጨናፍር ድማ ከምቲ ምሕጽንታን ትጽቢትን ቤጽጉመ ተርኦም ክጻወቱ ስለዘይተረኽቡ፣ ኣብ ምድንጋይን ዘይትግባረ መደባትን ቤት ጽሕፈትን ኣሉታዊ ጽልዋ ነይርዎ።

3.  ሕጽረት ባጀት፣ ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ናይዚ ቤትጽሕፈት ዝርከቡን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ዝርከቡ ንጡፋት ኣባላትን ብብዝሒ ኣንዳተንቀሳቀሱ ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይዱን ክሳተፉን፣ ምስ  ኣባላት  ሰልፊ  ዝኾኑ  መንእሰያት  ብኣካል  ክራከቡን  ክዛተዩን  ኣቲ  ኣዝዩ  ውጺኢታዊኳ እንተኾነ፣ ባጀት ኣልቦነት ናይዚ  ቤት ጽሕፈት፣ ካብዚ ኣተሓሳስባዝን ኣድማዕነቱን  ክንርሕቅ ገዲዱና ይርከብ።


ለበዋታተይን እማመታተይን

1.  ኣገድሳነት ዝተወደበ ሓያል መንእሰያዊ ሓይሊ ንሃገርን ሰልፍን ኣብ ግምት ኣእትዩ፣ ኣድህቦ ሰልፊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያትን ዕማማቱን ካብ ዘለዎ ዝሓሸ ክኸውንን፣ ካብኡ ተበጊሱ ዝሓየለ ሰብኣውን ማላውን ወፍሪ ከካይድን። 

2.  ቤት ጽሕፈት ስርርዕ ንተጀሚሩ ዘይተዛዘመን ኩሉ ሓበረታ ዘማለአን መዝገብ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ መንእሰያት ንምድላውን ገና ዘይተጀመረ መደብ መጽናዕትን ትግባረ ንኽረክብን፣ ከይተሓለለ ክጽዕርን ኣብ ጎድኒ ቤጽጉመ ደው ክብልን። 

3.  ነንሕድሕዱ ብኣካል ገጽ ንገጽ ዘይተራኸበን፣ ኣብ ገለ ምቹእ ኣገጣሚታት ምስ ዕድሚኡ ብዝተኣሳሰር ናይ  መዘናጊዕን መደሰትን ኣጋጣምታት ዝምድናን ዕርክነትን ዘየጥረየን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ምስ ዘይትፈልጦምን ዘይተላለኻዮምን፣ በንጻሩውን ምስ ዘይፈልጡኻን ዘይተላለዩኻን መንእሰያት ካብ መጀመርታ ብተለኮንፈረንስ  ተራኺብካን ተላሊኻን ኣብ ቃልሳዊ ዕማማት ክትጽመድን ኣድማዒ ስራሕ ክትገብርን ትጽቢቱ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምንቃል መሪሕነት ሰልፊ ካልእ ዋላ ኣንተዘይተኻኣለ፣ ኣብ ድሮ ወይ ጽባሕ ፈስቲቫል ኣንዳ ኣጸጋጋዕካ ናይ መንእሰያት ናይ ሰሚናራትን ናይ ምዝንጋዕ መደባትን ከተኣታቱ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ። 

5.  ምስ ኣብ ላዕሊ ኣብ ቁጽሪ 4 ዝተጠቅሰ እማመውን ክፍሊ ምምሕዳር ቤጽጉመ ኣብ ዓመት ብውሑዱ ክልተ ሃገራት ብምብጻሕ ናይ ኣባላትን ዘይኣባላትን ኣኼባታትን ርክባትን ከምዘካይድ እንተዝግበር ገለ ለውጢ መተራእየ እብል። እዚ ግን ነቲ ብዙሕ ወጻኢታት ዝጠልብ ርሑቕ ቦታታት ንዲሕሪት ሰሪሕዕካ እዩ።

18 መስከረም 2016

Last modified on Sunday, 25 September 2016 02:58