ጸብጻብ 4ይ ዙር ፖለቲካዊ ሰሚናር ሮተርዳም

2015-05-04 22:00:55 Written by  ኣዳላውቲ ኣኼባ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3447 times

እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ዝካየድ ፖለቲካዊ ሰሚናር ሮተርዳም፡ ሕጂ’ውን ብዕለት 11 ሚያዝያ 2015 ኣብ ቦታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከተማ ሮተርዳም፡ ዕዉት ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ሰሚናር’ዚ መራሕትን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሜድያ ዝነጥፉን ካልኦት ሃገራውያን ባእታታትን ብሓፈሻ፡ ብርከት ዝበሉ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተሳቲፎሞ።  ኣብ ትሕቲ “ፖለቲካዊ ተረድኦና ዲዩ ወይ ምብዛሕ ውድባት ጠንቂ ግርጭታትና” ዝብል ኣርእስቲ ኣገዳሲ ናይ ምይይጥ ወረቐት በቲ ልሉይ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ድራር ማንታይ ቀሪቡ። ትሕዝቱ ናይ’ቲ ዝቐረበ ናይ ምይይጥ ወረቐት ካእ እነሆ ነቕርብ፦

Forth Rotterdam Seminar Tigringa 1

ፖለቲካዊ ተረድኦና ዲዩ ወይ ምብዛሕ ውድባት ጠንቂ ግርጭታትና

መኣዲ ሰሪዕና ክንበልዕ ይኹን፡ ቡን ሓቢርና ንምስታይ ይኹን፣ ኣብ ሓዘን ኣብ ሓጎስ ንኹሉ ብሓባር ምክፋልን፡ ከምኡ እውን ንተሸገረ ብወፈራ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ልሙድ ባህልና ኢዩ። እዚ ባህሊ እዚ፣ ኪኖ ብልዕን ሓዘንን ሓጎስን ሓሊፉ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ገጹ ንኽብርኽ ግን ኣይሰራሕናሉን። እዚ ክቡር ባህሊ እዚ፣ ዝፈጥሮ መሰረት ናይ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምትእምማንን ብምዝንጋዕና፡ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ህይወትና ከም ፖለቲካ፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ተጸዋዊርካን ናይ ምንባር፡ ዝኣመሰሉ ኣየማዕበልናን። ይኹን እምበር ኣብ መንጎና ጽቡቕ ዝሓስቡን ክፉእ ዝሓስቡን ኣለዉና። ክልቲኦም ድማ ሓደ ዝዓይነቱ ዕላማ ኢዮም ዝጣበቑ። ነየናዮም ኢና ንኣምን? ባህሪ ውልቀሰባትከ ኣብ  ባህሊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስነኣእምሮኣዊን ከምኡ እውን ንግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት እንታይ እወንታ ወይ ኣሉታ ጽልዋ ኣለዎ።? ሓባራዊ ባህሊ ካብ ሃለወና ናብ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ዘየብጽሕ እንታይ ይዕንቅጸና?
እንታይ ኢዩ ግርጭት?
