ክፍወስ ዝገብኦ ጸገም ኣሎና

2015-11-12 09:11:53 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2046 times

ዝኾነ ይኹን ሕብረትሰብ ኣብ ክሊ ቤተሰቡ ይኹን ወጻኢ ሽግራትን ጸገማትን ከጋጥምዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ሽግራት ናብ ግርጭት ከብጸሑ ወይ ከየብጽሑ ይኽእሉ። ኣብቶም ሰባት ዘሎ ኣተሓሳስባ እቲ ተረኽቦ እንተስ ናብ ግርጭት ክበጽሕ ወይ ዘይክበጽሕ ዝውስን እዩ። ብመሰረቱ ክረአ እንከሎ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት እዩ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ግርጭት ይኹን ፍልልያት እንተስ ዘዕሙቖ ወይ ዘደቅሶ። ኣብዚ ነቲ መንቀሊ ናይቲ ግርጭት ካብ ኩሉ ዝምባሌታትን ድሑር ኣተሓስስባን ካብ ውልቃዊ ረብሓን ናጻ ኮይኑ ኣዕሚቑ ክፈልጦን ክርደኦን ምስ ዝበቅዕ እዩ ሰላም ዝርከብ። ባዕላውነትን ኣነ ጥራይ እየ ፈላጥ በሃልነት ግና ጉዳያት ኣብ ምህዳእ ምስሕሓባት ሓገዝቲ ኣይኮኑን።

ህዝቢ ኤርትራ፥ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ነዛ ክብርቲ ሃገሩ ክረክብ ከንደይ ዘይደመየን፥ ዘይነደየን። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ መስርሕ በብግዚኡ ካብ ውልቀሰባት ተብጊሱ ብዝፍጠር ሽግራት፡ ፍልልያትን ዘይምስምመዓትን ዘምጽኦ ምጥርጣራት ይሽገር ነይሩን ኣሎን። ምኽንያቱ ክሳብ ሎሚ እቲ መርትዖታት ወይ መረጋገጺታት በቲ ልምዳዊ ተርድኦና ስለዝጽለዉ ንዕኦም ወጊና በቲ ናትና ሓሳብ ክንከይድ ኣብ ምፍታን ዝፍጠር ጸገማት ስለ ዝህሉ።

ንሓሳብ ብሓሳብ ኣብ ክንዲ ምምካት ኣብ ዘየድልን ዘይነበረን ኣቲኻ፡ ነቲ ንስኻ እትደልዮ ዝያዳ ሚዛንን ክብደትን ክህልዎ ኣብ ናይ ኣውራጃዶ ናይ ሃይማኖትዶ ወይ’ውን ናይ ቀቢላ ምስምስ ትኣቱ እሞ ጉዳያት ካብ ዓቐኖም ንላዕሊ ይምጠጡ። እዚ ከኣ ናይ ሰባት መሰረታዊ ናይ ሓሳብ መንቀሊ ኣብ ምብላሕ ግደ ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ። ከመይሲ ነቲ ሃገራውን ትሕተ ሃገራውን ኣተሓሳስባ ፈላሊኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ነቶም ናይ ትሕተ ሃገራዊነት ሓሳባት ምስቲ ሃገራውነት ትደዋውሶ እሞ ናብ ክዕረቕ ዘይክእል ቅርሕንትን ፍልልያትን የእትወካ።

ንጉዳያት ብግቡእ ክንመዝን እንተንኽእል፡ ነቲ ዘጋጥም ፍልልያት ይኹን ዘይምትእምማን ጠንቂ ዝኾኑ ጉዳያት ገላሊህና መፈለጥናዮም’ሞ ፍታሕ ክርከብ ምተኻእለ። ኣቦታትና እኮ ሓቂ ስለዝዛረቡን ጉዳያት ስለ ዘይሓብኡን ኣዮም ክሳብ ናይ ቅትለት ገበናት ብሰላማዊ መንገዲ ዘደቓቕሱ ዝነበሩ። ምስ እዚ እውን ፍትሒ እትብል ቃል ኩሉ ግዜ የተግብርዋን የኽብርዋን ነይሮም። ዋላ እቲ በዳሊ ብስጋ ሓዎም ወይ እውን ወዲ ርባኦም ይኹን ነታ ፍትሕስ ፈጺሞም ኣድልዎ ብዘይብሉ ኢዮም ዘተግብርዋ ነይሮም። ተሓቢእካ ምዝራብ ይኹን ዓባቢጥካ ምኻድ ባህርኦምን ልምዶምን ኣይነበረን። ቅኑዕ ዘይኮነ ዘረባ ክዝረብ ከሎ ሓደ ብድድ ኢሉ ‘’ ኣይፋልካን ኣቶ እገለ ወይ ወይዘሮ እገሊት ፥ ኣይከምኣን እያ’’ ብምባል እዮም ነቲ ብጌጋ ዝተዛረበ ዝእርም እምበር ከምዚ ናይ ሎሚ ኣልዕል ኣቢሎም ንሰብ ኣይዝንጥሉ፡ ኣየካፍኡን ኣይጻረፉን።

