ኣንቱም ሰባት ሓቂ ኣይንድፈን

2015-08-18 08:38:35 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2450 times

                 ነታ ሓቂ ክደፍን ዝሃቀነ

                   ከንቱ ይተርፍ ማይ ዝሓቖነ

                   ኣብ ዓለም ይነብርከይቀሰነ

እብ ጸወታ ክዕሶ እግሪ ትፎዝያ ወይ ደጋፊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣሎ። እቲ ደጋፊ ግና ምስቲ ናይ ካልእ ጋንታ ዘባእሶ ወላ ሓንቲ የለን። ግንከ ካብ ስምዒትን ናይ ዕብለላን ትምክሕትን ወይ እውን ኣነ ክስዕር ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምግርጫዋት ይእቶ። ኩሉ ሸንኽ ድማ ነቲ ዳኛን ነቶም ናይ ወሰን መንጎኛታትን እዚ ገይሮም እቲ ፈጺሞም ክብሉ ነናቶም ፍርዲ ክህቡ ከለዉ ንረብሓ እታ ዝኣምኑላ ጋንታ ጥራሕ ኢዮም ዝጣበቑ።

እዚ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ቃልስናኸ ካብዚ ቲፎዝያ ናይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ይፍለዶ ኮን ይኸውን ወይ ዝመሳሰል ኢዩ ኩልና ክንመራመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያቱ ንኣሎ ዝብሃል ፍልልያት ተመዓዲኻ ቱሕ ምባል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብምዝታይን ልዝብን ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕ። ኣብቲ ፍታሕ ናይ ምርካብ ድማ ቅንዕና ዝመልኦን ርትዓውን ዝኾነ ፍታሕ ክመጽእ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ ክኸውን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። እዚ ከኣ ከምቲ ዊልያም ፎልክነር ዝበሎ፥’’ ንቅንዕናን ሓቅን ርህራሄን ዓው ኢልካ ድምጽኻ ኣንጻር ወጽዓን ሓሶትን ስሰዐን ክብ ንምባል ፈጺምካ ኣይትፍራህ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ከምዚ ዝፍጽም ነይሩ እንተዝኸውን መልክዕ መሬት ምተቐየረ ነይሩ’’ ይብል።

እወ! ሓደ ስውራዊ ወይ ከኣ ንመላእ ሕብረተሰብ ናብ ፍትሕን ራህዋን ከሰጋግር ዝጽዕር ንሓሶትን ጠቐነን ወጊድ ክብልን፥ ንሓቂ ሓቂ፥ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ክብል ዝደፍር ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር ሎሚ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ማለት፡ እቲ ክቡር ባህልና ብምህሳሱ ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ባህልና ቅልውላው ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ሃገርናን ዓለምናን እውን ከይተረፈ እቲ ሓቂ ምዝራብ ዳርጋ እናማህመነ ከይከይድ የስግእ ኢዩ። ሓሶት ምዝራብ ካብ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ዝበርተዐ ምዃኑ ኩልና ኣሉ ዘይንብሎ ሓቂ ኢዩ ስለዝኾነ ድማ መጥፍኢ መሬትን ህዝብን ኢዩ።

እምበኣር ነዚ ክቡር ባህልና ኣብ ንቡር ቦትኡ ክንመልሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ክምልሶ ዝግብኦ ይኸውን። ናይ ሎሚ ወለዶ ካብቶም ቀዳሞት ወለዶ ከምዝወርስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን እቶም ቀዳሞት ወለዶ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ በቲ ዝግባእዶ የስንቕዎ ኣለዉ? ዝብል ሕቶ እውን ክለዓል ግቡእ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀዳሞት ወለዶ ዝውረስ ካብ ሃለወ እቲ ዘውርስ ግቡኡዶ የካይድ ወይ ይገብር ኣሎ ዝብል ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ።

ስለዚ እቲ ገዲም ወለዶ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ከስንቖ ከሎ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዘስንቖ ዘሎ ምድህሳስ ወሳኒ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ፓልቶክ ዝስማዕን ኣብ ውልቀ-ሰባት ዝንኦም ክብሉ ዝዛረብዎን እንተኾይኑ ብሓቂ ክእረም ዝግብኦ ከምዘሎ ትርዳእ ኢኻ። ምኽንያቱ ኣሎን ዘየሎን፥ ዝተገብረን ዘይተገብረን ኩሉ ሓዋዊስካ ምግላጽ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይብርክት። ንደቅና ይኹን ንነኣሽቱ ኣሕዋትናን ደቂ ሃገርናን ጽቡቕ መርኣያን ኣብነትን ክንከውን ስለዘይከኣልና ድማ እነሆ ትርጉም ናይ ሓቂ ኣብ ህይወቶምን ኣብ ዝፍጽምዎ ዝምድናንታትን ርክባትን፥ ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ዘለዎ ጽልዋ ንምህሮም የሎናን። ብሓሜታን ሓሶትን ግን ክሳብ ዒግ ዝብሎም ነስንቖም ከምዝሎና ርዱእ ኢዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንግሆ ኣብ ነንሓድሕዶም ክህልዎም ዝኽእል ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ብኣሉታ ክጽሎን ኣብ ሓድነቶም ሽግር ዝፈጥረሎም ጥራሕ ዘይኮነ ምትእምማን ከምዝስእኑ ክገብሮም ምዃኑ ኢዩ።