ግርጭት ምስ ካልኦት ክመሳሰል ዘይክእል ናይ ክብርታትን፡ ተግባራትን፡ ድሌታትን፡ ረብሓታትን ተመርኵሱ ብዝለዓል ፍልልያትን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ክብጻሕ  ዘይከኣለሉ ግዜ ዝምንጩ ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ መዓልታዊ ዘጓንፍ ኢዩ።  ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ወይ እውን ካልእ ዘሎካ እምነታት ዘሎ ፍልልያት ተጻዋርነት እንተዘየሎ ኣብ ግርጭት ክእቶ ናይ ግድን ኢዩ። ግርጭት -ስግኣት -ቁጠዐ፣ ሓንሳብ’ውን ኣብ ጎነጽ ወይ ዓመጽ የድህብ። ግርጭት ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ጥራሕ ዝርአ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ኣብ መንጎ ሃገራትን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፡ መንግስታትን’ውን ከይተረፈ ይረአ።
ግርጭት ብግቡእ እንተዘይተፈቲሑ ንሰላምን፡ ስምምዕን ውህደትን የፍኩሶ ወይ የላሕልሖ እሞ፡ ናብ ዘይምርድዳእ የበጽሕ፣ ምትእምማን ድማ የጥፍእ፣ ንዝነበሩ ጥዑይ ዝምድናታት ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ይልውጦም።  ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍና ንጉዳያት ይኹን ንነገራት ከመይ ንጥምቶምን ንመዝኖምን፣ ንዝተፈላለየ ተረኽቦታት ንምልላዮም ይኹን ክንኣልዮም ክንዋሳእ ከሎና፣ ነናትና ዝተፈላለዩ  ኣገባባት ስለንጥቀም ኢዩ። ስለዚ ግርጭት  ካብ ንኹሉ ሸነኽ ዘዕግብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ኢዩ ዝረአ።
ግርጭት  እወንታውን ኣሉታውን ወይ ከኣ ኣዕናውን ሃናጽን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኸፈል።
ግርጭት ሃናጺ ዝኾነሉ፦ ንሓባራዊ ረብሓ ምስዝጥምት፡ ምሕዝነት የደልድል፡ ምትእምማን ይፈጥር ፡ ቀጻሊ ርክባት የዘውትር፡ ሓባራዊ ድሌታት ንለውጢ የማዕብል፡ ኩሉ ሸነኽ ክዕወት ዝብል ሓሳብ ምስዘድህብ፡ ናብቲ ሓቅኛ ዛዕባ ምስዘዘንብል፡ ኣሳታፍነትን፡ ሕድገታትን ምስዝቕበል ከምኡ እውን ደቂ ሰባት ንዝተፈላለየ ሓሳባትን መተካእታታትን ኣብ ግምት ንምእታው ይገብር፡
ግርጭት ኣዕናዊ ዝኾነሉ፡- ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ምስዝንቅል፡ ናብ ውልቂ ረብሓ ምስዘድህብ፡ ዝወሓደ ምትዕጽጻፍ ምስዝገብር፡ እቲ ዝጻረሮ ሸነኽ ክሰዓር ወይ ክዓኑ ዝብል ሓሳብ ዝውንን፡ ኣብ ውልቀ መጥቃዕቲ ምስዘድህብ፡ ምፍራራሕ፡ ኮታ ሓፈሻዊ ተግባራት ናይ ጽልኢ ምስዘዘውትር። ነቲ ሓቀኛ ዛዕባ ሸለል ምስዝብሎ፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራሕ እምበር ኣብ ሕድገታት ምስዘይኣምንን፡  ናይ ለውጢ ስግኣታት ምስዝህልዎ፡ ዝምድናታት የበላሹ፡ ርክባት የቋርጽ፡ ሞራል ደቂ ሰባት ይዕኑ።
ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ኣብ ውሱን ጉዳያት ናይ ጠቕምናን ሓሳብናን ፍልልያት ስለዘሎና ግርጭት መወዳእታ የብሉን። ይኹን እምበር ንፍልልያት ከመይ ኣማእኪልና እወንታዊ ለውጢ ነምጽእ ክንሓስብ ግን ብምንም ዓይነት ክገትኣና የብሉን።

ባህሪ ውልቀሰባት ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ኣብ ምፍታሕ ጽልዋ ኣለዎ
1.    ብናትካ ወይ ብጉዳይካ ምሕሳብ ጥራሕ ምግዳስ (ኣግላሊ መንፈስ)፣
2.    ተግባር ጥራሕ፣
3.    ብስነፍልጠት ምግጣም፣

ግርጭት ናብ ንሓባራዊ ዕላማ ዘይምግዳስ የብጽሕ። ሓባራዊ ዕላማ ንወግዕታትና፡ ንመንነትና፡ ንመሰላትና፡ ንሓርነትና፡ ንሓድነትና ክንብል ብሓባር ክንምርሽ ኢዩ ዝሕግዘና። ነዚ ጎሲናዮ እንተኸድና ድማ ሳዕቤናቱ ከቢድ ይኸውን። እንታይ ኢዮም እቶም ናይ ሓባር ዕላማ?