ኣቦታትና ጭብጢ ይኹን ምስክርነት ዘይብሉ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ክዛረቡሉ ፈጺሙ ነውሪ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሊሶም’ዮም ነቲ በሃሊኡ ዝገንሕዎ ዝነበሩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ነዚ ጽቡቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ኣየስተማቐርዎን። በኣንጻሩ ነቲ ዝነበረ ዝድምስስን ኣብ ክንድኡ ዘመን ኣምጸኦ ጠባያት ብምኽታል ስልጣኔ ያኢ ኮይኑ ንታሪኽ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ምንእኣስን ምጽራፍን እዮም ቀሲሞም። ሓደ ካብቲ ሽግርና እምበኣር እቲ ዝነበረና ሰናይ ስነምግባርን ስነ-ስርዓትን እናኣጥፋእናዮ ብምምጻእና እቲ ሓድሕድካ ምድምማጽን፥ ምክብባርን እውን ምስኡ እናተሓኸኸ ስለዝመጸ በብዓይነቱ ኣብ ሕድሕዱ ዘይናበብ ሕብረትሰብ ኰይንና ኣሎና።

እቲ ካልኣይ ክፍወስ ዝግበኦ ሕማም ከኣ ኮነ ኢልካ ንሰብ ንምጥቃንን ንምጽላምን ንዘይተባህለ ከምዝተባህለን ንዘይተገብረ ከምተገብረን ጌርካ ምውራይን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መንቀሊ ግርጭትን ፍልልያትን ኮይኑ ኣብ ናይ ሰላም መኣዲ ከይንኣቱ ዓጊቱና ኣሎ። ገሊኡ ጉዳያት ሃገርን ሃይማኖትን፥ ሃይማኖትን ህዝብን፥ መንግስትን ሃይማኖትን ኣተኣሳሲርና ክንጎዓዝ ሕዂ ስለእንብል ነቲ ውጹዕ ዜጋ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ወጽዓኡን በደሉን ነድህብ ምስ ሃይማኖቱን፥ ቀቢሉኡን ኣተኣሳሲርና ናብ ዘየድሊ ፍታሕ ዘይርከቦ ህውተታ ንኣቱ። ንኣብነት ሓደ ኣመሓዳሪ እስላማይ እንተኾይኑ እቲ እተወጸዐ ክርስትያን እንተኾይኑ እዚ ብዓይኒ ፍትሒ ደኣ እምበር ንመላእ እስላም ከም ጨቋኒ ገርካ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምኡ ኣውን በቲ ሓደ ሸነኹ ማለት እቲ ኣመሓዳሪ ክርስትያን እንተኾይኑ እቲ እተወጸዐ ከኣ እስላማይ እንተኾይኑ፥ ብስም መላእ ክርስትያን ከምዘይኮነ ክነስተብህለሉ ይግበኣና።

ካልእ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ድማ ገሊኡ ኣብ ውሽጥኻ ሓቢእካ ብኣፍካ ካልእ ምዝራብ እውን ሓደ ካብቲ ግዙፍ ጠንቂ ናይ ክፍትሑ ዘለዎም ግጉያት ኣተሓሳስባታት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንረብሓ ኩሉ ንህዝብናን ሃገርናን ዝጠቅም ብሓባር ኮይና ክንሓስብ ዘይምኻኣልና እዩ። ኣብ ክንዲ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ነቲ ድኽመታትና ብመገዲ ጸቢብ ስምዒታት ኣቢልና ክንዕወት ዝብል ሓሳብ የጥቀዓና። እዚ ከኣ ብግዲኡ ነቲ ክጸንዕ ዝግበኦ ዝምድናናን ምትእስሳርናን የላሕልሖ እሞ ኣብ ደረጃ ዘይምትእምማንን ሕነ ምፍዳይን ኣብጺሑ ብዛዕባ ቅኑዕን ቀጻልን ፍታሕ ንኸይንሓስብ ይገትኣና። ካብዚ ሓሊፉ ብቦታ ድዩ ብእምነት ንዝልለይ መግለጹ ብዙሕነታዊ መልክዕና ክኸውን ዝግበኦ ፍልልይ ውልቃዊ መጣቐሚ ክትገብሮ ምፍታን ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንምርሕሓቕ ዘራጉድ ኮይኑ እቲ ሽግር ምስቲ ቅርጻ ናይ ሃገርነት ክወሃሃድ ወይ ክሓብር ብዘይምኽኣሉ እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ድማ እቲ ናይ ፍርሕን ጥርጠራን ናብቲ ነዛ ሃገር መን በሓታ ዝብል ዝይሃናጺ ውድድር ዘምርሕ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣብ መንጎ ዓሌታት ድዩ እምነታት ዝካየድ ቃልሲ ነቲ ዘመናዊ ቅርጻ መንግስቲ ስሒቱ ናይ ጸቢብነት ኣዕናዊ ኣፍደገ ይኸፍት። ነናብ ዓሌትካን እምነትካን ምድላው ይረአ እሞ፡ እቲ ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ ንጽቡቕ ምስልና ዝገልጽ ብዙሕነትና ይድወን። ስለዚ ንዘለና ኣብ ቦታዊ ኣቀማምጣ፡ ኣብ እምነትን ተመኩሮን ዝሰረተ ፍልልያትና ብግቡእ ከነመሓደር ዘይምብቃዕና፡ ሓደ ካብ መንቀልታት ጸገማትና ምዃኑ ተኣሚና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ክንምለስ ይግበኣና። ነቲ ናይ ሃባርና ናይ ውሱናት ንገብሮ ኣይግበኣናን።

ድራር መንታይ

12 ሕዳር 2015

Last modified on Thursday, 12 November 2015 10:17