ዎርክሾፕ እንታይ እዩ

2015-11-14 09:03:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2115 times

ዎርክሾፕ ቃልብቃሉ ሓደ ኣቚሑት ዝስረሓሉ፡ ዝዕረየሉ ወይ ዝጽገነሉ ህንጻ ወይ ክፍሊ ማለት እዩ። በቲ ካልእ ትርጉሙ ድማ ውሱን ቁጽሪ ሰባት ወይ ጉጅለ ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ወይ ፍጻመ ጽዑቕ ክትዕ ወይ ምይይጥ ዘካይድሉ መድረኽ እዩ። እዚ ብፍላይ ብናይ ተመክሮታት ምልውዋጥ ኣቢልካ ፍታሕ ንናይ ገለ ግድላት ወይ ሽግራት ዝርከበሉ ወይ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ኣጋጣሚ ማለት እዩ። ዎርክሾፕ ዕላማ ኣለዎ። ማለት ብዛዕባ እንታይ ተጽንዕ ወይ እንታይ ክትመሃረሉ ትኽእል ብከመይከ ምስ ካለኦት ኣብ ሓባራዊ ተረድኦታት በጺሕካ ናይ ሓባር ሽግራት ተፈትሓሉን ሃናጺ ሓሳብ እትረኽበሉን ኣብ ግምት ዘእቱ ስለዝኾነ።

ኣብዚ ዎርክሾፕ ዝካፈሉ ኣካላት ማለት ብዝሒ ተሳተፍቲ ምውሳን ከከምቲ ዓይነት ኣርእስትን ውጥንን ዝኸይድ እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ሽግር ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለመ እንተኾይኑ፡ ካብ ዓሰርተ ሰባት ዘይበዝሕ ቊጽሪ ክሳተፎ ዝሓሸ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ፈትፊትካ ንምግላጹን ህዱእ ክትዓት ንምክያድን ግዜ ከይወስድካ ንምርድዳእ እውን ቀሊል ይኸውን። ትምህርቲ ንምቕሳም እንተኾይኑ ልዕሊ ዓሰርተ ማለት ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ክኽውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ልዕሊ ሓምሳ ሰብ እንተኾይኑ እቲ ክትዕ ላዛ ዘለዎ ኣይከውንን፥ ግዜ እውን ኣይቁጥበልካን እዩ። እንተ ደኣ ተሳተፍቲ ኣዝዮም በዚሖም ናብቲ ቁምነገር ከይኣቶኻ እቲ ግዜ ይባኽን ማለት እዩ። ኣብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ሓደ ሰብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ስዓት ክዛረብ እንተኾይኑ እቲ ግዜ ኣይኣኽለካን እዩ።

ስለዚ እዩ ዎርክሾፕ ኩሉ ግዜ ብውሑዳት ሰባት ክካየድ ዝምረጽ። ካልእ ጉዳይ እውን ነቲ ቁጠባ ማለት ናይ ተሳተፍቲ መደቅስን መግብን ክራይ ኣዳራሽን ካልእ መሳለጥታትን ኩሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ስለዚ ነቶም ዝዕደሙ ተሳተፍቲ ዝምልከት እቲ ዓዳሚ እዩ ዝውስን፡ እዚ ከኣ ብመጠን እቲ ትሕዝትኡን፥ ነቲ ተደልዩ ዘሎ ኣርእስቲ ንምህብታሙን ዝምጥን ቁጽሪ ሰባት ይውስን። ንግዜ ኣብ ዝምልከት ዎርክሾፕ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ክልተ መዓልቲ እንተ በዝሐ ከኣ ንሰሙን እምበር ካብኡ ንላዕሊ ኣይቅጽልን እዩ።