ናይ ሓባር ዕላማ ካብቲ ናይ ሃገራዊ  መቖሚታት ዝምንጩ ኢዩ። ንሱ ድማ፡-
1.    ልኡላውነት (ስልጣን) ህዝቢ፣ ህዝቢ ዝመሓደረሉ ዓይነትን ኣገባብን፣ ዝደልዮ መንግስቲ ምትካልን ንሱ ብዝሰማማዓሉ ሕጊ ንክምስርት ዝለዓለ ስልጣን ማለት ኢዩ። ኮታ ህዝቢ ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣን ክኸውንን፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን።
2.    ልኡላውነት ሃገር (ብዓለም ለኻዊ) ናጽነት ኮይኑ ብኻልእ ደጋዊ ሓይሊ ኢድ ኣታውነት ዘይብሉ ኣብ ውሽጢ ካልኦት’ውን ጣልቃ ዘይኣቱ -እታ ሃገር ነቲ ዶባትን ጉዳያት ውሽጣውን ዓለም ለኻውን ቅርጽታት  ዘካተተ ኮይኑ ንዜጋታት እታ ሃገር ረብሓ ክህልዎም ዘውሕስ ኢዩ።
3.    ሓድነት ህዝቢ፣
4.    ልኡላውነት ሕጊ፣ ሕጊ ጎይታ መንግስቲ፣ መንግስቲ ድማ ባርያ ሕጊ ክኸውን፣
5.    ኤርትራ ብቅዋምን ብዲሞክራስያዊ ሕጊን ክትመሓደር  ..ወዘተ

ነዚ ሃገራዊ መቖሚታት እዚ ንኣምነሉ እንተዀና፣ መንቀሊ ግርጭታትና ክንፈልጥ እንታይ ክንገብር የድሊ? እቲ ቀንዲ ምስጢር ንፍልልያትናን ግርጭታትናን ክንድህስስ ዝዕንቅጸና፡ ሓደ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ኣዕሚቝና ክንፈልጦ ድሌት  ወይ  ቅሩብነት ዘይምህላው ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ  ነቲ ጠንቂ እናፈልጥናዮ ጎሲና ክንሓልፎ ምድላይና ኢዩ። ክልቲኡ ድማ ነቲ ጠንቂ ገዲፍና ናብቲ ሳዕቤን ወይ ውጽኢት ከም ነድህብ ኢዩ ዝገብረና። እዚ ከኣ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ነናዲ፣  ጸለመ፡ ምክፋእ፡ ምርሕሓቕ፡ ምቁንጻብ፡ ኣብ ሕሉፍ ምንባር ብምዝውታር ንሓባራዊ ዓወት ገዲፍና፡ ናብ ንጽላዊ ዓወት ገጽና ንጎዓዝ። ከይዱ ከይዱ ድማ ስነ-ፍልጠታውን ሰናይ ስነ ምግባርን ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካ የጥሕለና።
ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ማለት፡ ንዝኾነ ይኹን ሰልፊ ወይ ውድብ ሓይሊ ወይ ኣስገዳድ ከይተጠቕመ፡ ወይ ነቲ ሃገራዊ መቖሚታት ከይጠሓሰ፣ ወይ ኣነ ይበዝሕ ብዝብል ከየደናገረ፡ ምዝልላፍ ከይተጠቕመ፡ ከም ድሌቱ ክዋሳእ እንተንሰማማዕ፣ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ንምፍላጡ ምሓገዘ እሞ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ምተኻእለ። እዚ ግን ከም ድሌቱ ከብሃል ከሎ ፍኑው ክኸውን ማለት ኣይኮነን፣ ገደብ ክህልዎ ይግባእ። ገደብ ክህልዎ ኣለዎ ክበሃል ከሎ ነቲ ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝትንክፍን፡ ንሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኽምን ኮታ ኣንጻር ሃገራዊ መቖሚታት ክኸውን የብሉን ማለት ኢዩ።
ግርጭት ምፍታሕ፡- ርእሱ ዝኸኣለ  ኣቓልቦን ነቲ ኣብ መንጎ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብ መንጎ እቲ ዘድለ ዕላማን ዘሎ ጋግ ንምእላይ ዘብጽሕ መስርሕ ኢዩ። እዚ ከኣ፣ በቲ ነቲ ዕላማ ብግሁድ ዲዩ ወይ ዘይግሁድ ዓንቃጺ ተራ ዘለዎ ባእታ ኣለሊኻ  ዝፍጸም  ኢዩ። ብኡ መጠን ድማ ኣብ ሓቂ ደው ብምምባል ነቲ ንኩልና ዘርብሕ ጉዳይ ክንጥምት ይግባእ። ስለዚ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ ዓዘቕቲ ከመይ ክንውጽእ ከምዘለና ክንሓስብ ናይ ግድን ይኸውን። ንሱ ድማ ካብ ስሚዒታውን ጦብላሕታውን ዝዓብለሎ ሕልና ናጸ ብምኻን ንፖለቲካውን ስነሓሳባውን ፍልልያት ብቐጻልን ርትዓውን ዝኾነ ክትዕን ብግልጺ ምግላጽን ኢዩ ዝፍታሕ።  ብተውሳኺ ኣገዳሲ ነጥቢ ንሕና ኣብ ነፍስና ለውጢ ምስ ንገብር ኢዩ ለውጢ ክመጽእን ፍታሕ ክርከብን ዝከኣል። ሎሚ ንፍልልያትናን ግርጭታትናን ኣብ ምልላይ እንተዘይተሰማሚዕናን፡ ክንኣልዮም እንተዘይበቒዕናን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ንእቶ ምባል ኣብ ምንታይ ዓዘቕቲ ክሸመና ኢዩ ፉሉጥ ኣይኮነን።
ግርጭት ሓሙሽተ መድረኻት ኣለዎ፦
1.    መቕድም ናይቲ ግርጭት፡- ኣብ ክሊ ፖለቲካዊ ተረድኦ፣ ረብሓታት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ፍልልይ ዝረአ ኢዩ።
2.    ቃታ ዝሰሓበሉ ኩነት፣
3.    ተበግሶታት፣
4.    ናይ ምፍላይ መድረኽ፣
5.    ናይ ፍታሕ መድረኽ፡- ግርጭት ናብ ዘብጸሓካ የብሉን። ስለዚ ደቂ ሰባት ሕድገታት ክኣምኑን  ነቲ ግርጭት ድማ ክፈትሕዎ ድሌታት ምውናን። እዚ መድረኽ እዚ  ነቲ ግርጭት ንምፍታሕ ዝተፈላለየ ምርጫታት  ዝግንዘበሉ ወይ ዝርከበሉ ወይ ዝድህሰሰሉ ኢዩ።

