“እዛ አምባይ መን ይወርሳ?” ኣየዕውተናን’ዩ!

2015-08-18 09:48:14 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2232 times

ከምቲ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይከ እንታይ ትደሊ ደሓን” ዝበሃል ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝደሊ ንኹልና ንጹር እዩ። ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ብርጫ ዝድይብን ዝወርድን፡ ብዙሕነት ዘይጽየፍን ንድምጺ ህዝቢ ዘኽብርን ብዙሕነታዊ መንግስቲ ይደሊ። ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ዘሳሲ ኩነታት ይብህግ። ሎሚ ኣብ መድረኽ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይ እውን፡ ውድባት ይኹኑ ሰልፍታት ወይ’ውን ማሕበራት ካብ ናይዚ ህዝቢ ድሌት ዝተፈልየ ድሌትን ባህግን ከም ዘየብሎም እዮም ዝገልጹ። ድሌትን ሕልምን ህግደፍ ግና ናይዚ ተጻራሪ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ክልተ ተጻረርቲ ድሌታት እዮም ዘለዉ። እቲ ናይ ቃልሲ ኣቕጣጫን ኣሰላልፋን እውን ከምኡ ደድሌትካ ናይ ምዕዋትን ምክልኻልን ስለ ዝኸውን ክልተ ተጻረቲ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ድሌት ህዝብናን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይን ንክዕወቱ ክማልእሎም ዝግበኦም ቅድመ ተደላይነታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣተሓሳስባኻን ዓቕምኻን ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ጸሚድካ ምቅላስ ካብቲ ቅድሚት ዝስራዕ ቅድመ-ተደላይነታት ሓደ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃዋህው ኣንጻር ህግደፍ ዘተኣማምን ዓወት ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ። ወሳኒ ግደ ናይዚ ኣገዳሲ ዕማምዚ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነስ ብመሰረቱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከም ሓደ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ናይ ርኢቶ ብዙሕነት ዝተመስከረሉ እዩ። እዚ ካብ ምግባር በዂርካ፡ በበይንኻ ወፊርካ ክትዕወት’ሞ ዘተኣማምን ቀጻሊ ስኒት ከተምጽእ ምኽኣል ሕልሚ ምዃኑ ንምርዳእ ርሑቕ ኣይክንከይድን ኢና። ናትና ናይ ነዊሕ ዓመታት በበይንኻ ሸንኮለል ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለና። ካልእ ንወስኸሉ እንተ በልና ከዓ፡ ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ ሊቢያ፡ ናይ ሶርያ፡ ናይ ሶማልያ፡ ናይ ዒራቕን ካለኦት ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣብነታት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና።

ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ እትሰማማዓሉ ዛዕባታት፡ ብሓባር ተቐራሪብካ ምስራሕ እንዳደለናዮን እንዳኣመናሉን፡ ከይንትግብሮ ዝዕንቅጹና ጉዳያት ብዙሓት ኮይኖም፡ እውልል ኣቢልና ክንርእዮም እንከለና፡ ስስዐ፡ ህልኽ፡ ምጽውዋግን ንድሕሪት ምጥማትን ኢልካ ምጥቕላሎም ይከኣል። ስስዐ ብልምዲ ምስ ፍትወተ ንዋይን ገንዘብን ጥራይ እንዳዛመድና ኢና ንገልጾ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና እቲ ካብኡ ዝኸፈአ፡ ስሰዐ ብ”ኣነ ዝሓስቦ ጥራይ እዩ ቅኑዕ እሞ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ስምዑ” ዝግለጽ ናይ ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን ሕማም መግለጺ እዩ። ነቲ ኣብ ኣርእስቲ “እምባ” ኢልናዮ ዘለና ከም ናይ ደንበ ተቓውሞና ቃልሲ ሜዳ እሞ ንውሰዶ፡ እዚ ሜዳ’ዚ ብሓባር ተዘይተዋሲእካሉ ውጽኢት ከም ዘይህብ እንዳፈለጥካ “በይነይ ብሒተ ክወርሶ እየ” ኢልካ ምሕላን ከምዚ ኩነታትና ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ ጐዳኢ ምርጫ እዩ። ንመጻኢ እውን ዓቕምኻ ምውዳእ፡ ግዜኻ ብዘይፍረ ንምሕላፍን ህዝቢ ዘንበረልካ እምነት ምንካይን ተዘይኮይኑ ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ብሓባር እንተዘይወጺእና ከቶ ከምዘይንዕወት ክንፈልጥ ይግበኣና። እቲ ዘሕዝን ከዓ ነቶም መልክዕናን ግርማናን እዮም ኢልና ንንየተሎም ብዙሕነትና በብሓደ እንዳመዝሓቕና መሸፈኒ ድኽመታትናን መፈላለይን ክንጥቀመሎም ንገብሮ ዘተዓዛዝብ ሃቐነ እዩ።

እቲ ካልእ ዘተሓሳስብ፡ ኩነታትና ኣንጻር’ቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብል ንመጻኢ ዝቋመት ትስፉው ምሳለ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። ማለት ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ኣሉታዊ ምርጫ ተጣዒስና ናብ ልብና ንምለስ፡ ንዓኡ እሞ ድማ ዝረቐቐ ስልቲ እንዳቐየርና ንደጋግሞ ምህላውና እዩ። እዚ ንግደ ትማልን ንጽባሕን ዘንጊዕና ኣብ ሎሚ ጥራይ ንነብር ከም ዘለና ዘመልክት እዩ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ “ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ዝሓስብ እንስሳ እምበር ሰብ ኣይኮነን” ዝብል ኣንቢበ ኣለኹ። ንእንስሳ እንስሳ ንሰብ ድማ ሰብ ዘብሎም መልከዖምን ቅርጺ ኣካላቶምን ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ኣተሓሳስባኦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ብርሰትን ጥፍኣትን ደበና ኣሰኪፉካ፡ ውልቃዊ ድሌታትካን ስምዒትካን ውሒጥካ “ምእንቲ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክብጀው ኩሉ ክኸፍል እየ” እንተዘይልካ እቲ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንሰብኣውነትካ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው እዩ።

ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ነካይድ ምህላውና ሓደ ጉዳይ እዩ። እዚ ቃልሲ ዝኸውን ግና ብውጽኢት ክስነይ እንከሎ ጥራይ እዩ። ኮታ ሕጂ ዘለናዮ ሃለዋት ሓደ ተኽሊ፡ ተተኺሉ ኣብ ፍረ ከም ዘይበጸሐ ዝምሰል እዩ። እቲ ዝኸበደ ከዓ ዘሪእካ ምብቋል ዘይኮነ ነቲ ዝበቖለ ኣብ ፍረ ምብጻሕ እዩ። ብውጽኢት ኣብ ዘይተሰነየ ወይ ናብኡ ዝወስድ ትስፉው ኣንፈት ኣብ ዘይሓዘሉ፡ ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕካዮ ግዜን ኣብቲ መስርሕ ዘካየድካዮ ጉባአታትን ኣኼባታት ምጽብጻብ ጥራይ በይኑ ቃልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ግዜን ኩነታትን ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ቃልሲ ናቱ ግዳማዊ ጽልዋ ኣለዎ። ናይቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ኣካል ድኽመት ወይ ብርታዐ እውን ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ እውን ግዳማዊ እዩ። እዞም ጸለውቲ ባእታታት ነናቶም ኣሰር ዘንብሩ እምበር ነቲ ንዓና ዝምልከት መሰረታውን ወሳንን ሓላፍነት ዝትክኡ ኣይኮኑን። ሓቂ እዩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ጉጅለ ህግደፍ ብኹሉ መለክዒ ዕድሜኡ ኣብ ዘሕጽር ተግባራት እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ነቲ ከምስል “ብዘይካይ ሃገርን ታሪኽን ክህልወካ ኣይክእልን እዩ” ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣየዕንግሎን፡ ኣየሕክሞን፡ ኣይከድኖን፡ ኣየምህሮን፡ ንብዙሕ ጉዳያት የገድዶ፡ ኣየንግዶን፡ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ኣየሳትፎን፡ ኣየዛርቦን፡ ኣየጽሕፎን፡ ኣየጸልዮን፡ የዘኽትሞ፡ የጻልኦ፡ የድክዮ፡ ይሸጦ … ወዘተ። ከምዚ ዓይነት ጸይቂ ዝባህሪኡ ጉጅለ ካብቲ ዝብድሎ ህዝቢ እቲ ናይ ክሳድ ንላዕልን ውሽጡ ሕሩርን ክምስታ ገዲፍካ፡ ሓቀኛን ልባውን ደገፍ ክረክብ ዘበት እዩ። ብኽንድዚ ደረጃ ምስ ህዝቢ ዝተዳመየ ጉጅለ ክወድቕ ከዓ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ናይቲ “ኣውዲቐ ክትከኦ እየ” ኢሉ ኣብ ቃልሲ ዝተጸምደ ኣካል ዕማም ብግቡእ ተዘይተኻይዱ፡ ወይ እቲ ጉጅለ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ይቕጽል’ሞ ስቓይ ህዝቢ ድማ መመሊሱ ይመርር። ወይ ድማ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ምቅርራብ ኣብ ዘይተገብረሉ ይወድቕ እሞ ኣወዳድቓኡ ሕማም ደሓር ዘለዎ ይኸውን። ህዝቢ ድማ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጸገም ይወድቕ።

እዚ ጌና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈን ኣገባብን ዘይተጓዕዘ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ፡ ኣይኮነንዶ በበይንኻ ብሓደ ኮይንካ’ውን ቀሊል ሓላፍነት ኣይኮነን። ኣብቲ እንጥምቶ ናይ ርሑቕ ሽቶ ንክበጽሕ ኣብ ርሲቲ ናትና ዓቕሚ ናይ ብዙሓት ደለይቲ ዝቡቕና ወገናት ሓገዝን ምድግጋፍን ዝሓትት እዩ። እቲ ቀንዲ ዘዛርበና ዘሎ ግና፡ ንሕና እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ውሱን ግና ድማ ወሳኒ ዓቕሚ ጸንቂቕና ክንጥቀም ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ቀዳማይን ቀንድን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ምዃና ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ክንረኽቦ ዝግበኣና ከባቢያዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝን ደገፍን እውን በቲ ንሕና ካብ ዓቕምና ነቒልና እንገብሮ ኣስተዋጸኦ ዝውሰን ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ኣብ ዘይመሰረታዊ ናይ “እዛ አምባይ መን ይወርሳ?” ህልኽ እንዳኹደድና ናይ ካለኦት ኣእዳው ምምዕዳው ግርምቢጥ እዩ ዝኸውን። ቅድም ኩሉ ዝከኣለካ ብዘይተጉላባ ምስ ገበርካ ዝጐድለካ ክትሕገዝ ምጽዋዕን ምምሕጻንን ግና ውሕሉል ናይዚ ዘመና ናይ ዝምድና ኣገባብ መገልጺ እዩ።

18 ነሃሰ 2015

Last modified on Tuesday, 18 August 2015 11:50