ዎርክሾፕ እምበኣር ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምኡ እውን መብርሂ ዘድልዮ ጉዳያት ንምብራህ ክእለትን ሜላን ዝሓወሰ ኮይኑ ናብ ናይ ግዝኣተ-ሕጊ፥ ዲሞክራሲ፥ ኣብዝሓ ባህልታት፥ መሰል ደቂሰባት ወይ እውን ጉዳይ መሬት፥ ቋንቋ፥ __ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ካብ ተመክሮታት ኣዋህሊሉ ምስቲ ዘሎ ሽግራት ዝመሳሰል ኮይኑ ናይ ፍታሕ ኣንፈት ንኽርከብ ዝጋባእ እዩ።

እዚ ካብ 13-11-2015 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ዝከያድ ዘሎ ዎክሾፕ እምበኣር ነዚ ዝዓለመ እዩ፡፡ ከምቲ ኣብቲ ዕላማኡ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ናብ ምይይጥ ዝወርድ ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ተዘዚሩ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ከኣ እቶም ዕዱማት ብኸመይ መጺኦም መንከ ዓዲምዎም ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተኣኪቦም ተመያይጦም ካብቶም ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ትምህርቲ ክቐስሙን ንዘሎ ሽግራት ከኣ ብከመይ ክፍታሕ ይክኣል ክላዘቡን እምበር ብግዲ ኣብዚ ዎርክሾ ንዘይነበሩ ኣካላት ኣመንጊጎም እዚ ጥራይ እዩ እቲ ፍታሕ ክብሉ ኣይኮኑን። እንታይደኣ እቲ ዝብጻሕ ፍታሕ ናብቶም ዘይተሳተፉ ግና ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ይዝርጋሕ እሞ ድሕሪኡ ኣብኡ ርእይቶ ዘለዎ ርእይትኡ ምስ ወሰኸሉ፡ ዝያዳ ተሳተፍቲ ብዝሓወሰ ናይ ሓባር ኮንፈረንስ ዝያዳ ምህብታሙን ምስፍሑን ይከኣል።

እዚ ዎርክሾፕ ውሑዳት ውድባትን ማሕበራትን ጥራሕ ዲየን ዝካፈለኦ ዘለዋ። ስለምንታይከ እተን ካልኦት ዝይተዓደማ? ኢልካ ምሽቓል ብዙሕ ዘድሊ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እዘን ተዓዲመን ዘለዋ ኣካላት ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ከፍጠር ዝኽእልን ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎን ኩነታት ብግቡእ ዳህሲሰን እንተ ተመያይጠን እሞ ኣብ ገለ እወንታውን ጭቡጥን ዝኾነ ሓሳብ እንተበጺሐን ረብሓኡ ኣብተን ዝተሳተፋ ኣካላት ተደሪቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። እቲ ዝተበጽሐ ጭቡጥን እወንታውን ሓሳብ ነቲ ዘሎ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ግደ ክህልዎ ከምዝኽል ምስተራእየ፡ ምስቲ ኣብቲ ዎርክሾፕ ዘይተኻፈለ ኣካላት ከኣ ተመሊሱ ይዝረበሉ። ሽዑ ከኣ እቲ ካብ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝካፈለኦ ኮንፈረንስ ወዲብካ ኣብ ሓደ ሓባራውን ውዱእን ኩሉ ዝሰማማዓሉን ናይ ፍታሕ ሓሳብ ይብጻሕ። ብድሕር’ዚ እቲ ሓባራዊ ተረዶን ሓባራዊ ስምዒትን ይዕምብብ እሞ እቲ ሎሚ በዂሩ ዘሎ ምትእምማን ምስኡ ይረጋገጽ። ተኣማሚንካ ናብ ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ ከኣ የተባብዕን ዕድል ይኸፍትን። ስለዚ ዎርክሾፕ ኩሉ ግዜ ነቲ ድሒሩ ዝመጽእ ባይታ ናይ ስኒትን ምርድዳእን ዝምድምድ እምበር ጐስዩ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ድራር መንታይ

14 ሕዳር 2015

Last modified on Saturday, 14 November 2015 10:05