ከምቲ (ዋትዛላዊክን ቢቨኒን ጃክሶንን) ዝበልዎ፡ “ብዛዕባ ግርጭት ክንርዳእ እቲ ርኽክብ ክንርዳእ ይድሊ”።  ኣብ ነንሓድሕዱ ሕኒን ምባል ናብ መደምደምታ ፈጺሙ ኣየብጽሕን ኢዩ። ስለዚ ምይይጥን፡ ዝርርብን ዝሓሸ ኣገባብ ኢዩ።
ርኽክብ ፡- ግርጭት ምስ ዝህሉ ብመገዲ ርኽክብ ኣቢሉ ኢዩ ክረጋገጽን ክገለጽን ዝከኣል። ርኽክብ ማለት ደቂ ሰባት ንዘለዎም ዘይምስምማዕን ወይ ፍልልያትን ዝገልጽሉ መስርሕ ኢዩ። ርኽክብ ንግርጭት ብዓወት ዝእለየሉ  ወይ ከኣ ዝብእሰሉን ናብ ኣሉታዊ ውጽኢት ዘድህብ መኣዲ ይሰርዕ። ስለዚ ደቂ ሰባት ኣብ ዝራኽብሉ ክልተ ነገራት ይረኣዩ። ንሱ ድማ -
1.    ኣዕጋቢ ባእታ      
2.    ምትእስሳራዊ ባእታ
እዘን ክልተ ባእታታት እዚኤን ኣብ ናይ ሕድሕድ ርክብ ዝተጣመራ ኢየን።
ኣዕጋቢ ባእታ ፡- ወድዓዊ ፡ ብሩህ ወይ ክረአ ዝኽእል ጭቡጥ ማለት ኢዩ-
ምትእስሳራዊ ባእታ፡- ናይ ተሳታፋይ ርእይቶ። ንኣብነት፡ ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ ዘዕዉት ኣይኮነን - ርኡይን ኣዕጋቢ ባእታ እውን ኢዩ። ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ ኣዓዋቲ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ከኣ ነዚ ክመይ ይገልጾ ብዙሕ ትርጉም ክህቦ ይከኣል። ኣብዚ ናይ ክልቲኦም ዝምድና ሓርፋፍ ምስ ዝኸውን፡ ምትእምማን ጠፊኡ ምጥርጣራት ይሰፍን። (ጉዳይ ቁጽጽር ኮንትሮል-ጉዳይ ጸጊዒነት፣ ጉዳይ ክብሪ ወይ ዝና ) ዝሓወሰ ይኸውን።