ሓሶትን ሕሜታን ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ከይተጠቐምናልን ኣይንሓልፍን ኢና። ይኹን እምበር እቲ ሓሶት ብሓቂ እንተዝትካእ እቲ ኣሎ ዝበሃል ፍርሕን ጥርጠራን ፈጺሙ ምተደምሰሰ እሞ፥ ደቂ ሰባት ጥዑይ ዝኾነ ዝምድናን ንሓባራዊ ረብሓን፡ ምትሕግጋዝን መተግበሩ ነይሮም። ደሓር ከኣ ሓሶትን ሕሜታን ከምኡ እውን ብሰምን ወርቅን ኣቢልካ ምዝራብ ባህሪ ናይ ፖለቲከኛ ባኣታ ስለዘይኮነ፥ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ፖለቲካ ክንዋስእ እንተዀና ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቂ ክንዛረብ ከሎና ኢዩ እቲ ናይ ሓቢርካ ምንባርን፥ ምህዞታትን ንምዕብልና እታ ሃገርን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ምህናጽን ውሑስ ዝኸውን።

በዚ ዝኣክል ንሕና ኤርትራውያን ሃገራዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ስምዒታትናን ኣዕቂብና ብሓባር ካሳብ ዘይተቓለስናን እቲ ቃልሲ ንረብሓ ህዝቢ ወይ እውን ነታ ሃገር ዘይኮነስ እቲ ሳዕቤን በንጻሩ ኮይኑ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ሓራ ምውጻእ ቃልሲ ኣይክኸውንን ኢዩ።

ስለዚ ኩልና ንኤርትራውነትና ክንቃለስ ከሎና ንሱ ጠማሪና ስለዝኾነ ኣበይናይ ሰልፊ ንሃሉ ብዘየገድስ ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘማዕብል ርእይቶታት እኳ እንተተፈላለየ፥ መባኣስን መረሓሓቕን ክኸውን ግን ርትዓዊ ኣይኮነን። እቲ ሕማቕን ኣሉታን ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ሓቂ ተሓቢኦም ዝርከቡ ሓሶታት ከም ኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት 31-07-2015 ክሳብ ዕለት 03-08-2015 ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ብዙሓት ኣባላት ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ተረኺቦም ናይ ሓባር ናይ ክትዕ መድርኽ ዝተኻየደ ፈጺምካ ከምዘይተኻየደ ኣምሲልካ ምዝራብ ይረአ ኣሎ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣዕናውን ሃሳይን ሓሳብ ነቲ ሓቂ ደፊንካ ብሓሶት ክትልዕጥጦ ዘፍርዮ ፍረ ምድንጋርን ምንጻልን ጥራሕ ኢዩ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሓሶት ዝተመርከሰ ሓበረታ መሰረት ገርካ ኣሚንካ ምስ ተተግብሮ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛን ኣኽሳርን ዝኾነ ዛዕባን ኢኻ ትወድቕ። ስለዚ ንሓሶት ሓበረታ ካብቲ ሓቀኛ መግለጺ ፈሊኻ ከይመመኻ ዝውሰድ ውሳኔ ከይዱ ከይዱ ስኒትን ቅሳነትን ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ዘህስስን ኢዩ ክኸውን።

እቲ ኣውራ ሽግርና እምበኣር ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ካበይ ጀሚርና ናበይ ክንከይድን ንዓልብን ስለዘይንምድቦ ኣብ ጓል ነገር ንህውትት እሞ፡ ምስኡ ድማ እቲ ሓሶትን ጠቐነን ኣጎዝጒዝና ንውንጨፍ። እዚ ከኣ ምልክት ናይ ፖለቲካዊ ጥፈሻ እምበር ፖለቲካዊ ባእታስ ኣብ ከምዚ ኣይወድቕን ኢዩ። ካልኣይ ሽግርና ድማ፡ መን ኢዩ ኣንጻርና ወይ ከኣ ጸላኢና ስሒትና እቲ ጽልኢ ኣብ ነንሓድሕድና ንመልሶ እሞ ክንናኸስ ንውዕልን ንሓድርን። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብመንእሰይዶ ብኣረግቶት እናተባህለ ነቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስን ሰብ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ንኸይውደብን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ኣየድልን እናተባህለ ናብ ዓወት ዘየብጽሕ ጎደና ሕዝና ኣይ ንቕድሚት ኣይ ንድሕሪት ኰና ኣለና።

ስለዚ ክንቃለስ ከሎና ማለት ኣብ ሰልፊ ንሃሉ ኣይንሃሉ ብዘየገድስ ዕላማ ኣሎና። ዕላማ ካብ ሃለወና ድማ ዕላማና ክንቆናጸብን ክንወናጅልን ዘይኮነስ ከመይ ናብ ናይ ሓባር ስራሓትን ናይ ሓባር ዓወትን ንበጽሕ ክኸውን ኢዩ ዝግበኦ። ኮይኑ ግን ንሕና ኤርትራውያን ሕማም ኣሎና፥ ሕማምና ከኣ ንሓቂ ደፊንና፥ ብሓሶትን ጠቐነን ኣቢልና ክንፍውሶ ንጽዕር ዘሎና ይመስል። እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ስለዝኾነ ክድምሰስ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

ምልኪ ኩሉ ግዜ ግርጭታትን፥ ምናፍሓትን፥ ቅሳነት ምኽላእን፥ ሽበራን፥ ዘይምስምማዕን ዘይምውህሃድን ከምዝጭጭሕ ኢዩ ዝግበር። ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ደኣ ስለምንታይ ኢና ንሓቂ ደፊንና ኣስር ምልኪ ተጎምጉምናያን ተዓጢቕናያን እንጎዓዝ።

ብድራር መንታይ

Last modified on Tuesday, 18 August 2015 10:39