ቤ/ጽ ውደባዊ ጉዳያት ሰፊሕ ኣኼባ ኣባላት ሰደህኤ ኣካይዱ

2015-11-08 11:40:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2017 times

ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኣኤርትራ ዝጸወዖን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘለዉ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብ7 ሕዳር 2015 ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባ ዝመረሐ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቐዲሙ ሰፊሕን ኣገዳስን መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ቀንዲ ዕላምኡ ዓመታዊ መደብ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ምስ ተሳተፍቲ ኣኺኣብ ምልላይን ግደ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትግባሩ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ንምንጻር ዝነበረ ኣኼባ፡ ሓው ተስፋይ ኣቐዲሙ መሰረታዊ መትከላት ሰልፊ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ኣብዚ መግለጺኡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ዝወሰኖም ኣገደስቲ ፖሊሲታት ኣብሪሁ፡ ኣተሓሒዙ ድማ እዞም ጉባአ ዝሓንጸጾም ፖልሲታት፡ በቲ ልሙድ ተሳትፎን ተወፋይነትን ኣባላት ሰልፊ ተተግቢሮም ኣብ ፍረ ከም ዝበጽሑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ቀጺሉ ድማ እቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ናይቲ ሰልፊ ኣባል ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ እዚ ቤት ጽሕፈት እቲ እንታይ ዓይነት ዓቕሚ ከም እንውንን ኣብ ምውሳን ዓብይ ግደ ስለ ዘለዎ ኣገዳነት ናይቲ ኣኼባ ቀሊል ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ብምእታው ድማ ሓው ተስፋይ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ኣብ መዳያት፡ ምምሕዳር፡ ምልመልን ምንቕቓሕን፡ ስርርዕን ምስፋሕ ኣባልነትን፡ ድነት ሓይልታት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ምዕኳኽ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይን ምድላው ንመጻኢ ግዜን ሓፈሻዊ ጉዳያትን ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ብዝምልከት ብምምሕዳራ ናይቲ ቤ/ጽ ተተሊሙ ብዛዕባ ዘሎ ስረሓት ዝምልከት ዓሚቕ ዝርዝራዊ መብርሂ።

 

ድሕሪቲ ንጹር መግለጺ ናይ ሓው ተስፋይ መድረኽ ንሕቶ፡ ርኢቶን ለበዋትን ክፉት ምስ ኮነ ድማ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት ቀሪቦም መትከላትን ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሃን ናይ ሰልፊ መሰረት ብምግባር ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። እቶም ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ብመሰረቱ ከምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ኣኼባ ምውዳቡ ንኢዶም ኣብቲ ሓው ተስፋይ ዝሃቦ መብርሂ ዕጉባት ምዃኖም ድማ ኣብሪሆም። ዋላ’ኳ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ዘተኮረ እንተነበረ፡ እዚ ኣኼባ ጠቐምትን ተዛመድትን ሰልፋዊ ጉዳያት’ውን ይለዓሉ ነይሮም። ምድልዳል ሰልፋዊ ሓድነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ኣድላይነት ምእዙዝነት በብደረጃኡ ንስወጹ ፖሊሲታትን ውሳነታትን፡ ወሳኒ ብጽሒት ተሳትፎ ኣባላት ኣብ ምሕያል ሰልፊ፡ ካብቶ ሰፊሕ መብርሂ ዝተዋህብሎም ጉዳያት ኮይኖም፡ ኣብ ዝርዝራዊ ኣፈጻጽማ ዓመታዊ መደባት ቤ/ጽ ውደባዊ ጉዳያት ዘተኮሩ ዝርዝር ጉዳያት እውን ተላዒሎም ደቂቕ መብርሂ ተዋሂብዎም። ኣብዚ ሰልፋዊ ሓልዮትን ግሉጽነትዝ ዝተንጸባረቐሉ ኣኼባ፡ ኣብ መጻኢ ስረሓት ዝሕግዙ ግንዛበታት ከም ተንጸባሪቐ ድማ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ እምነት ነይሩ። ነቲ ኣኼባ ዘመሓደረት ሓውቲ ኣድያም ከኣ ኣበርክቶኣ ዝነኣድ ነይሩ።

8 ሕዳር 2015

Last modified on Sunday, 08 November 2015 12:50