ስለዚ ርክብ ወሳኒ ኢዩ። ግን ርክብ ኣብ ዝካየደሉ ድማ ነዘን ዝስዕባ ክነስተብህል ይግባእ፡-
1.    መሳጥን ዓዳምን ክኸውን ኣለዎ።
2.    ምስ ካልኦት ኣብትዛተየሉ ንዘረባኻ ይኹን ኣገባብ ኣዘራርባኻ ፍሉይ ሓልዮት ክህልወካ ኣለዎ።
3.    ዋላ እውን ምስቲ መላዝብትኻ እንተዘይተሰማማዕካ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምድፍፋር ወይ ምጉብዕባዕ ምውጋድ።
4.    ኩሉ ግዜ እሩም ቃላት ግን ከኣ ብዘዕግብ ኣገባብ ምዝራብ።
5.    ብፍሕሽው ገጽ ሰላምታ ሃብ (ንነብሪ ሕቐፍ)
6.    ንመልሓስካ ተቖጻጸር፡ ንናይ ካልኦት ስሚዒታት ይኹን ክብሪ ዝትንክፍ ቃላት ዘይምውታር።
7.    ካብ ብዕሉግ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ተቖጠብ።

ኩልና ኣብዚ ገዛ ዘሎና ነዚ ሎሚ ወሪዱና ዘሎ ፍልልያት ይኹን ግርጭታት ከምዚ ኢልካ ክቕጸል ኣይከኣልን ኢዩ፡ ነዚ ሽግር እዚ ክንፈትሖ ኣሎና ኢልና ንሓስብ ኢና። ምኽንያቱ ነዚ ግርጭታት ይኹን ፍልልያት ንምእላይ፣ ንሕና ምስ ጭቁን ህዝብና ኰና ንጉዳይ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋና ክንኣሊ ዝለዓለ ልኡላውነት ስለዘሎና። ነዚ ከኣ ብሓባር ኰና እምበር ብተናጸል ፍታሕ ክነመጽእ ወይ ናብ ፍታሕ ክንበጽሕ ክምዘይከኣል ክንኣምን ይግባእ። ናብ ሓባራዊ ፍታሕ ንምብጻሕ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ምግንዛብ ከድሊየና ኢዩ፡-
1.    ናይ ሓባር እምነት ምምዕባል
2.    ቅኑዕ ሓበረታ ምውናን፡-
3.    ክንፈልጦ ዘሎና ጉዳይ
4.    ክነተግብሮ ዘሎና ጉዳይ

