ናይ ሓዘን መደብ ንግዳያት ማእከላይ ባሕርን ሊብያን ኣብ ፍራንክፈርት

2015-05-11 19:40:36 Written by  ተቃውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1991 times

ነቶም ካብ ዶክታተርያዊ ስርዓት ሃገርና ክምልጡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን፡ ነቶም ብኢድ ሕሉፋት እስላማውያን ኢሲስ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዜጋታትና ትማሊ ቀዳም ዕለት 09.05.2015 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 18:00 ናይ ሓዘን ስነስርዓት ተኻይዱ። ስነ-ስርዓት ጸሎት ብኣምንቲ ክርስትና ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ክካየድ ከሎ፣ ብኣምንቲ ምስልምና ድማ ኣብቲ ዝተዳለወ ኣዳርሽ ተኻይዱ።


CandlelightVigilFrankfurt 1

ብድሕሪኡ መብዝሕትኦም ተኻፈልቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ብምእካብ ብኣዳልዊት ሽማግለ ዝቐረበ ጽሑፍን ከምኡውን ብተኻፈልቲ ነዚ ሓዘን ዝገልጽ ግጥምታት ካልእ መደረታትን ቀሪቡ።


CandlelightVigilFrankfurt 2 

ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ተሳተፍቲ ንጉዳይ ተቛውሞና ብዘመልክት፡ ኣድማዒን ውጺኢታውን ስራሓትን ኣብ ከተማና ክግበር ዝክእለሉ ምውቅ ምይይጣት ኣካይዶም። ዝሓለፉ ስራሓትና ብግቡእ ገምጊምና ስጡም ኣሰራርሓ ክንገብር ከምዘለና ዲማ ተረዳዲእን። ንቐጻሊ ነዚ ብዘመልክት ጽዑቕ ኣኼባታት ክግበር ናብ ሓባራዊት ሽማግለ ለበዋታት ቀሪቡ።

CandlelightVigilFrankfurt 4

ዓወት ንቃልስና
ውድቐት ብድክታተርያዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና
ተቃውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን

Last modified on Monday, 11 May 2015 21:47