ናይ ሓባር እምነት  ምምዕባል፡-
ኩልና ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና  ብዙሕ ኣይንፈላለን ዘጠራጥረና ውን የለን። ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ሓባራዊ ሃገራዊ እምነት እንተዘየማዕቢልና ግን፡ ንረብሓ እታ ሃገር ብኹሉ መቖሚታታን ክውነታታን ዝተወህሃደትን ዝሰመረትን ክትከውን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብ ትሕተ ሃገራዊ ረብሓታት ኢና ክነድህብ። በብናትና ምስጓም ድማ ሓንቲ ዝሰመረት ሃገር ኣብ ምምስራት ሃሳዪ ግደ ክጻወት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ተሳትፎ ህዝቢ ከምዘይዕድምን፡ ህዝቢ ዝደልዮን ዝመርጾን ውጽኢት ክህብ ከምዝይክእል ድማ ርዱእ ኢዩ።  ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ኰና ኣብ እንዋሳእሉን፣ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ዝጥርንፈናን ዝተሓቛቝፈናን ጽንሰ ሓሳብ ሒዝና ንዝተፈላለየ ፖለቲካ እንተሰዓብናን፣ ዝተፈላለየ ሃይማኖት እንተኣመንናን፣ ናይ ዝተፈላለየ ብሄራት ወይ ኣውራጃታት ኣባላት እንተኾናን፣ንሓንቲ ሃገር ክንሓስብ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሓባር እምነትን ዓላማን ክህልወና ናይ ግድን ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ ጌጋን ቅኑዕን፡ ሓሶትን ሓቅን፡ ጽቡቕን ሕማቕን ንምልላይ ዝሕግዘና ሞራላዊ ስነ-ምግባር ክንክተል ግዱዳት ኢና። እቲ ግርጭት ዝለዓል ድማ ነዚ ዝተጠቕሰ ስሒትና ክንጎዓዝ ምስ እንጅምር ኢዩ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ። እዚ ከኣ ካብቲ ‘’ንዓኻ ክሕብሕቡኻ እትደሊ ንኻልኦት እውን ሓብሕብ’’ ዝብል ተረድኦ የስትሕተና እሞ፡-
-    ነቲ  ጌጋ ዝኾነ ንኸይእረም፣
-    ነቲ  ኣስጋኢ ዝኾነ ብግዚኡ ንኸይዕገት፣
-    ነቲ ዓዳሚ ዝኾነ ሓሳብ ንኽንጸግ (ቅቡል ንኸይከውን፣
-    ነቲ ዝተሳሕተ ጉዳያት ንኸይስተኻኸል ወይ ክይልቀብ፣
-    ነቲ ዝጎደለ ሓሳባት ንኸይምላእ ገይሩ ንኹሉ ብጸቢብን ብጥርጠራን ንምርኣይ ይደፋፍኣና።

ቅኑዕ ሓበረታ ምውናን፡-ቅኑዕ ሓበረታ ብመናፍሕ ክብረዝ ከሎ ነቲ ጠንቂ ንኽይፍለጥ ከም ዝሽፈን ይገብሮ እሞ ቅኑዕ ሓበረታ ንኸይንውንን ይዓግት። ሓደ ካብኡ ግጉይ ሓበረታ ምስናቕ ኢዩ። ግጉይ ሓበረታ ድማ እቲ ጽቡቕ ድሌታት ብሕማቕ ድሌታት ይዕብለል። ነቶም ጽብቕ ዝሓስቡ ሰባት ነቲ ሓሳባቶም ኣብ ክንዲ ምማይ ብቐጥታ ሓሳባቶም ዝለምሰሉ  ወይ ዝመኽነሉ ዘይቅኑዕ ሓበረታ ይዝርጋሕ። እዚ ከኣ እቶም ተመሳሳሊ ጽቡቕ ሓሳባት ዘለዎም ከይዛመዱ ይዓግቶም። ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበረታ ምስ ዘይንውንን ድማ ንወግዕታትናን ንሓባራዊ ጠቕምታትናን ረብሓታትናን ዝጻረር ክሳብ ኣብ ምድጋፍ ይበጽሓና። ከምኡ እውን ነቲ ቅኑዕ ሓበረታ ብዝሽፍን ኣገባብ ኣጸባቢቕካ ዝፍኖ ሓበረታ  ብቐሊሉ  ከም ንኣምን ወይ ከም ንደናገር ይገብረና። በዚ ድማ  በቶም  ነቲ ቅኑዕ ሓበረታ ሸፊኖም ጽቡቕ ዝዛረቡ ንስለብ እሞ  ንጨቋኒናን ሃሳይናን ዝኾነ ሓሳባት ከይተረደኣና ንድግፍ።
ክንፈልጦ ዘሎና ጉዳይ፣ መትከላት ናጽነት ክንፈልጦም ኣሎና። መትከላት ናጽነት ድማ ብሩህ ኢዩ። ንሰብ ኣይትጉዳእ፡ መሰል ካልኦት ሓሉ፡ ክብሪ ደቂ ሰባት ኣይትተንክፍ። ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ግሉጽነትን…ወዘተ
    ውጽኢት ናይቲ ፍታሕ ኢልካ ዝቕረብካዮ መደብ ከመይ ከምዝመስልን ምምሕያሽ የድለዮን ኣየድልዮን ምግምጋም ከም ዘድሊ ምፍላጥ።
    ነቲ ግርጭት መዕለቢ ንኽግበረሉ ኣብ ፍልጠትን ሰናይ ስነ-ምግባርን ዝተመርኮሰ ትግባሬን ግምገማን ንኹሉ ብማዕረ ዘደቓቕስ  ነቲ ግርጭት ዝፈትሕ ጽንሰ-ሓሳብ ዲዩ ኣይኮነን ምግንዛብ።
    ፍልልያት ወይ ግርጭት ብጥበብን ብልሓትን እምበር ብጽልእን ባእስን ቅርሕንትን ቅኑዕ ፍታሕ ክምዘይርከብ ምስትብሃል።
    ዕላማን ውጽኢትን ክሳብ ዝወሃሃድ ምክእኣልን ስልጡን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክንጥቀም ምሕሳብ
    ናይ ሓሳብ ፍልልይ ንዝሓሸ ኣማራጺ ፍታሕ ወይ መዕለቢ ዘመንጩ እምበር ከም ኣዕናዊ ወይ ኣፍራሲ ክረአ ከምዘይብሉ ምፍላጥ
    ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን፣ እምነትን፡ ከምዘለዎ ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገራዊ ጉዳያት ግና ካብ ሰልፋዊ ውድባዊ ኣመለኻኽታ ናጻ ኰና ብሓባር እንምርሓሉ ሓባራዊ ሃገራዊ ፖሊሲን ሕግን ምቕራጽ ክሳብ ዘይተሰማማዕና ኩሉ ዝግበር ፈተነታት  ኣግላሊ መርሆ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ክነተግብሮ ዘሎና ጉዳይ፡-ነቲ ጠንቂ ናብ ግርጭት ወይ ፍልልያት ዘብጸሓና መሚና ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኡኡ ምስ ፈለጥና ኢና ነቲ ኣሎ ዝበሃል ፍልልያት ንምፍታሕን ንምንጻርን ክንዋሳእ ዘሎና። ይኹን እምበር  ቅድሚ ናብ ፍልልያት ምፍታሕ ምውሳእና ንቑሕን ርትዓዊ ዝኾነን ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ምድላዋት ምግባርን ንረብሓ ኩሉ ዝእምት ፍታሕ ምንዳይ ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ።  ነቲ ጠንቂ ናይቲ ግርጭት ኣነጺርና መሚና ክንፈልጦ እንተዘይክኢልና ወይ ክንፈልጦ ድሌት እንተዘይብልና ነቲ ግርጭት ክንኣልዮ ወይ መዕለቢ ክንገብርሉ ክንጻገም ኢና። ስለዚ ከይተረደኣና ኣንጻር ናጽነትን፡ ሰላምን፡ ስኒትን ካብ ምዃን፣ ልቦናን ብልህነትን ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ክንውንን  ይግባእ። ነዚ ከኣ ነፍስና ብምልዋጥ ኢና ክንበጽሖ እንኽእል።  ከምዚ እንተዘይገርና መሰረት ናይቲ ዘገራጭወናን ዝፈላልየናን ዘሎ ጉዳይ ክነጽንዖን እወንታዊ መዕለቢ ክንገብረሉ ኣይክንክእልን ኢና። ስለዚ
ክልተ ነገር ክንገብር የድልየና፡-
-    ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና ንዝመጽእ ኣሉታን ሓደጋታትን ክንከላኸል፡
-    ነቲ ሕማም ምፍዋስ እቲ ሕሙም ክድሕን።
ናብዚ ንምብጻሕ ከኣ፡-

1.    እቲ ግርጭት ወይ ፍልልያት ኣነጺርካ ምግላጽን ምፍላጡን።
2.    ነቲ ፍልልያት ናይ ምግምጋሙ ቅጥዕታት ምውሳን።
3.    ነቲ ፍልልያት ፈሊጥካ ዝርከብ ፍታሕን መተካእታታትን ምፍላይ።
4.    ነቶም መተካእታታት ክኾኑ ዝበልካዮም ምግምጋም።
5.    ካብቲ ኩሉ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ድማ ነቲ ፍልልያት ወይ ግርጭታት ዝፈትሕ ምምራጽ።
6.    ነቲ ዝተመርጸ ፍታሕ ኣብ ግብሪ ምውዓል።
ኣብ መድምደምታ ከም መሳርሒ ዘገልግለና፡-
1.    ሓደ ምቕሉልን ተጽዋርን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘእንግድ ባይታ ምፍጣር።
2.    ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፍን ዝኾነ ቅርጻ ክምዕብል ምግባር
3.    ንዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ጉዳይ ሓባራዊ ምስንዳኣትን ኣስታፍነትን ተሓባብርነትን ከምዘድሊ ምእማን።
4.    ኣብ ቀዋሚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓተ ሕጊ ዘብጻሕና መንገዲ ምትላምን ምስምማዕን
5.    ንህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝጠምር ሕጊ ምንዳይ
6.    ኣብ ስነ-ፍልጠታውን ስነምግባርን ዝመልኦ ፖለቲካ ክንምርኮስ ምጽዓር።

ኣብ መወዳእታ ናይ ፖለቲካ ስነሓሳብ ንድሕነት ሃገር ክንብል ከሎና ምስ ካልኦት ሓይልታት ለውጢ ምውህሃድን፣ ንሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ፍቕርን ሃገራዊ ስምዒትን ዘይጎድእ ውድባዊ ስነስርዓት ኣመቻቺእና ህይወት ወይ ቀጻልነት ዘለዎ ቅርጻ ክነትሕዞ ምስ እንበቅዕ ኢዩ።

      ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙን የመስግን


ኣቶ ድራር ማንታይ፡ እዛ ኣገዳሲት  ናይ ምይይጥ ፖለቲካዊት ወረቐት፡ ምቕራብ፡ ተሳተፍቲ ሰሚናር ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ኣቕሪቦም። ኣቶ ድራር፡ ነቲ ዘቕረቦ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝሓዘለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ብጹሑፍ መልክዕ ብክልቲኡ ቋንቋታት (ትግርኛን ዓረብኛን) ምቕረቡ ኣመጊሶም። ብዛዕባ እታ ወረቐት ሓዚላቶ ዘላ ሓሳባት ብዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ሃናጺ ርእይቶታት ቀሪቦም። ገለ እቲ ጸገም ኣብ ፖለቲካዊ ርድኢታትና ኢዩ ክብሉ ከለዉ፣ ገለ ድማ፡ እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ብዙሑነት ኢዩ ዝብሉ ነበሩ። ብሳልሳይ ሸንኽ’ውን እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ክልትኡ ምኽንያታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ዘስዕቦ ጸገም ኢዩ ክብል ሓሳብ ቀረበ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ካብ’ቲ ብቱኽረት ዝተራእየ ጉዳይ፡ ዕዮ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ጽላላት ዝሰርዕ ሕጋዊ መለክዒታትን ቅርጻ ሕግን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ ዝብል ጉዳይ ነበረ። እዚ ምስ ዝህሉ፡ ኣባልነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ክትቀበልን ክትነጽግን ይከኣል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ባይታ ንዘየለዉ ሓይልታት ካብ ምቕባልን፣ ውልቃዊ ጸቢብ ጠቕምታት ንከረጋግጹ ንዝህቅኑን ካብ ምቕባል’ውን ንድሕን። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዲሞክራስያዊ ዘተን ልዝብን ክንገስ ከም ዝግበኦን፡ ኩሎም ሓይልታት ነዚ ከም መርሆ ተኸቲሎም ካብ በበይንኻ ተነጺልካ ምስራሕ ክናገፉ ዕዙዝ ተዳልይነት ከም ዘለዎ ኣኼብኛታት ኣስሚረሙሉ። ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዕላማታቱ ከዐውት ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ “እንተ ዘይደኒንካ፣ ክሓኽረካ ዝኽእለ ፈጺሙ የለን” ከም ዝበሃል ፡ ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ክሕሉ ከም ዘለዎ’ውን ተገሊጹ።

ምስ ሃገራዊ ሰላምታና !!
ኣዳላውቲ ኣኼባ

Last modified on Tuesday, 05 May 2015 00:04